ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

“ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም።” —ሮሜ 12:10

1. ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም እንታይ እዩ እናተረፈ ዚኸይድ ዘሎ፧

 ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም፡ ቈልዑ ምስ ዓበይቲ ኺራኸቡ ኸለዉ፡ ካብቶም ዓበይቲ ነዊሖም ምእንቲ ኸይረኣዩ ተምበርኪኾም ኣኽብሮቶም ኪገልጹ ልሙድ እዩ። ኣብዚ ማሕበረሰባት እዚ ሓደ ቘልዓ ንዓብዪ ሰብ ዝባኑ ምስ ዚህቦ እውን ከም ንዕቀት እዩ ዚቝጸር። ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ኣኽብሮትካ እትገልጸሉ መገዲ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ኣኽብሮት ንሕጊ ሙሴ እዩ ዜዘኻኽረና። እዚ ኸኣ ነቲ፡ “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር” ዚብል ትእዛዝ የጠቓልል። (ዘሌ 19:32) እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ንኻልኦት ምኽባር እናተረፈ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። አረ ንዕቀትሲ ኣብ ኵሉ እዩ ኣስፋፊሑ ዘሎ።

2. ቃል ኣምላኽ ንመን ከነኽብር እዩ ዚእዝዘና፧

2 ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ምኽባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ንየሆዋን ንየሱስን ከነኽብሮም ከም ዘሎና ይነግረና። (ዮሃ 5:23) ንኣባላት ስድራ ቤትናን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትናን ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባትን ከነኽብሮም እውን ተኣዚዝና ኢና። (ሮሜ 12:10፣ ኤፌ 6:1, 2፣ 1 ጴጥ 2:17) ንየሆዋ ኸም እነኽብሮ ኸነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ ንክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኸመይ ኢና ኣኽብሮት እነርእዮም፧ ነዝን ምስኡ እተተሓሓዘ ኻልእ ሕቶታትን እስከ ንመርምር።

ንየሆዋን ንስሙን ኣኽብሮት ኣርኢ

3. ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እነኽብረሉ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እነኽብረሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ ንስሙ ግቡእ ኣኽብሮት ምርኣይ እዩ። ከመይሲ፡ ‘ንስሙ እንኸውን ህዝቢ’ ኢና። (ግብ. 15:14) ስም እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምጻር፡ ብሓቂ ኽብሪ እዩ። ነብዪ ሚክያስ፡ “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” በለ። (ሚክ. 4:5) ‘ብስም የሆዋ ንምምልላስ፡’ መዓልታዊ ነቲ ጼርናዮ ዘሎና ስም ብዜንጸባርቕ መገዲ ንምንባር ክንጽዕር ኣሎና። ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘዘኻኸሮም፡ ምስቲ እንሰብኮ ብስራት ተሰማሚዕና ዘይንነብር እንተ ደኣ ዄንና፡ ስም ኣምላኽ “ይጽረፍ” ወይ ይሓስር እዩ።—ሮሜ 2:21-24

4. ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምምስካር ፍሉይ መሰል ብኸመይ ትርእዮ፧

4 ብዕዮ ምስክርነት ኣቢልና እውን ንየሆዋ ነኽብሮ ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ የሆዋ ንኣባላት ህዝቢ እስራኤል መሰኻኽሩ ኪዀኑ ዓዲምዎም እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግን ነቲ ዕዮ እቲ ኣይበቕዑን። (ኢሳ. 43:1-12) መብዛሕትኡ ግዜ ንየሆዋ ዝባኖም ይህብዎ ነበሩ፡ “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።” (መዝ. 78:40, 41) ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ህዝቢ ሞገስ የሆዋ ፈጺሞም ሰኣኑ። ሎሚ ግን ንሕና ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ስሙን ክንምስክር ረኺብናዮ ዘሎና ፍሉይ መሰል ነመስግነሉ ኢና። ከምዚ እንገብር ድማ ስለ እነፍቅሮን ስሙ ኪቕደስ ሃረር ስለ እንብልን እዩ። ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦናን ዕላማታቱን ሓቂ ፈሊጥና ኸነብቅዕ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ስቕ ክንብል፧ ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ እዩ ዚስምዓና፣ ንሱ፡ “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” በለ።—1 ቈረ. 9:16

