ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ንጽህናኻ ትሕሉ፧

ስለምንታይ ንጽህናኻ ትሕሉ፧

ስለምንታይ ንጽህናኻ ትሕሉ፧

“ዎ እግዚኣብሄር፡ . . . ከም ንጽህናይ . . . ፍረደኒ።”—መዝ. 7:8

1, 2. ኣብዚ ግዜና ንሓደ ክርስትያን ኣብ ንጽህናኡ ፈተና ዝዀኖ ልሙድ ኵነታት እንታይ እዩ፧

 ሰለስተ እተፈላለየ ዅነታት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ሓደ ወዲ ብመማህርቱ ኣደዳ ላግጺ ዀይኑ ኣሎ። ተቘጢዑ ኸም ዚጻረፍ ወይ ከም ዚበኣስ እዮም ኪገብርዎ ዚፍትኑ ዘለዉ። ሕነ ይፈዲ ደዀን ይኸውን፡ ወይስ ርእሱ ገቲኡ ኻባታቶም ይርሕቕ፧ ሓደ ሰብኣይ ንበይኑ ኣብ ቤቱ ዀይኑ ኣብ ኢንተርነት ምርምር ይገብር ኣሎ። ብሃንደበት ናብ ብዕሉግ ወብ ሳይት እትዕድም ሳጹን ኣብ ኮምፕዩተሩ ወጸት። ነቲ ሳይት እቲ ንኪኸፍቶ ይደናደን ደዀን ይኸውን፡ ወይስ ንየው ይብሎ፧ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ምስ ገሊኣተን ኣሓት እናኣዕለለት ከላ፡ እቲ ዕላል ንሓንቲ ኣብ ጉባኤ ዘላ ሓብቲ ናብ ምሕማይ ይቕየር። ኣብኡ ኽትሳተፍ ድያ፡ ወይስ ነቲ ዕላል ክትቅይሮ እያ እትጽዕር፧

2 እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዅነታት እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ዜመሳስሎ ነገር ግን ኣሎ። ሰለስቲኡ ኸም ክርስትያን መጠን ንጽህና ንምሕላው ዚግበር ቃልሲ የጠቓልል። ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ዜተሓሳስበካን ዜድልየካን ነገራት ኰነ ብዛዕባ ሸቶታትካ ክትውስን ከለኻ፡ ንንጽህናኻ ኣብ ግምት ተእቱ ዲኻ፧ መዓልታዊ ሰባት ብዛዕባ ትርኢቶም፡ ብዛዕባ ጥዕናኦም፡ ኣብ ናብራኦም ብዛዕባ ዜጋጥሞም ሃለኽለኽ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ብዛዕባ ዜጋጥሞም ጸገማት፡ ምናልባት እውን ብዛዕባ ፍቕራዊ ርክባቶም ይሓስቡ እዮም። ንሕና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣጸቢቕና ነተኵረሉ ንኸውን። የሆዋ ንልብና ኺምርምሮ ኸሎ ግን፡ ብፍላይ ዜገድሶ እንታይ እዩ፧ (መዝ. 139:23, 24) ንጽህናና እዩ ዜገድሶ።

3. የሆዋ እንታይ ምርጫ ኽንገብር እዩ ዚፈቕደልና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሆዋ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ስለ ዝዀነ፡ ንነፍሲ ወከፍና እተፈላለየ ውህበታት ሂቡና እዩ። (ያእ. 1:17) ሳላኡ ኸም ሰብነት፡ ኣእምሮ፡ እተወሰነ ጥዕና፡ እተፈላለየ ኽእለታት ዝኣመሰለ ውህበታት ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ቈረ. 4:7) ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ኣየገድደናን እዩ። ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ እንተ ዄንና ወይ እንተ ዘይኴንና፡ ባዕልና ኽንሓሪ ይሓድገና እዩ። (ዘዳ. 30:19) እምበኣር፡ ንጽህና እንታይ ምዃና ኽንምርምር ኣሎና። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነትሉ ሰለስተ ምኽንያታት እውን ክንርኢ ኢና።

ንጽህና እንታይ እያ፧

4. ንጽህና እንታይ ተጠቓልል፧ ካብቲ የሆዋ ብዛዕባ መስዋእቲ እንስሳታት ዝሃቦ ሕጊ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

