ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብእተማልአ መገዲ ንምምስካር ቈራጽነት ግበር

ብእተማልአ መገዲ ንምምስካር ቈራጽነት ግበር

ብእተማልአ መገዲ ንምምስካር ቈራጽነት ግበር

“ንህዝቢ ኽንሰብኽን ብእተማልአ መገዲ ኽንምስክርን ኣዘዘና።”—ግብ. 10:42 NW

1. ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ኪዛረቦ ኸሎ፡ ብዛዕባ እንታይ መዝነት እዩ ዘጕልሐ፧

 እቲ ኢጣልያዊ ሓለቓ ሰራዊት፡ ንኣዝማዱን ንፈተውቱን ኣከቦም። ሽዑ ድማ ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዘለዎ ርክብ ዓብዪ ለውጢ ተገብረ። እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰብኣይ ቆርኔሌዎስ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ሰባት፡ እቶም ሃዋርያት ‘ንህዝቢ ኺሰብኩን ብእተማልአ መገዲ ኺምስክሩን ከም እተኣዘዙ’ ነገሮም። እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ብዙሕ ፍረ ኣፍረየ። እቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ መንፈስ ኣምላኽ ተቐበሉ፡ ተጠምቁ፡ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ነገስታት ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ድማ ረኸቡ። ጴጥሮስ ብእተማልአ መገዲ ምምስካሩስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍረ ዀን እዩ ተረኺቡ!—ግብ. 10:22, 34-48

2. እቲ ብዛዕባ ምምስካር ዝወጸ ትእዛዝ፡ ኣብቶም 12 ሃዋርያት ጥራይ ተሓጺሩ ኸም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 እዚ ዝዀነ ብ36 ድ.ክ. እዩ። ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ሓደ ብርቱዕ ተጻራሪ ክርስትና ዝነበረ ሰብ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ዘምጽአ ዅነታት ኣጋጠሞ። ሳውል ብዓል ጠርሴስ ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ፡ የሱስ ተራእዮ፡ “ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም” ድማ በሎ። ንሃናንያ እቲ ወደ መዝሙር ከኣ ሳውል “ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን” ኪምስክር ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-6, 13-20 ኣንብብ።) ሃናንያ ንሳውል፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖ ሐረየካ’ በሎ። (ግብ. 22:12-16) እቲ ደሓር ጳውሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ሳውል፡ ነቲ ንኺምስክር እተዋህቦ መዝነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣርዚኑ ዝረኣዮ፧

ብእተማልአ መገዲ መስከረ!

3. (ሀ) ኣብ ኣየናይ ጸብጻብ ኢና ብፍላይ ከነተኵር፧ (ለ) ሽማግለታት ኤፌሶን ንመልእኽቲ ጳውሎስ ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧ እንታይ ኣብነትከ ገደፉ፧

3 ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ነገራት ብዝርዝር ምጽናዕ ኣዝዩ መሳጢ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ግን ኣብቲ ኣብ ከባቢ 56 ድ.ክ. ዝሃቦ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 20 ዚርከብ መደረ እስከ ነተኵር። ነዚ መደረ እዚ ዘቕረቦ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ እዩ። ኣብታ ኣብ ባሕሪ ኤጀያ እትርከብ ወደብ መሊጠ ምስ በጽሐ ኻብ መርከብ ወረደ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶን ናብኡ ንኺመጹ ኸኣ መልእኽቲ ለኣኸ። ኤፌሶን ዳርጋ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ መገዲ ግን ጥውይዋይ ዚበዝሖ እዩ ነይሩ። እቶም ሽማግለታት ኤፌሶን ንመልእኽቲ ጳውሎስ ምስ ተቐበሉ፡ ማዕረ ኽንደይ ከም እተሓጐሱ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። (ምስ ምሳሌ 10:28 ኣረኣኢ።) ኰይኑ ግን፡ ናብ መሊጠ ንኺጐዓዙ ምድላዋት ኪገብሩ ነበሮም። ገሊኦም ካብ ስራሖም ዕረፍቲ ኺወስዱ ወይ ድኳውንቶም ኪዓጽውዎ ነይርዎምዶ፧ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት እውን፡ ካብቲ በብዓመቱ ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ዝዀነ ይኹን ክፋል ምእንቲ ኸይሓልፎም ከምኡ ይገብሩ እዮም።