5. ኣብ የሆዋ እምነት ምግባር ንዕኡ ኣኽብሮት ምስ ምርኣይ ዚተኣሳስር ብኸመይ እዩ፧

5 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ [“የሆዋ፡” NW] ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፡ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም” በለ። (መዝ. 9:10) ንየሆዋ ብሓቂ እንተ ፈሊጥናዮን ነቲ ስሙ ዚውክሎ ነገራት ከኣ ኣኽቢርና እንተ ርኢናዮን፡ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቱ ኣብኡ ኽንምዕቈብ ኢና። ኣብ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትውክልትን እምነትን ምርኣይ፡ ንዕኡ እነኽብረሉ ኻልእ መገዲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ የሆዋ ምውካልን ንዕኡ ምኽባርን ዘሎ ምትእስሳር ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኣስተብህል። ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ ኸይተወከሉ ምስ ተረፉ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ፧ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይአምኑኒ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ዘሁ. 14:11) እዚ ብኣንጻሩ እውን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ፈተናታት እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኸም ዜዕቝበናን ከም ዚድግፈናን ትውክልቲ ብምግባር፡ ከም እነኽብሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

6. ንየሆዋ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከነርእዮ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

6 የሱስ፡ ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ካብ ልቢ ኺምንጭው ኸም ዘለዎ ሓበረ። ነቶም ኣምልኾኦም ካብ ልቢ ዘይነበረ ሰባት ኪዛረቦም ከሎ፡ ነቲ የሆዋ ዝበሎ ጠቒሱ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ” በሎም። (ማቴ. 15:8) ንየሆዋ ዘሎና ልባዊ ኣኽብሮት ካብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እዩ ዚፍልፍል። (1 ዮሃ. 5:3) ነቲ የሆዋ፡ “ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም” ኢሉ እተመባጽዖ መብጽዓ እውን ንዝክሮ ኢና።—1 ሳሙ. 2:30

እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ንኻልኦት ኣኽብሮት የርእዩ

7. (ሀ) እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ዘለዉ ኬኽብርዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ብኸመይ እዩ ዘኽበሮም፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር [ተቐዳደሙ]” ኢሉ መዓዶም። (ሮሜ 12:10) እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ዘለዉ ብምኽባር ‘ኪቀዳደሙ’ ወይ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቶም ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎም ነቲ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ኪስዕቡ ይግባእ። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።) እቶም ኣብተን ጳውሎስ ዝበጽሐን ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ንሱ ኺገብሮ ዘይደሊ ነገራት ኪገብሩ ኸቶ ኸም ዘይሓቶም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣኽቢርዎም እዩ፡ ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኣኽቢሮምዎ እዮም። “ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እምዕደኩም ኣሎኹ” ኺብል ከሎ፡ ሰናይ ኣብነት ይዀኖም ብምንባሩ፡ ብዙሓት ፈትዮም ከም ዝመሰልዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 4:16 ትርጉም 1990

8. (ሀ) ሓደ ኻብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣኽብሮት ዘርኣየሉ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ሓለውቲ ንኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

8 ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ዘለዉ ኣኽብሮት ዘርእየሉ ኻልእ መገዲ፡ ሓደ ነገር ኪገብሩ ኺሓቶም ከሎ ወይ መምርሒ ኺህቦም ከሎ ምኽንያታቱ ብምግላጽ እዩ። ከምኡ ብምግባር ንየሱስ ይመስሎ። ንኣብነት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብቲ እኽሊ ዝያዳ ዓየይቲ ኺለኣኹ ንኺልምኑ ኺነግሮም ከሎ፡ ዚልምኑሉ ምኽንያት ሓቢርዎም ነይሩ። “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም። (ማቴ. 9:37, 38) ንደቀ መዛሙርቱ “ንቕሑ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ እውን፡ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ሓቢርዎም እዩ። “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” በሎም። (ማቴ. 24:42) ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም እውን ብተደጋጋሚ ይሕብሮም ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣኽበሮም። እዝስ ንክርስትያን ሓለውቲ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

ንጉባኤ የሆዋን ንመምርሒኣን ኣኽብሮት ኣርኢ

9. ንዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤን ንወኪላታን እነርእዮ ኣኽብሮት ናይ ምንታይ ነጸብራቕ እዩ፧ ግለጽ።

