ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር ስዓብ’

‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር ስዓብ’

‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር ስዓብ’

ሓደ ሓድሽ ጽርግያ ድልዱልን ኪፈርስ ዘይክእልን ይመስል። ድሕሪ ግዜ ግን ይነቅዕን ይኰዓዓትን ይኸውን። እቲ ጽርግያ ድልዱል ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽልን ሓደጋ ምእንቲ ኸየስዕብን ኪዕረ የድልዮ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ሳሕቲ ምቅሕሓርን ነቓዕን ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ናይ ርእይቶ ምፍልላይ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ሃበ። ነቶም ብጾቱ ክርስትያናት፡ “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ዚብል ምኽሪ ሃቦም። (ሮሜ 14:13, 19) ‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር ምስዓብ’ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርና ኢና ብትብዓትን ብውጽኢታዊ መገድን ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ እንኽእል፧

ኣስኣሰር ሰላም ክትስዕብ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ጽርግያ እተፈጥረ ንኣሽቱ ነቓዓት እንተ ዘይተጸጊኑ፡ ናብ ጐዳጕዲ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ምስ ሰባት ዘሎና ዘይምቅዳው እንተ ዘይተፈቲሑ ናብ ሓደገኛ ዅነታት ኪዓቢ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 4:20) ሓደ ክርስትያን ምስ ሓደ ሓዉ ዘለዎ ብሕታዊ ዘይምቅዳው እንተ ዘይፈቲሕዎ፡ ንሓዉ ኸም ዚጸልእ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

ምስ ካልኦት ሰላም እንተ ዘይጌርና፡ ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ የሱስ ክርስቶስ ገሊጹ ኣሎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” ዚብል መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 5:23, 24) እወ፡ ኣስኣሰር ሰላም እንስዕበሉ ቐንዲ ምኽንያት ንየሆዋ ኣምላኽ ከነሐጕሶ ስለ እንደሊ እዩ። a

ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዘጋጠመ ዅነታት፡ ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ ዜድልየሉ ኻልእ ምኽንያት ይሕብር። ኣብ መንጎ ኤዎድያን ስንጥኬን እተባህላ ኽልተ ክርስትያን ኣሓት ዘጋጠመ ብንጹር ዘይተገልጸ ጸገም፡ ንሰላም ምልእቲ ጉባኤ ኣብ ስግኣት ከም ዘውደቖ ግሁድ እዩ። (ፊል. 4:2, 3) ብሕታዊ ዘይምቅዳው ከይተፈትሐ ምስ ዚተርፍ ኵሉ ኺፈልጦ ይጅምር። ሰላምን ሓድነትን ጉባኤ ንኽንሕሉ ዘሎና ድሌት፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣስኣሰር ሰላም ንኽንስዕብ ይድርኸና።

የሱስ፡ “ገበርቲ ሰላም፡ . . . ብጹኣን [ሕጉሳት] እዮም” በለ። (ማቴ. 5:9) ሰዓብቲ ሰላም ምዃን ሓጐስ የምጽኣልና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ” ስለ ዝዀነ፡ ሰላም ንጥዕና እውን ይጠቅም እዩ። (ምሳ. 14:30) ቂም ምሓዝ ግን ብኣንጻሩ ናብ ሕማም ኬብጽሓና ይኽእል እዩ።

ሽሕ እኳ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኣስኣሰር ሰላም ምስዓብ ኣድላዪ ምዃኑ ዚሰማምዑሉ እንተ ዀኑ፡ ዘጋጠመካ ብሕታዊ ዘይምቅዳው ከመይ ጌርካ ኸም እትፈትሖ የተሓሳስበካ ይኸውን። ኪመርሓና ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እስከ ንመርምር።

ብህድኣት ምምይያጥ ሰላም ይፈጥር

ኣብ ጽርግያ እተፈጥረ ንኣሽቱ ነቓዓት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ኺጽገን ይከኣል እዩ። ነቲ ኣሕዋትና ዚገብርዎ ንኣሽቱ ጕድለታትከ ይቕረ ብምባል ክንሽፍነሎም ንኽእልዶ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ” ስለ ዝበለ፡ መብዛሕትኡ ዘይምቅዳዋት በዚ መገዲ እዚ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 4:8