4 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ንጽህና ንጹር ምርዳእ የብሎምን። ንኣብነት፡ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ንጽህናኦም ኪንየቱ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሓቀኛነቶም እዮም ዚዛረቡ። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣገዳሲት እኳ እንተ ዀነት፡ ሓደ ኽፋል ንጽህና ጥራይ እያ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ንጽህና ንስነ-ምግባራዊ ምሉእነትን ጥዑይነትን ተጠቓልል። እተን ምስ “ንጽህና” እትብል ቃል ዚዛመዳ ቓላት እብራይስጢ፡ ጥዑይ፡ ምሉእ፡ ወይ ጕድለት ኣልቦ ኻብ ዚብል ሱር ቃል ዝመጻ እየን። ሓንቲ ኻብዘን ቃላት እዚኣተን፡ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ኪቐርበሉ ዘለዎ መስዋእቲ ንምግላጽ ኣገልጊላ ኣላ። ንየሆዋ ዚቐርበሉ መስዋእቲ እንስሳ፡ ስምረቱ ኺረክብ ዚኽእል፡ ጐደሎ ዘይብሉ ወይ ምሉእ ምስ ዚኸውን ጥራይ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 22:19, 20 ኣንብብ።) የሆዋ ነቶም ንመምርሒኡ ጥሒሶም ሓንካስ፡ ሕሙም፡ ወይ ዕዉር እንስሳ ንመስዋእቲ ዘቕረቡ ሰባት ኣትሪሩ ወቐሶም።—ሚል. 1:6-8

5, 6. (ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምሉእ ንዝዀነ ነገር ኣኽቢርና ኸም እንርኢ ዜርእየና እንታይ ኣብነታት እዩ፧ (ለ) ንዘይፍጹማት ሰባት ብዚምልከት፡ ንጽህና ኺበሃል ከሎ፡ ፍጽምና ማለት ድዩ፧ ግለጽ።

5 ምሉእ ዝዀነ ነገር ምንዳይ ወይ ኣኽቢርካ ምርኣይ፡ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ሓደ መጻሕፍቲ ዚእከብ ሰብ ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምንዳዩ፡ ሓንቲ ኽብርቲ መጽሓፍ ረኺቡ ንበል። እንተዀነ ግን፡ እታ ዝረኸባ መጽሓፍ እተወሰነ ኣገዳሲ ገጻት ከም ዘይብላ ፈለጠ። በቲ ነገር ጕህዩ ናብ ዝነበረቶ ኸብሒ ይመልሳ ይኸውን። ወይ ከኣ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ እናዞረት፡ እቲ ማዕበላት ዝተፍኦ ዛዕጐላት ትእከብ ከም ዘላ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ብብዝሒ ዓይነትን ጽባቐን እዚ ፍጥረታት እዚ እናተገረመት፡ ተተጐንቢሓ ንዝረኸበቶ ዛዕጐል ትምርምር። ነየናዩ እትእክቦ ይመስለካ፧ ነቲ ጐደሎ ዘይብሉ ምሉእ እያ እትእክብ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ነቶም ናይ ምሉእነት ባህርይ ዘለዎም ሰባት እዩ ዚደልዮም።—2 ዜና 16:9

6 ይኹን እምበር፡ ምሉእ ንምዃን፡ ፍጹም ክትከውን ዜድሊ እንተ ዀይኑ ትሓስብ ትኸውን። ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዘሎና፡ ንርእስና ገሊኡ ገጻት ከም ዝጐደሎ መጽሓፍ ወይ ከም እተሸራረፈ ዛዕጐል ጌርና ንርእያ ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ይስምዓካ ድዩ፧ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ፍጹም ክንከውን ከም ዘይጽበየና ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኸቶ ኣይጽበየናን እዩ። a (መዝ. 103:14፣ ያእ. 3:2) ኰይኑ ግን፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ይጽበየና እዩ። እሞኸ ኣብ መንጎ ፍጽምናን ንጽህናን ፍልልይ ኣሎዶ፧ እወ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ኺምርዓዋ ዚሓስብ ሰበይቲ የፍቅራ እዩ። ፍጽምቲ ኽትከውን እንተ ተጸብይዋ፡ ዕሽነት እዩ። ንዕኡ ብምሉእ ልባ ኸተፍቅሮ፡ ማለት ንዕኡ ጥራይ ኣፍቃሪቱ ኽትኰኖ እንተ ተጸብይዋ ግን፡ ጥበብ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ “ቐናእ ኣምላኽ፡” ማለት ንበይኑ ተወፋይነት ዚጽበ ኣምላኽ እዩ። (ዘጸ. 20:5) ፍጹማት ክንከውን ዘይጽበየና እኳ እንተ ዀነ፡ ብምሉእ ልብና ኸነፍቅሮን ንዕኡ ጥራይ ኸነምልኾን ግን ይጽበየና እዩ።

