ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!

ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!

ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!

“ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧”—ዮሃ. 6:68

1. ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ኣብ ዝሓደጉሉ እዋን፡ ጴጥሮስ እንታይ እዩ ዝበለ፧

 ሓደ ግዜ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ትምህርቲ ዘይተቐበሉ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ፡ ንዕኡ ሓዲጎምዎ ኸይዶም ነይሮም። ንሱ ድማ ንሃዋርያቱ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ. 6:51-69) እወ፡ ናብ ዚኸድዎ ኣይነበሮምን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድነት “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ኣይነበሮን፡ ሕጂ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ቓል ኣብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ከም ዘይርከብ እተረጋገጸ እዩ። እቶም ካብ መጓሰ ኣምላኽ ዝጠፍኡ እሞ ንየሆዋ ኼሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት፡ ‘ሕጂ ኻብ ድቃስ ዚበራበሩሉን’ ናብቲ ደምበ ዚምለሱሉን እዋን እዩ።—ሮሜ 13:11

2. ብዛዕባ ምስጢራዊ ወይ ፍርዳዊ ጕዳያት እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

2 የሆዋ ነተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ እስራኤል ከም ዚሓልየለን ኣርእዩ እዩ። (ህዝቅኤል 34:15, 16 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ንምሕጋዝ ባህግን ሓላፍነትን ኣለዎም። ንሓደ ኣስፋሒ ምስ ሓደ ሓገዝ ዚደሊ ዘይንጡፍ ሰብ መጽናዕቲ ኺገብር እንተ መዲቦምዎ እሞ፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ ነቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ኣስፋሒ እንተ ሓቢርዎ፡ እንታይ እዩ ኺግበር ዘለዎ፧ እቲ ኣስፋሒ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ፍርዳዊ ወይ ምስጢራዊ ጕዳይ ምኽሪ ኣብ ክንዲ ዚህብ፡ ንሽማግለታት ኪነግር ሓሳብ ኪህቦ ኣለዎ። እቲ ሰብ ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ እቲ ኣስፋሒ ንሽማግለታት ኪሕብሮም ኣለዎ።—ዘሌ. 5:1፣ ገላ. 6:1

3. እቲ 100 ኣባጊዕ ዝነበራኦ ሰብኣይ፡ ሓንቲ ጠፊኣቶ ዝነበረት በጊዕ ምስ ተረኽበት ከመይ ተሰምዖ፧

3 ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ፡ እታ የሱስ ብዛዕባ እቲ 100 ኣባጊዕ ዝነበራኦ ሰብኣይ ዝመሰላ ምሳሌ ተጠቒሳ ነይራ። ሓንቲ ምስ ጠፍአት፡ ነተን 99 ሓዲጉ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ኪደሊ ኸደ። ንዓኣ ምስ ረኸባ ኣመና እዩ ተሓጒሱ! (ሉቃ. 15:4-7) ሓንቲ ኻብ መጓሰኣ ዝጠፍአት በጊዕ ኣምላኽ ክትምለስ ከላ፡ ተመሳሳሊ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። ሽማግለታትን ካልኦት ኣባላት ጉባኤን ብፍቕሪ ተደሪኾም፡ ነቲ ዘይንጡፍ በጺሖምዎ ይዀኑ። እቲ ሰብ ናብቲ ደምበ ኺምለስ፡ ደገፍን ዕቝባን በረኸትን ኣምላኽ ከኣ ኺረክብ ይደልዩ እዮም። (ዘዳ. 33:27፣ መዝ. 91:14፣ ምሳ. 10:22) ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዙሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ እንተ ረኺቦም፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

4. ኣብ ገላትያ 6:2, 5 እንታይ ነጥቢ ተሓቢሩ ኣሎ፧

4 ምናልባት የሆዋ ንኣባጊዑ ኸም ዜፍቅረንን ልዕሊ ዓቕመን ኪገብራ ኸም ዘይጽበየንን ብምሕባር፡ ነቲ ሰብ ናብ ጉባኤ ኺምለስ ኬተባብዕዎ ይኽእሉ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ልዕሊ ዓቕምና ኣይኰነን። ገላትያ 6:2, 5 ኪንበበሉ፡ ክርስትያናት ዚኸብዶም ጾር ሓድሕዶም ኣብ ምጻር ኪተሓጋገዙ ኸም ዚኽእሉ ድማ ኪሕበሮ፡ እንተዀነ ግን ንመንፈሳዊ ሓላፍነት ብዚምልከት “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር” ከም ዘለዎ ኺንገሮ ይከኣል እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዳና ንኣምላኽ እሙን ኪዀነልና ኣይክእልን እዩ።

