ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘የሆዋ ሓይለይ እዩ’

‘የሆዋ ሓይለይ እዩ’

‘የሆዋ ሓይለይ እዩ’

ጆኣን ኮቪል ዘዘንተወቶ

ኣብ ሓምለ 1925 ኣብ ሃደርስፊልድ፡ ዓዲ እንግሊዝ ተወለድኩ። ንወለደይ ሓንቲ ጓሎምን ጸገም ጥዕና ዝነበረኒ ቘልዓን እየ ነይረ። ኣቦይ ድማ፡ “ካን ንፋስ ብዝነፈሰ መጠን ኢኺ እትሓሚ” ይብለኒ ነበረ። ሓቁ ኸኣ እዩ ነይሩ!

ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ፡ ኣቕሽሽቲ ምእንቲ ሰላም ብቐጻሊ ይጽልዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወልዐ ግን ዓወት ንኺርከብ ጸለዩ። እዚ ዅነታት እዚ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኰነኒ፡ ጥርጣረ ንኺሓድረኒ ድማ ገበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣኒ ራትክሊፍ ናብ ቤትና መጸት። ሽዑ፡ ኣብ ከባቢና ንሳ በይና እያ ናይ የሆዋ ምስክር ነይራ።

ንሓቂ ረኺበያ

ኣኒ ነታ ሳልቬሽን እትበሃል መጽሓፍ ሃበትና፡ ንኣደይ ድማ ኣብቲ ኣብ ቤታ ዚግበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንኽትካፈል ዓደመታ። a ኣደይ ኣሰንየያ ንክኸይድ ሓተተትኒ። እቲ ሽዑ እተገብረ ምይይጥ ክሳዕ ሕጂ እዝክሮ እየ። እቲ ምይይጥ ብዛዕባ በጃ እዩ ነይሩ፡ እቲ ዜገርም ከኣ ፈጺሙ ዜሰልኪ ኣይነበረን። መብዛሕትኡ ሕቶታተይ ድማ ተመለሰለይ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን እውን ተኻፈልና። ሽዑ ድማ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተነበዮ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ተገልጸ። ኣነን ኣደይን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዜሕዝን ኵነታት ምስ ረኣና፡ እዚ ሓቂ ምዃኑ ብኡንብኡ ተገንዘብና። ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንከይድ ተዓደምና።

ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ መንእሰያት ፈለምቲ ተራኸብኩ፡ ሓንቲ ኻባታቶም እታ ምስ ፒተር ሰብኣያ ዀይና ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ለንደን ቤትኤል እተገልግል ዘላ ጆይስ ባርበር (ሕጂ ጆይስ ኢሊስ እትበሃል) እያ። ኵሉ ሰብ ፈላሚ ዚኸውን ኰይኑ ተሰምዓኒ። ዋላ እኳ ተመሃሪት እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ወርሒ 60 ሰዓት ኣብ ዕዮ ስብከት ከሕልፍ ጀመርኩ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ኣነን ኣደይን ኣብቲ ብ11 ለካቲት 1940 ኣብ ብራድፎርድ እተገብረ ኣኼባ ወረዳ ተጠመቕና። ኣቦይ ነቲ ሓድሽ እምነትና ዋላ እኳ እንተ ዘይተቓወሞ፡ ንሓቂ ግን ፈጺሙ ኣይሰዓበን። ኣብቲ እተጠመቕኩሉ እዋን፡ ኣብ ኣንጎሎ ጠጠው ኢልካ ምስክርነት ምሃብ ተጀሚሩ ነበረ። ናይ መጽሔት ቦርሳን ፖስተራትን ብምሓዝ ድማ ኣብቲ ምስክርነት እካፈል ነበርኩ። ሓደ ቐዳም ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ኸባቢ ዕዳጋ ንኸገልግል ተመደብኩ። ንሰብ እፈርህ ስለ ዝነበርኩ፡ ኵሎም እቶም መማህርተይ በቲ ጠጠው ኢለሉ ዝነበርኩ ኣንጎሎ ዝሓልፉ ዀይኑ ተሰምዓኒ!

