ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንልባዊ ጸሎትና ዚህቦ መልሲ

የሆዋ ንልባዊ ጸሎትና ዚህቦ መልሲ

የሆዋ ንልባዊ ጸሎትና ዚህቦ መልሲ

“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።”—መዝ. 83:18 NW

1, 2. ብዙሓት እንታይ ተመክሮ እዮም ዘሕለፉ፧ እንታይ ሕቶታትከ ኺለዓል ይከኣል፧

 ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ሓንቲ ሰበይቲ በቲ ኣብ ጐረባብታ ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ኣዝያ ተረበሸት። ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ዝዀኑ ስድራ ቤት ስለ እተወልደት፡ ሓገዝ ደልያ ናብቲ ኣብ ከባቢኣ ዚርከብ ካህን ከደት። ንሱ ግን ኬዘራርባ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ናብ ኣምላኽ፡ “መን ምዃንካ ኣይፈልጥን እየ . . . ከም ዘለኻ ግን እፈልጥ እየ። በጃኻ ኽፈልጠካ ፍቐደለይ!” ኢላ ጸለየት። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሕዋ፡ ነቲ እትደልዮ ዝነበረት ምጽንናዕን ፍልጠትን ድማ ሃብዋ። ሓደ ኻብቲ ዝመሃርዋ ነገራት፡ ኣምላኽ፡ ‘የሆዋ’ ዚብል ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎ እዩ። ነዚ ምፍላጣ ውሽጣ ተንኪፍዋ እዩ። “ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ እዚ እኮ ቘልዓ ኻብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ ኽፈልጦ ዝደሊ ዝነበርኩ ኣምላኽ እዩ” በለት።

2 ብዙሓት ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም። መብዛሕትኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መዝሙር 83:18 ኬንብቡ ኸለዉ፡ ንፈለማ ግዜ ንስም የሆዋ ይረኽብዎ እዮም። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምዚ ትንበብ፦ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።” ግናኸ መዝሙር 83 ስለምንታይ ከም እተጻሕፈት ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ኵሉ ሰብ፡ የሆዋ በይኑ ጥራይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ንኺኣምን ዚግድዶ ዅነታት እንታይ እዩ፧ ሎሚ እዛ መዝሙር እዚኣ ንዓና እንታይ መልእኽቲ ኣለዋ፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብዛ ዓንቀጽ ክንምርምረን ኢና። a

ንህዝቢ የሆዋ ንምጕዳእ እተኣልመ ውዲት

3, 4. ንመዝሙር 83 መን እዩ ጽሒፍዋ፧ እንታይ ንእስራኤል ዘስግአ ዅነታትከ እዩ ዝገለጸ፧

3 ብመሰረት እቲ ልዕለ-ጽሑፍ፡ መዝሙር 83 “ናይ ኣሳፍ መዝሙር” እያ። እቲ ነታ መዝሙር ዝጸሓፋ፡ ዘርኢ እቲ ኣሳፍ ዚበሃል ብግዜ ግዝኣት ንጉስ ዳዊት ውሩይ ሙዚቀኛ ዝነበረ ሌዋዊ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ፡ ልዑላውነቱ ንምድጋፍ ስጕምቲ ንኺወስድን ስሙ ንኼፍልጥን ለሚንዎ ኣሎ። እታ መዝሙር ድሕሪ ሞት ሰሎሞን ተጻሒፋ ኽትከውን ኣለዋ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ግዝኣት ዳዊትን ሰሎሞንን፡ ንጉስ ጢሮስ ምስ እስራኤል ጽቡቕ ርክብ ነበሮ። መዝሙር 83 ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ግን፡ ተቐማጦ ጢሮስ ንእስራኤል ይጻብእዋን ምስ ጸላእታ ወጊኖምን ነበሩ።