“ሓልዮት ሓዳር” ድዩ ኸም ዚጠፍኡ ገይርዎም፧

5, 6. (ሀ) ዘይንጡፋት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሓሳቦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ተጠንቂቕና ኽንሰምዖም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንዘይንጡፋት ዘበሉ ኻብ ህዝቢ ኣምላኽ ምርሓቖም ከም ዝጐድኦም ንኺግንዘቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

5 ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላት ኣስፋሕትን ነቶም ዘይንጡፋት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም ምእንቲ ኼስተውዕሉ፡ እቶም ዘይንጡፋት ናይ ልቦም ኪገልጹ ኸለዉ ተጠንቂቖም ኪሰምዕዎም ኣለዎም። ብሰንኪ “ሓልዮት ሓዳር” ናብ ጉባኤ ምምጻእ ንዝሓደግዎ ሰብ ሓዳር እትበጽሕ ዘለኻ ሽማግለ ኢኻ ንበል። (ሉቃ. 21:34) ቍጠባዊ ጸገማት ወይ ተወሳኺ ሓላፍነታት ስድራ ቤት በብቝሩብ ብመንፈሳዊ ዘይንጡፋት ከም ዚዀኑ ገይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እፎይ ዚብሉሉ ግዜ ኸም ዜድልዮም ይሕብሩኻ ይዀኑ፡ ንስኻ ግን ርእሶም ምፍላይ ፍታሕ ከም ዘየምጽእ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 18:1 ኣንብብ።) ብሜላ ኸምዚ ኢልካ ኽትሓቶም ትኽእል ኢኻ፦ “ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ካብ እትሓድግዎ ንነጀው ዝያዳ ሓጐስዶ ረኺብኩም፧ ናብራ ስድራ ቤትኩም ተመሓይሹዶ፧ ሕጂኸ ሓጐስ የሆዋ ሓይልኹም ድዩ፧”—ነህ. 8:10

6 እቶም ዘይንጡፋት ነዚ ሕቶታት እዚ እንተ ሓሲቦምሉ፡ ካብ ጉባኤ ብምርሓቖም መንፈሳውነቶምን ሓጐሶምን ከም ዝነከየ ኺግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 5:3 NW፣ እብ. 10:24, 25) ነቲ ብስራት ብዘይምስባኾም እውን፡ ካብኡ ዚረኽብዎ ሓጐስ ከም ዘጥፍኡ ንኼስተውዕሉ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 28:19, 20) እንታይ ጥበባዊ መገዲ ደኣ እዮም እሞ ኺስዕቡ ዘለዎም፧

7. ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ እንታይ ንኺገብሩ ኢና ኸነተባብዖም እንኽእል፧

7 የሱስ ከምዚ በለ፦ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ . . . ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝ . . . ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።” (ሉቃ. 21:34-36) እቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ እሞ ነቲ ኣቐዲሞም ዝረኸብዎ ሓጐስ መሊሶም ኪረኽቡ ዚደልዩ፡ መንፈስ ቕዱስን መለኮታዊ ሓገዝን ንምርካብ ኪጽልዩን ምስ ጸሎቶም ተሰማሚዖም ኪመላለሱን ምትብባዕ ኪወሃቦም ኣለዎ።—ሉቃ. 11:13

