ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቈላሕታ” የሆዋ ንዅሉ ይዕዘብ

“ቈላሕታ” የሆዋ ንዅሉ ይዕዘብ

“ቈላሕታ” የሆዋ ንዅሉ ይዕዘብ

“ቈላሕታ [የሆዋ] ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ።”—መዝ. 11:4

1. ናብ ከመይ ዝበሉ ሰባት ኢና እንሰሓብ፧

 ብዛዕባ እቶም ብሓቂ ዚግደሱልካ ሰባት እንታይ ይስምዓካ፧ ርእይቶኦም ኪህቡኻ ኽትሓቶም ከለኻ፡ ብቕንዕና ይህቡኻ። ሓገዝ ኬድልየካ ኸሎ፡ ብዘይ ልግሚ ይሕግዙኻ። ምኽሪ ኼድልየካ ኸሎ ኸኣ፡ ብፍቕሪ ምኽሮም ይልግሱልካ። (መዝ. 141:5፣ ገላ. 6:1) ናብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባትሲ ኣይትሰሓብንዶ፧ የሆዋን ወዱን ልክዕ ከምዚኣቶም እዮም። ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ይግደሱልካ እዮም፡ ከምኡ ዚገብሩ ድማ ብንጹህ ፍቕሪ ተደሪኾም እዮም። ነታ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ክትረክብ’ ይደልዩኻ እዮም።—1 ጢሞ. 6:19፣ ራእ. 3:19

2. የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ብኣገልገልቱ ዚግደስ፧

2 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ የሆዋ ኣባና ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣዒንቱ ይጥምታ፡ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ” በለ። (መዝ. 11:4) እወ፡ ኣምላኽ ይጥምተና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይዕዘበና እውን እዩ። ዳዊት፡ “ንልበይ ተዐዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 17:3) ነቲ የሆዋ ኣብኡ ዝነበሮ ዓሚቝ ተገዳስነት ይፈልጦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሓጥእ ሓሳባት እንተ ኣሕዲሩ ወይ ክፉእ ልቢ እንተ ኣልይዎ፡ ንየሆዋ ኸም ዜሕዝኖን ከም ዜጕህዮን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞኸ ኸምቲ የሆዋ ንዳዊት ጋህዲ ዝዀነሉ፡ ንዓኻ እውን ብሓቂ ጋህዲ ይዀነልካ ድዩ፧

የሆዋ ልቢ ይርኢ

3. የሆዋ ንዘይፍጽምናና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ብቐዳምነት ውሽጣዊ እንታይነትና ወይ ልብና ኸመይ ምዃኑ እዩ ዜገድሶ። (መዝ. 19:14፣ 26:2) ፈቃር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ንኣሽቱ ጕድለታትና ኣየተኵርን እዩ። ንኣብነት፡ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ንሓደ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ምስ ተዛረበቶ፡ እቲ መልኣኽ ፈሪሃን ሓፊራን ምንባራ ስለ ዘስተውዓለ፡ ፈኲስ መግናሕቲ ጥራይ ሃባ። (ዘፍ. 18:12-15) እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ “ኣነ ሓቀይ ኣሎኹ፥ ኣምላኽ ግና ተጋግዩ” ኢሉ እኳ እንተ ሓሰበ፡ የሆዋ ግን ነቲ ኻብ ሰይጣን ዝወረዶ ብዙሕ መከራ ይፈልጦ ብምንባሩ፡ ካብ ምብራኹ ድሕር ኣይበለን። (እዮ. 32:2 ትርጕም 1990፣ 42:12) የሆዋ በቲ እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ንነብዪ ኤልያስ ናይ ልባ ኣውጺኣ እተዛረበቶ ቓላት ኣይጐሃየን። ሓደ ወዳ ብሙማቱ ሓዚና ምንባራ ተረዲእዎ ነበረ።—1 ነገ. 17:8-24