9 ንየሆዋ ኣኽብሮት ንምሃብ፡ ነታ ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ወኪላታ ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና። እቲ እሙን ባርያ ዚህቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምስ እንስዕብ፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ኢና ኣኽብሮት እነርኢ። ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ንእተሸሙ ሰባት ኣኽብሮት ዘየርኣዩ ወቒስዎም እዩ። (3 ዮሃንስ 9-11 ኣንብብ።) ካብ ቃላት ዮሃንስ ከም እንዕዘቦ፡ እቶም ሰባት ነቶም ሓለውቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንትምህርትታቶምን ንመምርሒታቶምን እውን ይንዕቁ ነይሮም እዮም። እቲ ዜሐጕስ፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ከምኡ ኣይነበሩን። ሃዋርያት ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቶም ኣሕዋት ብሓፈሻ ነቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ዓሚቝ ኣኽብሮት የርእይዎም ነበሩ።—ፊል. 2:12

10, 11. ገሊኦም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡት እተወሰነ ስልጣን ኪህልዎም ግቡእ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ግለጽ።

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኵልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ስለ ዝበሎም፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስልጣናት ኪህሉ ኸም ዘይግባእ ዚሓስቡ ሰባት ኣለዉ። (ማቴ. 23:8) ይኹን እምበር፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዀነ ግሪኽ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን እተጠቕሙሉ ብዙሓት ሰብኡት ተጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጥንታውያን እብራውያን ዝነበሩ ኣበውን መሳፍንትን ነገስታትን ዚገልጽ ታሪኽ፡ የሆዋ ብሰብኣውያን ወኪላቱ ኣቢሉ መምርሒ ኸም ዚህብ ዚሕብር እኹል መርትዖ እዩ። እቶም ህዝቢ ነቶም እተሸሙ ውልቀ-ሰባት ግቡእ ኣኽብሮት ኣብ ዘየርእዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ የሆዋ ገሰጾም።—2 ነገ. 1:2-17፣ 2:19, 23, 24

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ ንስልጣን ሃዋርያት ኣኽብሮት የርእዩ ነበሩ። (ግብ. 2:42) ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ መምርሒ ሂብዎም እዩ። (1 ቈረ. 16:1፣ 1 ተሰ. 4:2) ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዝነበሮም ኪግዛእ እውን ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። (ግብ. 15:22፣ ገላ. 2:9, 10) እወ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ስልጣን ግቡእ ኣረኣእያ ነበሮ።

12. ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ብዛዕባ ስልጣን እንታይ ክልተ ነገራት ኢና እንመሃር፧

12 ካብዚ፡ ክልተ ነገራት ክንመሃር ንኽእል። ቀዳማይ፡ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ ንሰብኡት ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኺሸሞም ቅዱስ ጽሑፋዊ እዩ፣ ገለ ሰብኡት ከኣ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት እተሸሙ ሰብኡት ስልጣን ይወሃቦም እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ 1 ጴጥ. 5:1-3) ካልኣይ፡ ኵልና፡ እንተላይ እቶም እተሸሙ ሰብኡት፡ ነቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎም ከነኽብሮም ይግባእ። ነቶም ኣብታ ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰብኡት ኣኽብሮትና እነርእየሉ እንታይ ግብራዊ መገድታት ኣሎ፧

ንገየሽቲ ሓለውቲ ኣኽብሮት ምርኣይ

13. ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ወኪላት ብኸመይ ኢና ኣኽብሮትና እነርእዮም፧

13 ጳውሎስ፡ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና። ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ” በለ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ገየሽቲ ሓለውቲ ምስቶም “ዚጽዕሩ” ተባሂሎም ዘለዉ ኸም ዚቚጸሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ‘ብዙሕ ብሉጽ ኣኽብሮት’ ንሃቦም። ከምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ ነቲ ዚህቡና ምኽርን መተባብዕን ብምሉእ ልብና ምስ እንዓየሉ እዩ። ሓደ ኻብዞም ገየሽቲ ሓለውቲ ነቲ ኻብቲ እሙን ባርያ እተቐበሎ መምርሒ ምስ ዜመሓላልፈልና፡ ‘እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ፡ ሰማዓት’ ክንከውን ትድርኸና።—ያእ. 3:17

14. ሓንቲ ጉባኤ ንገየሽቲ ሓለውቲ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ከም ዘለዋ ብኸመይ ተርኢ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

