ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት

ብ61 ድ.ክ. ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ኣብ ሮሜ ዘሕለፎ ናይ መጀመርታ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ቍሩብ ጸኒሑ ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ምብጻሕ ገበረ። መንፈሳዊ ዅነታት እተን ጉባኤታት ስለ ዘስተውዓለ፡ ቲቶስ ምእንቲ ኼበራትዐን ኣብኡ ሓደጎ። ጸኒሑ ጳውሎስ ምናልባት ካብ መቄዶንያ እዩ ዚኸውን ንቲቶስ መልእኽቲ ጽሒፉ ሓላፍነቱ ንኺዋጽኣሉ ዜኽእል መምርሒ ሃቦ፡ እቲ ዕዮኡ ሃዋርያዊ ደገፍ ከም ዘለዎ ድማ ኣረጋገጸሉ።

ብ61 ድ.ክ. ጳውሎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቐቅድሚ ምውጻኡ፡ ነቲ ኣብ ቈሎሴ ዚነብር ዝነበረ ፊልሞን ዚበሃል ክርስትያን ሓው መልእኽቲ ጽሒፉሉ ነበረ። እታ መልእኽቲ ናብ ፈታዊ እተላእከት ብሕታዊ ምሕጽንታ እያ ነይራ።

ኣብ ከባቢ 61 ድ.ክ. እውን ጳውሎስ ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ እብራውያን ኣመንቲ፡ ክርስትና ኻብ ስርዓት ኣይሁድ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ እትገልጽ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እዘን ሰለስተ መልእኽትታት እዚኣተን ንዓና ዚኸውን ጠቓሚ ምኽሪ ዝሓዛ እየን።—እብ. 4:12

ብመንፈሳዊ ጥዑይ ኩን

(ቲቶ. 1:1–3:15)

ጳውሎስ ንቲቶስ፡ ‘ኣብ ከከተማኡ ሽማግሌታት ኪሸይም’ መምርሒ ኺህቦ ኸሎ፡ “[ነቶም ዘይእዘዙ] ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ . . . ኣሕሚምካ ግንሓዮም” ዚብል ማዕዳ ሃቦ። ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤታት ቅሬጥስ ዝነበሩ፡ ‘ግፍዒ ኽሒዶም ብጥንቃቐ’ ኺነብሩ መዓዶም።—ቲቶ. 1:5, 10-13፣ 2:12

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ኣሕዋት ብመንፈሳዊ ጥዑያት ኰይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ተወሳኺ ምዕዶ ሃቦም። ንቲቶስ ድማ ካብቲ ‘ናይ ዕሽነት ክርክርን ናይ ሕጊ ባእስን ኣግልስ’ ዚብል መምርሒ ሃቦ።—ቲቶ. 3:9

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

1:15“ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዅሉ ንጹህ” ዝዀነ፡ “ነቶም ርኹሳትን ዘይአምኑን ግና” ብዘሎ ዅሉ ርኹስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ እቲ ጳውሎስ “ብዘሎ ዅሉ” ዝበሎ ነገር ዘለዎ ትርጕም ኪርድኣና ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ብቐጥታ ዚዅንኖ ነገር ዘይኰነስ፡ ኣመንቲ ብሕልናኦም ኪውስንዎ ብዛዕባ ዘለዎም ነገራት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባኡ ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንዕኡ ንጹህ እዩ። ነቲ ቔናን ኣተሓሳስባን ርኹስ ሕልናን ዘለዎ ሰብ ግን ብኣንጻሩ እዩ። a

3:5—ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ብምሕጻብ ዝደሓኑ’ ከምኡውን ‘ብመንፈስ ቅዱስ እተሓደሱ’ ብኸመይ እዮም፧ ኣምላኽ ብደም የሱስ ገይሩ ስለ ዝሓጸቦም ወይ ስለ ዘጽረዮም፡ ማለት ንመስዋእታዊ በጃ ኸም ዚጥቀምሉ ስለ ዝገበረ ‘ብምሕጻብ ድሒኖም’ እዮም። ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ብምዃኖም ከኣ “ሓድሽ ፍጥረት” ኰይኖም ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲሶም’ እዮም።—2 ቈረ. 5:17

