ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብህይወት ንምንባር እንታይ ምሃብካ፧

ብህይወት ንምንባር እንታይ ምሃብካ፧

ብህይወት ንምንባር እንታይ ምሃብካ፧

“ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧”—ማቴ. 16:26

1. የሱስ ንመግናሕቲ ጴጥሮስ ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧

 ሃዋርያ ጴጥሮስ በቲ ዝሰምዖ ነገር ኣዝዩ ደንጸዎ። እቲ ዚፈትዎ መራሒኡ የሱስ ክርስቶስ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚስቀን ከም ዚመውትን “ኣግሂዱ” ተዛረበ። ጴጥሮስ ድማ ካብ ሓልዮት ተበጊሱ ንየሱስ፡ “ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ገንሖ። የሱስ ንጴጥሮስ ዝባኑ ሂቡ ናብቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ረኣየ። ንሳቶም እውን ተመሳሳሊ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። ድሕሪኡ ንጴጥሮስ፡ “ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ።—ማር. 8:32, 33፣ ማቴ. 16:21-23

2. የሱስ ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓታት ብኸመይ ገለጾ፧

2 እተን የሱስ ኣስዒቡ እተዛረበን ቃላት፡ ጴጥሮስ ነቲ መግናሕቱ ብተሪር ቃላት እተመለሰሉ ምኽንያት ንኺርዳእ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ “ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፤ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ።” (ማር. 8:34, 35) ስለዚ፡ የሱስ ንህይወቱ ኸም መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ዚስዕብዎ እውን ንህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኪስውእዋ ድሉዋት ኪዀኑ ይጽበዮም ነበረ። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ብዙሕ ዓስቢ ኺረኽቡ እዮም።—ማቴዎስ 16:27 ኣንብብ።

3. (ሀ) የሱስ ንሰማዕቱ እንታይ ሕቶታት እዩ ዝሓተቶም፧ (ለ) እታ የሱስ ዝሓተታ ኻልአይቲ ሕቶ ንሰማዕቱ እንታይ ኣዘኻኺራቶም ክትከውን ትኽእል፧

3 ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ፡ “ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧” ከምኡውን “ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧” ዚብላ ኽልተ ዜመራምራ ሕቶታት ሓተተ። (ማር. 8:36, 37) መልሲ እታ ቐዳመይቲ ሕቶ ብሰብኣዊ ዓይኒ ኽትርእዮ ኸለኻ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ሰብ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ወይ ከሲቡ፡ ህይወቱ ወይ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፡ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። ጥሪት ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል፡ ብህይወት እንተ ኣሊኻ ጥራይ እዩ። እቶም ሰማዕቲ ነታ የሱስ ዘቕረባ፡ “ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧” እትብል ካልአይቲ ሕቶ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ሰይጣን ብግዜ እዮብ፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ኢሉ ዘቕረቦ ኽሲ ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (እዮ. 2:4) ቃላት ሰይጣን ኣብቶም ንየሆዋ ዘየምልኽዎ ሰባት ሓቅነት ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ብህይወት ንምንባር ኢሎም ዘይገብርዎ ነገር ወይ ዘይጥሕስዎ ስርዓት የለን። ክርስትያናት ግን እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።

4. እተን የሱስ ዘቕረበን ሕቶታት ንክርስትያናት ዝያዳ ትርጕም ዘለወን ስለምንታይ እየን፧

4 የሱስ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥዕናን ሃብትን ነዊሕ ዕድመን ኪህበና ኸም ዘይመጸ ንፈልጥ ኢና። የግዳስ፡ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ መጺኡ፣ ነታ ተስፋ እቲኣ ድማ ኣኽቢርና ኢና እንርእያ። (ዮሃ. 3:16) ሓደ ክርስትያን ነታ የሱስ ዘቕረባ ቐዳመይቲ ሕቶ፡ “ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወቱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧” ኢሉ እዩ ዚርድኣ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕሞን’ ዚብል እዩ። (1 ዮሃ. 2:15-17) ነታ የሱስ ዘቕረባ ኻልአይቲ ሕቶ ንምምላስ፡ ‘ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋይ ርግጽ ንምግባር፡ ሕጂ ኽሳዕ ክንደይ እየ መስዋእቲ ንምግባር ተዳልየ ዘለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኣነባብራና እንህቦ መልሲ፡ እታ ተስፋ ኣብ ልብና ኽሳዕ ክንደይ ቦታ ኸም ዘለዋ ይገልጽ።—ምስ ዮሃንስ 12:25 ኣረኣኢ።

5. ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧

5 ሓቂ እዩ፡ የሱስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብጻዕርና ኸም እንረኽቦ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። እታ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዝረኸብናያ ሓጻር ህይወት እውን እንተ ዀነት፡ ውህበት እያ። ንህይወት ክንዕድጋ ወይ ብጻማ ጻዕርና ኽንረኽባ ኣይንኽእልን ኢና። ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረኽበሉ እንኽእል ሓደ በይኑ መገዲ፡ ‘ብክርስቶስ የሱስን’ በቲ ‘ንዚደልይዎ ዓስቢ ዚህብ’ የሆዋን ብምእማን እዩ። (ገላ. 2:16፣ እብ. 11:6) ኰይኑ ግን፡ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ” ስለ ዝዀነት፡ ብግብሪ ኽትርአ ኣለዋ። (ያእ. 2:26) ስለዚ፡ ነታ የሱስ ዝሓተታ ሕቶ ዝያዳ ኸነስተንትነላ ኸለና፡ እምነትና ብሓቂ ህያው ምዃና ንምርኣይ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኽንደይ ነገራት ክንሓድግን ንኣገልግሎት የሆዋ እንታይ ክንገብርን ፍቓደኛታት ከም እንኸውን ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና።

“ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን”

6. የሱስ ቀዳምነት ዚህቦ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧

6 የሱስ ኣብቲ እታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም እተቕርበሉ ነገራት ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ነቲ ስጋዊ ምሾት ነጺጉ ኣብ ኣገዳሲ ነገራት ኣተኰረ። ንኣምላኽ መስዋእታውን ተኣዛዝነታውን ህይወት እዩ ዚነብር ነይሩ። ንርእሱ ኣብ ክንዲ ዜሐጕስ፡ “ኵሉ ሳዕ [ንኣምላኽ] ባህ ዜብሎ እገብር እየ” በለ። (ዮሃ. 8:29) ንኣምላኽ ንምሕጓስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ፍቓደኛ ነይሩ፧

7, 8. (ሀ) የሱስ እንታይ መስዋእቲ እዩ ዝገበረ፧ ብኸመይከ እዩ ዓስቡ ዝረኸበ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

7 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በሎም። (ማቴ. 20:28) ኣቐዲሙ ንሰዓብቱ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘ህይወቱ ኺህብ’ ምዃኑ ምስ ነገሮም፡ ጴጥሮስ “ይባልህካ እባ ደኣ” በሎ። የሱስ ግን በዚ ኣይተጸልወን። ነፍሱ ወይ እታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ምእንቲ ደቂ ሰብ ብፍቓዱ ሃበ። ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋኡ፡ መጻኢኡ ዜተኣማምን ኰነ። ካብ ሞት ተንሲኡ፡ “ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል” በለ። (ግብ. 2:32, 33) በዚ ኸምዚ ዜደንቕ ኣብነት ኰነና።

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ንርእሶም ‘ባህ ከየብሉ’ መኸሮም፡ “ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን” ኢሉ እውን ኣዘኻኸሮም። (ሮሜ 15:1-3) እሞኸ ነዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኣብ ግብሪ እነውዕሎ፧ ንክርስቶስ ብምምሳልከ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ጥቕሚ ርእስና እንስውእ፧

የሆዋ ዘዝበለጸ ኽንህቦ ይደሊ

9. ሓደ ክርስትያን ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፊ ኸሎ፡ ከም ሓቂ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧

9 ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ እብራውያን ባሮት ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ባርነቶም ወይ ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ኺወጹ ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ካልእ ኣማራጺ እውን ነበሮም። ሓደ ባርያ ንዋናኡ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ፡ ምሉእ ህይወቱ ባርያ ዀይኑ ኣብታ ቤት ንምንባር ኪውስን ይኽእል እዩ። (ዘዳግም 15:12, 16, 17 ኣንብብ።) ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ተመሳሳሊ ውሳነ ኢና እንገብር። ድሌትና ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ብፍታው ንሰማማዕ። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንየሆዋ ዘላትና ዓማቝ ፍቕርን ንዘለኣለም ንኸነገልግሎ ዘሎና ባህግን ነርኢ።

10. ንብረት ኣምላኽ ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧ እዚኸ ንኣተሓሳስባናን ንተግባራትናን ኪጸልዎ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕን ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ትካፈልን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ትእከብን እንተ ኣሊኻ፡ ክትንኣድ ይግብኣካ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ንኽትውፍን ከምቲ እቲ ኢትዮጵያዊ ንፊልጶስ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ዝበሎ ኢልካ ንኽትሓትትን ተስፋ ንገብር። (ግብ. 8:35, 36) ድሕሪኡ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ፡ ‘ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ናይ ርእስኹም ኣይኰንኩምን’ ኢሉ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ዝነበሮም ዓይነት ርክብ ኪኸውን እዩ። (1 ቈረ. 6:19, 20) ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ርእስና ንየሆዋ እንተ ወፊና፡ ወናኒና ንሱ እዩ። ንስሱዕ ባህግታትና ምውጋድናን ‘ባሮት ሰብ ዘይምዃንናን’ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! (1 ቈረ. 7:23) የሆዋ ኸምቲ ባህ ዜብሎ ገይሩ ዚጥቀመልና እሙናት ኣገልገልቱ ምዃንሲ ዓብዪ ኽብሪዶ ኸይኰነ፧

