ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንጽቡቕና ይሕልወና

የሆዋ ንጽቡቕና ይሕልወና

የሆዋ ንጽቡቕና ይሕልወና

“ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና 16:9

1. የሆዋ ዚዕዘበና ስለምንታይ እዩ፧

 የሆዋ ፍጹም ኣቦ እዩ። ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጠና፡ ‘ሓሳባትና’ እውን ከይተረፈ ይፈልጦ እዩ። (1 ዜና 28:9) ይኹን እምበር፡ ጕድለት ንኺረኽበልና ኢሉ ኣይኰነን ዚዕዘበና። (መዝ. 11:4፣ 130:3) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ወይ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትና ኼበላሹ ኻብ ዚኽእል ነገራት ኬዕቍበና ይደሊ እዩ።—መዝ. 25:8-10, 12, 13

2. የሆዋ ንመን እዩ ዜጽንዖም፧

2 የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ይርኢ እዩ። ስለዚ ድማ፡ እሙናቱ ናብኡ ኣብ ዚምህለሉሉ ዘበለ ኺረድኦምን ኣብ ፈተናኦም ኪድግፎምን ይኽእል እዩ። ካልኣይ ዜና መዋእል 16:9፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ትብል። የሆዋ ነቶም ብፍጹም ልቦም ናብኡ ዚጽግዑ፡ ማለት ነቶም ንጹህን ቅኑዕን ልቢ ዘለዎም ከም ዜጽንዖም ወይ ከም ዜበርትዖም ኣስተብህል። ነቶም መታለልቲ ወይ ግቡዛት ግን ኣይግደሰሎምን እዩ።—እያ. 7:1, 20, 21, 25፣ ምሳ. 1:23-33

ምስ ኣምላኽ ተመላለስ

3, 4. ‘ምስ ኣምላኽ ምምልላስ’ እንታይ ማለት እዩ፧ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታትከ እዩ ነዚ ዜብርሃልና፧

3 እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ምስኡ ኺመላለሱ ይፈቅድ ዚብል ሓሳብ ንብዙሓት ምርዳኡ የጸግሞም እዩ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ዚደልየና። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሄኖክን ኖህን ‘ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ።’ (ዘፍ. 5:24፣ 6:9) ሙሴ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ።” (እብ. 11:27) ንጉስ ዳዊት እውን ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ብትሕትና ተመላለሰ። “[የሆዋ] ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ኣይክናወጽን እየ” ኸኣ በለ።—መዝ. 16:8

4 ልክዕ እዩ፡ ቃል ብቓሉ ንየሆዋ ብኢዱ ኽንሕዞ ወይ ምስኡ ኽንመላለስ ኣይንኽእል ኢና። ነዚ ግን ብምሳልያዊ መገዲ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፡ ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ፡ ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ . . . ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 73:23, 24) ብሓጺሩ ነቲ የሆዋ ብቐዳምነት በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ”ን ኣቢሉ ዚህበና ምኽሪ ብጥብቂ ምስ እንስዕብ፡ ምስኡ ንመላለስ ኪበሃል ይከኣል እዩ።—ማቴ. 24:45፣ 2 ጢሞ. 3:16

5. የሆዋ ንእሙናቱ ብኣባታዊ ዓይኒ ዚጥምቶም ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ብዛዕባኡ ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

5 የሆዋ ነቶም ምስኡ ዚመላለሱ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮም፡ ብኣባታዊ ዓይኑ ይሕልዎም እዩ፣ ማለት ይሓልየሎምን የዕቍቦምን ይምህሮምን እዩ። ኣምላኽ፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ኢሉ ኣሎ። (መዝ. 32:8) ስለዚ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ምስ የሆዋ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘ ኸም ዝኸይድ ገይረ ድየ ዝሓስብ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብዓይኒ ፍቕሪ ኸም ዚጥምተኒ ፈሊጠ ንዚህበኒ ጥበባዊ ምኽሩ እሰምዕ ድየ፧ ምሳይ ከም ዘሎ ምስትውዓለይ፡ ንሓሳባተይን ቃላተይን ተግባራተይን ይጸልዎ ድዩ፧ ክጋገ ኸለኹ፡ ንየሆዋ ኸም ርሑቕን ተሪርን ዓይነት ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ንዚንስሑ ናብ ሕቝፉ ኪቕበል ከም ዚደሊ ፈቃርን መሓርን ኣቦ ገይረ ድየ ዝርእዮ፧’—መዝ. 51:17

