ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’

ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’

ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’

“ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።”—ያእ. 4:7

1. የሱስ ኣብ ምድሪ እንታይ ምጽራር ከም ዜጋጥሞ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

 የሱስ ክርስቶስ፡ ድያብሎስ ከም ዚጻረሮ ይፈልጥ ነበረ። እዚ ድማ ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ተመን ብእኡ ኣቢሉ እውን ነቲ በቲ ተመን እተዛረበ እኩይ ዓለወኛ መንፈስ ዝበሎ ኪፍለጥ ይከኣል ነበረ። ኣምላኽ፡ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን [ሰማያዊ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ]፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ [የሱስ ክርስቶስ] ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍ. 3:14, 15፣ ራእ. 12:9) ምንካስ ሸዀና የሱስ ግዜያዊ ስቓይ ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ሞት ዘስዓበሉ ግዜያዊ መጕዳእቲ እዩ ነይሩ። ከመይሲ የሆዋ ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ኣተንሲእዎ እዩ። ምጭፍላቕ ርእሲ ድያብሎስ ግን ፈጺሙ ኺሓዊ ዘይክእል ናይ ሞት መጕዳእቲ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:31, 32፣ እብራውያን 2:14 ኣንብብ።

2. የሱስ ንድያብሎስ ብዕዉት መገዲ ኸም ዚጻረሮ የሆዋ ዝተኣማመን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብዕዉት መገዲ ኸም ዚፍጽሞን ንድያብሎስ ከም ዚጻረሮን የሆዋ ይተኣማመነሉ ነበረ። የሆዋ ኣዝዩ ርግጸኛ ኪኸውን ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ነዊሕ ዘመናት ይገብር ንየሱስ ኣብ ሰማይ ፈጢርዎን ተዓዚብዎን ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ፡ እዚ ወሓለ “ሰራሕተኛ” ኸምኡውን “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ዝዀነ ወዱ፡ እዙዝን እሙንን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ምሳ. 8:22-31፣ ቈሎ. 1:15) ስለዚ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ተላእከ፡ ድያብሎስ እውን ክሳዕ ሞት ኪፍትኖ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣምላኽ እቲ ሓደ ወዱ ኸም ዚዕወት ይተኣማመን ነበረ።—ዮሃ. 3:16

የሆዋ ንኣገልገልቱ ይሕልዎም

3. ድያብሎስ ንኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚምልከቶም፧

3 የሱስ፡ ድያብሎስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ምዃኑ ሓበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምቲ ንሱ እተሰጐ ንሳቶም እውን ኪስጐጉ ምዃኖም ኣጠንቀቖም። (ዮሃ. 12:31፣ 15:20) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ስለ ዜገልግልዎ፡ ሰበኽቲ ጽድቂ ኸኣ ስለ ዝዀኑ፡ እዛ ብሰይጣን ድያብሎስ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ትጸልኦም እያ። (ማቴ. 24:9፣ 1 ዮሃ. 5:19) ድያብሎስ ብፍላይ ዕላማኡ ዚገብሮም፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ኺገዝኡ ዘለዎም ተረፍ ቅቡኣት እዩ። ሰይጣን ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት መሰኻኽር የሆዋ እውን ዕላማኡ ይገብሮም እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ” ብምባል የጠንቅቐና።—1 ጴጥ. 5:8

4. ኣብዚ ግዜና ህዝቢ ኣምላኽ ንድያብሎስ ብዕዉት መገዲ ኸም እተጻረርዎ ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧

4 ደገፍ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ውድብ ከም ምዃንና መጠን፡ ንድያብሎስ ብዕዉት መገዲ ንጻረሮ ኢና። ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት ኣቕልበሉ፦ ኣብቲ ዝሓለፈ 100 ዓመት፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ኣዝዮም ጨካናት ዝነበሩ ውልቀ-መለኽቲ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንትዎም ጽዒሮም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናዓበየ ብምኻድ ሕጂ ኣብተን ልዕሊ 100,000 ዝዀና ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ኣስታት 7,000,000 በጺሑ ኣሎ። እቶም ዝጸነቱስ እቶም ንህዝቢ የሆዋ ዜሳጕጕዎም ዝነበሩ ጨካናት ውልቀ-መለኽቲ እዮም!