ተዓንቂፎም ድዮም፧

8, 9. ሓደ ሽማግለ ንእተዓንቀፈ ሰብ ኣረኣእያኡ ንኼዐሪ ብኸመይ ኬረድኦ ይኽእል፧

8 ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ዘይምስምማዕ ይፍጠር እዩ፡ እዚ ድማ ንገሊኦም ውልቀ-ሰባት ኬዐንቅፎም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ሓደ ኣብ ጉባኤኦም ኣኽቢርካ ዚርአ ሰብ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ተግባር ምስ ገበረ ተዓንቂፎም እዮም። ሓደ ዘይንጡፍ በዚ ኸምዚ ተጐዲኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኺበጽሖ ዝኸደ ሽማግለ፡ የሆዋ ንዋላ ሓደ ኸም ዘይዕንቅፍ ኬዘኻኽሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ምንትምንታይ እዩ ምስ ኣምላኽን ምስ ህዝቡን ዘለዎ ርክብ ዜበላሹ፧ ኣብ ክንዳኡስ፡ “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ነቲ ዝዀነ ነገር ከም ዚፈልጦን ብግቡእ መገዲ ኸም ዚሕዞን ብምትእምማን፡ ንኣምላኽ ምግልጋሉ ኪቕጽልዶ ኣይግባእን፧ (ዘፍ. 18:25፣ ቈሎ. 3:23-25) ሓደ ሰብ ቃል ብቓሉ እንተ ተዓንቂፉን እንተ ወዲቑን፡ ኣብቲ ዝወደቐሉ በጥ ኢሉ ኣይተርፍን እዩ፡ የግዳስ ንኺትንስእ ይፍትን።

9 ሓደ ሽማግለ ንሓደ ዘይንጡፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪገብረሉ ኸሎ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ገሊኦም ሰባት እቲ ዜዐንቀፎም ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ምግንዛቦም ኪጠቕሰሉ ይኽእል እዩ። ወረግ እቲ መዐንቀፍስ ተኣልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ተግሳጽ እንተ ተዋሂብዎ እሞ ብእኡ እንተ ተዓንቂፉ፡ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ምስትንታኑ እንተ ወሓደ ብኸፊል ጌጋ ምንባሩን በቲ ተግሳጽ ኪዕንቀፍ ከም ዘይነበሮን ንኺርዳእ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:165፣ እብ. 12:5-13

እቲ ጸገም ሓደ ትምህርቲ ድዩ ነይሩ፧

10, 11. ንሓደ ብዛዕባ ገሊኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተፈልየ ምርዳእ ዘለዎ ሰብ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ዓይነት መረድኢ እዩ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል፧

10 ገሊኦም ንገሊኡ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ስለ ዘይተሰማምዑሉ፡ ካብ መጓሰ ኣምላኽ ርሒቖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹ እስራኤላውያን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ‘ተግባር ቀልጢፎም ረስዕዎ፡ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን።’ (መዝ. 106:13) ንሓደ ዘይንጡፍ ከኣ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ ይዝርግሕ ከም ዘሎ ምዝኽኻሩ፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 24:45) እቲ ሰብ ኣብ ፈለማ ንሓቂ ዝፈለጣ እውን በዚ መገዲ እዚ እዩ። ስለዚ፡ እንደገና ብሓቂ ኺመላለስ ቈራጽነት ዘይገብረሉ እንታይ ምኽንያት ኣለዎ፧—2 ዮሃ. 4

11 ሓደ ሽማግለ ነቶም ካብ መጓሰ ኣምላኽ ዝጠፍኡ ንምሕጋዝ ጻዕሪ ኺገብር ከሎ፡ ነቶም ንገሊኡ ትምህርትታት የሱስ ብዘይምቕባሎም ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ደቀ መዛሙርቲ ኺጠቕሰሎም ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 6:53, 66) ምስ ክርስቶስን ምስቶም እሙናት ሰዓብቱን ዝነበሮም ርክብ ብምብታኾም፡ መንፈሳውነቶምን ሓጐሶምን ኣጥፍኡ። እቶም ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሮም ሕብረት ዘቋረጹ፡ ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ ዚቐርበሉ ኻልእ ቦታ ረኺቦምዶ፧ ከምዚ ዓይነት ቦታ ስለ ዘየለ፡ ኣይረኸቡን!