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥፋእ እተመሻጠሩ ዓሰርተ ኣህዛብ ዘርዚሩ ኣሎ። ኵሎም እዞም ጸላእቲ እዚኣቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዚርከቡ ዀይኖም፡ ከምዚ ዚስዕብ ተባሂሎም ተዘርዚሮም ኣለዉ፦ “ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን ኣጋራውያንን፡ ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፡ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፡ ኣሶር ድማ ሐቢርዎም።” (መዝ. 83:6-8) እዛ መዝሙር ብዛዕባ ኣየናይ ታሪኻዊ ፍጻመ እያ እትገልጽ ዘላ፧ ገሊኦም ነቲ ብግዜ ዮሳፋጥ፡ ዓሞንን ሞኣብን ተቐማጦ ኸረን ስዒርን ሓቢሮም ንእስራኤል ዘጥቅዕሉ እዋን ከም እተመልክት ሓሳብ ይህቡ። (2 ዜና 20:1-26) ገሊኦም ከኣ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ብምሉኡ ታሪኾም ካብ ጐረባብቲ ኣህዛብ ዘጋጠሞም ተጻብኦታት ከም እትገልጽ ይኣምኑ።

5. ሎሚ ክርስትያናት ካብ መዝሙር 83 እንታይ ጥቕሚ እዮም ዚረኽቡ፧

5 እዚ ዀነ እቲ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ ህዝቡ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩሉ እዋን እዛ መዝሙር እዚኣ ንኽትጸሓፍ ብመንፈሱ ኸም ዝደረኸ ንጹር እዩ። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ነቶም ኬጥፍእዎም ቈሪጾም ካብ እተላዕሉ ጸላእቲ ኣብ ረርእሲ መጥቃዕትታት ዘጋጠሞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ምትብባዕ ትዀኖም እያ። ብዘይካዚ፡ ጎግ ብዓል ማጎግ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓይልታቱ ኣኪቡ ንዅሎም ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹ ኼጥፍእ ኢሉ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቱ ኣብ ዚፍንወሉ እዋን፡ ንዓና ብሓቂ ኸተበራትዓና እያ።—ህዝቅኤል 38:2, 8, 9, 16 ኣንብብ።

ብቐዳምነት ዜተሓሳስብ ጕዳይ

6, 7. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ መጀመርታ መዝሙር 83 ብዛዕባ እንታይ እዩ ዝጸለየ፧ (ለ) ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘተሓሳሰቦ ቐንዲ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧

6 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ጸሎቱ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ስምዒቱ ገለጸ፦ “ዎ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ዓባስ ኣይትኹን፡ ዝግ ኣይትበል። እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፡ ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም . . . አለዉ። ሐቢሮም ተማኺሮም፡ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም።”—መዝ. 83:1-3, 5

7 ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘተሓሳሰቦ ቐንዲ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧ ልክዕ እዩ፡ ድሕንነቱን ድሕንነት ስድራ ቤቱን ብዙሕ ኣጨኒቕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ጸሎቱ ኸም ርእሰ ነገር ጌርካ ተገሊጹ ዘሎ ግን፡ ኣብ ስም የሆዋ ዚመጽእ ጸርፍን ነቶም በቲ ስም ዚጽውዑ ህዝቢ ኣስጊእዎም ዝነበረ ዅነታትን እዩ ነይሩ። ነቲ ጽንኩር ዳሕሮት መዓልትታት እዛ ኣረጊት ዓለም ተጸሚምና ኸነሕልፎ ኸለና፡ ኵላትና ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ይሃልወና።—ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።

8. ዕላማ እቶም ንህዝቢ እስራኤል ውዲት ዝኣለሙሎም ኣህዛብ እንታይ እዩ ነይሩ፧

8 ጸላእቲ እስራኤል፡ “ህዝቢ ኸይኰኑ፡ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ ንዑ፡ ነጽንቶም” ከም ዚብሉ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ጠቒሱ ኣሎ። (መዝ. 83:4) እቶም ኣህዛብ ኣብቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ጽልኢ ዀን እዩ ነይርዎም! ነቲ ውዲት ኪኣልሙ ዝደረኾም ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ምድሪ እስራኤል ኪወስዱ ይምነዩ ነበሩ፡ “ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ” ኢሎም ከኣ ይንየቱ ነበሩ። (መዝ. 83:12) ኣብዚ ግዜናኸ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙዶ፧ እወ!