5. ኢሳይያስ 54:17 ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

5 ኣምላኽ ነታ ጥንታዊት እስራኤል ከም “ሰበይቱ” ገይሩ ኺዛረባ ኸሎ፡ ከምዚ ብምባል ተመባጽዓላ፦ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ።” (ኢሳ. 54:11, 17) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን፡ እዚ መብጽዓ እዚ ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ተፈጺሙሎም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5, 13) ንድያብሎስ ምጽራርና ንቕጽል ኣሎና፡ የሆዋ ኣብ ጐድንና ስለ ዝዀነ ድማ፡ ድያብሎስ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጽናት ኪጥቀመሉ ዚጽዕር ዝዀነ ይኹን ኣጽዋር ኣይዕወትን እዩ።—መዝ. 118:6, 7

6. ትንቢት ዳንኤል ብዛዕባ መጻኢ ግዝኣት ድያብሎስ እንታይ ይብል፧

6 ኣብቲ ብቕልጡፍ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት መላእ እዚ ኽፉእ ስርዓት እዚ፡ ኵሉ መዳያት ግዝኣት ሰይጣን ኪጸንት እዩ። ነብዪ ዳንኤል ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ፦ “ብዘመን እዞም [ኣብ ግዜና ዘለዉ] ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሎሚ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳን. 2:44) እዚ ምስ ተፈጸመ፡ ግዝኣት ሰይጣንን ግዝኣት ዘይፍጹማት ሰባትን ኣይኪህሉን እዩ። ኵሉ መዳያት ስርዓት ድያብሎስ ንዘለኣለም ኪጠፍእ እዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብዘይ ተጻራሪ ኽትገዝእ እያ።—2 ጴጥሮስ 3:7, 13 ኣንብብ።

7. ኣገልገልቲ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ንድያብሎስ ኪጻረርዎ ኸም ዚኽእሉ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

7 ውድብ የሆዋ፡ ብሕጂ እውን ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚረክብን ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚብልጽግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። (መዝሙር 125:1, 2 ኣንብብ።) ብዛዕባናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከምቲ የሱስ እተጻረሮ፡ ንሕና እውን ንድያብሎስ ክንጻረሮ ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ብዙሓት ሰብ” ካብ ሰይጣን ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ካብ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ኺድሕኑ ምዃኖም ክርስቶስ ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ እተነበዮ ትንቢት ሓቢሩ ኣሎ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን [የሱስ ክርስቶስ] እዩ” እናበሉ ይጭድሩ። (ራእ. 7:9-14) ቅቡኣት ንሰይጣን ከም ዚስዕርዎ፡ እቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” እውን ብዕዉት መገዲ ኸም ዚጻረርዎ ተጠቒሶም ኣለዉ። (ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 12:10, 11) ይኹን እምበር፡ እዚ ብርቱዕ ጻዕሪ ምግባርን ‘ካብቲ ኽፉእ ንምድሓን’ ልባዊ ጸሎት ምቕራብን ይሓትት።—ማቴ. 6:13

ንድያብሎስ ብምጽራር ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ዝዀነ

8. ድያብሎስ ንየሱስ ኣብ በረኻ ኺፍትኖ ኸሎ ዘቕረበሉ ናይ መጀመርያ ፈተና እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስከ ብኸመይ መለሰሉ፧