ከቢድ ሓጢኣት ስለ ዝገበሩ ድዮም፧

12, 13. ሓደ ኻብተን መጓሰ ዝጠፍአ ሰብ፡ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ተኣሚኑ፡ ብኸመይ ሓገዝ ኪወሃቦ ይኽእል፧

12 ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ብምግባሮም ኣብ ስብከት ምስታፍን ኣብ ኣኼባታት ምእካብን የቋርጹ። ኣበሳኦም ንሽማግለታት እንተ ተናዚዞም፡ ዚውገዱ ይመስሎም። ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባሮም እንተ ሓዲጎምዎን ብሓቂ እንተ ተነሲሖምን ግን ካብ ጉባኤ ኣይውገዱን እዮም። (2 ቈረ. 7:10, 11) ኣብ ክንዳኡስ፡ እታ ጉባኤ ሓንጐፋይ ኢላ ኽትቅበሎም እያ፡ እቶም ሽማግለታት ድማ ዜድሊ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህብዎም እዮም።

13 ንሓደ ዘይንጡፍ ሰብ ክትሕግዝ እተመደብካ ብሱል ኣስፋሒ እንተ ዄንካ፡ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ እንተ ነጊሩካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ኣብቲ ዅነታት ኣብ ክንዲ እትኣቱ፡ ንሽማግለታት ቀሪቡ ኼዘራርቦም ሓሳብ ሃቦ። ከምኡ ኺገብር እንተ ዘይደልዩ፡ ምስቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተዋህበ መለኮታዊ መምርሒ ብምስምማዕ እትገብሮ ተግባር፡ ንስም የሆዋን ንመንፈሳዊ ድሕንነት እታ ጉባኤን ሓልዮት ከም ዘሎካ የርኢ። (ዘሌዋውያን 5:1 ኣንብብ።) እቶም ሽማግለታት፡ ናብ ጉባኤ ኺምለስን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኺነብርን ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎ ይፈልጡ እዮም። ፍቕራዊ ተግሳጽ የድሊ ይኸውን። (እብ. 12:7-11) እቲ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ከም ዝሓጥአ እንተ ተኣሚኑን ነቲ ጌጋ ተግባሩ እንተ ኣቋሪጽዎን ብሓቂ እንተ ተነሲሑን፡ እቶም ሽማግለታት ኪሕግዝዎ እዮም፡ የሆዋ ድማ ይቕረ ኺብለሉ እዩ።—ኢሳ. 1:18፣ 55:7፣ ያእ. 5:13-16

ጥፉእ ወዲ ምምላሱ ሓጐስ የምጽእ

14. ነታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሺ ወዲ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ብናትካ ቓላት ኣዘንትዋ።

14 ሓደ ሰብ ንሓንቲ ዝጠፍአት በጊዕ ኪሕግዛ ኺጽዕር ከሎ፡ ነታ ኣብ ሉቃስ 15:11-24 እትርከብ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ምንባቡ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። ኣብታ ምሳልያዊት ዛንታ፡ ሓደ ጐበዝ ንውርሱ ብዕብዳን ዘረዎ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝሩግ ኣነባብራኡ ፈንፈኖ። ብጥሜት ተወድአ፡ ቤቱ ናፈቐ፡ ናብ ቤቱ ኺምለስ ድማ ቈረጸ። ገና ርሑቕ ከሎ፡ ኣቦኡ ረኣዮ፡ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ ኸኣ፡ ጐይዩ ብኽሳዱ ሓኒቑ ሰዓሞ። ሓደ ዝጠፍአ ሰብ ብዛዕባ እዛ ምሳሌ እዚኣ ምስትንታኑ ናብቲ ደምበ ንኺምለስ ኪድርኾ ይኽእል እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ስለ ዚጠፍእ፡ ከይተደናጐየ ‘ናብ ቤቱ ኺምለስ’ ኣለዎ።