ብ1940 ጉባኤና ኣብ ክልተ ኽትክፈል ኣድልዩ ነበረ። እታ ጉባኤ ምስ ተኸፍለት ድማ ዳርጋ ዅሎም መሳቶይ ኣብታ ኻልአይቲ ጉባኤ ዀኑ። በቲ ዅነታት ቅር ከም ዝበለኒ ነቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ነገርክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “መንእሰያት ብጾት እንተ ደኣ ደሊኺ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኬድኪ ድለዪ” በለኒ። ከምኡ ድማ ገበርኩ! ነዊሕ ከይጸንሐ ንኤልሲ ኖብል ረኸብክዋ። ንሳ ድማ ንሓቂ ተቐበለት ከምኡውን ንነዊሕ እዋን መሓዛይ ኰነት።

ኣገልግሎት ፈላምነትን ዘለዎ በረኸትን

ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ምስ ሓደ ተቘጻጻሪ ሕሳብ ክሰርሕ ጀመርኩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚረኽብዎ ሓጐስ ምስ ረኣኹ፡ ፈላሚት ኰይነ ንየሆዋ ንኸገልግሎ ዝነበረኒ ባህጊ ወሰኸ። ኣብ ግንቦት 1945 ከኣ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብታ ፈላምነት ዝጀመርኩላ ዕለት፡ ምሉእ መዓልቲ ዝናም ኪዘንም ወዓለ። እንተዀነ ግን፡ በቲ ዝናም ከይተዓናቐፍኩ ናብ ዕዮ ስብከት ምውጻአይ ኣሐጐሰኒ። መዓልታዊ ብሽክለታ እናዘወርኩ ኣብ ኣገልግሎት ምውዓለይ፡ ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ንኽገብር ኣኽኣለኒ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጥዕናይ ለውጢ ኣምጸኣለይ። ካብ 42 ኪሎ ግራም ንላዕሊ ተመዚነ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እዚ ግን ኣገልግሎት ፈላምነት ከም ዘቋርጽ ኣይገበረንን። ኣብዚ ዅሉ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ‘የሆዋ ሓይለይ’ ከም ዝዀነ ቓል ብቓሉ ተመኪረዮ እየ።—መዝ. 28:7

ሓደስቲ ጉባኤታት ንምቛም ብዚብል ዕላማ፡ ከም ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዘይነበሩሉ ኸተማ ተለኣኽኩ። ፈለማ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደሓር ከኣ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ኣየርላንድ ኣገልገልኩ። ኣብ ሊዝበርን፡ ኣየርላንድ ፈላሚት ኰይነ ከገልግል ከለኹ፡ ምስ ሓደ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት ሓጋዚ ፓስተር ዝነበረ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ነበርና። ብዛዕባ ሰረተ-እምነታት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቂ ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ሓድሽ ዝረኸቦ ፍልጠት ንኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያኑ ኣካፈሎም። ገለ ኻባታቶም ናብቶም ሰበ-ስልጣን እታ ቤተ-ክርስትያን ከይዶም ኣማረሩ፡ ንሳቶም ከኣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ ነቲ መጓሰ እቲ ቕድሚ ሕጂ ዝመሃሮም ትምህርትታት ሓሶት ምዃኑ ኽነግሮም፡ ክርስትያናዊ ግዴታኡ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ ነገሮም። ስድራ ቤቱ ኣትሪሮም እኳ እንተ ተቓወምዎ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ብምውፋይ ክሳዕ ዚመውት እሙን ኰይኑ ኣገልገለ።

ኣብታ ኣብ ኣየርላንድ ካልአይቲ ምድበይ ዝነበረት ከተማ ላርኒ ኸለኹ፡ መገላግልተይ ኣብቲ ብ1950 እተገብረ “ቲኦክራስያዊ ወሰኽ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ኽትካፈል ስለ ዝኸደት፡ ንሽዱሽተ ሰሙን በይነይ ኣገልገልኩ። እቲ እዋን እቲ ንዓይ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ንኽካፈል ሓያል ባህጊ ሓዲሩኒ ነበረ። ኣብተን ሰሙናት እቲኣተን ግን ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ዜተባብዕ ተመክሮታት ረኺበ እየ። ምስ ሓደ ልዕሊ 20 ዓመት ይገብር፡ ሓንቲ ኻብ ጽሑፋትና ተቐቢሉ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ተራኸብኩ። ኣብቲ ዅሉ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ነታ ጽሕፍቲ ደጋጊሙ ስለ ዘንበባ፡ ዳርጋ ብምልእታ ሸምዲድዋ ነበረ። ምስ ወዱን ጓሉን ኰይኑ ኸኣ ሓቂ ተቐበለ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝረኸብክዎ ስልጠና