7, 8. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ንጽህና እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧ (ለ) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንጽህና ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

7 ነቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ኻብ ኵሉ ሕግታት ኣገዳሲት ዝዀነት ትእዛዝ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ንዝክሮ ንኸውን። (ማርቆስ 12:28-30 ኣንብብ።) የሱስ መልሲ ጥራይ ኣይኰነን ሂቡ፡ ብመሰረት እቲ ዝሃቦ መልሲ እውን እዩ ዚነብር ነይሩ። ንየሆዋ ብምሉእ ሓሳብካን ልብኻን ነፍስኻን ሓይልኻን ብምፍቃር ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ንጽህና ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ንጹህ ድራኸ ብዚምንጭው ተግባር እውን ክትርአ ኸም ዘለዋ ኣርእዩ እዩ። ስለዚ፡ ንጽህናና ኽንሕሉ እንተ ዄንና፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ኣሎና።—1 ጴጥ. 2:21

8 ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ንጽህና ኺበሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ብምሉእ ልብና ውፉይ ምዃንን ንፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ምፍጻምን ማለት እዩ። ንጽህና ምሕላው፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ምጽዓር እውን የጠቓልል እዩ። ነቲ ንሱ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገራት ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንህቦ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ሰለስተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

1. ንጽህናናን ጕዳይ ልዑላውነትን

9. ንጽህናና ምስ ጕዳይ ልዑላውነት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

9 ልዑላውነት የሆዋ ኣብ ንጽህናና እተመርኰሰ ኣይኰነን። ፍትሓውን ዘለኣለማውን ንዅሉ ፍጥረት ዜጠቓልልን እዩ። ዝዀነ ይኹን ፍጡር ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ብዘየገድስ፡ ከምኡ ዀይኑ እዩ ዚቕጽል። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንልዑላውነት ኣምላኽ ኣመና ዜጸልም ነገር ተገይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣገዛዝኣኡ ቕኑዕን ፍትሓውን ፍቕራውን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ኺረጋገጽ ኣለዎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ዘለዎ ልዑላውነት ምዝራብ የሐጕሰና እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ናይ ገዛእ ርእስና መትከል ክንሕዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሆዋ ልዑላዊ ገዛኢና ኪኸውን ከም እንደሊ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ንጽህናና ብምሕላው ኢና እነርኢ።

10. ንንጽህና ደቂ ሰብ ብዚምልከት፡ ሰይጣን እንታይ ክሲ እዩ ዝኸሰሰ፧ እንታይ ምላሽከ ኽትህብ ትደሊ፧

10 ንጽህናኻ ምስዚ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር እስከ ርአ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ኣምላኽ ከም ዘይቀውም፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ዋላ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብንጽህቲ ፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዘየገልግሎ፡ ሰይጣን ይማጐት እዩ። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መንፈሳውያን ፍጡራት ንየሆዋ፡ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በሎ። (እዮ. 2:4) ሰይጣን ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ነቲ ጻድቕ እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኸም ዝወቐሰ ኣስተብህል። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ከሳስ ኣሕዋትና” ኢሉ ዚጽውዖ። (ራእ. 12:10) ኵሎም ክርስትያናት እሙናት ከም ዘይኰኑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተኸሲሶም እዮም፣ ንስኻ እውን ካብዚ ኣይተምልጥን ኢኻ። ህይወትካ ንምድሓን ንየሆዋ ኸም እትኽሕዶ ገይሩ እዩ ዚኸሰካ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሌኻ ተዀሚሩ ዘሎ ኽስታት ከመይ ይስምዓካ፧ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንኸተቃልዖ ኣጋጣሚ እንተ ትረክብ ኣይመሐጐሰካንዶ፧ ንጽህናኻ ብምሕላው፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