4. ጳውሎስ ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ኤፌሶን ከሎ ብኸመይ ይመላለስ ነበረ፧

4 ጳውሎስ፡ እቶም ሽማግለታት ክሳዕ ዚመጹ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ መሊጦስ እንታይ ዚገብር ዝነበረ ይመስለካ፧ ንስኻ እንተ ትኸውንከ እንታይ ምገበርካ፧ (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:16, 17 ኣረኣኢ።) እቲ ጳውሎስ ንሽማግለታት ኤፌሶን እተዛረቦ ቓላት ነዚ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ንዓመታት ብዛዕባ ዚስዕቦ ዝነበረ ኣነባብራ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረሉ እዋን ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:18-21 ኣንብብ።) ዋላ ሓደ ሰብ ኪቃወሞ ኸም ዘይክእል ብምትእምማን ከኣ፡ ‘ካብታ ናብ እስያ ዝኣተኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ ብኸመይ ብእተማልአ መገዲ ኸም ዝመስከርኩ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም’ በሎም። እወ፡ ነቲ ኻብ የሱስ እተዋህቦ መዝነት ንኺፍጽም ቈሪጹ ነበረ። ኣብ ኤፌሶን ነዚ ብኸመይ ፈጸሞ፧ ነዚ ዝገበረሉ ሓደ መገዲ፡ ናብቲ ኣይሁድ ብብዝሒ ኺርከቡሉ ዚኽእሉ ቦታ ኸይዱ ብምምስካር እዩ። ካብ 52-55 ድ.ክ. ኣብ ኤፌሶን ከሎ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ‘ይነግሮምን የረድኦምን’ ከም ዝነበረ ሉቃስ ጸብጺቡ ኣሎ። እቶም ኣይሁድ “ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ አበዩን” ግና፡ ንዕኦም ሓዲጉ ናብ ካልእ ከባቢ እታ ኸተማ ብምኻድ ንኻልኦት ምስባኹ ቐጸለ። ስለዚ፡ ኣብዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ንዝነበሩ ኣይሁድን ግሪኽን መስከረሎም።—ግብ. 19:1, 8, 9

5, 6. ጳውሎስ ካብ ቤት ናብ ቤት ኪሰብኽ ከሎ ነቶም ዘይኣመንቲ እውን ይምስክረሎም ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

5 ገለ ኻብቶም ጳውሎስ ምስ ሰበኸሎም ክርስትያን ዝዀኑ ሰባት፡ ድሕሪ ግዜ ሽማግለታት ንምዃን በቕዑ። ብዛዕባ እቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ ኼዘኻኽሮም ከሎ ድማ፡ “ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን” በሎም። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብዚ ንኣመንቲ ጕስነት ብዛዕባ ምግባር ጥራይ ይጠቅስ ከም ዝነበረ ይዛረቡ ይዀኑ። ከምኡ ግን ኣይኰነን። እቲ ‘ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ምምሃር’ ዚብል መግለጺ፡ ብቐንዱ ኣመንቲ ንዘይኰኑ ሰባት ምምስካር እዩ ዜመልክት። ካብቲ “ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ” ይምስክር ከም ዝነበረ እተዛረቦ ቓላት፡ እዚ ብንጹር ኪፍለጥ ይከኣል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቶም ንስሓን ኣብ የሱስ ምእማንን ዜድልዮም ዘይኣመንቲ ምስክርነት ከም ዝሃበ ግልጺ እዩ።—ግብ. 20:20, 21