ብ1951 ምስቶም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዚኸዱ ዓሰርተ ፈለምቲ ዀይነ፡ ኣብ መበል 17 ኽፍሊ እቲ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብተን ኣዋርሕ እቲአን ዝረኸብናዮ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒታት ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ ነይሩ! ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዝነበራ ጉባኤታት፡ ኣሓት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ኣየቕርባን እየን ነይረን፡ ኣብ ጊልዓድ ዝነበርና ኣሓት ግን ናይ ተመሃራይ ክፍልን ጸብጻባትን ነቕርብ ነበርና። ፍርሂ ይስምዓና ነበረ! ናይ መጀመርታ ኽፍለይ ከቕርብ ከለኹ፡ እታ ወረቐት ሒዛ ዝነበረት ኢደይ ተንቀጥቅጥ ነበረት። እቲ መምህር ዝነበረ ማክሲዌል ፍሬንድ እናተዋዘየ፡ “ንስኺ ጥራይ ዘይኰንክስ ኵሎም ንፉዓት ተዛረብቲ እውን ክፍሊ ኬቕርቡ ኸለዉ ኣብ መጀመርታ ይፈርሁ እዮም፡ ንስኺ ግን ክሳዕ መወዳእታ ኢኺ ፈሪህኪ” በለኒ። ኣብቲ እዋን ስልጠና፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ ተመሃሮ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ክእለትና ኣመሓየሽና። እቲ ስልጠና ኸይሓሰብናዮ ቐልጢፉ ተወድአ፡ ምሩቓት ተመሃሮ ዘበልና ኸኣ ናብ እተፈላለያ ሃገራት ተመደብና። ኣነ ድማ ናብ ታይላንድ ተመደብኩ!

“ዓዲ ፍሽኽታ”

ኣስትሪድ ኣንደርሰን ምሳይ ኣብ ታይላንድ ሚስዮናዊት መገላግልተይ ኰይና ምምዳባ፡ ካብ የሆዋ ኸም እተዋህበኒ ውህበት ገይረ እየ ዝርእዮ። ብመርከብ ጽዕነት ኣብ ታይላንድ ንኽንበጽሕ ሸውዓተ ሰሙን ወሰደልና። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ባንግኮክ ምስ በጻሕና፡ ዕሙር ዕዳጋን ከም ጐደና ዀይኑ ዜገልግል ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ መትረባትን ረኸብና። ብ1952 ኣብ ታይላንድ ካብ 150 ዚውሕዱ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ።

ብቛንቋ ታይ እተሓትመ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ረኣና፡ ‘ነዚ ቛንቋ እዚ ኸመይ ኢልና ኽንለምዶ ኢና፧’ ኢልና ሓሰብና። ብፍላይ ከኣ ነቲ ቓላቱ በቲ ቕኑዕ ዝዀነ ኣገባብ ኣደማምጻ ምድማጽ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እታ ካኦ እትብል ቃል ብሓደ ቓና ድምጺ ኸተድምጻ ኸለኻ፡ “ሩዝ” ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ኸሎ፡ ብኻልእ ቃና ድምጺ ጥራይ ክትድመጽ ከላ ግን “ዜና” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንእንረኽቦም ሰባት፡ “ጽቡቕ ዜና” ወይ “ብስራት” ከም ዘምጻእናሎም ክንነግር ክንብል፡ “ጽቡቕ ሩዝ ኣምጺእናልኩም ኣለና” ንብሎም ነበርና! ንብዙሓት ምስ ኣስሓቕና ግን ቀስ ብቐስ ነቲ ቛንቋ መለኽናዮ።

ህዝቢ ታይላንድ ኣዝዮም ምቕሉላት እዮም። ታይላንድ፡ ዓዲ ፍሽኽታ ተባሂላ ኽትጽዋዕ እምበኣር ይግብኣ እዩ። መጀመርታ ኣብ ከተማ ኮራት (ሕጂ ናኮን ራትቻሲማ) ተመደብና፡ ኣብኣ ድማ ንኽልተ ዓመት ኣገልገልና። ደሓር፡ ኣብ ከተማ ቻንግ ማኣይ ተመደብና። መብዛሕትኦም ህዝቢ ታይላንድ ኣመንቲ ቡድህና ስለ ዝዀኑ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ የብሎምን። ኣብ ኮራት ከለኹ፡ ምስ ሓደ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበርና። ብዛዕባ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም ተመያየጥና። እቲ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ኣብርሃም ዚብል ስም ሰሚዑ ኸም ዚፈልጥ ንምግላጽ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ርእሱ ነቕነቐ። ጸኒሐ ግን ክልቴና ብዛዕባ እተፈላለዩ ኣብርሃም ንዛረብ ከም ዝነበርና ፈለጥኩ። እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ፡ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ኣብርሃም ሊንከን ዝዛረብ ዘለኹ እዩ መሲልዎ ነይሩ!

ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ህዝቢ ታይላንድ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ከለና፡ ንሳቶም ከኣ ቀሊል ናብራ ብምንባር ብኸመይ ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል ምሂሮምና እዮም። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኣብታ ኣብ ኮራት ዝነበረት መብራህትን ማይን ዘይነበራ ናይ መጀመርያ መንበሪ ሚስዮናውያን ክንነብር ከለና ጠቒሙና እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምድብ፡ ‘ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን ክንፈልጥ’ ክኢልና ኢና። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ዝበሎ ሓሳብ እንታይ ማለት ምዃኑ ተመኪርናዮ ኢና።—ፊል. 4:12, 13

ሓድሽ ብጻይን ሓድሽ ምድብን

ብ1945 ኣብ ለንደን ምብጻሕ ገይረ ነበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምስ ገሊኦም ፈለምትን ቤትኤላውያንን ኴንና ንቤተ-መዘክር ዓዲ እንግሊዝ በጻሕና። ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ደሓር ኣብ መበል 11 ኽፍሊ ጊልዓድ እተኻፈለ ኣለን ኮቪል እዩ ነይሩ። ፈለማ ኣብ ፈረንሳይ፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ በልጅዩም ተመዲቡ ነበረ። b ኣብ ታይላንድ ሚስዮናዊት ኰይነ ኸገልግል ከለኹ ንኽምርዓዎ ሕቶ ኣቕረበለይ፡ ኣነ ድማ ንሕቶኡ ተቐበልክዎ።

ብ9 ሓምለ 1955 ኣብ ብራስልስ፡ በልጅዩም ተመርዓና። ግዜ ሕጽኖተይ ኣብ ፓሪስ ከሕልፎ ዅሉ ግዜ እምነ ነበርኩ፡ ስለዚ ኣለን ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዚካየድ ዓብዪ ኣኼባ ንኽንካፈል ምድላዋት ገበረ። ኣብኡ ምስ በጻሕና ግን፡ ኣለን ኣብ ብምሉኡ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ተርጓሚ ንኪኸውን ተሓትተ። ኵሉ መዓልቲ ኻብቲ ኣዕሪፍናሉ ዝነበርና ቦታ ኣንጊሁ ይወጽእ ነበረ፡ ኣምሲና ኸኣ ንምለስ ነበርና። ስለዚ፡ ሕጽኖተይ ኣብ ፓሪስ እኳ እንተ ኣሕለፍክዎ፡ ንኣለን ግን ኣብ መድረኽ ኰይኑ ኻብ ርሑቕ ጥራይ እየ ዝርእዮ ነይረ! ይኹን እምበር፡ ሰብኣየይ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ኬገልግል ምርኣየይ ኣሐጒሱኒ እዩ፡ የሆዋ ኣብ ሓዳርና ቦታ እንተ ኣልይዎ ብሓቂ ሕጉሳት ከም እንኸውን ድማ ተኣማመንኩ።

ድሕሪ መርዓና ናብ ካልእ ሓድሽ ክሊ፡ ማለት ናብ በልጅዩም ተመደብኩ። በልጅዩም ዓውደ ውግእ ናይ ብዙሕ ውግኣት ከም ዝዀነት ጥራይ እየ ዝፈልጥ ነይረ፡ ደሓር ግን መብዛሕትኦም በልጅዩማውያን ኣፍቀርቲ ሰላም ምዃኖም ተገንዘብኩ። ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እታ ሃገር ንዚዝረብ ቋንቋ ፈረንሳይኛ እውን ክመሃሮ ነበረኒ።

ብ1955 ኣብ በልጅዩም ዳርጋ 4,500 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ነበሩ። ኣነን ኣለንን ን50 ዓመት ዚኸውን ኣብ ቤትኤልን ዕዮ መገሻን ኣገልገልና። ኣብተን ናይ መጀመርያ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን፡ ዓቐበትን ቍልቁለትን ኣብ ዚርከቦ ቦታታት ከምኡውን ዝናምን ጸሓይን ኣብ ዘለዎ እዋናት ብብሽክለታ ንጐዓዝ ነበርና። ኣብዚ ዅሉ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ልዕሊ 2,000 ኣብ ዚኸውን ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ሓዲርና ኢና! ብኣካል ድልዱላት ዘይኰኑ ኽነሶም ንየሆዋ ብዅሉ ሓይሎም ምስ ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ግዜ እራኸብ ነበርኩ። እቲ ኣብነቶም ኣብ ኣገልግሎተይ ተስፋ ንኸይቈርጽ ሓጊዙኒ እዩ። ወትሩ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ምብጻሕ ጌርና ኽንውድእ ከለና፡ እተተባባዕና ዀይኑ ይስምዓና ነበረ። (ሮሜ 1:11, 12) ኣለን ብሓቂ ጽቡቕ ብጻይ እዩ ዀይኑኒ። እተን ኣብ መክብብ 4:9, 10 ዚርከባ፡ “እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ዚብላ ቓላትሲ ኽሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እየን!