6. የሆዋ ኻብ ሰብኣውያን ወለዲ ብዝበለጸ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

6 ሓድሓደ ግዜ፡ ገና ናብ ጌጋ ገጽና ኽንጐዓዝ ክንጅምር ከለና፡ የሆዋ ይረድኣና እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ጐራሕ ልብና ዘይግቡእ ነገራት ኪምነ ኸም ዝጀመረ ይዕዘብ ይኸውን። (ኤር. 17:9) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ “ቈላሕታ” የሆዋ ኣብ ውሽጥና ኺጥምትን ሓሳባትና ኺምርምርን ስለ ዚኽእል፡ ካብ ሰብኣውያን ወለዲ ብዝቐልጠፈ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል እዩ። (መዝ. 11:4፣ 139:4፣ ኤር. 17:10) ከም ኣብነት፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወት እቲ ንነብዪ ኤርምያስ ጸሓፊኡን ናይ ቀረባ ዓርኩን ዝነበረ ባሩኽ ንዘጋጠመ ዅነታት፡ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ።

ንባሩኽ ናይ ሓቂ ኣቦ ዀኖ

7, 8. (ሀ) ባሩኽ መን እዩ ነይሩ፧ ኣብ ልቡኸ እንታይ ሕማቕ ትምኒታት እዩ ኼሕድር ዝጀመረ፧ (ለ) የሆዋ ንባሩኽ ኣባታዊ ሓልዮቱ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧

7 ባሩኽ ኣብቲ ፍርድታት የሆዋ ንይሁዳ ናይ ምእዋጅ ኣጸጋሚ ዕዮ ኻብ ጐድኒ ኤርምያስ ከይተፈልየ ብተኣማንነት ዘገልገለ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። (ኤር. 1:18, 19) ሓደ ግዜ ግን፡ እዚ ኻብ ምርኡያት ቤተሰብ እተወልደ ባሩኽ፡ ንርእሱ “ዓብዪ ነገር” ኪደሊ ጀመረ። ምናልባት ንስጋዊ ሃብቲ ባህጊ ወይ ትምኒት ኬሕድር ጀሚሩ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልቢ ባሩኽ ዚምዕብል ዝነበረ ሓደገኛ ሓሳባት ረኣዮ። ብኤርምያስ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንስኻስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ፡ ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ፡ ዕረፍቲውን ሰአንኩ፡ ትብል አሎኻ” ብምባል ነቲ ጕዳይ ቅልጡፍ ኣትኵሮ ገበረሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ” በሎ።—ኤር. 45:1-5

8 የሆዋ ንባሩኽ ኣትሪሩ እኳ እንተ ተዛረቦ፡ ይቝጥዖ ኣይኰነን ነይሩ፡ የግዳስ ናይ ሓቂ ኣባታዊ ሓልዮቱ እዩ ኣርእይዎ። እቲ ትምኒታቱ፡ እኩይ ወይ ቄናን ልቢ ኸም ዘለዎ ዚሕብር ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይረኣዮን። የሩሳሌምን ይሁዳን ኣብ ዳሕሮት መዓልትታተን ከም ዚርከባ እውን ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንባሩኽ ኣብቲ ኽፉእ ግዜ ኺዕንቀፍ ኣይደለዮን። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ ናብ ልቡ ምእንቲ ኺመልሶ ኢሉ፡ “መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ” ኢሉ ኣዘኻኸሮ፡ ባሩኽ ጥበባዊ ስጕምቲ እንተ ወሲዱ ብህይወት ከም ዚነብር ድማ ሓበሮ። (ኤር. 45:5) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ባሩኽ፡ ለብም። ነተን ሓጥኣን ዝዀና ይሁዳን የሩሳሌምን ድሕሪ ሓጺር ግዜ እንታይ ከም ዚወርደን ኣይትረስዕ። እሙን ኩን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ! ኣነ ኸዕቍበካ እየ’ እዩ ዚብሎ ነይሩ። ባሩኽ ጽቡቕ ስጕምቲ ብምውሳዱ ኻብቲ ድሕሪ 17 ዓመት ዝመጸ ጥፍኣት የሩሳሌም ስለ ዝደሓነ፡ የሆዋ ንልቢ ባሩኽ ተንክይዎ ኪኸውን ኣለዎ።