8 ድያብሎስ ንንጽህና የሱስ ንምብልሻው ጽዒሩ እዩ። ሰይጣን ነቲ የሱስ ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ምእንቲ ኼፍርስ ኣብ በረኻ ፈተናታት ኣቕረበሉ። ኰይኑ ግን፡ የሱስ ንሰይጣን ብምጽራር ፍጹም ኣብነት ገዲፉልና እዩ። የሱስ 40 መዓልትን 40 ለይትን ድሕሪ ምጻሙ፡ ጠመየ። ሽዑ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ። የሱስ ግን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ንጥቕሚ ርእሱ ኼውዕሎ ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።—ማቴ. 4:1-4፣ ዘዳ. 8:3

9. ድያብሎስ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ዝዀነ ስጋዊ ባህግና ንምምዝማዝ ንዚገብሮ ፈተነ ኽንጻረሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ሎሚ እውን ድያብሎስ ነቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ ዝዀነ ስጋዊ ባህጊ ኺምዝምዞ ይፍትን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ብፍላይ ኣብዛ ብስነ-ምግባር ተባላሽያ ዘላ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ዘይግቡእ ጾታዊ ባህጊ ብቘራጽነት ክንጻረሮ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ኣትርር ኣቢሉ፡ “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ይብል። (1 ቈረ. 6:9, 10) እምበኣር፡ እቶም ዘይስነ-ምግባራዊ ህይወት ዚነብሩን ለውጢ ኺገብሩ ኸኣ ዘይደልዩን ሰባት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ኸም ዘይፍቀደሎም ንጹር እዩ።

10. ብመሰረት ማቴዎስ 4:5, 6፡ ሰይጣን ንንጽህና የሱስ ንምብልሻው እንታይ ካልእ ፈተና ተጠቕመ፧

10 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ንየሱስ ኣብ በረኻ ዘጋጠሞ ፈተናታት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ።” (ማቴ. 4:5, 6) የሱስ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ መሲሕነቱ ኼርእየሉ ዚኽእል መስተንክር ትርኢት ኪዀነሉ ኸም ዚኽእል ገይሩ ኣቕረበሉ። ከም ሓቁ ግን፡ ሞገስ ኣምላኽን ደገፉን ዘየውህብ፡ ግቡእ ዘይኰነ ናይ ትዕቢት ተግባር ምዀነ። ኣብዚ እውን የሱስ፡ ንየሆዋ ዘለዎ ንጽህና ብምሕላው፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ መለሰሉ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ” በሎ።—ማቴ. 4:7፣ ዘዳ. 6:16

11. ሰይጣን ብኸመይ እዩ ዚፍትነና፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል፧

11 ሰይጣን ብእተፈላለየ መገድታት ክብሪ ርእስና ንኽንደሊ ኺፍትነና ይኽእል እዩ። ብኣከዳድናን ብኣመለኻኽዓናን ዓለማዊ ፋሽን ንኽንስዕብ ወይ ኣብ ዜተሓታትት መዘናግዒ ንኽንጽመድ ኬስድዓና ይጽዕር እዩ። ይኹን እምበር፡ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ኢልና ንዓለም እንተ መሲልና፡ መላእኽቲ ኻብ ሳዕቤን እቲ ዝወሰድናዮ መገዲ ኺከላኸሉልና ኽንጽበ ንኽእልዶ፧ ሽሕ እኳ ንጉስ ዳዊት ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እንተ ተነስሓሉ፡ ካብ ሳዕቤን እቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት ኣየምለጠን። (2 ሳሙ. 12:9-12) ንየሆዋ ብዘይግቡእ መገድታት፡ ምናልባት እውን ምስ ዓለም ብምትዕርራኽ ኣይንፈታትኖ።—ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።

12. እቲ ኣብ ማቴዎስ 4:8, 9 ዚርከብ ፈተና እንታይ ነበረ፧ ወዲ ኣምላኽከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