“ቅዱስ ማሕደርካ”

9, 10. (ሀ) ብግዜ ጥንቲ፡ ቅዱስ ማሕደር ኣምላኽ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ (ለ) ተረፍ ቅቡኣትን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ፧

9 ብግዜ ጥንቲ፡ እታ ምድሪ ተስፋ ኸም ቅዱስ ማሕደር ኣምላኽ ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። ኣብቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ ዝዘመርዎ ናይ ዓወት መዝሙር፡ “ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም” ዚብል ይርከብ። (ዘጸ. 15:13) ጸኒሑ፡ እቲ ኣብዚ “ማሕደር” ተባሂሉ ዘሎ ነታ ቤተ መቕደስ ምስ ክህነታን ነታ ርእሲ ኸተማ ዝነበረት የሩሳሌም ምስቶም ኣብ ዝፋን የሆዋ ዚቕመጡ ዘርኢ ዳዊት ዝዀኑ ነገስታትን ዜጠቓልል ኰነ። (1 ዜና 29:23) የሱስ ንየሩሳሌም፡ “ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ” ኢሉ ዝጸውዓ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን።—ማቴ. 5:35

10 ሎሚኸ፧ ብ33 ድ.ክ. “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዚበሃል ሓድሽ ህዝቢ ተወልደ። (ገላ. 6:16) እቲ ብቕቡኣት ኣሕዋት የሱስ ክርስቶስ ዝቘመ ህዝቢ፡ ነቲ ብስጋ እስራኤላውያን ንስም ኣምላኽ መሰኻኽር ብምዃን ዝመጸ ኼማልእዎ ዘይከኣሉ ዕማም ፈጺሙ እዩ። (ኢሳ. 43:10፣ 1 ጴጥ. 2:9) የሆዋ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ “ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ብምባል ንጥንታዊ እስራኤል ኣትዩሉ ዝነበረ መብጽዓ ኣተወሉ። (2 ቈረ. 6:16፣ ዘሌ. 26:12) ብ1919 የሆዋ ነቶም ዝተረፉ ኽፋል “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ኣብጸሖም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ንሳቶም ንሓንቲ “ሃገር” ወረሱ፡ ማለት መንፈሳዊ ገነት ኣብ ዚርከበሉ መንፈሳዊ ንጥፈታት ተጸምዱ። (ኢሳ. 66:8) ካብ 1930ታት ኣትሒዙ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ምሳታቶም ተጸምቢሮም እዮም። (ዮሃ. 10:16) እዞም ዘመናውያን ክርስትያናት ዝረኸብዎ ሓጐስን መንፈሳዊ ብልጽግናን፡ ንልክዕነት ልዑላውነት የሆዋ ሓያል መርትዖ ዚኸውን እዩ። (መዝሙር 91:1, 2 ኣንብብ።) እዝስ ንሰይጣን ክንደይ ኰን ኣነዲርዎ ኪኸውን ኣለዎ!

11. ቀንዲ ሸቶ ጸላእቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

11 ኣብ ብምሉኡ ግዜ መወዳእታ፡ ሰይጣን ንምድራውያን ወኪላቱ፡ ነቶም ተረፍ ቅቡኣትን ነቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕን ንኺጻረርዎም ኣለዓዒልዎም እዩ። ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒስታዊ መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት እዚ ተራእዩ እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት እዚ ምጽራር እዚ ኣጋጢሙ እዩ፡ ብሕጂ እውን እንተ ዀነ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ኬጋጥም እዩ። ከምቲ ጸላእቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝገበርዎ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ እቲ እውን ተጻረርቲ ንንብረትን ጥሪትን ህዝቢ ኣምላኽ ብስስዐ ኺወርስዎ እዮም። ቀንዲ ሸቶ ሰይጣን ግን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ስም ከም ዘይዝከር ገይሩ ንምብትታንና እዩ። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዑላውነቱ እተፈነወ ተቓውሞ እንታይ ምላሽ ኪህበሉ እዩ፧ ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተዛረቦ ቓላት እስከ ምልስ ኢልና ንርኣዮ።

