ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ

የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ

የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ

“ዎ ኣምላኽ: ናባይ ፍጠን: . . . ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ።” —መዝ. 70:5

1, 2. (ሀ) ኣምለኽቲ የሆዋ ሓገዝ ደልዮም ናብ የሆዋ ዚቐርቡ መዓስ እዮም፧ (ለ) እንታይ ሕቶ እያ እትለዓል፧ መልሲ እዛ ሕቶኸ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧

 ወለዲ ሓንቲ ጓል 23 ዓመት ምርዕውቲ ሰበይቲ ንዕረፍቲ ናብ ዙረት ከይዶም ከለዉ: ጓሎም ከም ዝጠፍአት ፈለጡ። ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘላ ድማ ጠርጠሩ። ብኡንብኡ ንብረቶም ጠርኒፎም ናብ ዓዶም ተመልሱ: ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ ንየሆዋ ኺሕግዞም ለመንዎ። ሓደ ወዲ 20 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር: ውዒሉ ሓዲሩ ምሉእ ብምሉእ ዜልምሶ ሕማም ከም ዘለዎ ፈለጠ። ብኡንብኡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቐረበ። ሓንቲ ስራሕ ክትረክብ እትጽዕር ንጽል ኣደ ንርእሳን ንጓል 12 ዓመት ጓላን ዚኸውን ምግቢ ኽትዕድግ ዜኽእላ ገንዘብ ኣይነበራን። ኣብ ልባ ዘሎ ዅሉ ንየሆዋ ገለጸትሉ። እወ: ኣምለኽቲ የሆዋ ኸቢድ ፈተናታት ወይ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ: ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ እዮም ዚቐርቡ። ኣብ ዝጸበበካ እዋን ካብ የሆዋ ሓገዝ ለሚንካዶ ትፈልጥ፧

2 ብዛዕባ እዚ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ኸነበግስ ንኽእል ኢና:- የሆዋ ነቲ ንኺሕግዘና እነቕርበሉ ጸሎት ምላሽ ኪህበሉ ብሓቂ ኽንጽበዶ ንኽእል ኢና፧ ኣብ መዝሙር 70 ንእምነትና ዜደልድል መልሲ ንረክብ ኢና። ጸሓፊ እዛ እተነቓቕሕ መዝሙር እዚኣ: እቲ ብዙሕ ጽንኩር ፈተናታትን ብድሆታትን ዘሕለፈ ንየሆዋ ዜምልኽ ዝነበረ ዳዊት እዩ። እዚ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ: “ዎ ኣምላኽ: . . . ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ኺዛረቦ ተደረኸ። (መዝ. 70:5) መዝሙር 70 ምስ እንምርምራ: ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ንየሆዋ ኽንልምኖ ዘሎናን “መናገፊ” ኸም ዚዀነና ምሉእ ዘይጕዱል ምትእምማን ኪህልወና ዘለዎን ስለምንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ።

“መናገፍየይ . . . ንስኻ ኢኻ”

3. (ሀ) ኣብ መዝሙር 70: እቲ ጸሓፊ እንታይ ቅልጡፍ ሓገዝ ኪግበረሉ እዩ ዝሓተተ፧ (ለ) ዳዊት ኣብ መበል 70 መዝሙር እንታይ ምትእምማን እዩ ዝገለጸ፧

3 ኣብ መጀመርታን መወዳእታን መዝሙር 70: እቲ ጸሓፊ ኻብ ኣምላኽ ቅልጡፍ ሓገዝ ኪግበረሉ ሓቲቱ ኣሎ። (መዝሙር 70:1-5 ኣንብብ።) ዳዊት ንየሆዋ: “ቀልጥፍ” ከምኡውን “ፍጠን” ኢሉ ለመኖ። ኣብ መንጎኡ ኣብ ዘለዋ ቝጽርታት: ባህጉ ወይ ትምኒቱ እናገለጸ ሓሙሽተ ልማኖ ኣቕረበ። እተን ቀዳሞት ሰለስተ ብዛዕባ እቶም ኪቐትልዎ ዚፍትኑ ዝነበሩ እየን። ዳዊት: የሆዋ ነዞም ጸላእቱ ስለቲ እከዮም ኺስዕሮምን ኬሕፍሮምን ለመነ። እተን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ልማኖ: ኣብ ቍጽሪ 4 ዚርከባ ዀይነን ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ ዘቕረበን እየን ነይረን። ዳዊት: እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ኪሕጐሱን ልዕል ኬብልዎን ጸለየ። ኣብ መደምደምታ መዝሙሩ ንየሆዋ: “ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ” በሎ። ካልእ ልማኖ ኸም ዜቕርብ ኰይኑ: “ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኹን” ከም ዘይበለ ነስተብህል። የግዳስ: ምትእምማኑ ንምግላጽ “ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ” በለ። ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ከም ዚርከብ ይኣምን ነበረ።