9. ነዘን ኣብዚ ሕጡብ ጽሑፍ እዚ እተላዕላ ሕቶታት እንታይ መልሲ ትህበለን፧

9 ብዛዕባ ባሩኽ ከተስተንትን ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታትን ጥቕስታትን ሕሰበሉ፦ ኣምላኽ ንባሩኽ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ስምዒታትን እንታይ ይገልጽ፧ (እብራውያን 12:9 ኣንብብ።) ነዚ እንነብረሉ ዘለና ኽፉእ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብቲ ኣምላኽ ንባሩኽ ዝሃቦ ምኽርን ካብቲ ባሩኽ እተቐበለሉ መገድን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ሉቃስ 21:34-36 ኣንብብ።) ክርስትያን ሽማግለታት፡ ኣብነት ኤርምያስ ብምስዓብ ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ሓልዮት ብኸመይ ኬንጸባርቑ ይኽእሉ፧—ገላትያ 6:1 ኣንብብ።

ፍቕሪ ኣቦ ኣብ ወዲ ተንጸባሪቓ

10. የሱስ ነቲ ኸም ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መጠን እተዋህቦ ሓላፍነት ንኺስከም ብኸመይ እዩ ተዓጢቑ ዘሎ፧

10 ኣብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ እዋን፡ የሆዋ ንህዝቡ ዝነበረቶ ፍቕሪ ብነብያትን ብኻልኦት እሙናት ኣገልገልቱን ኣቢላ ተራእያ እያ። ሕጂ ኸኣ ልዕሊ ዅሉ በቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢላ ትርአ እያ። (ኤፌ. 1:22, 23) ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ የሱስ ከም ሓደ “ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ” ዜመልክቱ “ሾብዓተ ዓይኒ” ዘለዉዎ ገንሸል ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 5:6) እወ፡ የሱስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ስለ ዝዀነ፡ ፍጹም ምስትውዓል ኣለዎ። ንሱ እውን እንተ ዀነ ውሽጣዊ እንታይነትና ይርኢ እዩ፡ ዋላ ሓንቲ እውን ኣየምልጦን እዩ።

11. ክርስቶስ እንታይ ግደ እዩ ዚጻወት፧ ንዓና ዘለዎ ኣረኣእያኸ ነቲ ናይ ኣቦኡ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

11 ይኹን እምበር፡ የሱስ እውን ከም የሆዋ፡ ኣብ ሰማይ ዚነብር ፖሊስ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብዓይኒ ፍቕሪ እዩ ዚዕዘበና። እቲ “ኣቦ ዘለኣለም” ዚብል ሓደ ኻብቲ መዓርጋቱ፡ ንዅሎም ኣብኡ እምነቶም ዜርእዩ ዘበሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምሃብ ዚጻወቶ ግደ የዘኻኽረና። (ኢሳ. 9:6) ብዘይካዚ፡ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ብመንፈስ ብሱላት ንዝዀኑ ፍቓደኛታት ክርስትያናት፡ ብፍላይ ከኣ ንሽማግለታት፡ ነቶም ዜድልዮም ዘበለ ምጽንናዕ ወይ ምኽሪ ንኺህቡ ኺድርኾም ይኽእል እዩ።—1 ተሰ. 5:14፣ 2 ጢሞ. 4:1, 2

12. (ሀ) ናብተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእካ ደብዳበታት ብዛዕባ የሱስ እንታይ ይገልጻ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቲ ክርስቶስ ንመጓሰ ኣምላኽ ዘለዎ ኣረኣእያ ዜንጸባርቑ ብኸመይ እዮም፧

12 ክርስቶስ ኣብተን መጓሰ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት፡ ኣብቲ ናብ ሽማግለታት እተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ ደብዳበታት ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ራእ. 2:1–3:22) ኣብተን ደብዳበታቱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዚኸውን ነገራት ከም ዚፈልጦን ንሰዓብቱ ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሓልየሎምን ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ነገራት “ብመዓልቲ ጐይታ” ስለ ዚፍጸም፡ እዚ ሎሚ ብዝያዳ ይርአ ኣሎ። a (ራእ. 1:10) ፍቕሪ ክርስቶስ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ኣብ ጉባኤታት መንፈሳውያን ጓሶት ኰይኖም ዜገልግሉ ሽማግለታት ኣቢላ እያ እትግለጽ። ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ነዞም “ውህበት” ዝዀኑ ሰብኡት ንኼጸናንዑ፡ ንኼበራትዑ፡ ወይ ንኺመኽሩ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 4:8፣ ግብ. 20:28፣ ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣንብብ።) ጻዕርታቶም ከም መግለጺ እቲ ክርስቶስ ኣባኻ ብውልቂ ዘለዎ ተገዳስነት ጌርካ ትርእዮ ዲኻ፧

