ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ትደሊ፧

እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ትደሊ፧

እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ትደሊ፧

ሓላፊ ፖሊስ ሓንቲ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ከተማ ንሓንቲ ፈላሚት፡ “ከመይ ጌርኪ ኢኺ ነዚ ሰብኣይ እዚ ጠባዩ ኸም ዚቕይር ጌርክዮ፧” ኢሉ ሓተታ። ናብቲ ኣብ ሰደቓኡ ተጸፍጺፉ ዝነበረ ወረቓቕቲ እናኣመልከተ፡ “እዚ ዅሉ ወረቓቕቲ ንዕኡ ዚምልከት ጕዳያት ፍርዲ ምዃኑ ትፈልጢዶ፧ ካብቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕማም ርእሲ ዀይኑና ዝነበረ ነገር ኢኺ ገላጊልክና” በላ። እዚ ዚዝረበሉ ዘሎ ሰብኣይ፡ ብተደጋጋሚ ሰኺሩ ዚርብሽ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ህይወቱ ሓለፍ ዝበለ ለውጢ ንኺገብር ዝደረኾ ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ . . . ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ . . . ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎ እዮም። (ኤፌ. 4:22-24) እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ለውጥታት ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ነቲ ሓድሽ ሰብ ምልባስ ንክርስትና ኸም እተቐበልና እነርእየሉ ሓደ መገዲ እዩ።

ለውጢ ምግባርናን ንጥምቀት ብቑዓት ምዃንናን ግን ናይ መጀመርያ ስጕምቲ እዩ። ብማይ ንኽንጥመቕ ርእስና ኸነቕርብ ከለና፡ ልክዕ ከምቲ ተቐሪጹ መሰረታዊ መልክዑ ኺልለ ዝጀመረ ቝራጽ ዕንጨይቲ ኢና። እቲ ዕንጨይቲ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዚኸውን ኪግመት ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ኪተዓራረ ዘለዎ ነገራት ግን ኣሎ። ጽቡቕ መልክዕ ንኺህልዎ ብዝያዳ ኺጽረብ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ጥምቀት፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኽንከውን ዜኽእለና መሰረታዊ ብቕዓታት ይህልወና። ይኹን እምበር፡ ገና ነቲ ሓድሽ ሰብ ከነማዕብሎ ኣሎና። ምትዕርራያት ብምግባር ከነመሓይሾ ይግባእ።

ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ምምሕያሽ ኪገብር ከም ዜድልዮ ይፈልጥ ነበረ። “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ” ኢሉ ገለጸ። (ሮሜ 7:21) እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀነን እንታይ ዓይነት ሰብ ኪኸውን ከም ዚደልን ይፈልጥ ነበረ። ንሕናኸ፧ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ንዓይ ዚጠብቀኒኸ እንታይ እዩ፧ እንታይ ዓይነት ሰብ እየ፧ እንታይ ዓይነት ሰብከ እየ ክኸውን ዝደሊ፧’

እቲ “ዚጠብቀኒ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧

ሓደ ዝኣረገ ቤት ክንሕድስ ከለና፡ ኣግማሉ እንተ በዅቢኹ ላዕሊ ላዕሉ ቐለም ምልካይ እኹል ኣይኰነን። ኣብ መዋቕር ዘሎ ጸገም ዕሽሽ እንተ ኢልና፡ ጸኒሑ ሽግር እዩ ዜምጽእ። ብተመሳሳሊ፡ ናይ ኣምሰሉ ቕንዕና እውን እኹል ኣይኰነን። ናይ ሓቂ መንነትና መርሚርና፡ ኪተዓራረ ዘለዎ ጸገማት ከነለሊ ኣሎና። ከምዚ እንተ ዘይጌርና፡ ባህርያት እቲ ኣረጊት ሰብ ምቕልቃሉ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ፡ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። (2 ቈረ. 13:5) ዘይድለ ባህርያት ከነለልን ክንእርምን ኣሎና። የሆዋ ኸምዚ ንኽንገብር ዜኽእለና ሓገዝ ኣዳልዩልና ኣሎ።

ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:12) እቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ፡ ኣብ ህይወትና ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምትና ዚርከብ ኣንጕዕ፡ ማለት ናብ ውሽጥና እዩ ዚኣቱ። ሓሳባትናን ውሽጣዊ ድራኸታትናን ይቐልዕ፡ ማለት ደገና ኸመይ ምዃንና ወይ ብዛዕባ ርእስና እንሓስቦ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ መንነትና ኸም ዚወጽእ ይገብር። እወ፡ ቃል ኣምላኽ ጸገማትና ንኸነለሊ ይሕግዘና እዩ።