ዓወት የሆዋ ዜርኢ ምሳሌ

12-14. እንታይ ኣብ ጥቓ ኸተማ መጊዶ እተረኽበ ኽልተ ታሪኻዊ ዓወታት እዩ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጠቐሰ፧

12 የሆዋ ንውዲት እቶም ጸላእቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ከም ዜፍሽሎ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓያል እምነት ከም ዝነበሮ ኣስተብህል። ነቲ እስራኤል ኣብ ጥቓ እታ ንለሰ መጊዶ እትቈጻጸሮ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ መጊዶ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዝረኸቦ ኽልተ ወሳኒ ዓወት ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ እዋን ክረምቲ፡ እቲ ዝነቐጸ ርባ ቂሶን ኣብቲ ለሰ ኺርአ ይከኣል እዩ። ድሕሪ እቲ ብግዜ ሓጋይ ዚወቅዕ ዝናም ከኣ፡ እቲ ርባ ነቲ ለሰ የዕለቕልቖ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዚኸውን፡ እቲ ርባ፡ “ማያት መጊዶ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ።—መሳ. 4:13፣ 5:19

13 ካብቲ ለሰ 15 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን ርሒቑ፡ ኵርባ ሞሬ ይርከብ። ብግዜ ጊዴዎን፡ ሰራዊት ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ኣብኡ ሰፊሮም ነበሩ። (መሳ. 7:1, 12) እቲ ኣብ መወዳእታ 300 ሰብኡት ጥራይ ዝነበሮ ንእሽቶ ሰራዊት ጊዴዎን፡ ነቲ ዓብዪ ሰራዊት ብሓገዝ የሆዋ ሰዓሮ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ብምስዓብ፡ ፋናታት ዚሓብእ ዳነሱ ሒዞም ነቲ ሰፈር ጸላኢ ብለይቲ ኸበብዎ። ጊዴዎን ምልክት ምስ ሃቦም፡ እቶም ሰቡ ነቲ ዳነሱ ሰበርዎ፡ እቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ፋናታት ድማ ብሃንደበት ተራእየ። ብኡንብኡ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ “ሴፍ [“የሆዋን፡” NW] ጊዴዎንን” ኢሎም ጨደሩ። እቶም ሰራዊት ጸላኢ ሕንፍሽፍሽ ኣተዎም፡ ንሓድሕዶም ድማ ተቐታተሉ፣ ካብ ሞት ዝተረፉ ኸኣ ናብ ስግር ፈለግ ዮርዳኖስ ሃደሙ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ተወሰኽቲ እስራኤላውያን ንጸላኢ ኣብ ምስጓጕ ተጸምበሩ። ብድምር 120,000 ወተሃደራት ጸላኢ ተቐትሉ።—መሳ. 7:19-25፣ 8:10