ምሉእ ህይወተይ ‘ብሓይሊ የሆዋ’ ብምግልጋለይ ዝረኸብክዎ በረኸት

ኣብዚ ዅሉ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣነን ኣለንን ንኻልኦት ሰባት፡ ንየሆዋ ኼገልግሉ ብምሕጋዝ ብዙሕ ዜሐጕስ ተመክሮታት ረኺብና ኢና። ንኣብነት፡ ብ1983 ኣብ ኣንትወርፕ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ፈረንሳይኛ ኽንበጽሕ ከለና ምስ ሓንቲ ስድራ ቤት ብግሽነት ተቐሚጥና ነበርና፡ ኣብኡ ድማ ቤንጃሚን ባንዲዊላ ዚበሃል ካብ ዛየር (ሕጂ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ) ዝመጸ መንእሰይ ሓው ተኣንጊዱ ነበረ። ቤንጃሚን ዝለዓለ ትምህርቲ ንኺመሃር እዩ ናብ በልጅዩም ዝመጸ። ንሱ፡ “ንኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ምዃንኩም ናይ ብሓቂ ኣቕኒኡኒ እዩ” በለና። ኣለን ድማ፡ “ብኣና ኸም ዝቐናእካ እናተዛረብካ ኽነስኻ፡ ደድሕሪ ዓለማዊ ትምህርቲ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ። እዝስ ዚጋጮዶ ኣይመስለካን፧” በሎ። እዚ ቐጥታዊ ምኽሪ እዚ፡ ንቤንጃሚን ብዛዕባ ናብራ ህይወቱ ኸም ዚሓስብ ገበሮ። ድሕሪ ግዜ ናብ ዛየር ምስ ተመልሰ ፈላሚ ዀነ፡ ሕጂ ድማ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ብ1999 ኣብ ሻሕለለይ ዝነበረ መቝሰልቲ ንምእላይ መጥባሕቲ ተገብረለይ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ 30 ኪሎ ግራም እየ ዝምዘን። ኣየ ኸመይ ዝበልኩ ተሰባሪ “ኣቕሓ መሬት” ኰን እየ! የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ስለ ዝሃበኒ ግን አማስወሉ እየ። መጥባሕቲ ምስ ተገብረለይ እውን ንኣለን ኣብ ዕዮ መገሻ እንደገና ንኸሰንዮ የሆዋ ኣኽኢሉኒ እዩ። (2 ቈረ. 4:7) ድሕሪኡ፡ ኣለን ኣብ መጋቢት 2004 ደቂሱ ኸሎ ሞተ። ምሳይ ዘይምህላዉ እሓዝን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ኸም ዘሎ ምፍላጠይ ግን ኣጸናኒዑኒ እዩ።

ሎሚ ኣብ 83 ዓመተይ ንድሕሪት ምልስ ኢለ፡ ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ 63 ዓመት እዝክሮ እየ። ሕጂ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ብምምራሕ፡ መዓልታዊ ዝረኽቦ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ዜደንቕ ዕላማ የሆዋ ብምዝራብ ኣብ ኣገልግሎት ንጥፍቲ እየ። ሓድሓደ እዋን፡ ‘ብ1945 ፈላሚት እንተ ዘይከውን ነይረ፡ ህይወተይ እንታይ ምመሰለ፧’ ኢለ እሓስብ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረኒ ጸገም ጥዕና፡ ፈላሚት ንኸይከውን ዚገብር ምኽንያት እዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ንእስነተይ ኣገልግሎት ፈላምነት ምጅማረይ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ዘማስወሉ! ንየሆዋ ቐዳምነት እንተ ሂብናዮ፡ ንሱ ሓይልና ኸም ዚኸውን ብብሕተይ ናይ ምርኣይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሳልቬሽን ብ1939 እያ ተሓቲማ። ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

b ታሪኽ ህይወት ሓው ኮቪል ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1961 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምስታ ሚስዮናዊት መገላግልተይ ዝዀነት ኣስትሪድ ኣንደርሰን (ብየማን)

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብ1956 ምስ ሰብኣየይ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸለና

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ2000 ምስ ኣለን