ኣብ ግቡእ ግዜ ዚወሃብ ሓገዝ

13-15. የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ምላሽ ኪህብ ይኽእል፧ ኣብነታት ሃብ።

13 ሓገዝ ንምርካብ ብትግሃት ድሕሪ ምጽላይካ፡ ሓደ ብመንፈስ ብሱል ዝዀነ ክርስትያን ዜተባብዕ ምብጻሕ ኪገብረልካ ብምምጻኡ ምላሽ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ (ያእ. 5:14-16) ወይ ከኣ እቲ ሓገዝ ምናልባት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ብዚወሃብ መደረ ወይ ኣብ ጽሑፋትና ብዚወጽእ ሓበሬታ ኣቢሉ መጺኡ ይኸውን። የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ በዚ ኸምዚ ንጸሎትና ምላሽ ይህብ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ መደረ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሓንቲ ቕድሚ እተወሰነ ሰሙናት ኣደዳ ግፍዒ ዀይና ዝነበረት ሓብቲ ቐሪባ ኣመስገነቶ። ብዛዕባ እቲ ጸገማ ኣብ ክንዲ እተማርር፡ ነቲ ኣብቲ መደረ ዝሰምዓቶ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ብዙሕ ከም ዘማሰወትሉ ገለጸት። ንዅነታታ ዚምልከት ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ኣጸናንዓ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ብምእካባ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ ተሓጒሳ!

14 ብጸሎት ኣቢልካ ብዛዕባ ዚወሃበና ሓገዝ ድማ፡ ንሰለስተ እሱራት ዘጋጠሞም ነገር እስከ ንርአ። እዞም እሱራት እዚኣቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ፈለጡ፡ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኸኣ ኰኑ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሕማቕ ተግባር ስለ እተገብረ፡ ኣብ ኵሎም እቶም እሱራት ተወሳኺ ቐይድታት ተገብረ። እዚ ድማ ተቓውሞ ኣለዓዓለ። እቶም እሱራት ንጽብሒቱ ድሕሪ ቝርሲ፡ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ሸሓንታቶም ምምላስ ከም ዚኣብዩ ወሰኑ። እቶም ሰለስተ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኣብ መዋጥር ኣተዉ። ኣብቲ ኣድማ እንተ ሓቢሮም፡ ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1 ዚርከብ የሆዋ ዝሃቦ ምኽሪ ኺጥሕሱ እዮም። እንተ ዘይሓቢሮም ከኣ፡ እቶም እተቘጥዑ መተኣስርቶም ሕነ ኺፈድዩ ይኽእሉ እዮም።

15 ሰለስቲኦም ኪራኸቡ ዘይክእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ጥበብ ኪህቦም ናብ የሆዋ ጸለዩ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ሰለስቲኦም ሓደ ዓይነት ውሳነ ወሰኑ፣ ነቲ ዝቐረበሎም ቍርሲ ኣይተቐበሉን። እቶም ሓለውቲ እሱራት ጸኒሖም ሸሓንታት ኪእክቡ ምስ ተመልሱ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ዚምለስ ሸሓኒ ኣይነበሮምን። እቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣብ ቀረባኦም ምንባሩስ፡ ክንደይ ኰን ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ!—መዝ. 65:2

ንመጻኢ ብምትእምማን ምጽባዩ

16. ዕዮ ስብከት ነቲ የሆዋ ንኣባጊዕ መሰል ሰባት ዘለዎ ተገዳስነት ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

16 የሆዋ ነቶም ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ዘለዎ ተገዳስነት ዜርእየሉ ኻልእ መገዲ፡ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እዩ። (ዘፍ. 18:25) መብዛሕትኡ ግዜ ብመላእኽቲ ኣቢሉ ንኣገልገልቱ ናብቶም ኣባጊዕ መሰል ኪመርሖም ይኽእል እዩ፣ ናብቶም እቲ ብስራት ኣብ ዘይበጽሖ ቦታታት ዚርከቡ እውን ከይተረፈ መሪሕዎም እዩ። (ራእ. 14:6, 7) ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብመልኣኹ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ፡ ናብቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ለኣኾ፡ ነቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚግለጸሉ ገበረ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቲ ሰብኣይ ነቲ ብስራት ተቐበለ፡ ጥሙቕ ሰዓቢ የሱስ ድማ ኰነ። bዮሃ. 10:14፣ ግብ. 8:26-39