4, 5. የሆዋ ንኣቢሜሌክ ለውሃቱ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ልቢ ስለ ዚምርምር፡ ንዘይኣመንቲ እውን እንተ ዀነ ተገዳስነት ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ንጉስ እታ ፍልስጥኤማዊት ከተማ ጌራር ዝነበረ ኣቢሜሌክ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ኣቢሜሌክ፡ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ምዃና ኸይፈለጠ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ኰይኑ ግን፡ ገና ኸይቀረባ ኸሎ፡ የሆዋ ብሕልሚ፡ “ኣነውን እዚ ብጽጹይ ልብኻ ከም ዝገበርካዮ፡ ፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን። ሕጂ ኸኣ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ። ነብዪ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኽትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ” በሎ።—ዘፍ. 20:1-7

5 የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኽ ዝነበረ ኣቢሜሌክ ከቢድ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ሰብኣይ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብጽጹይ ልቡ ተግባሩ ይገብር ምንባሩ ረኣየ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን፡ ነቲ ንጉስ ብኸመይ ይቕረታ ኸም ዚረክብን ከም ‘ዚድሕንን’ ነገሮ። እሞኸ ከምዚ ዓይነት ኣምላኽ ደይኰንካን ከተምልኽ እትደሊ፧

6. የሱስ ንኣቦኡ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ኣብ ጽቡቕ ሸነኻት ደቀ መዛሙርቱ ብምትኳርን ንጌጋታቶም ይቕረ ብምባልን፡ ንኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ መሲልዎ እዩ። (ማር. 10:35-45፣ 14:66-72፣ ሉቃ. 22:31, 32፣ ዮሃ. 15:15) ኣረኣእያኡ ምስቲ ኣብ ዮሃንስ 3:17 ዚርከብ፡ “ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን” ዚብል ቃላት ዚሰማማዕ እዩ። እወ፡ እታ የሆዋን የሱስን ንዓና ዘላቶም ፍቕሪ፡ ዓማቝን ቀጻሊትን እያ። ህይወት ክንረክብ ዚደልዩና ምዃኖም ፍቕሮም የርኢ። (እዮ. 14:15) እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዚዕዘበናን ብኸመይ ከም ዚርእየናን ኣብቲ ዝረኣዮ ተመርኲሱ ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ንኽንርዳእ ተኽእለና።—1 ዮሃንስ 4:8, 19 ኣንብብ።

ብዓይኒ ፍቕሪ ይዕዘበና

7. የሆዋ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ዚዕዘበና፧

7 የሆዋ፡ ሓጢኣት ክንገብር ከለና ምእንቲ ኺሕዘና ኢሉ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኸም ዚዕዘብ ፖሊስ ጌርካ ምርኣዩ እምበኣር ዓብዪ ጌጋ እዩ። ብዓይኒ ነቐፌታን ክስን ዚጥምተና፡ ሰይጣን እዩ። (ራእ. 12:10) ሕማቕ ድራኸ ንዘይብሎም እኳ ከም ዘለዎም ገይሩ ይኸሶም። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4, 5) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 130:3) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘ዋላ ሓደ’ ዚብል እዩ። (መክ. 7:20) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ፈቃር ወላዲ ንዜፍቅሮም ውሉዳቱ ኻብ ጕድኣት ዜዕቍቦም፡ የሆዋ ኸኣ ብዓይኒ ምሕረትን ለውሃትን ይሕልወና እዩ። ንርእስና ምእንቲ ኸይንጐድእ ኢሉ፡ ብዙሕ ግዜ ዘይፍጽምናናን ድኽመትናን ከም እነተኵረሉ ይገብር።—መዝ. 103:10-14፣ ማቴ. 26:41

8. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚምህሮምን ዚግስጾምን፧

8 ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ ብቕዱሳት ጽሑፋትን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግብን ዚወሃብ መምርሕን ተግሳጽን ኣቢሉ ይግለጽ እዩ። (ማቴ. 24:45፣ እብ. 12:5, 6) የሆዋ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤን በቶም “ውህበት” ዝዀኑ ሰብኡትን ኣቢሉ እውን ሓገዙ ይህብ እዩ። (ኤፌ. 4:8) ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ነቲ ኣባታዊ ስልጠናኡ እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ይዕዘብ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ኪህበና እውን ይደሊ እዩ። መዝሙር 32:8 “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ትብል። እምበኣር፡ ወትሩ ንየሆዋ ኽንሰምዖ ኣሎና! ፈቃር መምህርናን ኣቦናን ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ኣብ ቅድሚኡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና።—ማቴዎስ 18:4 ኣንብብ።

