ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዕዳጋ ምምስካር

ኣብ ዕዳጋ ምምስካር

ኣብ ዕዳጋ ምምስካር

ዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከተማ ኣቴና ኣብ ዝነበረሉ እዋን: መዓልታዊ ናብቲ ዕዳጋ እናኸደ ብዛዕባ የሱስ ብስራት ይሰብኽ ነበረ። (ግብ. 17:17) ነቲ ዕዳጋ ዝመረጸሉ ምኽንያት: ሰብ ኣቴና ብዙሕ ግዜኦም ዜሕልፉሉ ቦታ ብምንባሩ እዩ።

ድሕሪ 2,000 ዓመት ኣቢሉ: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ዕዳጋ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይዝርግሑ ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብኡ ብዙሓት ሰባት ኪርከቡ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ ዚግበር ዕዳጋ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ህንጻ ወይ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ኣዳራሽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣካያዲ ወይ ወናኒ ማእከል ዕዳጋ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቦም: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ኣብ ሰደቓ ወይ ኣብ መርኣዪ ሰሪዖም እዮም።

ንኣብነት: ኣብ ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ማእከል ዕዳጋ: “ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስድራ ቤት ኪሕሎ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ መሳጢ ጽሑፋት ተዘርጊሑ ነይሩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ: ብሽዱሽተ ቛንቋታት 153 መጻሕፍቲ ተበርከተ።

ሓንቲ ናብቲ ጽሑፋት ተዘርጊሑሉ ዝነበረ ቦታ ዝቐረበት ሰበይቲ: ካብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር እተገብረላ መግለጺ ብኣትኵሮ ሰምዐት። ኣምላኽ ኣብ ህይወትናን ኣብ ስድራ ቤትናን ቦታ ኺህልዎ ኸም ዘለዎ እተነግራ ሓሳብ ከኣ ተሰማምዓትሉ። ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር: መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት: መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዚብል ኣርእስትታት ዘለወን ጽሑፋት ድማ ወሰደት።

ድሕሪ ቐትሪ ሓደ ሰብኣይ ናብ ጥቓ እቲ ጽሑፋት ዝነበረት ድኳን ኪኣቱ ኸሎ: በታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት እትበሃል መጽሓፍ ከም እተማረኸ ኣብ ኣዒንቱ ይንበብ ነበረ። እታ ኣብኡ ደው ኢላ ዝነበረት ሓብቲ: እቲ ሰብኣይ ተገዳስነት ከም ዝሓደሮ ስለ ዘስተብሃለት: “ካብዚኣተን እተገድሰካ መጽሓፍ ረኺብካዶ፧” ኢላ ሓተተቶ። ርእሱ እናነቕነቐ: ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት እትበሃል መጽሓፍ ኣመልከተላ። ነታ መጽሓፍ ሃበቶ። ንሱ ድማ ሰለስተ ደቂ ኸም ዘለዉዎን ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ከም ዜመያይጦምን ነገራ። እቶም ክልተ ዓበይቲ ደቁ ኣብ ኰተቴ ዕድሚኦም ዚርከቡ እዮም። ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ እናገንጸለ ኺርኢ ኸሎ: ኣብቲ ብስድራ ቤት ዚገብርዎ ምይይጥ ከም መምርሒ ገይሩ ኺጥቀመላ ኸም ዚኽእል ተዛረበ። እታ ኣስፋሒት ነታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣርኣየቶ: ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ኣብቲ ብስድራ ቤት ዚገብርዎ ውሳነታት ጠቓሚ ምኽሪ ኸም ዚረኽቡ ድማ ሓበረቶ። እቲ ሰብኣይ ነቲ እተዋህቦ ሓሳብ ኣመስገነሉ: ወፈያ ገበረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎም ንዝቐረበሉ ዕድመ ድማ ተቐበለ።

እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብቲ ዕዳጋ ዝሃባኦ ምስክርነት ከመይ ተሰሚዕወን፧ ሓንቲ ሓብቲ: “ኣነ ብወገነይ በዚ መዳይ ስብከት እዚ ባህ ኢሉኒ እዩ። ብሓቂ ጽቡቕ ተመክሮ እየ ኣሕሊፈ!” በለት። ካልእ ሓብቲ ድማ: “የሆዋ: እቲ ብስራት ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኸም ዚስበኽ ተዛሪቡ እዩ። ሎሚ ኣብ ፓራሙስ: ኒው ጀርሲ: ካብ እተፈላለየ ቛንቋታት ዝመጹ ሰባት በዚ ብስራት እዚ ውሽጦም ተተንኪፎም እዮም። ክፍሊ እዚ ዕዮ እዚ ምዃን ባህ ዜብል እዩ። ኣብኡ እተሳተፍና ዅላትና ተሓጒስና ኢና። እናመሰየ ምስ ከደ: ዋላ ሓደ ኻባና ኻብቲ ቦታ ኪኸይድ ዝደለየ ኣይነበረን” በለት።

ነቲ ብስራት ብእተፈላለየ መገድታት ክትሰብኽ ትኽእልዶ፧ ቀንዲ ሜላ ስብከትና: እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እዩ። (ግብ. 20:20) እንተዀነ ግን: ኣብ ዕዳጋ ምምስካርከ ክትፍትኖ ትኽእልዶ፧