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

1:10-13፣ 2:15 ክርስትያን ሓለውቲ ኣብ ጉባኤ ዚርአ ኣበር ንምእራም ተባዓት ኪዀኑ ኣለዎም።

2:3-5 ብሱላት ክርስትያን ኣሓት ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ኣሓት፡ “ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና” ኣለወን። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነተን ኣብ ጉባኤ ዘለዋ “ናእሽቱ ኣንስቲ” ብብሕቲ ንምምሃር ዕውታት ኪዀና ይኽእላ እየን።

3:8, 14 ‘ንሰናይ ግብሪ ምቕናእ’ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ኣፍረይቲ ንኽንከውንን ካብዛ እክይቲ ዓለም ክንፍለን ስለ ዚሕግዘና፡ ‘ጽቡቕን ጠቓምን’ እዩ።

“ምእንቲ ፍቕሪ” ኢልካ ለምን

(ፊሞ. 1-25)

ፊልሞን፡ ኣብነት “ፍቕርን እምነትን” ስለ ዝዀነ ተናኢዱ እዩ። ንክርስትያናት ብጾቱ ምንጪ ምትብባዕ ምዃኑ ንጳውሎስ “ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን” ኣምጺኡሉ እዩ።—ፊሞ. 4, 5, 7

ጳውሎስ ብዛዕባ ኦኔሲሞስ ንዝነበረ ተኣፋፊ ጕዳይ ብትእዛዝ ዘይኰነስ፡ “ምእንቲ ፍቕሪ” ኢሉ ብምልማን ፍታሕ ምግባሩ ንዅሎም ሓለውቲ ኣብነት እዩ ዚዀኖም። ንፊልሞን፡ “ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን አሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ” በሎ።—ፊሞ. 8, 9, 21

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

10, 11, 18—እቲ ኣቐዲሙ ‘ዘይጠቅም’ ዝነበረ ኦኔሲሞስ ‘ጠቓሚ’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኦኔሲሞስ ካብቲ ኣብ ቈሎሴ ዚርከብ ቤት ፊልሞን ናብ ሮሜ ዝሃደመ ዘይእዙዝ ባርያ እዩ ነይሩ። ነቲ 1,400 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ጕዕዞ ዜውጽኦ ወጻኢታት ንምሽፋን፡ ካብ ጐይታኡ ሰሪቑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ ንፊልሞን ዘይጠቅም እዩ ነይሩ። ናብ ሮሜ ምስ ከደ ግን ክርስትያን ንኪኸውን ጳውሎስ ሓገዞ። እዚ ኣቐዲሙ ‘ዘይጠቅም’ ዝነበረ ባርያ፡ ‘ጠቓሚ’ መንፈሳዊ ሓው ኰነ።

15, 16—ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ናጽነት ኪህቦ፡ ጳውሎስ ዘይሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኽን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንኺምህርን’ እተዋህቦ ሓላፍነት ጥራይ ንኺፍጽም ጽኑዕ ድሌት ነበሮ። ስለዚ፡ ኣብ ከም ንባርነት ዚምልከት ማሕበራዊ ጕዳያት ኢዱ ንኸየእቱ መረጸ።—ግብ. 28:31

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

2 ፊልሞን፡ ቤቱ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ክፉት ገይሩ ነበረ። ኣብ ቤትና ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ዚግበር ፍሉይ መሰል እዩ።—ሮሜ 16:5፣ ቈሎ. 4:15

4-7 ነቶም ኣብነት እምነትን ፍቕርን ዝዀኑ ኣመንቲ ብጾትና ተበግሶ ወሲድና ኽንንእዶም ኣሎና።

15, 16 ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ሕማቕ ኵነታት ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም እንጭነቕ ኪገብረና ኸነፍቅደሉ የብልናን። ምኽንያቱ ኸምቲ ኣብ ኵነታት ኦኔሲሞስ እተራእየ፡ ጠቓሚ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

21 ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ይቕረ ንኺብለሉ፡ ጳውሎስ ትጽቢት ገይሩ ነበረ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንሓደ ዝበደለና ሓው ይቕረ ንኽንብለሉ ትጽቢት ይግበረልና እዩ።—ማቴ. 6:14

ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም”

(እብ. 1:1–13:25)

ጳውሎስ፡ እቲ መስራቲ ክርስትና ብዛዕባ ዘለዎ ኽብርን ክህነቱን መስዋእቱን ከምኡውን ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ብምግላጽ፡ ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት ምግባር ካብ ግብሪ ሕጊ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ ኣጕልሐ። (እብ. 3:1-3፣ 7:1-3, 22፣ 8:6፣ 9:11-14, 25, 26) እዚ ፍልጠት እዚ፡ እቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብ ኣይሁድ ይወርዶም ዝነበረ ስደት ንኺጻወርዎ ብርግጽ ሓጊዝዎም እዩ። ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም” ኢሉ ተማሕጸኖም።—እብ. 6:1 ትርጕም 1990

እምነት ኣብ ክርስትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ኣለዋ፧ ጳውሎስ፡ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ነቶም እብራውያን፡ ብእምነት “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ” ኢሉ ኣተባብዖም።—እብ. 11:6፣ 12:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

2:14, 15—ሰይጣን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ” ምዃኑ፡ ንዝደለዮ ሰብ ቅድሚ ግዜኡ ኸም ዚመውት ኪገብር ከም ዚኽእል ዜመልክት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ይኹን እምበር፡ ካብቲ እከይ ኣብ ኤደን ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ሓሶታቱ ኣብ ሰባት ሞት ኣስዒቡ እዩ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኸኣ ኣዳም ስለ ዝሓጥአን ነዚ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ሰባት ስለ ዘመሓላለፎን እዩ። (ሮሜ 5:12) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምድራውያን ወኪላት ሰይጣን ከምቲ ንየሱስ ዝገበርዎ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ክሳዕ ሞት መስጐጕቲ የውርዱሎም እዮም። እዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ሰይጣን ንዝደለዮ ዅሉ ኪቐትል ዜኽእሎ ዘይተኣደነ ሓይሊ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ከምኡ እንተ ዚኸውን፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ንኣምለኽቲ የሆዋ መጽነቶም ነይሩ። የሆዋ ብደረጃ ጕጅለ ንህዝቡ የዕቝቦም እዩ፡ ሰይጣን ንኼጽንቶም ከኣ ኣይፈቕደሉን እዩ። ኣምላኽ ገሌና ብመጥቃዕትታት ሰይጣን ንኽንመውት ዋላ እኳ እንተ ፈቐደ፡ ኣብ ልዕሌና ንዚወርድ ጕድኣት ከም ዜወግዶ ግን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

4:9-11—“ናብታ ዕረፍቲ [ኣምላኽ] እቲኣ ኽንኣቱ” እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርን ደቂ ሰብን ዝገበሮ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፍጸም ብምትእምማን፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ዓረፈ። (ዘፍ. 1:28፣ 2:2, 3) ርእስኻ ንምጽዳቕ ካብ ዚግበር ግብሪ ብምርሓቕን ንድሕነትና እተገብረ መሰናድዎ ኣምላኽ ብምቕባልን፡ “ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንኣቱ” ንኽእል ኢና። ስሱዕ ባህግታት ገዲፍና ኣብ የሆዋ እምነት ምስ እንገብርን ብተኣዛዝነት ንወዱ ምስ እንስዕብን፡ መዓልታዊ ዜሐድስን ዕረፍቲ ዚህብን በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 11:28-30

9:16—ነቲ ሓድሽ ኪዳን “እተላበወ” መን እዩ፧ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዘቖመ የሆዋ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ኺዳን “እተላበወ” ድማ የሱስ እዩ። የሱስ ማእከላይ እቲ ኺዳን እዩ፡ ብሞቱ ኣቢሉ ኸኣ እቲ ዜድሊ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ።—ሉቃ. 22:20፣ እብ. 9:15