11, 12. (ሀ) ኣብ መዓልታዊ ጕዳያትና እንገብሮ ውሳነታት ምስ ብሕታዊ ንጽህናና ኸም ዚተሓሓዝ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት እዩ፧ (ለ) ንጽህና ምሕላው ዓብዪ ኽብሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 እምበኣር፡ ንንጽህናኻ ዚምልከት ጕዳይ፡ ንመዓልታዊ ኣካይዳኻን ምርጫታትካን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዚገብሮ። ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝጠቐስናዮ ሰለስተ ዅነታት እስከ ምልስ ኢልና ንርኣዮ። እቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት ብኸመይ እዮም ንጽህናኦም ሓልዮም ኪመላለሱ ዚኽእሉ፧ እቲ ወዲ ብመማህርቱ ኣደዳ ላግጺ ብምዃኑ፡ ሕነ ኺፈዲ እኳ እንተ ተፈተነ፡ “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ንዚብል ማዕዳ ዘከረ። (ሮሜ 12:19) ስለዚ ድማ ካባታቶም ረሓቐ። እቲ ኢንተርነት ዚጥቀም ዝነበረ ሰብኣይ ነቲ ንጾታዊ ተግባር ዜለዓዕል ምስሊ ኺርእዮ ይኽእል ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” ኣብ ዚብል ቃላት እዮብ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ዘከረ። (እዮ. 31:1) ስለዚ ኸኣ ነቲ ዘይጥዑይ ምስልታት ከም ስሚ ገይሩ ስለ ዝቘጸሮ፡ ንኣዒንቱ ኸይርእያኦ ኸልከለን። እታ ምስ ገሊኣተን ኣንስቲ እተዕልል ዝነበረት እሞ ሕሜት ዝሰምዐት ሰበይቲ ኸኣ፡ “ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ” ንዚብል መምርሒ ዘከረት። (ሮሜ 15:2) እቲ ሕሜት ሃናጺ ኣይኰነን። ንክርስትያን ሓብታ ዚጐድእ እዩ፡ ንሰማያዊ ኣቦኣ ድማ ኣየሐጕሶን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ልሳና ተቘጻጺራ፡ ነቲ ዕላል ቀየረቶ።

12 ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ ዅነታት እዚ፡ እቶም ክርስትያናት ሓደ ምርጫ ገይሮም እዮም። በቲ ምርጫኦም ኣቢሎም ከኣ፡ ‘የሆዋ እዩ ገዛእየይ፣ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ንዕኡ ዜሐጕሶ እየ ኽገብር ዝጽዕር’ እዮም ኢሎም። ንብሕታዊ ምርጫታትካን ውሳነታትካን በዚ ኸምዚ ዲኻ እትርእዮ፧ ከምኡ ጌርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ዚርከብ፡ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዚብል ባህ ዜብል ቃላት ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ። ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶ ምኽኣልሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! ምእንቲ እዚ ኢልና ብእተኻእለና መጠን ክንጽዕርሲ ግቡእዶ ኸይኰነ፧

2. መሰረት መለኮታዊ ፍርዲ

13. እዮብን ዳዊትን እተዛረብዎ ቓላት፡ የሆዋ ብመሰረት ንጽህናና ኸም ዚፈርደና ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

13 ንጽህናና ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት የሆዋ ንኽንቀውም ከም ዜኽእለና ርኢና ኢና። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንዓና ዚፈርደሉ መሰረት እዩ ማለት እዩ። እዮብ ነዚ ሓቂ እዚ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ነበረ። (እዮብ 31:6 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ “ብቕኑዕ ሚዛን፡” ማለት በቲ ንንጽህናና ዚልክዓሉ ፍጹም መለክዒ ፍትሑ ኸም ዚመዝኖም፡ እዮብ ይፈልጥ ነበረ። ዳዊት እውን ብተመሳሳሊ፡ “እግዚኣብሄር፡ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ። ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ” በለ። (መዝ. 7:8, 9) ኣምላኽ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ንልብን ኰላሊትን፡” ማለት ንውሽጣዊ እንታይነትና ኺምርምር ከም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። እንታይ ይደሊ ኸም ዘሎ ግን ክንርስዕ የብልናን። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ የሆዋ ብመሰረት ንጽህናና እዩ ዚፈርደና።

14. ዘይፍጽምናና፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ኺዓግተና ኸም ዚኽእል ጌርና ኽንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 የሆዋ ኣምላኽ ንኣልባብ ሎሚ ዘለዉ ቢልዮናት ደቂ ሰብ ኪምርምር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (1 ዜና 28:9) ክንደይ ሳዕ እዩ ክርስትያናዊ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ ዚረክብ፧ ብተዛማዲ ሳሕቲ እዩ ኸምኡ ዚረክብ! ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ኸም ዘይንኽእል ጌርና ኣይንደምድም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ዋላ እውን ዘይፍጹማት እንተ ዀንና፡ ከም ዳዊትን እዮብን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ኽንሕሉ ኸም እንኽእል ንኽንኣምን እኹል ምኽንያት ኣሎና። ፍጽምና፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ውሕስነት ከም ዘይኰነና ኣይንረስዕ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ሰለስተ ፍጹማት ሰባት ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ካባታቶም እቶም ክልተ፡ ማለት ኣዳምን ሄዋንን፡ ንጽህናኦም ኣይሓለዉን። ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ሚልዮናት ዘይፍጹማት ሰባት ንጽህናኦም ኪሕልዉ ኽኢሎም እዮም። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