6 ሓደ ምሁር ኣብ ሓደ ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብዚምልከት ሰፊሕ ትንተና ዚህብ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ግብሪ ሃዋርያት 20:20 ኸምዚ በለ፦ “ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንሰለስተ ዓመት ጸንሐ። ንዅለን ኣባይቲ በጽሐን ወይ እንተ ወሓደ ንዅሎም ሰባት ሰበኸሎም። (ቍጽሪ 26) ካብ ቤት ናብ ቤት ንዚግበር ስብከትን ንህዝባዊ ኣኼባታትን ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።” ከምቲ እዚ ምሁር እዚ ዝበሎ፡ ጳውሎስ ቃል ብቓሉ ንዅለን ኣባይቲ በጺሑወን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ሽማግለታት ኤፌሶን ነቲ ዝሃቦ ምስክርነትን እተረኽበ ፍረን ኪርስዕዎ ኣይደለየን። ሉቃስ፡ ‘ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ሰምዕዎ’ በለ። (ግብ. 19:10) እንተዀነ ግን፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ “ዅሎም” ብኸመይ ሰሚዖም ኪዀኑ ይኽእሉ፧ ካብዚኸ ብዛዕባ እቲ እንህቦ ምስክርነት እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

7. ስብከት ጳውሎስ ካብቶም ብቐጥታ ዝሰበኸሎም ሰባት ወጻኢ፡ ኣብ ካልኦት ጽልዋ ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧

7 ጳውሎስ ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ካብ ቤት ናብ ቤትን ብምስባኹ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖምዎ እዮም። ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ሰባት፡ ውራዮም ኪገብሩ፡ ምስ ኣዝማዶም ኪነብሩ፡ ወይ ካብቲ ሃልኪ ዝበዝሖ ናብራ ኸተማ ንኼምልጡ ናብ ካልእ ቦታ ኸይገዓዙ ኣብ ኤፌሶን ዚጸንሑዶ ይመስለካ፧ እዚ ዘይመስል እዩ። ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያት ይግዕዙ እዮም፣ ምናልባት ንስኻ እውን ግዒዝካ ትኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ማሕበራውን ንግዳውን ጉዳያት ካብ እተፈላለየ ቦታታት ናብ ኤፌሶን ይኸዱ ነበሩ። ኣብኡ ኸለዉ ንጳውሎስ ረኺቦምዎ ወይ ነቲ ዚህቦ ምስክርነት ሰሚዖምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ እንታይ ገበሩ፧ እቶም ሓቂ እተቐበሉ ዘበሉ ምስክርነት ኪህቡ ነበሮም። እቶም ኻልኦት ዋላ እኳ ኣመንቲ እንተ ዘይኰኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዝሰምዕዎ ይዛረቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣዝማድ፡ ጐረባብቲ፡ ወይ ዓማዊል ንሓቂ ሰሚዖም፡ ገሊኦም ከኣ ተቐቢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ። (ምስ ማርቆስ 5:14 ኣረኣኢ።) እዚ ነገር እዚ፡ ብእተማልአ መገዲ ምምስካርካ ኺህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ጽልዋ እንታይ ይሕብር፧

8. ኣብ መላእ እስያ ዝነበሩ ሰባት ሓቂ ዝሰምዑ ብኸመይ እዮም፧

8 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኤፌሶን ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፡ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 16:8, 9) እንታይ ዓይነት ደገን ብኸመይን እዩ ተኸፊቱሉ፧ ኣብ ኤፌሶን ምግልጋል ብምቕጻሉ እቲ ብስራት ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ እዩ። ነተን ኣብ ጥቓ ኤፌሶን ዚርከባ ሰለስተ ኸተማታት ማለት፡ ቈሎሴ፡ ሎዲቅያ፡ ከምኡውን ሂራጶሊስ እስከ ንርአ። ጳውሎስ ነዘን ከተማታት እዚኣተን ፈጺሙ ዘይበጽሐን እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ብስራት ግን ናብዘን ከባቢታት እዚኣተን በጺሑ እዩ። ኤጳፍራስ ድማ ካብቲ ኸባቢ እቲ እዩ ነይሩ። (ቈሎ. 2:1፣ 4:12, 13) ኤጳፍራስ፡ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኪምስክር ከሎ ሰሚዑ ድዩ ክርስትያን ኰይኑ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብዝርዝር ዘይነግረና እኳ እንተ ዀነ፡ ንጳውሎስ ወኪሉ ኣብ ዓዱ ነቲ ሓቂ ዘርጊሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 1:7) ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ምስክርነት ኣብ ዝሃበለን ዓመታት፡ እቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ኣብ ከም ፊላደልፍያን ሳርዴስን ትያቲራን ዝኣመሰላ ኸተማታት በጺሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