9. እንታይ ጠባያት ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

9 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ብትዕቢት፡ ብጕድለት እምነት፡ ወይ በቲ ‘ዜዐሹ ሓጢኣት’ ኣይንትረር። (እብ. 3:13፣ ያእ. 4:6) መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ጠባያት እዚ ዚጅምር፡ ሓደ ሰብ ሕማቕ ሓሳባት ወይ ትምኒታት ምስ ዜሕድር እዩ። እቲ ሰብ ንዚወሃቦ ግቡእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ዘይቅበለሉ ደረጃ እውን ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። እቲ ዝገደደ ኸኣ፡ ኣብቲ ሕማቕ ኣረኣእያኡ ወይ መገዱ ስለ ዚጸንዕ፡ ጸላኢ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ብሓቂ ዜፍርህ እዩ። (ምሳ. 1:22-31) ከም ኣብነት፡ ነቲ በዅሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዀነ ቃየል እስከ ንውሰድ።

የሆዋ ንዅሉ ይርኢ፡ ስጕምቲ ድማ ይወስድ

10. የሆዋ ንመስዋእቲ ቃየል ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ቃየልከ ነዚ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

10 ቃየልን ኣቤልን ንየሆዋ መስዋእቲ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፡ የሆዋ ብመስዋእቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብውሽጣዊ ድራኸኦም ተገዲሱ ነበረ። ከም ውጽኢቱ፡ ነቲ ኣቤል ብእምነት ዘቕረቦ መስዋእቲ ኪቕበሎ ኸሎ፡ ነቲ ጕድለት እምነት ዘርኣየ ቃየል ዘቕረቦ መስዋእቲ ግን ኣይተቐበሎን። (ዘፍ. 4:4, 5፣ እብ. 11:4) ቃየል ካብቲ ዅነታት ተማሂሩ ኣረኣእያኡ ኣብ ክንዲ ዚቕይር፡ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዅራኡ ነደደ።—ዘፍ. 4:6

11. ቃየል ጐራሕ ልቢ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ ኣርኣየ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትምህርቲ ይዀነና፧

11 የሆዋ ነዚ ሓደገኛ ምዕባለ እዚ ተዓዘቦ፡ ንቃየል ድማ ጽቡቕ እንተ ዚገብር፡ ገጹ ኸም ዚበርህ ብምሕባር ብሓልዮት ተዛረቦ። ቃየል ግን ነቲ ፈጣሪኡ ዝሃቦ ምኽሪ ዕሽሽ ኢሉ ንሓዉ ቐተሎ። እዚ ኸይኣኽሎ ኸኣ፡ ኣምላኽ “ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” ኢሉ ብድርቅና ብምምላስ፡ ሕማቕ ልቢ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ። (ዘፍ. 4:7-9) ልቢ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ጐራሕ እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ንዚወሃብ ቀጥታዊ ምኽሪ እውን ከይተረፈ ዕሽሽ ኪብል ይኽእል እዩ። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ንመሃር፡ ሕማቕ ሓሳባትን ትምኒታትን እውን ነርሕቕ። (ያእቆብ 1:14, 15 ኣንብብ።) ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እንተ ተዋሂቡና፡ ነማስወሉ፡ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዝዀነ ጌርና ኸኣ ንርኣዮ።

ስዉር ሓጢኣት የልቦን

12. የሆዋ ንኣበሳ ብኸመይ እዩ ምላሽ ዚህበሉ፧

12 ገሊኦም ሰባት ሓጢኣት ኪገብሩ ኸለዉ ዋላ ሓደ እንተ ዘይርእይዎም፡ ካብ መቕጻዕቲ ዜምልጡ ይመስሎም። (መዝ. 19:12) ከም ሓቂ ግን፡ ስዉር ዚበሃል ሓጢኣት የልቦን። “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ።” (እብ. 4:13) የሆዋ ንውሽጣዊ ድራኸታትና እውን ዚምርምር ዳኛ እዩ፡ ኣበሳ ኺርኢ ኸሎ ኸኣ ኣብቲ ፍጹም ፍትሑ ተደሪኹ ስጕምቲ ይወስድ እዩ። “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓደ ሰብ ‘ፈትዩ ሓጢኣት እንተ ገይሩ’ ወይ ቄናንን ተንኰለኛን ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎ እሞ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ‘ከም ንጹህ ኣይርእዮን እዩ።’ (ዘጸ. 34:6, 7፣ እብ. 10:26) እዚ ድማ ኣብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣካን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ሃናንያን ሰጲራን ዝወሰዶ ስጕምቲ ተራእዩ እዩ።