15. ገሊኦም ካብ ጉባኤ ዚርሕቁ ስለምንታይ እዮም፧

15 መብዛሕትኦም ካብ ጉባኤ ዚርሕቁ ሰባት፡ ከምቲ ሓሻሺ ወዲ ኣይኰኑን። ገሊኦም ከምቲ ጃልባ ቐስ ብቐስ ካብ ምድሪ እናረሓቐት እትኸይድ፡ በብቝሩብ እዮም ዚርሕቁ። ገሊኦም ሓልዮት ሓዳር ስለ ዚኸብዶም፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣትኵሮ ኣይገብሩሉን። ገሊኦም ድማ ኣብታ ጉባኤ ብዘሎ ኻልእ ሰብ ስለ እተዓንቀፉ፡ ወይ ብገሊኡ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ስለ ዘይሰማምዑ፡ ካብ ጉባኤ ይርሕቁ። ሓድሓደ ኸኣ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባር ብምግባሮም ይጠፍኡ። ይኹን እምበር፡ እቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ እዚ ጕዳያት እዚ ተተሓሒዙ እተጠቕሰ ነጥብታት፡ እቲ ግዜ ገና ኸየብቅዐ ኸሎ ነቶም በዚ ዀነ ብኻልእ ምኽንያት ካብቲ ደምበ ዝረሓቑ ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

“ዝወደይ፡ እንቋዕ ናብ ቤትካ መጻእካ!”

16-18. (ሀ) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ንነዊሕ ዓመታት ዘይንጡፍ ዝነበረ ሓው ብኸመይ ሓገዞ፧ (ለ) እዚ ሓው እዚ ዘይንጡፍ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይ ሓገዝ ረኸበ፧ እታ ጉባኤኸ ብኸመይ ተቐበለቶ፧

16 ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣካል ሽማግለታት ነቶም ዘይንጡፋት ተገዲሶም እዮም ዚበጽሕዎም። ኣነ እውን ብዛዕባ ሓደ መጽናዕቲ ዝመራሕኩሉን ሓቂ ንኺፈልጥ ዝሓገዝክዎን ሰብ ሓሰብኩ። ን25 ዓመት ዚኸውን ዘይንጡፍ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ድማ ኣጋጢምዎ ነበረ። ስለዚ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ነገርክዎ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጽእ ጀመረ፡ ነቲ ናብተን መጓሰ ንኺምለስ ዝገበሮ ውሳነ ምእንቲ ኼደልድሎ ኢሉ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር እውን ተሰማምዐ።”

17 እቲ ሓው ስለምንታይ እዩ ዘይንጡፍ ኰይኑ፧ ባዕሉ ኸምዚ ኢሉ ተኣመነ፦ “ንዓለማዊ ጕዳያት ካብ መንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ ቘላሕታ ኽህብ ጀመርኩ። ድሕሪኡ ምጽናዕን ኣብ ኣገልግሎት ምጽማድን ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ሓደግክዎ። ከይተፈለጠኒ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ረሓቕኩ። በቲ እቲ ሽማግለ ዘርኣየኒ ብሕታውን ልባውን ተገዳስነት ግን ንኽምለስ ሓገዝ ረኸብኩ።” እዚ ሓው ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ምስ ጀመረ፡ ጸገማቱ ኺንኪ ጀመረ። “ኣብ ህይወተይ የሆዋን ውድቡን ዚህብዎ ፍቕርን መምርሕን ከም ዝጐደለኒ ኣስተውዓልኩ” በለ።

18 እታ ጉባኤ ነዚ ሓው ብኸመይ ተቐበለቶ፧ “ከምቲ የሱስ ክርስቶስ እተዛረበሉ ሓሻሺ ወዲ ዝዀንኩ እዩ ተሰሚዑኒ። ሓንቲ ቕድሚ 30 ዓመት ኣብታ ጉባኤ ዝነበረትን ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት እተገልግል ዘላን ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ እሞ ኸኣ፡ ‘ዝወደይ፡ እንቋዕ ናብ ቤትካ መጻእካ!’ ኢላትኒ እያ። እዚ ብሓቂ ንልበይ ተንክይዎ እዩ። ናብ ቤተይ ከም እተመለስኩ እዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ እቲ ሽማግለን ብምልእታ እታ ጉባኤን ዘርኣዩኒ ፍቕርን ለውሃትን ትዕግስትን ተገዳስነትን ካብ ልበይ ከመስግኖም እደሊ እየ። ንየሆዋን ንብጻዮምን ዘላቶም ፍቕሪ፡ ናብተን መጓሰ ንኽምለስ ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ” በለ።