11. ክርስትያናት እንታይ መስዋእቲ ኬቕርቡ እዮም ምሕጽንታ እተዋህቦም፧ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታትከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይገልጸልና፧

11 ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ . . . እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ” ኢሉ መዓዶም። (ሮሜ 12:1) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ብዛዕባ እቲ ሰዓብቲ የሱስ ቅድሚ ምዃኖም ኣብ ኣምልኾኦም ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ የሆዋ ዚቐርቡ ዝነበሩ እንስሳታት ብሉጻት ኪዀኑ ኸም ዝነበሮም ይፈልጡ ነበሩ። ጐደሎ እንስሳ ተቐባልነት ኣይነበሮን። (ሚል. 1:8, 13) እዚ ስርዓት እዚ ንሰብነትና ‘ህያው መስዋእቲ’ ጌርና ኣብ እነቕርበሉ እዋን እውን ይዓዪ እዩ። ርእስና ንኣምላኽ ክንውፊ ኸለና፡ ‘ነፍስና’ ወይ ህይወትና ብዘይ ገደብ ንህቦ፣ እዚ ኸኣ ንጕልበትናን ንጥሪትናን ንኽእለትናን የጠቓልል። (ሉቃ. 10:27) ነዚ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ንገብሮ፧

ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ

12, 13. ንየሆዋ ዘዝበለጸ እንህበሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ዘዝበለጸ እንህበሉ መገዲ፡ ንግዜና ብጥበብ ምጥቃም እዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።) እዚ ርእስኻ ምግታእ ይሓትት። ጽልዋታት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ዘይፍጽምናና ተደሚሩ፡ ንግዜና ኣብ ምዝንጋዕ ወይ ኣብ ብሕታዊ ረብሓና ኸነውዕሎ ይድርኸና ይኸውን። ሓቂ እዩ፡ ‘ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፡’ ነቲ ንክርስትያናዊ ግዴታና ንኸነማልእ ዜኽእለና ባህ ዜብል ዕረፍትን ዓለማዊ ስራሕን እውን ግዜኡ ኣለዎ። (መክ. 3:1) ይኹን እምበር፡ ርእሱ ዝወፈየ ክርስትያን ሚዛኑ ኺሕሉን ንግዜኡ ብጥበብ ኪጥቀመሉን ኣለዎ።

13 ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን።” (ግብ. 17:21) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብተመሳሳሊ መገዲ ግዜኦም የጥፍኡ እዮም። ተለቪዥን ምርኣይ፡ ጸወታታት ቪድዮ ምጽዋት፡ ከምኡውን ኣብ ኢንተርነት ተተኺልካ ምውዓል ግዜ ይሰርቕ እዩ። ንግዜና ዚሰርቕ ብዙሕ ካልእ ነገራት እውን ኣሎ። ግዜና በዚ ኸምዚ ነባኽን እንተ ዄንና፡ ብመንፈሳዊ ዜድልየና ነገራት ዕሽሽ ክንብሎ ንኽእል ኢና። ነቲ “ዚሐይሽ” ተባሂሉ ዘሎ ምስ ኣገልግሎት የሆዋ ዚተሓሓዝ ነገራት ዚኸውን ግዜ ኸም ዘይብልና ጌርና እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና።—ፊል. 1:9, 10

14. እንታይ ሕቶታት ኢና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

14 ስለዚ፡ ርእስኻ ዝወፈኻ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ምዃንካ መጠን፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘መዓልታዊ መደባተይ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን ጸሎትን ዜጠቓልል ድዩ፧’ (መዝ. 77:12፣ 119:97፣ 1 ተሰ. 5:17) ‘ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምድላው ግዜ እምድብ ድየ፧ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃብ ንኻልኦት አተባብዖም ድየ፧’ (መዝ. 122:1፣ እብ. 2:12) ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጳውሎስን በርናባስን፡ “ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናተዛረቡ ንነዊኅ ጊዜ ኣብኡ ተቐመጡ” ይብል። (ግብ. 14:3 ትርጕም 1990) ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ግዜ ወይ “ነዊኅ ጊዜ” ንምሕላፍ፡ ምናልባት እውን ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል ኵነታትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧—እብራውያን 13:15 ኣንብብ።