4, 5. ብዛዕባ ዳዊት ካብ መዝሙር 70 እንታይ ንመሃር፧ ንሕናኸ እንታይ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል፧

4 መዝሙር 70 ብዛዕባ ዳዊት እንታይ ትሕብረና፧ ጸላእቱ ኪቐትልዎ ቈሪጾም ምስ ተላዕሉ: ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኣይኰነን ኪዋጽኣሉ ፈቲኑ። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ኣብ ዝመረጾ ግዜን ብዝመረጾ መገድን ካብቶም ጸላእቱ ኸም ዜናግፎ ይኣምን ነበረ። (1 ሳሙ. 26:10) የሆዋ ነቶም ዚደልይዎ ኸም ዚሕግዞምን ዜድሕኖምን: ዳዊት ሓያል እምነት ነበሮ። (እብ. 11:6) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኻልኦት ብዛዕባ ዕቤት የሆዋ ብምንጋር ኪሕጐሱን ልዕል ኬብልዎን ከም ዘለዎም እውን ይኣምን ነበረ።—መዝ. 5:11፣ 35:27

5 ንሕና እውን ከም ዳዊት: የሆዋ ረዳኢናን ‘መናገፊናን’ ምዃኑ ምሉእ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። ስለዚ: ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ደገፍ ኬድልየና ኸሎ: የሆዋ ቐልጢፉ ንኺረድኣና ምጽላይና ግቡእ እዩ። (መዝ. 71:12) የሆዋ ግን ነቲ ንኺረድኣና ዘቕረብናሉ ጸሎት ብኸመይ ምላሽ ኪህበሉ ይኽእል፧ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ቅድሚ ምርኣይና: ንዳዊት ኣብቲ ቕልጡፍ ሓገዝ ዘድለዮ እዋን ዘናገፈሉ ሰለስተ መገድታት ንመርምር።

ካብ ተጻረርቲ ኣናገፎ

6. የሆዋ ንጻድቃን መናገፊ ምዃኑ: ዳዊት ብኸመይ ፈለጠ፧

6 ዳዊት ካብቲ ሽዑ ተመዝጊቡ ዝነበረ መንፈስ ዝነፈሶ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ: ጻድቃን ብሓገዝ የሆዋ ኺተኣማመኑ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነበረ። የሆዋ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ማይ ኣይሂ ኼዝንም ከሎ: ንኖህን ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ስድራ ቤቱን ኣድሓኖም። (ዘፍ. 7:23) ኣብቶም እኩያት ተቐማጦ ሶዶምን ጎሞራን ሓውን ዲንን ኬዝንም ከሎ: ነቲ ጻድቕ ሎጥን ንኽልተ ኣዋልዱን ብህይወት ከም ዜምልጡ ገበረ። (ዘፍ. 19:12-26) ነቲ ዕቡይ ፈርኦንን ንሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኺድምስሶም ከሎ: ንህዝቡ ኻብ ጥፍኣት ከም ዜምልጡ ብምግባር ኣድሓኖም። (ዘጸ. 14:19-28) ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙር ንየሆዋ: “ኣምላኽ ምንጋፍ” ኢሉ እንተ ወደሶ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—መዝ. 68:20

7-9. (ሀ) ዳዊት ኣብ ምድሓን ኣምላኽ ንኺተኣማመን እንታይ ምኽንያት ነበሮ፧ (ለ) ዳዊት ካብ መን ምድሓን ከም ዝረኸበ እዩ ተዛሪቡ፧

7 ዳዊት ኣብ ምድሓን የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኺተኣማመን ዘኽኣሎ ብሕታዊ ምኽንያት እውን ነበሮ። እተን “ዘለኣለማውያን ቀላጽም” የሆዋ: ነቶም ዜገልግልዎ ኬድሕና ኸም ዚኽእላ: ባዕሉ ተመኪርዎ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 33:27) ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት የሆዋ ንዳዊት ካብ ኢድ ቍጡዓት ‘ጸላእቱ’ ኣድሒንዎ እዩ። (መዝ. 18:17-19, 48) ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