ሎሚ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣተባብዓዮም

19, 20. ንዘይንጡፋት ከይተደናጐዩ ናብተን መጓሰ ንኺምለሱ ኸተተባብዖም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣምላኽ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ከም ዘይጽበየና ኽትሕብሮም እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧

19 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ስለ ዘለና፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቐሪቡ እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ንዘይንጡፋት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከቡ ኣተባብዓዮም። ውዓል ሕደር ከይበሉ ምእካብ ኪጅምሩ ተማሕጸኖም። ሰይጣን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ኪበትኽ ይጽዕር ከም ዘሎ ሓብሮም፡ ካብቲ ኣብ ህይወቶም ጾር ኰይንዎም ዘሎ ነገራት እፎይታ ዚረኽቡ ድማ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓዲግካ ብምኻድ ዘይምዃኑ ኣዘኻኽሮም። እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ምስ ዚዀኑ ጥራይ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ኸተረጋግጸሎም ትኽእል ኢኻ።—ማቴዎስ 11:28-30 ኣንብብ።

20 ኣምላኽ ዓቕምና ኽንገብር ከም ዚጽበየና፡ ንዘይንጡፋት ኣዘኻኽሮም። ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር፡ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ብኽቡር ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ገይራ ስለ ዝቐብኣቶ ገሊኦም ኪነቕፍዋ ኸለዉ፡ የሱስ ግን፡ “ሕደግዋ፡ . . . ዚከአላ ገበረት” በለ። (ማር. 14:6-8) የሱስ ነታ ኣብ ቤተ መቕደስ ሒደት ውጽኢት ዝገበረት ድኻ መበለት ንኢድዋ እዩ። ንሳ እውን ዚከኣላ እያ ገይራ። (ሉቃ. 21:1-4) መብዛሕትና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክንካፈልን ንኽእል ኢና። ብዙሓት ካብቶም ሎሚ ዘይንጡፋት ኰይኖም ዘለዉ፡ ብሓገዝ የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

21, 22. ነቶም ናብ የሆዋ ዚምለሱ እንታይ ኢኻ ኸተረጋግጸሎም እትኽእል፧

21 ሓደ ኻብተን መጓሰ ዝጠፍአ በጊዕ ምስ ኣሕዋቱ እንደገና ምርኻብ እንተ ኣሰኪፍዎ፡ እቲ ሓሻሺ ወዲ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ብዛዕባ ዝነበረ ሓጐስ ከተዘኻኽሮ ትኽእል ኢኻ። እቶም ናብታ ጉባኤ ዚምለሱ ብተመሳሳሊ ምንጪ ሓጐስ እዮም ዝዀኑ። ንድያብሎስ ንምጽራርን ንኣምላኽ ንምቕራብን ሕጂ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣተባብዓዮም።—ያእ. 4:7, 8

22 ነቶም ናብ የሆዋ ዚምለሱ ብሓጐስ ኢና እንቕበሎም። (ድጕ. 3:40) ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝነበሮም ሕሉፍ ተመክሮ፡ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዘምጸኣሎም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቶም ከይተደናጐዩ ናብተን መጓሰ ዚምለሱ፡ ኣብ መጻኢ እዚ ዘይበሃል በረኸት ኪረኽቡ እዮም!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንሓደ ተዓንቂፉ ዘይንጡፍ ዝዀነ ክርስትያን ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

• ንሓደ ብዛዕባ ሓደ ትምህርቲ ናይ ብሕቱ ኣረኣእያ ብምሓዙ ኻብ መጓሰ ኣምላኽ ዝረሓቐ ሰብ፡ እንታይ መረዳእታ ኺሕግዞ ይኽእል፧

• ንሓደ ናብ ጉባኤ ምምላስ ዜሰክፎ ሰብ ብኸመይ ሓገዝ ኪወሃቦ ይከኣል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ዘይንጡፍ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ሓሳቡ ኺገልጽ ከሎ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ሓሻሺ ወዲ ምስትንታን፡ ንገሊኣቶም ናብተን መጓሰ ንኺምለሱ ኺድርኾም ይኽእል እዩ