17. ብዛዕባ መጻኢ ብዙሕ ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

17 እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ናብ መወዳእታኡ ኪቐርብ ከሎ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ቕልውላው” ኪቕጽል እዩ። (ማቴ. 24:8) ንኣብነት፡ ብሰንኪ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጠለብ፡ ብሰንኪ ምምዝባል ኵነታት ኣየር፡ ወይ ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው፡ ዋጋታት ምግቢ ኺንህር ይኽእል እዩ። ስራሕ ምርካብ ዝያዳ ኣጸጋሚ ኪኸውን፡ ሰራሕተኛታት እውን ንዝነውሐ ሰዓታት ኪሰርሑ ዝያዳ ጸቕጢ ኺግበረሎም ይኽእል እዩ። ዝመጸ ይምጻእ ግን፡ ኵሎም እቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ዚህቡን ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ዘላቶምን ዘበሉ፡ ብዙሕ ኪጭነቑ ኣየድልዮምን እዩ። ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮምን ከም ዚሓልየሎምን ይፈልጡ እዮም። (ማቴ. 6:22-34) ንኣብነት፡ ኣብቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ዝጠፍኣትሉ እዋን፡ የሆዋ ንኤርምያስ ብኸመይ ዜድልዮ ኸም ዘማልኣሉ እስከ ንርአ።

18. የሩሳሌም ኣብ እተኸበትሉ እዋን፡ የሆዋ ንኤርምያስ ፍቕሩ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከቢቦምሉ ዝነበሩ ዳሕሮት ግዜያት፡ ኤርምያስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ። ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ ምግቢ ዝረኸበ፧ ካብ ማእሰርቲ እንተ ዚፍታሕ ነይሩ፡ ምግቡ ባዕሉ መናደየ። እሱር ስለ ዝነበረ ግን፡ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ፡ መብዛሕትኦም እውን ዚጸልእዎ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ እዮም ምግቡ ኼምጽኡሉ ዚኽእሉ ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ኤርምያስ ኣብ ሰባት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኸም ዚሓልየሉ እተመባጽዓሉ ኣምላኽ ትውክልቱ ገበረ። እሞኸ የሆዋ ቓሉ ሓልዩዶ፧ እሂናይ ደኣ! “ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰኣን፡” ኣብ ጸጽባሕ “ሓንቲ እንጌራ” ኸም ዚወሃቦ ገበረ። (ኤር. 37:21) ኤርምያስን ባሩኽን ዔቤድ-ሜሌክን ካልኦትን፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ጥሜትን ሕማምን ሞትን ኣምሊጦም እዮም።—ኤር. 38:2፣ 39:15-18

19. ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 እወ፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን።” (1 ጴጥ. 3:12) ሰማያዊ ኣቦኻ ዚሕልወካ ምዃኑስ ኣየሐጕሰካንዶ፧ ኣዒንቱ ንጽቡቕካ ኢለን ዚርእያኻ ምዃነን ውሕስነትን ድሕንነትን ከም ዚስምዓካ ደይኰነን ዚገብር፧ ሃየ እምበኣር፡ ኣብ መጻኢ ዝመጸ ይምጻእ፡ ምስ ኣምላኽካ ንኽትመላለስ ቈራጽነት ግበር። የሆዋ ኻባና ኸም ዘይርሕቕን ንእሙናቱ ብኣባታዊ ዓይኑ ኸም ዚርእዮምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 32:8፣ ኢሳይያስ 41:13 ኣንብብ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እተን ደብዳበታት ብቐዳምነት ንቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚምልከታ እኳ እንተ ዀና፡ ብመሰረቱ ግን ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚምልከታ እየን።

b ካብ ሰማይ መምርሒ ኸም ዚወሃብ ዚሕብር ካልእ ኣብነት፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:6-10 ኪርከብ ይከኣል። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያን ቢቲንያን ከይሰብኩ፡ ‘መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኸልከሎም’ ነንብብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መቄዶንያ ኺዓዩ ጻውዒት ቀረበሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ትሑታት ውልቀ-ሰባት ንስብከቶም ተቐበልዎ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ‘ምስ ኣምላኽ ንመላለስ’ ከም ዘለና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• የሆዋ ንባሩኽ ፍቕሩ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ባህርያት ኣቦኡ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

• ኣብዚ ኽፉእ ግዜ እዚ ኣብ ኣምላኽ ከም እንውከል ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ኤርምያስ ንባሩኽ ዝመኸሮ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ሓልዮት የሆዋ የንጸባርቑ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ ግቡእ ግዜ ብኸመይ እዩ ሓገዝ ኪህብ ዚኽእል፧