3. ንተስፋና ኣድላዪት እያ

15. ንጽህናና ነታ ብዛዕባ መጻኢ ዘላትና ተስፋና ኣድላዪት ምዃና ዳዊት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

15 የሆዋ ብመሰረት ንጽህናና ስለ ዚፈርደና፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ነታ ብዛዕባ መጻኢ ዘላትና ተስፋ ኣድላዪት እያ። ዳዊት ነዚ ይፈልጦ ነበረ። (መዝሙር 41:12 ኣንብብ።) ንዘለኣለም ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ተስፋ ኣሕደረ። ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እናኣገልገሎን ናብኡ እናቐረበን ንዘለኣለም ኪነብር ተስፋ ገበረ። እዚ ተስፋኡ እዚ ኺፍጸም ከሎ ምእንቲ ኺርኢ፡ ንጽህናኡ ኺሕሉ ኸም ዘለዎ ኣስተውዒሉ ነበረ። ንሕና እውን ንጽህናና ኽንሕሉ ኸለና፡ የሆዋ ይድግፈናን ይምህረናን ይመርሓናን ይባርኸናን እዩ።

16, 17. (ሀ) ወትሩ ንጽህናኻ ንኽትሕሉ ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ሕቶታት ክንመያየጥ ኢና፧

16 ተስፋ ነዚ ሕጂ እንረኽቦ ሓጐስ ኣድላዪት እያ። ጽንኩር ግዜ ንኽንሰግር ዜኽእል ሓጐስ ትህበና። ተስፋ ንኣተሓሳስባና እውን ክትሕልዎ ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋ ምስ ቍራዕ ርእሲ ኸም ዜመሳስላ ዘክር። (1 ተሰ. 5:8) ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ኣብ ኲናት ንርእሲ ወተሃደር ዜዕቍቦ፡ ተስፋ ኸኣ ንኣእምሮና ኻብቲ ሰይጣን ኣብዛ ናብ ጥፍኣት እተምርሕ ዘላ ኣረጊት ዓለም ዜስፋሕፍሖ ዘሎ ኣሉታውን ዘይትስፉውን ኣተሓሳስባ ተዕቍቦ እያ። ተስፋ እንተ ዘይብልና፡ ህይወትና ትርጕም ኣልቦ እያ እትኸውን። እምበኣር፡ ንንጽህናናን ነታ ምስኣ እተኣሳሰረት ተስፋናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንርእስና ተጠንቂቕና ብቕንዕና ኽንምርምር ኣሎና። ንጽህናኻ ብምሕላውካ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኸም እትድግፍን ብዛዕባ መጻኢ ንዘላትካ ኽብርቲ ተስፋ ኸም እትሕልዋን ኣይትረስዕ። ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ ንጽህናኻ ሓሉ!

17 ንጽህና ኣዝያ ኣገዳሲት ስለ ዝዀነት፡ እተወሰነ ተወሳኺ ሕቶታት ክንርኢ ኢና። ብኸመይ ኢና ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧ ብኸመይ ኢና ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል፧ ሓደ ሰብ ንእተወሰነ እዋን ንጽህናኡ እንተ ዘይሓልዩ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሱስ፡ “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” በለ። (ማቴ. 5:48) ዘይፍጹማት ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብተዛማዲ መገዲ ምሉኣት ወይ ፍጹማት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ንኻልኦት ሰባት ከነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ ከነኽብሮ ንኽእል ኢና፡ ከምኡ ብምግባር ድማ ንኣምላኽ ነሐጕሶ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ፍጹም እዩ። ስለዚ፡ እታ “ንጽህና” እትብል ቃል ኣብኡ ኽትውዕል ከላ፡ ንፍጽምና እውን ተጠቓልል እያ።—መዝ. 18:30

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንጽህና እንታይ እያ፧

• ንጽህና ምስ ጕዳይ ልዑላውነት እትተኣሳሰር ብኸመይ እዩ፧

• ንጽህና ንተስፋ መሰረት እትኸውን ብኸመይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንንጽህናና ዚፍትን ብዙሕ ብድሆታት የጋጥመና