ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መዝሙር ባሕሪ” ነቲ ጋግ ድልድል ዝሰርሓሉ ኢደ-ጽሑፍ

“መዝሙር ባሕሪ” ነቲ ጋግ ድልድል ዝሰርሓሉ ኢደ-ጽሑፍ

“መዝሙር ባሕሪ” ነቲ ጋግ ድልድል ዝሰርሓሉ ኢደ-ጽሑፍ

ብ22 ግንቦት 2007፡ ኣብ ሻውዓይን ሻምናይን ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ቝርጽራጽ ጥቕላላት፡ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ-መዘክር እስራኤል ንምርኢት ቀረበ። እዚ ኢደ-ጽሑፍ እዚ፡ ነቲ ኣብ ዘጸኣት 13:19–16:1 ዚርከብ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ደሓኑ ዝዘመርዎ “መዝሙር ባሕሪ” ተባሂሉ ዚፍለጥ ናይ ዓወት መዝሙር የጠቓልል። እዚ ቝርጽራጽ ጥቕላላት ንምርኢት ምቕራቡ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ኢደ-ጽሑፍ እተጻሕፈሉ እዋን መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና እዩ። ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ካብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት እዩ ተጻሒፉ። እዚ ኸይተረኽበ ኸሎ 60 ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ፡ እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ሒዙ ዝነበረ ኢደ-ጽሑፍ እብራይስጢ፡ ብ930 ድ.ክ. እተጻሕፈ ኮዴክስ ኣሌፖ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣብ ዝነበረ ኣማእታት ዓመታት እተጻሕፈ ኢደ-ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብዘይካ እተወሰነ ቝርጽራጻት ካልእ ኣይተረኽበን ነይሩ።

ዳይረክተር ቤተ-መዘክር እስራኤል ዝዀነ ጀምስ ኤስ. ስኒዳር፡ “ኢደ-ጽሑፍ መዝሙር ባሕሪ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ጥቕላላት ምዉት ባሕርን . . . ኮዴክስ ኣሌፖን ዚርከብ ናይ ታሪኽ መዋእል ዝነበረ ጋግ፡ ድልድል ሰርሓሉ” በለ። ብመሰረት እቲ ንሱ ዝበሎ፡ እዚ ኢደ-ጽሑፍ ምስ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቕስታት ብሓባር ኰይኑ፡ “ጽሑፋት ከም ዝነበሮ ምጽናሑ ዜረጋግጽ ፍሉይ ኣብነት እዩ ዚህብ።”

እቲ ቝርጽራጽ ጥቕላላት፡ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ኣብ ካይሮ፡ ግብጺ፡ ኣብ ዚርከብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ካብ እተረኽበ ብዙሕ ኢደ-ጽሑፋት ሓደ ኸም ዝዀነ እዩ ዚእመነሉ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንኢደ-ጽሑፋት እብራይስጢ ብውልቁ ዝኣከበ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ንሰብ ሞያ ኽሳዕ ዜማኽር ነቲ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣይተገንዘበን ነይሩ። ሽዑ፡ እቲ ቝርጽራጽ ናይ መዓስ እዋን ምዃኑ ምስ ተመርመረ፡ ኣብ ቤተ-መዘክር እስራኤል ንምርኢት ክሳዕ ዚቐርብ ተቐሚጡ ነበረ።

ሓላፊ ሓደ ኽፋል ቤተ-መዘክር እስራኤልን ንናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ብሓላፍነት ዚቈጻጸርን ኣዶልፎ ሮይትማን፡ ብዛዕባ እቲ ቝርጽራጽ ጥቕላላት ሓሳብ ኪህብ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኢደ-ጽሑፍ መዝሙር ባሕሪ፡ ነቲ ንዘመናት እናተመሓላለፈ ዝመጸ ናይ ማሶራውያን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ተኣማንነት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ እዩ። ፍሉይ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እቲ ኻብ 7ይ-8ይ ዘመን እተጻሕፈ መዝሙር ባሕሪ፡ ምስቲ ሎሚ ዘሎ ተመሳሳሊ ምዃኑ እውን ዜደንቕ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ ተዓቂቡ ንኺጸንሕ ዝገበረ ድማ የሆዋ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጸሓፍቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐ ቐዲሖምዎ እዮም። ስለዚ፡ እቲ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘለና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜተኣማምን ምዃኑ ኣየተሓታትትን እዩ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Israel Museum, Jerusalem