8 ኣንስቲ እስራኤል ንዳዊት ስለቲ ወተሃደራዊ ጅግንነቱ ምስ ወደሳኦ: ንጉስ ሳኦል ብቕንኢ ስለ ዝሓረረ: ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ንዳዊት ኲናቱ ወርወረሉ። (1 ሳሙ. 18:6-9) ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ዳዊት ካብቲ እተወርወረሉ ዂናት ኣምለጠ። ኬምልጥ ዝኸኣለ ግን ከም ምኩር ተዋጋኢ መጠን ክኢላን ፈጣንን ስለ ዝነበረ ድዩ፧ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: “እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ” ይብል። (1 ሳሙኤል 18:11-14 ኣንብብ።) ጸኒሑ ሳኦል ንዳዊት ብፍልስጥኤማውያን ገይሩ ኬቕትሎ ዝኣለሞ ውዲት ምስ ፈሸለ: “እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረአየን ፈለጠን።”—1 ሳሙ. 18:17-28

9 ዳዊት ካብ መን ምድሓን ከም ዝረኸበ እዩ ተዛሪቡ፧ ልዕለ-ጽሑፍ መዝሙር 18: “እግዚኣብሄር . . . ካብ ኢድ ሳኦል . . . ምስ ኣናገፎ: ዳዊት ባርያ እግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ዘመረሉ” ይብል። ዳዊት ኣብታ መዝሙር እቲኣ: “እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ: ዕርደይ: መናገፍየይ: ኣምላኸይ: ዝሀድመሉ ጸግዔይ . . . እዩ” ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 18:2) የሆዋ ንህዝቡ ኼናግፎም ከም ዚኽእል ምፍላጥናስ ንእምነትና ዜደልድልዶ ኸይኰነ፧—መዝ. 35:10

ኣብ ሕማሙ ደገፎ

10, 11. ዳዊት ነቲ ኣብ መዝሙር 41 ተገሊጹ ዘሎ ሕማሙ ዝሓመመ መዓስ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

10 ሓደ ግዜ ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሕማም ሓመመ: እዚ ድማ ኣብ መዝሙር 41 ተጠቒሱ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ኸቢድ ሕማሙ ኻብ መደቀሲኡ ኺትንስእ ዘይክእል ስለ ዝነበረ: ገሊኦም ጸላእቱ: “ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ” ይብሉ ነበሩ። (ቍጽሪ 7, 8) ዳዊት ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሕማም ዝሓመመ መዓስ እዩ፧ እቲ ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ዅነታት: ኣብቲ ኣቤሴሎም ወዱ ነቲ ዝፋን ኪምንዝዕ ዝፈተነሉ ግዜ ዘጋጠመ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ሳሙ. 15:6, 13, 14

11 ንኣብነት: ዳዊት ብዛዕባ ሓደ ምስኡ እንጌራ ዝበልዐ ዚኣምኖ ፈታዊኡ ኺዛረብ ከሎ: ከም ዝኸድዖ ገሊጹ ኣሎ። (ቍጽሪ 9) እዚ ነቲ ኣብ ህይወት ዳዊት ዘጋጠመ ሓደ ኣጋጣሚ የዘኻኽረና ይኸውን። ኣቤሴሎም ኣብ ዝዓለወሉ እዋን: እቲ ዚእመን ኣማኻሪ ዳዊት ዝነበረ ኣሒቶፌል ከዲዑ ምስ ኣቤሴሎም ሓበረ። (2 ሳሙ. 15:31፣ 16:15) ነቲ ኺትንስእ ሓይሊ ዘይነበሮ እናደኸመ ዚኸይድ ዝነበረ ንጉስ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ እኩይ ሓሳቦም ምእንቲ ኺፍጽሙ ኢሎም ሞቱ ዚምነዩ ብዝነበሩ ኸዳዓት ተኸቢቡ ምንባሩ ፈለጠ።—ቍጽሪ 5

12, 13. (ሀ) ዳዊት እንታይ ምትእምማን እዩ ዝገለጸ፧ (ለ) ኣምላኽ ንዳዊት ዘበርትዖ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧

12 ዳዊት ኣብቲ “መናገፊ” ዝነበሮ ምትእምማን ግን ኣይጐደለን። ብዛዕባ ሓደ ዝሓመመ ቕኑዕ ኣምላኺ ኸምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።” (መዝ. 41:1, 3) ኣብዚ እውን: “እግዚኣብሄር ይድግፎ” ብምባል ዘርኣዮ ምትእምማን እሞ ነስተብህለሉ። የሆዋ ኸም ዜናግፎ ምትእምማን ነበሮ። ብኸመይ፧

13 ዳዊት: የሆዋ ብተኣምር ገይሩ ኻብ ሕማሙ ኼሕውዮ ኣይኰነን ተጸብዩ። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ኸም ‘ዚድግፎ:’ ማለት ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ ደገፍን ብርታዐን ከም ዚህቦ ርግጸኛ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ብርግጽ የድልዮ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣድኪምዎ ዝነበረ ሕማም: ብዛዕባኡ ኽፉእ ብዚዛረቡ ጸላእቱ ተኸቢቡ ነበረ። (ቍጽሪ 5, 6) የሆዋ ንዳዊት ዜጸናንዕ ሓሳባት ከም ዚዝክር ብምግባር ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት: “ንኣይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ” ምባሉ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። (ቍጽሪ 12) ብዘይካዚ: ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ: ጸላእቱ እውን ብዛዕባኡ ኽፉእ ይዛረቡ እኳ እንተ ነበሩ: የሆዋ ኸም ሓደ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ምስትንታኑ ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ጸኒሑ ኻብ ሕማሙ ጠዓየ። የሆዋ ንዝሓመሙ ኺድግፎም ከም ዚኽእል ምፍላጥናስ ዜጸናንዕዶ ኸይኰነ፧—2 ቈረ. 1:3

እኽለ-ማይ ሃቦ

14, 15. ንዳዊትን ሰቡን እኽለ-ማይ ዘድለዮም መዓስ እዩ፧ እንታይ ሓገዝከ እዮም ዝረኸቡ፧

14 ዳዊት ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ: ብሉጽ ምግብን መስተን ኪረክብ ይኽእል ነበረ: ኣብ መኣዱ ንኺበልዑ እውን ንብዙሓት ካልኦት ኪዕድም ይኽእል ነበረ። (2 ሳሙ. 9:10) ኰይኑ ግን: ስእነት እውን ኣጋጢምዎ ይፈልጥ እዩ። ኣቤሴሎም ወዱ ዕልዋ ብምግባር ነቲ ዝፋን ኪምንዝዕ ምስ ፈተነ: ዳዊትን ገሊኦም እሙናት ደገፍቱን ካብ የሩሳሌም ወጹ። ናብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ምድሪ ጊልዓድ ሃደሙ። (2 ሳሙ. 17:22, 24) ዳዊትን ሰቡን ይሃድሙ ስለ ዝነበሩ: ብልዕን መስተን ዕረፍትን የድልዮም ነበረ። ኣብቲ ግሉል ከባቢ ግን ካበይ እዮም ዜድልዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧

15 ኣብ መወዳእታ: ዳዊትን ሰቡን ናብ ከተማ ማሓናይም በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ ምስቶም ሾቢ: ማኪር: ባርዚላይ ዚበሃሉ ተባዓት ሰብኡት ተራኸቡ። ኣቤሴሎም ንግስነቱ እንተ ኣጽኒዑ: ንዳዊት ዝሓገዘ ዘበለ ኸቢድ መቕጻዕቲ ኸም ዚቐጽዖ ዜጠራጥር ስለ ዘይነበረ: እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ሓገዝዎ። ንዳዊትን ሰቡን ዘጋጠሞም ጸገማት ስለ እተረድኦም: ከም ዓራውትን ስርናይን ስገምን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጓን ብርስንን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ዝኣመሰለ ዜድልዮም ነገራት ኣምጽኡሎም። (2 ሳሙኤል 17:27-29 ኣንብብ።) እዞም ሰለስተ ሰብኡት ዘርኣይዎ ሓለፍ ዝበለ ተኣማንነትን እንግዶትን ንልቢ ዳዊት ተንኪፍዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ዝገበሩሉ ነገር ፈጺምካ ዚርሳዕ ኣይነበረን።