12 ድያብሎስ ንየሱስ ኣብ በረኻ ዘቕረበሉ ኻልእ ፈተና ድማ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ምሃብ እተተሓሓዘ ነበረ። ሰይጣን ንየሱስ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። (ማቴ. 4:8, 9) ነቲ ንየሆዋ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ኺወስድ፡ ንየሱስ ድማ ንኣምላኽ ንኺጠልም ኬስድዖ ኢሉ ኺጽዕርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ድርቅና ዀን እዩ! እቲ ሓደ እዋን እሙን መልኣኽ ዝነበረ፡ ኣብቲ ንኺምለኽ ዘሕደሮ ባህጊ ብምስትንታኑ፡ ሓጢኣተኛን ስሱዕን ዚወጸሉ እኩይ ፈታንን ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኰነ። (ያእ. 1:14, 15) የሱስ ግን ብኣንጻሩ፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ እሙን ኪኸውን ቈሪጹ ስለ ዝነበረ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን” በሎ። በዚ ኸምዚ የሱስ እንደገና ንድያብሎስ ብንጹርን ብዘየማትእን ቃላት ተጻረሮ። ወዲ ኣምላኽ፡ ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪኸውን ኣይደለየን፡ ነቲ እኩይ እውን ከቶ ኣየምለኾን!—ማቴ. 4:10፣ ዘዳ. 6:13፣ 10:20

“ንድያብሎስ . . . ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ”

13, 14. (ሀ) ድያብሎስ ንየሱስ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኬርእዮ ኸሎ እንታይ እዩ ዜቕርበሉ ነይሩ፧ (ለ) ሰይጣን ንኼበላሽወና ኢሉ እንታይ ኪገብር እዩ ዚፍትን፧

13 ድያብሎስ ንየሱስ ንዅለን መንግስትታት ዓለም ብምርኣዩ፡ ማንም ሰብ ዘይረኸቦ ሰብኣዊ ስልጣን እዩ ዜቕርበሉ ነይሩ። ሰይጣን እቲ የሱስ ዝረኣዮ ነገራት ኪማርኾን ኣብ ምድሪ እቲ ዝሓየለ ፖለቲካዊ መራሒ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኬእምኖን ተስፋ ነበሮ። ሎሚ ድያብሎስ፡ መንግስትታት ኣየቕርበልናን እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ብኣዒንትናን ኣእዛንናን ኣእምሮናን ገይሩ ንልብና ኼበላሹ ይፍትን እዩ።

14 ድያብሎስ ንዓለምን ነቲ ናታ ዝዀነ መራኸቢ ብዙሓንን ይቈጻጸሮ እዩ። እምበኣርከስ፡ እቲ ዓለም እተቕርቦ ዚርአን ዚስማዕን ዚንበብን ነገራት፡ ብዘይስነ-ምግባራውነትን ብዓመጽን ዘጥለቕለቐ ምዃኑ ኣየገርምን እዩ። መዋዓዋዕቲ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብዙሕ ዘየድልየና ነገራት ንኽንዕድግ ባህጊ የሕድሩልና። ሰይጣን በዚ መዳያት እዚ ገይሩ ንኣዒንትናን ንኣእዛንናን ንኣእምሮናን ኪማርኽ ብዚኽእል ንዋያዊ ነገራት ገይሩ ወርትግ ይፍትነና እዩ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ቅቡል ዘይኰነ ነገራት ከይንርእን ከይንሰምዕን ከይነንብብን ክንኣቢ ኸለና፡ ብኻልእ መገዲ፡ “ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን!” ንብል ከም ዘሎና እዩ። በዚ መገዲ እዚ፡ ነዛ ርኽስቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ንምንጻግ ቈራጻትን ጽኑዓትን ብምዃን ንየሱስ ንመስሎ። ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ጐረባብቲ፡ ከምኡውን ምስ ኣዝማድና ኣብ ዘሎና ርክብ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሰዓብቲ ክርስቶስን ምዃንና ብትብዓት ክንገልጽ ከለና እውን፡ ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እዚኣ ዘይምዃንና ይርአ እዩ።—ማርቆስ 8:38 ኣንብብ።

