ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ‘ብሓንቲ ልብን ብሓንቲ ነፍስን’ ምግልጋል

ንኣምላኽ ‘ብሓንቲ ልብን ብሓንቲ ነፍስን’ ምግልጋል

ንኣምላኽ ‘ብሓንቲ ልብን ብሓንቲ ነፍስን’ ምግልጋል

ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ከበብዎም። በዓል ጴንጠቆስጠ ስለ ዝነበረ፡ ካብታ ብሸነኽ ምዕራብ እትርከብ ሮሜ ኽሳዕ እታ ብሸነኽ ምብራቕ እትርከብ ጴርቴ ኻብ ዘሎ ቦታታት ዝመጹ በጻሕቲ ኣብ የሩሳሌም ተኣኻኺቦም ነበሩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም እተፈላለየ ቛንቋታት እዮም ዚዛረቡ። እንተዀነ ግን፡ እቶም ዚዛረብዎም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ገሊላውያን እዮም ነይሮም። ገለ ኻብቶም ደንጽይዎም ዝነበረ በጻሕቲ፡ “ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፧” ኢሎም ሓተቱ።—ግብ. 2:8

ሃዋርያ ጴጥሮስ ተንሲኡ፡ መሰረት እቲ ዚርእይዎ ዝነበሩ ተኣምር እንታይ ምዃኑ ገለጸሎም። እቶም ህዝቢ ዝሃብዎ ምላሽ ቅልጡፍ ነበረ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ሰባት ተጠምቁ! (ግብ. 2:41) እታ ጉባኤ ብቕልጡፍ እኳ እንተ ዓበየት፡ ሓድነታ ግን ኣይተበታተነን። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ፡ “እቶም ዝአምኑ ዅላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ” በለ።—ግብ. 4:32

እቶም ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እተጠምቁ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቶም ዝያዳ ምእንቲ ኺመሃሩ ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ደለዩ። ኣብኡ ኪቕንዩ ኢሎም ግን ኣይኰኑን መጺኦም። ስለዚ፡ ንእተወሰነ ግዜ፡ ገንዘብ ይዋጻእ ነበረ። እተወሰኑ ኣመንቲ ድማ ብፍቓዶም ንብረቶም ሸይጦም፡ እቲ ገንዘብ ንዜድልዮ ሰብ ምእንቲ ኺዕደል ንሃዋርያት ሃብዎም። (ግብ. 2:42-47) እዝስ ከመይ ዝበለ መንፈስ ፍቕርን ልግስን ኰን እዩ!

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ወትሩ ኸምዚ ዓይነት ናይ ፍቕርን ልግስን መንፈስ ምስ ኣርኣዩ እዮም። ሎሚ እውን ክርስትያናዊት ጉባኤ ንየሆዋ ‘ብሓንቲ ልብን ብሓንቲ ነፍስን’ ሓቢራ ተገልግሎ ኣላ። ክርስትያናት ነቲ ብስራት ንምስባኽን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ይህቡ ኣለዉ።—ነታ “ ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 6,7 ዘሎ ሳጹን]

 ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት፡ ብቐጥታ Watchtower Bible and Tract Society of New York, Inc., Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ኺስደድ ይከኣል እዩ። እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watchtower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብሕድሪ ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተ ዀነ ግን፡ እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ ወይ ብቝጽሪ ተሌፎን (718) 560-7500 ደውል።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ድማ ዜጠቓልል እዩ፦

መድሕን፦ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኺውፈ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ፡ ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ወፈያ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ፡ ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ውድብ ዚወሃብ ሕድሪ፡ ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ንእንፍጽሞ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ን“ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707