13. ኣካን ዝነበሮ ሕማቕ ኣተሓሳስባ፡ ናብ ሕማቕ ተግባር ዝመርሖ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣካን ንትእዛዛት ኣምላኽ ብቐጥታ ጥሒሱ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ያሪኮ ዝረኸቦ ምርኮ ኣብ ድንኳኑ ሓብኦ፣ ነዚ ድማ ምስ ስድራ ቤቱ ተመሻጢሩ ዝገበሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓጢኣቱ ምስ ተቐልዐ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ” ብምባል ክብደት ሓጢኣቱ ኣሚኑ እዩ። (እያ. 7:20) ኣካን ከም ቃየል፡ ሕማቕ ልቢ ኣማዕቢሉ እዩ። ከምዚ ንኺገብር ዝደረኾ ቐንዲ ነገር ስስዐ እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ መታለሊ ኸም ዚኸውን ገበሮ። እቲ ኻብ ያሪኮ እተገፈ ምርኮ ናይ የሆዋ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ሰሪቑ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ህይወቱን ህይወት ስድራኡን ከፈለ።—እያ. 7:25

14, 15. ሃናንያን ሰጲራን ኵራ ኣምላኽ ዚግብኦም ስለምንታይ እዮም፧ ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

14 ሃናንያን ሰበይቱ ሰጲራን ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ነቶም ካብ ርሑቕ ቦታታት ዝመጹ እሞ ኣብ የሩሳሌም ዝጸንሑ ሓደስቲ ኣመንቲ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ፡ ሓደ ማዕከን ቈይሙ ነበረ። ብፍታው ዚግበር ውጽኢታት ኣብቲ ማዕከን ይኣቱ ነበረ። ሃናንያ ግራቱ ሸይጡ፡ መቒሉ ወፈያ ገበረ። ይኹን እምበር፡ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ፡ ንዅሉ እቲ ገንዘብ ከም ዝሃበ ኣምሰለ። እዞም ሰብ ሓዳር ኣብታ ጉባኤ ፍሉይ ክብሪ ኺወሃቦም ከም ዝደለዩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ተግባሮም ግን ምትላል እዩ ነይሩ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ገይሩ ነቲ ምትላሎም ንሃዋርያ ጴጥሮስ ገለጸሉ፡ ጴጥሮስ ድማ ንሃናንያ ፊት ንፊት ተቓወሞ። ብኡንብኡ፡ ሃናንያ ወደቐ፡ ሞተ ኸኣ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰጲራ እውን ሞተት።—ግብ. 5:1-11

15 ሃናንያን ሰጲራን ንገንዘብ ብዚምልከት ድኽመት ጥራይ ኣይኰነን ነይርዎም። ንሃዋርያት ንኼታልሉ ኢሎም ተንኰል ኣሊሞምን ሓስዮምን እዮም። እቲ ዝገደደ ኸኣ ‘ንመንፈስ ቅዱስን ንኣምላኽን ሓስዮም እዮም።’ እቲ የሆዋ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ነታ ጉባኤ ኻብ ግቡዛት ኬዕቍባ ድሉው ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ኣርእዩ እዩ። ብሓቂ “ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ።”—እብ. 10:31

ወትሩ ንጽህናኻ ሓሉ

16. (ሀ) ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ኼበላሽዎም ዚጽዕር ዘሎ፧ (ለ) ድያብሎስ ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ሰባት ንምብልሻው እንታይ ሜላታት ይጥቀም ኣሎ፧