15. ንሰይጣን ምጽራር ኪበሃል ከሎ፡ ኵሉ ሳዕ ነቒሕካ ምጽናሕ ዚሓትት ስለምንታይ እዩ፧

15 ድያብሎስ ነቲ የሱስ ንኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ኼባላሹ ኢሉ ዝገበሮ ሳልሳይ ፈተና ምስ ፈሸለ፡ ሓዲግዎ ኸደ። (ማቴ. 4:11) ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንየሱስ ምፍታኑ ኼቋርጽ ሓሳብ ኣይነበሮን፡ ከመይሲ “ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ [ኣብ በረኻ] ምስ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ” ተባሂሉልና ኣሎ። (ሉቃ. 4:13) ንድያብሎስ ብዕዉት መገዲ ምስ ተጻረርናዮ፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ይግባእ። እንተዀነ ግን፡ ወትሩ ሓገዝ ኣምላኽ ክንደሊ እውን ኣሎና፣ ከመይሲ ድያብሎስ ግድን ኣብቲ ንሕና ፈተና እንጽበየሉ ግዜ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንዕኡ ዚጥዕሞ ምሹእ ግዜ ንኺፍትነና ኺምለስ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን ፈተናታት የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ኣብ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ንኸይንሕለል ድልዋት ብምዃን፡ ኵሉ ሳዕ ነቒሕና ኽንጸንሕ ኣሎና።

16. የሆዋ ኸመይ ዝበለ ብርቱዕ ሓይሊ ይህበና፧ ንኽንረኽቦኸ ስለምንታይ ክንጽሊ ይግባእ፧

16 ንድያብሎስ ንምጽራር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ሓገዝ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዚብርትዕ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ብምትእምማን ክንጽሊ ኣሎና። እዚ መንፈስ እዚ ነቲ ብሓይልና ፈጺምና ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገራት ንኽንገብር የኽእለና። የሱስ ንሰዓብቱ መንፈስ ኣምላኽ ኪርከብ ከም ዚከኣል ኬረጋግጸሎም ከሎ፡ “ንስኻትኩም እኳ [ዘይፍጹማት፡ ብተዛማዲ ኸኣ] ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በሎም። (ሉቃ. 11:13) የሆዋ፡ መንፈስ ቅዱሱ ንኺህበና ኣዘውቲርና ንጸሊ። እዚ ኻብ ኵሉ ዚብርትዕ ሓይሊ፡ ኣብቲ ንድያብሎስ ንምጽራር ዝገበርናዮ ቘራጽነት ስለ ዚሕግዘና፡ ክንዕወት ኢና። ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽንክእል’ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዘውቲርና እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ከነልዕል ኣሎና።—ኤፌ. 6:11-18

17. የሱስ ንድያብሎስ ንኺጻረሮ ዝሓገዞ፡ ከመይ ዝበለ ሓጐስ እዩ፧

17 የሱስ ንድያብሎስ ንኺጻረሮ ዝሓገዞ ኻልእ ነገር እውን ኣሎ፡ እዚ ንዓና እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” ብምባል ይገልጽ። (እብ. 12:2) ንሕና እውን፡ ንልዑላውነት የሆዋ ብምድጋፍን ነቲ ቕዱስ ስሙ ብምኽባርን ነቲ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምጽባይን ከምኡ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ሰይጣንን ኵሉ ተግባራቱን ንሓዋሩ ምስ ጠፍአ፡ ‘ትሑታት ንምድሪ ኺወርስዋን፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎምን ከሎ’ ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኰን እዩ ኺህልወና! (መዝ. 37:11) ስለዚ፡ ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ወርትግ ንድያብሎስ ንጻረሮ።—ያእቆብ 4:7, 8 ኣንብብ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሕልዎም እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

• የሱስ ንሰይጣን ብምጽራር ዝመጸ እንታይ ኣብነት ገደፈልና፧

• ንድያብሎስ በየናይ መገድታት ክትጻረሮ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ዓለም ምትዕርራኽ፡ ምስ ኣምላኽ የጻልኣና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ዅለን መንግስትታት ዓለም ነጸጎ