ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እዚ ብርግጽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስን ዓብዪን ስም ኣምላኽ እዩ”

“እዚ ብርግጽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስን ዓብዪን ስም ኣምላኽ እዩ”

“እዚ ብርግጽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስን ዓብዪን ስም ኣምላኽ እዩ”

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቓላት፡ ኒከላስ ብዓል ክዩሳ ኣብቲ ብ1430 ዘቕረቦ ስብከት እዩ ተዛሪብዎ። a እዚ ሰብኣይ እዚ ንሓያሎ ነገራት ተገዳስነት ነበሮ፣ ገለ ኻብቲ ንኣቓልቦኡ ዝሰሓበ ነገራት ከኣ፡ ግሪኽኛን እብራይስጥን ፍልስፍናን ስነ-ሃይማኖትን ሕሳብን ስነ-ኰዀብን ኪጥቀስ ይከኣል። ወዲ 22 ዓመት ከሎ፡ ብቐኖና ሕጊ ናይ ሮማ ካቶሊክ፡ ዶክተር ኰነ። ብ1448 ከኣ ካርዲናል ኰይኑ ተሸመ።

ኣስታት 550 ዓመት ይገብር፡ ኒከላስ ብዓል ክዩሳ፡ ኣብታ ክዩስ እትበሃል ዝነበረት፡ ሕጂ ኣብ ጀርመን ካብ ቦን ንደቡብ 130 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ በርንካስተል-ክዩስ እትበሃል ከተማ፡ መናበዪ ኣረጋውያን ኣቘመ። ሕጂ ኣብዚ ህንጻ እዚ፡ እቲ 310 ኢደ-ጽሑፋት ዝሓዘ ቤተ-መጻሕፍቲ ክዩሳ ይርከብ። ሓደ ኻብቲ ጽሑፋት ኮዴክስ ኩሳኑስ 220 ዚበሃል ኰይኑ፡ ኣብኡ ክዩሳ ብ1430 ዝሃቦ ስብከት ይርከቦ። ኒከላስ ብዓል ክዩሳ ኣብቲ ኢን ፕሪንሲፒዮ ኢረት ቭየርብዩም (ቃል ብመጀመርታ ነበረ) ዘርእስቱ ስብከቱ፡ ነታ ብላቲን Iehoua (ዪሆዋ) እትብል ንየሆዋ እተመልክት ስም ተጠቒሙ ኣሎ። b ኣብ ገጽ 56 ከኣ፡ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ከምዚ ዚብል ይርከብ፦ “ኣምላኽ ዘውጸኦ እዩ። ቴትራግራማተን፡ ማለት ብኣርባዕተ ፊደላት ዝቘመ እዩ። . . . እዚ ብርግጽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስን ዓብዪን ስም ኣምላኽ እዩ።” እዚ ኒከላስ ብዓል ክዩሳ እተዛረቦ ቓላት፡ ምስቲ ስም ኣምላኽ ኣብ በዅሪ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ዚርከብ ዚገልጽ ሓቂ ዚሰማማዕ እዩ።—ዘጸ. 6:3 NW

እዚ ኣብ መጀመርታ መበል 15 ዘመን ዝነበረ ኮዴክስ፡ ሓደ ኻብቲ እተን ቴትራግራማተን “Iehoua” (“ዪሆዋ”) ተባሂለን እተተርጐማሉ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ ሰነዳት እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ምስቲ “የሆዋ” ዚብል ስም ዚመሳሰል ኣጸዋውዓ፡ ንሓያሎ ዘመናት ንስም ኣምላኽ ዜመልክት ኣዝዩ ልሙድ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ምንባሩ ይሕብር።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ኒከላስ ብዓል ክዩሳ ዚበሃል ሰብኣይ፡ ኒኮላስ ክሪፍትስ (ክረፕስ)፡ ኒኮላስ ኩሳኑስ፡ ኒኮላስ ቮን ክዩስ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። ክዩስ ኣብ ጀርመን እትርከብ እተወልደላ ኸተማ እያ።

b እቲ ስብከት ንስላሴ ዚድግፍ እዩ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ቤተ-መጻሕፍቲ ክዩሳ