ንሓደ ዝኣረገ ቤት ክንጽግን ከለና፡ እተበላሸወ ኽፋሉ ጥራይ ምቕያር እኹል ኣይኰነን። ጠንቂ እቲ ጸገም ምፍላጥና፡ እቲ ጸገም መሊሱ ንኸየጋጥም ኣድላዪ ስጕምቲ ንኽንወስድ ይሕግዘና። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣሉታዊ ባህርያት ምልላይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጠንቂ ዝዀኖ ወይ ንዕኡ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ ምዃኑ ምምማይና፡ ንድኽመታትና ንኽንቈጻጸሮ የኽእለና። እተፈላለየ ረቛሒታት ንባህርያትና ኪቐርጾ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብኡ ማሕበራዊ ደረጃና፡ ቍጠባዊ ዅነታትና፡ ከባቢና፡ ባህልና፡ ወለድና፡ ኣዕሩኽና፡ ከምኡውን ሃይማኖትና ኺጥቀስ ይከኣል። ብዘይካዚ፡ መደባት ተለቪዥንን ፊልምታትን ካልእ ዓይነት መዘናግዕን እውን ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ኣብ ባህርያትና ኣሉታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ነገራት ምልላይና፡ ነቲ ዜምጽኦ ሳዕቤን ንኽንንክዮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ርእስና ድሕሪ ምምርማርና፡ ‘ኣነ ኸምዚ እዩ ባህርየይ፡ ክቕይሮ ኣይክእልን እየ’ ኢልና ነመኻኒ ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግጉይ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣመንዝራታት፡ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰካራት፡ ከምኡውን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ዝነበሩ ኣባላት ጉባኤ ቈረንቶስ ኪዛረቦም ከሎ፡ “ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ . . . ብመንፈስ ኣምላኽና . . . ተሐጺብኩም” በሎም። (1 ቈረ. 6:9-11) ንሕና እውን ብሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣድላዪ ለውጢ ኣብ ምግባር ክንዕወት ንኽእል ኢና።

ሓደ ማርኮስ a ዝስሙ ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ሰብኣይ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ብዛዕባ ኣተዓባብያኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ወለደይ ወግሐ ጸብሐ እዮም ዚቋየቑ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰንኩ ዓለወኛ ዀንኩ” በለ። ዕሉል ተጣላዕን ሰራቕን ከታርን ኰነ። ኣይሰለጦን እምበር፡ ምስ ኣዕሩኹ ዀይኑ ነፋሪት ኪጨዊ እውን ሓሲቡ ነይሩ። እዚ ሕማቕ ተግባሩ ሓዳር ድሕሪ ምግባሩ እውን ቀጸሎ። ኣብ መወዳእታ ብምጥላዕ ዘለዎ ዅሉ ሰኣነ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ምስታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጽንዕ ዝነበረት ሰበይቱ ብሓባር ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ኣብ ፈለማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዖ። ይኹን እምበር፡ ይመሃሮ ንዝነበረ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ኣብ ኣኼባታት ምክፋሉን ነቲ ናይ ቀደም ጠባዩ ንኺሓድጎ ሓገዞ። ሕጂ ንኻልኦት ብኸመይ ኪልወጡ ኸም ዚኽእሉ ኣብ ምምሃር ወትሩ ዚካፈል እተጠምቀ ክርስትያን ኰይኑ ኣሎ።

እንታይ ክትከውን ትደሊ፧

ክርስትያናዊ ባህርያትና ንምምሕያሽ እንታይ ዓይነት ለውጥታት ክንገብር ኣሎና፧ ጳውሎስ ንክርስትያናት ከምዚ ኢሉ መኸሮም፦ “ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።”—ቈሎ. 3:8-10

ስለዚ፡ ቀንዲ ሸቶና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ነቲ ሓድሽ ሰብ ምልባስ እዩ። እንታይ ዓይነት ባህርያት እዩ ኸምዚ ንኽንገብር ዚሕግዘና፧ ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ፡” NW] ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።” (ቈሎ. 3:12-14) ነዚ ባህርያት እዚ ኸነማዕብል ምጽዓርና፡ “ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን . . . ፍትዊ” ንኽንከውን ኪሕግዘና እዩ። (1 ሳሙ. 2:26) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዜደንቕ መገዲ ኣምላኻዊ ባህርያት ኣርእዩ እዩ። ኣብነቱ ብምጽናዕን ብምቕዳሕን ከም ክርስቶስ “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 5:1, 2

ነቲ ኽንገብሮ ዘሎና ለውጥታት ንኽንግንዘብ ዚሕግዘና ኻልእ መገዲ፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ባህርያት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለው ሰባት ምጽናዕ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ እሞ ሕሰብ። ግፍዒ እኳ እንተ ወረዶ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያኡን ውሽጣዊ ጽባቔኡን ኣየጥፍአን። (ዘፍ. 45:1-15) ብኣንጻሩ፡ ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት ንኻልኦት ዚሓሊ የምስል ነበረ፡ ብጽባቔኡ ድማ ተናእደ። ከም ሓቂ ግን፡ ከዳዕን ቀታልን እዩ ነይሩ። (2 ሳሙ. 13:28, 29፣ 14:25፣ 15:1-12) ናይ ኣምሰሉ ሕያውነትን ኣካላዊ ጽባቐን ንሓደ ሰብ ናይ ብሓቂ ማራኺ ኣይገብሮን እዩ።

ክንዕወት ንኽእል ኢና

ባህርያትና ንኸነመሓይሽን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቓት ንኽንከውንን፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:3, 4) ኣብ ባህርያትና ለውጢ ኽንገብር እንተ ዄንና፡ ንኣሉታዊ ጠባይናን ነቲ ንዕኡ ጠንቂ ዝዀነ ወይ ኣበርክቶ ዝገበረ ረቛሒታትን ከነለልዮ፡ ከምኡውን ኣምላኻዊ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። ንምምሕያሽ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚዕወት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእልዶ፧

እወ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኣድላዪ ለውጥታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝ. 51:10) መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ንኺዓዪ ኽንሓትት ንኽእል ኢና፣ እዚ መንፈስ እዚ ድማ ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኸነሰማምዕ ዝያዳ ድሌት ኬሕድረልና እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝያዳ ጽቡቓት ክንከውን ንኽእል ኢና!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ነዛ ብህቦብላ እተጐድአት ቤት ብግዳማ ቐለም ምልካይ ጥራይ እኹል ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ባህርያትካ ምስ ናይ ክርስቶስ ይመሳሰል ድዩ፧