16. ንዳዊትን ሰቡን እኽለ-ማይ ብምሃቡ ልዕሊ ዅሉ ኺምስገን ዘለዎ መን እዩ፧

16 ንዳዊትን ሰቡን እኽለ-ማይ ብምሃቡ ልዕሊ ዅሉ ኺምስገን ዘለዎ ግን መን እዩ፧ ዳዊት: የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሓሊ ይኣምን ነበረ። የሆዋ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ብምድራኽ ንብጻዮም ኣምላኺ ኸም ዚድግፉ ኺገብር ይኽእል እዩ። ዳዊት ነቲ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ እተገብረሉ ነገር ኬስተንትነሉ ኸሎ: ነቲ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ዘርኣይዎ ሕያውነት ከም መግለጺ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ [እንተላይ ንሱ] ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 37:25) ኢድ የሆዋ ሓጻር ከም ዘይኰነት ምፍላጥናስ ዜጸናንዕዶ ኸይኰነ፧—ምሳ. 10:3

‘የሆዋ ብኸመይ ካብ ፈተና ኸም ዜውጽእ ይፈልጥ እዩ’

17. የሆዋ እንታይ እዩ ብተደጋጋሚ ዘርኣየ፧

17 ዳዊት ሓደ ኻብቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ዘናገፎም ብዙሓት ኣምለኽቲ እዩ። ካብ ግዜ ዳዊት ኣትሒዙ: ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ንሓቅነት እተን ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጸሓፈን: “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም . . . ይፈልጥ እዩ” ዚብላ ቓላት ኣርእዩ እዩ። (2 ጴጥ. 2:9) ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

18. የሆዋ ብግዜ ህዝቅያስ ንህዝቡ ዘድሓኖም ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. እቲ ሓያል ሰራዊት ኣሶር ንይሁዳ ምስ ወረራን ንየሩሳሌም ምስ ኣስገኣን: ንጉስ ህዝቅያስ: “ዎ [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽና: ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ [“የሆዋ:” NW] ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ: . . . ኣድሕነና” ኢሉ ጸለየ። (ኢሳ. 37:20) ንህዝቅያስ ዘተሓሳሰቦ ቐንዲ ነገር: ስም ኣምላኽ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ልባዊ ጸሎቱ መለሰሉ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ለይቲ: ሓደ መልኣኽ 185,000 ኣሶራውያን ወቕዐ: ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ድማ ኣድሓኖም።—ኢሳ. 37:32, 36

19. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ መዓት ዘምለጡ ነየናይ መጠንቀቕታ ብምስማዖም እዮም፧

19 የሱስ ካብታ ዝሞተላ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዚጠቅም ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ሃበ። (ሉቃስ 21:20-22 ኣንብብ።) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት: ብ66 ድ.ክ. ኣይሁድ ስለ ዝዓለዉ: ሓይልታት ሮሜ ንየሩሳሌም ኪወግእዋ ደየቡ። እቶም ብሰስትየስ ጋለስ ዚምርሑ ሰራዊት ንኽፋል መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ኣፍረሱ: ድሕሪኡ ግን ብሃንደበት ኣንሰሓቡ። እቶም እሙናት ክርስትያናት ከኣ እዚ ኻብቲ የሱስ እተነበዮ ጥፍኣት ዜምልጡሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓሉ: ናብ ኣኽራን ሃደሙ። ብ70 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ ተመሊሶም መጹ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣየንሰሓቡን: የሩሳሌም ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓነወት። እቶም ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝሰምዑ ክርስትያናት ግን ካብቲ መዓት ኣምለጡ።—ሉቃ. 19:41-44

20. የሆዋ “መናገፊ” ኸም ዚዀነና ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሕግዞም ዜርኢ መርትዖታት ምስትንታንና: ንእምነትና የደልድለልና እዩ። ቀደም ዝገበሮ ነገራት ንኽንተኣማመን መሰረት ይዀነና። ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ዝዀነ ይኹን ብድሆ የጋጥመና ብዘየገድስ: የሆዋ “መናገፊ” ኸም ዚዀነና ምሉእ ብምሉእ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። ብኸመይ ግን እዩ ዜናግፈና፧ ነቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ውልቀ-ሰባትከ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ ነዚ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

መዝሙር 70 ኣብ ምንታይ ምትእምማን ንኺሓድረና እያ እኹል ምኽንያት እትህበና፧

• ዳዊት ሓሚሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ደገፍ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ተጻረርቲ ኼናግፎም ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንጸሎት ህዝቅያስ ምላሽ ሃበሉ