16 ሰይጣን ንኼበላሽወናን ሞገስ የሆዋ ኸም እንስእን ንኺገብረናን ዚከኣሎ ዘበለ ይገብር ኣሎ። (ራእ. 12:12, 17) እቲ ዝሓለኖ እኩይ ነገራት፡ ኣብዛ ብጾታዊ ርኽሰትን ብዓመጻን ተዋሒጣ ዘላ ዓለም ብንጹር ይንጸባረቕ ኣሎ። ስእለ-ጽዩፍ ብኮምፕዩተራት ወይ ብኻልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብቐሊሉ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ብመጥቃዕትታት ሰይጣን ኣይንሰነፍ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ “ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ አሎኹ፡ . . . ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ አሎኹ” ዝበለ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት ይሃልወና።—መዝ. 101:2

17. (ሀ) የሆዋ ውዒሉ ሓዲሩ ንሕቡእ ሓጢኣት ዚቐልዖ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

17 ሎሚ የሆዋ ኸምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ፡ ንኸቢድ ሓጢኣት ወይ ምትላል ንዝመልኦ ተግባር ብተኣምራዊ መገዲ ኣይቀልዕን እዩ። እንተዀነ ግን፡ ንዅሉ ይርኢ እዩ፡ ኣብ ግዜኡ ኸኣ ንሕቡእ ነገራት ኪቐልዖ እዩ። ጳውሎስ፡ “ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ” በለ። (1 ጢሞ. 5:24) የሆዋ ንሕማቕ ተግባር ዚቐልዓሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ። ነታ ጉባኤ የፍቅራን ንጽህናኣ ኺሕልዎ ይደልን እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣብ ሓጢኣት ዝወደቑ እሞ ብሓቂ ዚንስሑ ሰባት ምሕረት የርእዮም እዩ። (ምሳ. 28:13) ስለዚ፡ ንኣምላኽ ብፍጹም ልብና ኸነገልግሎን ንዅሉ ዜበላሹ ጽልዋታት ከነርሕቕን ንጽዓር።

ፍጹም ልቢ ይሃሉኻ

18. ንጉስ ዳዊት ንወዱ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ኪስምዖ ደለዮ፧

18 ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ወዱ፡ “ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ” በሎ። (1 ዜና 28:9) ዳዊት ንወዱ ኣብ ኣምላኽ ካብ ምእማን ንላዕሊ ኺገብር ደለዮ። ነቲ የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት ኬማስወሉ ይደልዮ ነበረ። ንየሆዋ በዚ ምኽንያት እዚ ተማስዎ ዲኻ፧

19, 20. ብመሰረት መዝሙር 19:7-11፡ ንዳዊት ናብ ኣምላኽ ኪቐርብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ንዳዊት ክንመስሎ እንኽእል፧

19 የሆዋ፡ ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ናብኡ ኸም ዚሰሓቡን ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ዜጥርይዎ ፍልጠት ኣብ ልቦም ፍቕሪ ኸም ዜሕድረሎምን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ንዕኡን ነቲ ዜደንቕ ባህርያቱን ክንፈልጦ ይደልየና እዩ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ቃሉ ብምጽናዕን ኣብ ህይወትና በረኸቱ ብምርካብን እዩ።—ምሳ. 10:22፣ ዮሃ. 14:9

20 ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ብምስትውዓልን ብጸሎትን ተንብቦ ዲኻ፧ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ ተስተውዕሎ ዲኻ፧ (መዝሙር 19:7-11 ኣንብብ።) ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምነትን ንዕኡ ዘላትካ ፍቕርን ብቐጻሊ ኺዓብያ እየን። ንሱ እውን ብግዲኡ ብዝያዳ ኪቐርበካ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ ብኢድካ ሒዙ ኺመርሓካ እዩ። (ኢሳ. 42:6፣ ያእ. 4:8) እወ፡ ምስኡ በታ ጸባብ መገዲ ህይወት ክትጐዓዝ ከለኻ፡ በረኸቱ ብምፍሳስን ብመንፈሳዊ መዳይ ብምዕቋብን ፍቕሩ ኼርእየካ እዩ።—መዝ. 91:1, 2፣ ማቴ. 7:13, 14

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ዚዕዘበና ስለምንታይ እዩ፧

• ገሊኦም ሰባት ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

• የሆዋ ጋህዲ ኸም ዚዀነልና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ንኣምላኽ ብፍጹም ልብና ኸነገልግሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኸም ሓላዪ ወላዲ ዚሕልወና ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ኣብነት ሃናንያ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ብፍጹም ልብና ምግልጋል ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