14 ክንዮ ዅርባ ሞሬ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቑ፡ ኣብ ስግር ለሰ መጊዶ፡ ከረን ታቦር ይርከብ። ኣብኡ ኸኣ ባራቅ 10,000 እስራኤላውያን ወተሃደራት ኣኪቡ ምስቶም ብሲሰራ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ዚምርሑ ዝነበሩ ሰራዊት ያቢን ንጉስ ሓጾር ገጠመ። እዚ ሰራዊት ከነኣናውያን እዚ ኣብ መንኰራዅራቱ በሊሕ ሓጺን እተገጥመሉ 900 ሰረገላታት ውግእ ነበሮ። እቶም ጽቡቕ ዕጥቂ ዘይነበሮም እስራኤላውያን ኣብ ከረን ታቦር ምስ ተኣከቡ፡ ሰራዊት ሲሰራ ናብቲ ለሰ ወረዱ። የሆዋ ኸኣ “ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን . . . ኣሸበሮም።” ብሃንደበት ዝዘነመ ብርቱዕ ዝናም ንርባ ቂሶን መሊኡ ነቲ ኸባቢ ኸም ዜዕለቕልቕ ስለ ዝገበሮ፡ እተን ሰረገላታት ኣብ ጭቃ ተሸኺለን ኪዀና ኣለወን። እስራኤላውያን ንዅሎም እቶም ሰራዊት ቀተልዎም።—መሳ. 4:13-16፣ 5:19-21

15. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ የሆዋ እንታይ ኪገብር እዩ ዝጸለየ፧ (ለ) ነቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ኣምላኽ እተዋህበ ስያመ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዜዘኻኽረና፧

15 እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ግዜኡ ንህልውና እስራኤል ዜስግኡ ዝነበሩ ኣህዛብ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኺወስደሎም ለመነ። “ከምቲ ንምድያን፡ ንሲሰራ፡ ንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም። ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡ፡ ንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 83:9, 10) ኣምላኽ ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚገብሮ ናይ መወዳእታ ውግእ እውን፡ ኣርማጌዶን (ማለት “ከረን መጊዶ”) ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እዚ ስያመ እዚ ነቲ ኣብ ጥቓ መጊዶ እተገብረ ወሳኒ ውግኣት እዩ ዜዘኻኽረና። የሆዋ ኣብቲ ጥንታዊ ውግኣት ዝረኸቦ ዓወት፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እውን ከም ዚዕወት መረጋገጺ ይዀነና።—ራእ. 16:13-16

ንምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋ ጸሊ

16. ሎሚ ገጽ ተጻረርቲ ‘ብነውሪ ዝመልአ’ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣብ ኵለን እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት፡” የሆዋ ንዅሉ እቲ ንህዝቡ ንምጥፋእ እተገብረ ጻዕርታት ኣፍሺልዎ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ከም ውጽኢቱ፡ ተጻረርቲ ሓፊሮም እዮም። መዝሙር 83:16፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ኺደልዩስ፡ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ” ብምባል ነዚ ኣቐዲማ ገሊጻቶ ነይራ። ተጻረርቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ስቕ ንምባል ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣብ ሃሃገሩ ኸቶ ኣይሰለጦምን። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን፡ እቶም ኣምለኽቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘርኣይዎ ጽንዓትን ምጽማምን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምስክርነት ኰይንዎም እዩ፡ ብዙሓት ድማ ‘ንስም የሆዋ ደልዮም’ እዮም። ኣብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደዳ ሕሱም መስጐጕቲ ዀይኖምለን ዝነበሩ ሓያሎ ሃገራት፡ ሎሚ ብዓሰርተታት ኣሽሓትን ብኣማእታት ኣሽሓትን ዚቝጸሩ ሕጉሳት ወደስቲ የሆዋ ኣለዉ። እዝስ ንየሆዋ ኸመይ ዝበለ ዓወት ኰን እዩ! ንጸላእቱኸ ኽንደይ ኰን እዩ ዜሕፍሮም!—ኤርምያስ 1:19 ኣንብብ።

17. ደቂ ሰብ ኣብ ምንታይ ወሳኒ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧ እንታይ ቃላትከ ኢና ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኽንዝክር፧