ሓድሓደ ግዜ እቲ ጸገም ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ ዘይክኣል ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ድሕሪ ምውራሶም ነዊሕ ከይጸንሐ ዘጋጠመ ነገር ንርአ። “ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን” ርባ ዮርዳኖስ ቅድሚ ምስጋሮም፡ “ዓብዪ ርኡይ መሰውኢ” ሰርሑ። እቶም ካልኦት ነገድ እስራኤል፡ እቲ መሰውኢ ንኣምልኾ ጣኦት ተባሂሉ እተገብረ ስለ ዝመሰሎም ነቲ ነገር ዕሽሽ ኢሎም ኪሓልፍዎ ኣይከኣሉን። ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኺወስዱ ድማ ተዳለዉ።—እያ. 22:9-12

ገሊኦም እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ እተገብረ በደል እኹል መርትዖ ኸም ዘሎ፡ ብሃንደበት መጥቃዕቲ እንተ ኣውሪዶም ከኣ ኣብ ሰራዊቶም ብዙሕ ጕድኣት ከም ዘየስዕብ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገዳት ናይ ሃወኽ ስጕምቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ኣሕዋቶም ኪመያየጡ ልኡኻት ሰደዱ። “ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዚ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩምዎ በደል እንታይ እዩ፧” ድማ በልዎም። ብሓቂ ግን እቶም መሰውኢ ዚሰርሑ ነገዳት ዝፈጸምዎ በደል ኣይነበረን። ኰይኑ ግን ነዚ ኽሲ እዝስ እንታይ ምላሽ ኰን እዮም ሂቦምሉ፧ ብነድሪ ድዮም መሊሶምሎም ወይስ ንኸየዘራርብዎም እዮም ኣብዮም፧ እቶም እተኸሱ ነገድ ነቲ መሰውኢ ንየሆዋ ንምግልጋል ብዘለዎም ድሌት ተደሪኾም ከም ዝገበርዎ ኣነጺሮም ብምግላጽ ብህድኣት መለሱሎም። እቲ ዝሃብዎ መልሲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ሓለወ፡ ህይወት ከኣ ኣድሓነ። እቲ ብህድኣት እተገብረ ምይይጥ ነቲ ዘይምርድዳእ ኣደቂሱ፡ ሰላም ከም ዚፍጠር ገበረ።—እያ. 22:13-34

እቶም ካልኦት ነገዳት እስራኤል፡ ከቢድ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም፡ ነቲ ጕዳይ ምስ ነገዳት ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብጥበብ ተመያየጡሉ። ቃል ኣምላኽ፡ “ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ” ይብል። (መክ. 7:9) ከቢድ ብሕታዊ ዘይምቅዳው ከጋጥም ከሎ፡ ንምፍታሑ ኺውሰድ ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ብህድኣትን ብግልጽን ምዝርራብ እዩ። ሓደ ሰብ ከም ዝበደለና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና፡ ቂም እንተ ሒዝናን ቀሪብና እንተ ዘየዘራሪብናዮን ብሓቂዶ በረኸት የሆዋ ኽንጽበ ንኽእል ኢና፧

ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኸም ዝበደልናዮ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እንተ ዜዘራርበና፡ ምናልባት እውን ብጌጋ እንተ ዚኸሰናኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ይብል። (ምሳ. 15:1) እቶም ከም በደለኛታት እተቘጽሩ ነገዳት እስራኤል፡ ብዛዕባ እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ህድእ ኢሎምን ኣነጺሮምን ብምግላጽ ነቶም ነዲሮም ዝመጽእዎም ኣሕዋቶም ኣዝሓልዎም። ብዛዕባ ሓደ ጸገም፡ ባዕልና ተበግሶ ወሲድና ንሓውና ቐሪብና ኸነዘራርቦ ኸለና ዀነ ንሱ ባዕሉ ቐሪቡ ኬዘራርበና ኸሎ፡ ‘እንታይ ዓይነት ቃላትን ኣዘራርባን ኣቀራርባን እዩ ሰላም ኬስፍን ዚኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