14 ካብቲ ዝለመድናዮ ብእተፈልየ መገዲ ኽንገብር መምርሒ እንተ ተዋህበናኸ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣኽብሮት ካብ እነርእየሉ ገለ መገድታት፡ “ኣብዚ ብኸምኡ ኣይኰንናን እንዓዪ፡” ወይ “እዚ ኣብ ካልእ ይዓዪ ይኸውን፡ ኣብ ጉባኤና ግን ኣይዓይን እዩ” ኢልና ብዘይምቅዋም እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዚወሃበና መምርሒ ኽንእዘዞ ኢና እንጽዕር። እታ ጉባኤ ናይ የሆዋ ምዃና፡ የሱስ ከኣ ርእሲ እታ ጉባኤ ምዃኑ ምዝካርና፡ ንኽንእዘዝ ይሕግዘና። ሓንቲ ጉባኤ ነቲ ኻብ ገያሺ ሓላዊ ዚወሃባ መምርሒ ብሓጐስ ተቐቢላ ምስ እትዓየሉ፡ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ከም ዘለዋ የርኢ። እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብቲቶስ እቲ በጻሒ ሽማግለ ኣቢሉ ንእተዋህቦም መምርሒ ብኣኽብሮት ስለ እተኣዘዙ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኢድዎም እዩ። (2 ቈረ. 7:13-16) ሎሚ እውን ነቲ ኻብ ገየሽቲ ሓለውቲ ዚወሃበና መምርሒ ብፍታው ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከትና እንረኽቦ ሓጐስ ብዙሕ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 13:11 ኣንብብ።

“ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ”

15. ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኣኽብሮትና እነርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

15 ጳውሎስ፡ “ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዐዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዐዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዐደን። ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞ. 5:1-3) እወ፡ ቃል ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ከነኽብር ይምዕደና እዩ። ምስ ሓውካ ወይ ምስ ሓብትኻ እንተ ዘይተቓዲኻኸ፧ እዚ ነቲ ክርስትያን ብጻይካ ንኸይተኽብሮ ምኽንያት ይዀነካ ድዩ፧ ወይስ እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንዘለዎ መንፈሳዊ ባህርያት ብምግንዛብ ኣረኣእያኻ ኸተዐሪ ትኽእልዶ፧ ምናዳ እቶም ስልጣን እተዋህቦም ንኣሕዋቶም ከኽብርዎም ደኣ እምበር፡ ‘ኣብቲ መጓሰ ኸም ጐይተት ኪዀኑ የብሎምን።’ (1 ጴጥ. 5:3) እወ፡ ኣብታ ኣብ መንጎ ኣባላታ ብዘሎ ልባዊ ፍቕሪ እትልለ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንሓድሕድና እንከባበረሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና።—ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።

16, 17. (ሀ) ነቶም እንሰብከሎም ጥራይ ዘይኰነስ ንተጻረርቲ እውን ከነኽብሮም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ‘ንዅሉ ሰብ ከነኽብር’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ኣኽብሮትና ኣብቶም ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀኑ ጥራይ ክንሓጽሮ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ጊዜ ኸሎና፡ ንዅሉ ሰብ . . . ሰናይ ንግበር” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ገላ. 6:10) መሳርሕትና ወይ መማህርትና ምስ ዚብድለና፡ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ በዳሂ ኸም ዚኸውን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ፡ “በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ” ዚብል ቃላት ክንዝክሮ ኣሎና። (መዝ. 37:1) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንተጻረርቲ እውን ከይተረፈ ንኸነኽብሮም ይሕግዘና። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና፡ ትሕት ምባልና ንዅሎም “ብለውሃትን ብኽብርን” ምላሽ ክንህብ ይሕግዘና። (1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990) ትርኢትናን ኣከዳድናናን እውን ከይተረፈ ነቶም እንሰብከሎም ከም እነኽብሮም ኬርኢ ይኽእል እዩ።

17 እወ፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾትና ዀነ ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ነቲ፡ “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ” ዚብል ምዕዶ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክንጽዕር ንደሊ ኢና።—1 ጴጥ. 2:17

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ነዞም ዚስዕቡ ብኸመይ ኢና ግቡእ ኣኽብሮት ከነርእዮም እንኽእል፧

• ንየሆዋ

• ንሽማግለታት ጉባኤን ንገየሽቲ ሓለውትን

• ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ

• ንእንሰብከሎም ሰባት

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንስልጣን እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል የኽብሩ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኵሉ ሃገራት ዚርከቡ ሽማግለታት ነቶም በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እተሸሙ ገየሽቲ ሓለውቲ የኽብርዎም እዮም