ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትሕዝቶ

ትሕዝቶ

ትሕዝቶ

15 ጥቅምቲ 2008

ሕታም መጽናዕቲ

ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦

1-7 ታሕሳስ 2008

“ቈላሕታ” የሆዋ ንዅሉ ይዕዘብ

ገጽ 3

ዚዝመር መዝሙራት፦ 21 (191), 7 (51)

8-14 ታሕሳስ 2008

የሆዋ ንጽቡቕና ይሕልወና

ገጽ 7

ዚዝመር መዝሙራት፦ 11 (85), 12 (113)

15-21 ታሕሳስ 2008

የሆዋ ንልባዊ ጸሎትና ዚህቦ መልሲ

ገጽ 12

ዚዝመር መዝሙራት፦ 6 (45), 20 (93)

22-28 ታሕሳስ 2008

ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

ገጽ 21

ዚዝመር መዝሙራት፦ 23 (200), 15 (127)

29 ታሕሳስ 2008–4 ጥሪ 2009

ብህይወት ንምንባር እንታይ ምሃብካ፧

ገጽ 25

ዚዝመር መዝሙራት፦ 29 (222), 26 (212)

ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ

ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 3-11

እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚኣተን፡ የሆዋ ንዓና ዜጋጥመና ነገራት ብምሉኡ ኸም ዚፈልጦ የረጋግጻልና። ንምጽማምና ይርድኣልና፡ ንዜተሓሳስበና ነገራት እውን ይፈልጥ እዩ። ንዅሉ ጻዕርታትና ይፈልጥ፡ ንኣገልገልቱ ዚጸሉ ዝዀነ ይኹን ነገር እውን ኣይስወሮን እዩ። ነዚ ምፍላጥና ብዙሕ የጸናንዓና።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 12-16

መብዛሕትና ነተን ኣብ መዝሙር 83:18 ዚርከባ ቓላት ንፈልጠን ኢና። ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ መዝሙር ግን ንፈልጦ ዲና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መዝሙር 83 ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ብኸመይ ሓያል መተባብዒ ኸም እትህቦም ትሕብር።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 21-25

ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ንኻልኦት ምኽባር ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ መን እዩ ኣኽብሮት ኬርኢ ዘለዎ፧ መንከ እዩ ኣኽብሮት ኪወሃቦ ዚግብኦ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነታት ኣሎና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እዚ ነጥብታት እዚ ትገልጽ።

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5 ገጽ 25-29

ሓንቲ መዓልቲ፡ የሱስ፡ “ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ። ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ መልሲ ትህብ፧ የሱስ ብዛዕባ እንታይ “ነፍሲ” እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ናብራ ህይወትካ ብዛዕባ እቲ ንነፍስኻ እትህቦ ዋጋ እንታይ ይሕብር፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነታ የሱስ ዝሓተታ እተመራምር ሕቶ ብዕምቈት ንኸተስተንትነላ ኽትሕግዘካ እያ።

ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዚርከብ፦

““እዚ ብርግጽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስን ዓብዪን ስም ኣምላኽ እዩ”

ገጽ 16

‘የሆዋ ሓይለይ እዩ’

ገጽ 17

ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት

ገጽ 30