ንልሳንካ ብጥበብ ተጠቐመሉ

የሆዋ ብዛዕባ ዜሻቕለና ነገራት ሓሳባትና ኽንገልጽ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። ንብሕታዊ ዘይምርድዳእና እንተ ዘይፈቲሕናዮ ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንኻልኦት ክንነግር ክንፍተን ኢና። ቂም ምሓዝ ብቐሊሉ ናብ ምንቃፍ ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ግጉይ ኣጠቓቕማ ልሳን ምሳሌ 11:11፡ “ብኣፍ ረሲኣን [ከተማ] ትግልበጥ” ትብል። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ብዘይተለጕመ ልሳን ምዝራብ፡ ንሰላም ሓንቲ ብኸተማ እትምሰል ጉባኤ ኺዘርግ ይኽእል እዩ።

ኣስኣሰር ሰላም ምስዓብ ኪበሃል ከሎ ግን፡ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈጺምና ኽንዛረብ የብልናን ማለት ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። . . . ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌ. 4:29-32) ሓደ ብዛዕባኻ ጽቡቕ ጥራይ ዚዛረብ ዝነበረ ሓው፡ ብዘረባኻ ወይ ብኣካይዳኻ ስለ እተጐድአ ቐሪቡ እንተ ዘዘራርበካ፡ ‘ይቕረ በለለይ’ ንኽትብሎን ሰላም ንኽትፈጥርን ኣይምቐለለካንዶ፧ ስለዚ፡ ብዛዕባ ክርስትያን ብጾትና ኸነዕልል ከለና ዚሃንጽ ዘረባ ብምዝራብ ንፍለጥ እንተ ደኣ ዄንና፡ ዘይምርድዳእ ከጋጥም ከሎ ሰላም ንምፍጣር ኪቐለና እዩ።—ሉቃ. 6:31

ንኣምላኽ ምስ ካልኦት ‘ሓቢርካ’ ኣገልግሎ

እቲ ሓጥእ ሰብኣዊ ዝንባለና ኻብቶም ዝበደሉና ኸም እንርሕቕን ርእስና ኸም እንፈልን እዩ ዚገብረና። እዚ ኣካይዳ እዚ ግን ጥበባዊ ኣይኰነን። (ምሳ. 18:1) ስም የሆዋ እንጽውዕ ሓድነት ዘሎና ህዝቢ ብምዃንና፡ ንየሆዋ ‘ሓቢርና ኸነገልግሎ’ ቘሪጽና ኢና።—ጸፎ. 3:9

ዘይግቡእ ዘረባን ኣካይዳን ካልኦት ነቲ ንንጹህ ኣምልኾ ዘሎና ቕንኣት ፈጺሙ ኼዳኽሞ የብሉን። መስዋእቲ የሱስ ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ቐቅድሚ ምትካኡን ደድሕሪ እቲ ንጸሓፍቲ ብጋህዲ ዝዀነነሉን መዓልትታት፡ ሓንቲ ድኻ መበለት፡ “ዘለዋ ዅሉ ምግባ” ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት እቲ ቤት መቕደስ ክትውፊ ኸላ ረኣየ። የሱስ ኪኽልክላዶ ጽዒሩ እዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡ እኳ ደኣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጉባኤ የሆዋ ብተኣማንነት ብምድጋፋ ንኢድዋ እዩ። (ሉቃ. 21:1-4) ረሲእነት ካልኦት ነቲ ንኣምልኾ የሆዋ ንምድጋፍ ዝነበራ ግዴታ ንኸይትፍጽም ምኽንያት ኣይኰናን።

ሽሕ እኳ ሓደ ክርስትያን ሓው ወይ ሓብቲ ዘይግባእ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዘይፍትሓዊ ተግባር፡ ከም ዝፈጸመ ዀይኑ እንተ ተሰምዓና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና እነቕርቦ ኣገልግሎት ክትንክፎ ነፍቅደሉ ዲና፧ ወይስ እቲ ኽቡር ሰላም እዛ ሎሚ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕቀብ፡ ነቲ እተፈጥረ ብሕታዊ ዘይምቅዳው ንምድቃስ ብትብዓት ስጕምቲ ንወስድ ዲና፧

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ኢሉ ይምዕደና። (ሮሜ 12:18) ከምዚ ንምግባር ቈራጽ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ኣብ መገዲ ህይወት ምምልላስና ንቐጽል።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዚርከብ ምኽሪ፡ ናይ 15 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 17-22 ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኤዎድያን ስንጥኬን ኣስኣሰር ሰላም ኪስዕባ የድልየን ነበረ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እንታይ ዓይነት ቃላትን ኣዘራርባን ኣቀራርባን እዩ ሰላም ኬስፍን ዚኽእል፧