11:10, 13-16—እታ ኣብርሃም ዚጽበያ ዝነበረ “ኸተማ” እንታይ እያ ነይራ፧ እዚኣ ቓል ብቓሉ ኸተማ ዘይኰነትስ፡ ምሳልያዊት እያ ነይራ። ኣብርሃም ነታ ብክርስቶስ የሱስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ዝቘመት “ሰማያዊት የሩሳሌም” እዩ ዚጽበያ ነይሩ። እቶም ሰማያዊ ኽብሮም ዚሕዙ መጋዝእቲ የሱስ፡ “ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም” ተባሂሎም እውን ተጸዊዖም ኣለዉ። (እብ. 12:22፣ ራእ. 14:1፣ 21:2) ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ህይወት እዩ ብናፍቖት ዚጽበ ነይሩ።

12:2—እቲ ንየሱስ ‘መስቀል ከም ዚዕገስ’ ዝገበሮ ኣብ “ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ኣገልግሎቱ ዚዓሞ ነገራት ምግንዛቡ ማለት፡ ስም የሆዋ ኸም ዚቕድስ፡ ልዑላውነት ኣምላኽ ከም ዜረጋግጽ፡ ከምኡውን ንደቂ ሰብ ካብ ሞት ከም ዚብጀዎም ምፍላጡ እዩ ሓጐስ ኣምጺኡሉ። ንደቂ ሰብ በረኸት ምእንቲ ኼምጽኣሎም ከም ንጉስን ሊቀ-ኻህናትን ኰይኑ ብምግዛእ ዚረኽቦ ዓስቢ እውን ኣርሒቑ ጠመተ።

13:20—ሓድሽ ኪዳን ናይ “ዘለኣለም” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ሰለስተ ምኽንያት ንርአ፦ (1) ፈጺሙ ኣይትካእን፡ (2) ነባሪ ውጽኢት ኣለዎ፡ (3) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ድሕሪ ኣርማጌዶን እውን ካብ መሰናድዎ ሓድሽ ኪዳን ኪጥቀሙ እዮም።—ዮሃ. 10:16

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

5:14 ትጉሃት ተመሃሮ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን ኣሎና፡ ነቲ እተመሃርናዮ ድማ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ይግባእ። ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንልቦናና ኸነላምድ’ እንኽእለሉ ኻልእ ዝሓሸ መገዲ የልቦን።—1 ቈረ. 2:10

6:17-19 ተስፋና ኣብ መብጽዓን ማሕላን ኣምላኽ እተመስረተ ምግባር፡ ካብ መገዲ ሓቂ ንኸይነላግስ ይሕግዘና።

12:3, 4 ብሰንኪ ዜጋጥመና ንኣሽቱ ፈተናታት ወይ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ‘እንደክምን ነፍሳትና ዚሕለላን፡’ ናብ ብስለት ንኽንበጽሕ ክንጽዕርን ፈተናታት ናይ ምጽዋር ክእለትና ኸነመሓይሽን ኣሎና። “ክሳዕ ኣብ ደም” ማለት ክሳዕ ሞት ንኽንጻወሮ ድማ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና።—እብ. 10:36-39

12:13-15 እቲ “መሪር ሱር” ወይ እቶም ኣብ ጉባኤ ንዚግበር ነገራት ዚነቕፉ ሰባት፡ ‘ነእጋርና ትኽ ዝበለ መገዲ ንኸይንገብር’ ኪዓግቱና ኣይነፍቅደሎም።

12:26-28 እቲ ብኢድ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብኢድ ካልኦት ‘እተፈጥረ’ ነገር፡ ማለት ብእኩያት ንዝቘመ “ሰማይ” ዜጠቓልል ሕጂ ዘሎ ስርዓት ብምሉኡ ተንቀጥቂጡ ኺጠፍእ እዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ “እቲ ዘየንቀጥቅጥ” ተባሂሎም ዘለዉ መንግስቲ ኣምላኽን ደገፍታን ጸኒዖም ኪነብሩ እዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ምእዋጅን በቲ ዘቘመቶ መሰረታዊ ስርዓታት ምምልላስን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!

13:7, 17 ነቲ ኣብ ጉባኤታት ንዘለዉ ሓለውቲ ተኣዘዝትን ተገዛእትን ክንከውን እተዋህበና ማዕዳ ምስ እነተኵረሉ፡ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ንኸነርኢ ይሕግዘና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ጥቅምቲ 2007 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 26-27 ተወከስ።