15. ሽማግለታት ንግዜኦም ብጥበብ ዚጥቀሙሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስን በርናባስን ነታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺበጽሕዋ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኼተባብዕዎም ኢሎም ምሳታቶም “ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።” (ግብ. 14:28) ሎሚ ዘለዉ ፈቃራት ሽማግለታት እውን ንኻልኦት ንምብርታዕ ብዙሕ ግዜ የሕልፉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ርእሲ ምክፋሎም፡ ነቲ መጓሰ ንምጕሳይ፡ ንዝጠፍአት በጊዕ ንምድላይ፡ ንዝሓመሙ ንምሕጋዝ፡ ከምኡውን ካልእ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታቶም ንምፍጻም ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም። እተጠመቕካ ሓው እንተ ዄንካ፡ ነዚ ተወሳኺ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንኽትመጣጠር ኵነታትካ የፍቅደልካ ድዩ፧

16. ‘ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ክንገብር’ እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

16 ብዙሓት ሰባት ነቶም ሰብ ብዘምጽኦ ይኹን ብባህርያዊ ሓደጋታት እተጐድኡ ኺሕግዙ ብምኽኣሎም ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ቤትኤል እተገልግል ኣብ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ፡ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ዀይና ብወለንታ ንምዕያይ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዛ እያ። ንዕረፍታ በዚ ኸምዚ እተጠቕመትሉ ስለምንታይ እያ፧ “ፍሉይ ክእለት እኳ እንተ ዘይብለይ፡ ዜድሊ ዘበለ ሓገዝ ክገብር ምኽኣለይ ከም ክብሪ እየ ዝቘጽሮ። እቶም ብዙሕ ንብረቶም ዝሰኣኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘላቶም ድልድልቲ እምነት ምርኣየይ ኣተባቢዑኒ እዩ” በለት። ብዘይካዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ኣብ ምህናጽ ተዋፊሮም ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ምስ እንካፈል፡ ‘ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንገብር።’—ገላ. 6:10

“ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

17. ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እንታይ ምሃብካ፧

17 እዚ ኻብ ኣምላኽ ርሒቑ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዚሓልፈሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። እዚ ዚፍጸመሉ ግዜ ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና። ኰይኑ ግን፡ “እቲ ዘመን ሓጺር” ምዃኑን “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ” ምዃኑን ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረንቶስ 7:29-31 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ነታ የሱስ፡ “ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧” ኢሉ ዝሓተታ ሕቶ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዚህልዋ ይገብር። “ናይ ሓቂ ህይወት” ንምርካብ፡ የሆዋ ኽንገብሮ ዚደልየና ዝዀነ ይኹን መስዋእትታት ክንገብር ኢና። (1 ጢሞ. 6:19) እወ፡ ነቲ የሱስ ብቐጻሊ ‘ኽንስዕቦን’ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደልን’ ዝሃበና ምኽሪ ኽንሰምዖ ኣሎና።—ማቴ. 6:31-33፣ 24:13

18. እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧

18 ልክዕ እዩ፡ ንየሱስ ምስዓብ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን፡ ከምቲ ንሱ ዝበሎ ኸኣ ገሊኦም ሰባት ኣብዚ ስርዓት እዚ ህይወቶም ከፊሎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ካብ ፈተናታት ‘ኪባልሃና’ ወይ ክንሃድም ኣይንደልን ኢና። ኣብቲ የሱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ሰዓብቱ፡ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ዝሃቦም መረጋገጺ ንኣምን ኢና። (ማቴ. 28:20) እምበኣር፡ ንግዜናን ንኽእለትናን ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ። ከምዚ ኽንገብር ከለና፡ የሆዋ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዜድሕነና ወይ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ከም ዜተንስኣና ዘሎና ምትእምማን ኢና እነርኢ። (እብ. 6:10) በዚ ኸምዚ ንውህበት ህይወት ከም እነኽብር ነርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ንኣምላኽን ንሰብን ንምግልጋል ሓለፍ ዝበለ ፍቓደኛነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ሓደ ክርስትያን ርእሱ ኪቐብጽ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ይገብሮ፧

• ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እንታይ ዓይነት መስዋእትታት ጥራይ እዩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ዝነበረ፧ እዚኸ ንዓና መምርሒ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

• ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ይገብር ነበረ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

መማሰውቲ እስራኤላውያን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዘዝበለጸ ሃቡ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንግዜና ብጥበብ ብምጥቃም፡ ንኣምላኽ ነሐጕሶ