17 እቲ ውግእ ገና ኸም ዘየብቅዐ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ተጻረርቲ እውን ከይተረፈ ነቲ ብስራት ምስባኽና ኣይነቋርጽን ኢና። (ማቴ. 24:14, 21) ይኹን እምበር፡ እቲ ነዞም ተጻረርቲ ንኺንስሑን ንኺድሕኑን ተኸፊቱሎም ዘሎ ኣጋጣሚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኬኽትም እዩ። ምቕዳስ ስም የሆዋ ኻብ ድሕነት ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ህዝቅኤል 38:23 ኣንብብ።) ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ ኣህዛብ ሓቢሮም ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥፋእ ምስ ተላዕሉ፡ ነዘን እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸለየን፡ “ንዘለኣለም ይነውሩን ይሸበሩን፡ ይሕፈሩን ይጥፍኡን” ዚብላ ቓላት ክንዝክረን ኢና።—መዝ. 83:17

18, 19. (ሀ) ነቶም ንልዑላውነት የሆዋ ኺጻረሩ ዝቘረጹ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ (ለ) ልዑላውነት የሆዋ ዚረጋገጸሉ ግዜ ምቕራቡ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧

18 እቶም ንልዑላውነት የሆዋ ኺጻረሩ ቘሪጾም ዘለዉ፡ መወዳእታኦም ውርደት ኪኸውን እዩ። ነቶም “ንወንጌል . . . ዘይእዘዝዎን” በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ኣርማጌዶን ዚጠፍኡን፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚጽበዮም ቃል ኣምላኽ ይገልጽ። (2 ተሰ. 1:7-9) ንሳቶም ምጥፋኦምን እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዜምልኽዎ ምድሓኖምን፡ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ዜእምን መርትዖ ኪኸውን እዩ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም እቲ ዓብዪ ዓወት ኣይኪርሳዕን እዩ። እቶም ‘ብትንሳኤ ጻድቃንን ሓጥኣንን’ ዚትንስኡ ሰባት፡ ነቲ ዓብዪ ግብሪ የሆዋ ኺመሃሩ እዮም። (ግብ. 24:15) ኣብታ ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ልዑላውነት የሆዋ ምንባር ጥበባዊ ምዃኑ ዜእምን መርትዖ ኺርእዩ እዮም። ካባታቶም ድማ እቶም ትሑታት ዘበሉ፡ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ቐልጢፎም ኪኣምኑሉ እዮም።

19 እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንእሙናት ኣምለኽቱ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ኣዳልዩሎም ዘሎ! እዝስ ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “[ጸላእትኻ] ይሕፈሩን ይጥፍኡን። ንስኻ፡ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ” ኢሉ ዝጸለዮ ጸሎት፡ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ምላሽ ንኺህበሉ ኽትጽሊ ዚድርኸካዶ ኸይኰነ፧—መዝ. 83:17, 18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቕድሚ ምምርማርካ፡ ንትሕዝቶ መዝሙር 83 ምእንቲ ኽትፈልጦ፡ ነታ መዝሙር እንተ ኣንቢብካያ ኽትጥቀም ኢኻ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

መዝሙር 83 ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ንእስራኤል እንታይ ኵነታት ኣጋጢምዎ ነበረ፧

• ነቲ ንመዝሙር 83 ዝጸሓፋ ሰብ ብቐዳምነት ዘተሓሳሰቦ እንታይ እዩ ነይሩ፧

• ሎሚ ኣደዳ ጽልኢ ሰይጣን ኰይኖም ዘለዉ መን እዮም፧

• የሆዋ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ መዝሙር 83:18 ዚርከብ ጸሎት ብኸመይ ምላሽ ኪህበሉ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቲ ኣብ ጥቓ ጥንታዊት መጊዶ እተገብረ ውግኣት ምስ መጻኢና ብኸመይ ይዛመድ፧

ርባ ቂሶን

ሓሮሼት

ከረን ቀርሜሎስ

ለሰ ይዝርኤል

መጊዶ

ተዓናክ

ከረን ጊልቦዓ

ዓይኒ ማይ ሓሮድ

ሞሬ

ዔን-ዶር

ከረን ታቦር

ባሕሪ ገሊላ

ፈለግ ዮርዳኖስ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ንሓደ ጸሓፍ መዝሙር ልባዊ ጸሎት ንኬቕርብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