9. (ሀ) ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ልባዊ ባህጊ እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ጥቕሲ ዓመት 2009 እንታይ እያ እትብል፧

9 በዚ መሰረት እዚ፡ ሽማግለታት ኤፌሶን ነቲ፡ “ጕያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ [“ብእተማልአ መገዲ፡” NW] እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” ዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳብ ኪቕበልዎ እኹል ምኽንያት ነበሮም። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ነታ ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ መስክሩ’ እትብል እተተባብዕ ጥቕሲ ዓመት 2009 ዝሓዘት እያ።—ግብ. 20:24 NW

ሎሚ ብእተማልአ መገዲ ምምስካር

10. ብእተማልአ መገዲ ኽንምስክር ከም ዘሎና ብኸመይ ንፈልጥ፧

10 እቲ “ንህዝቢ ኽንሰብኽን ብእተማልአ መገዲ ኽንምስክርን” እተዋህበ ትእዛዝ ካብ ሃዋርያት ሓሊፉ፡ ንኻልኦት እውን የጠቓልል እዩ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ገሊላ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣስታት 500 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” እቲ የሱስ፡ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት፡ ሎሚ እውን ኣብ ኵሎም ክርስትያናት ዚውዕል እዩ።—ማቴ. 28:19, 20

11. ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ብምዕያይ እዮም ዚፍለጡ፧

11 ቀናኣት ክርስትያናት ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ንኺምስክሩ’ እተዋህቦም ትእዛዝ ኪፍጽሙ ይጽዕሩ እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ዚኽእሉሉ ቐንዲ መገዲ፡ ከምቲ ጳውሎስ ንሽማግለታት ኤፌሶን ዝሓበሮም፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ እዩ። ኣብታ ብ2007 ዝወጸት ብዛዕባ ውጽኢታዊ ዕዮ ሚስዮናውነት እትገልጽ መጽሓፍ፡ ዴቪድ ጂ. ስቲዋርት ጁንየር ከምዚ በለ፦ “እቲ ኣብ ግብራዊ ነገራት ዘተኰረ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብቲ ጭቡጥ ኣብ ዘይኰነ ኽልሰ-ሓሳብ [ኣብ መስበኽያ ዄንካ ምትብባዕ] እተመርኰሰ ተሳትፎ ኣባላት ሚስዮናውያን ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምነቶም ንኻልኦት ምክፋል ባህ እዩ ዜብሎም።” ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ “ብ1999 ኣብተን መጽናዕቲ ዝገበርኩለን ክልተ ርእሰ-ኸተማታት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ካብ 2 ክሳዕ 4 ሚእታዊት እቲ ህዝቢ ጥራይ እዮም ብሚስዮናውያን ሌተር-ደይ ሰይንትስ ወይ ‘ሞርሞን’ ምብጻሕ እተገብረሎም። መብዛሕትኡ እዋን፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ግዜ ብብሕቲ ምብጻሕ ተገይሩሎም እዩ።”

12. (ሀ) ናብ ክልና “ብዙሕ ግዜ” እንኸይድ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ነቲ መልእኽትና ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ናይ እተቐየረ ሰብ ተመክሮ ኸተዘንቱ ትኽእልዶ፧

12 ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት እውን ከምዚ ኺበሃል ይኽእል ይኸውን። ኣብዚ ዕዮ እዚ፡ ናትካ እጃም እውን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እተገልግለሉ እዋን ንሰባት “ብብሕቲ ምብጻሕ” ክትገብረሎም ከለኻ፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንመንእሰያትን ኣብ ቤቶም ኣዘራሪብካዮም ኢኻ። ገሊኦም ዋላ እኳ “ብዙሕ ግዜ” እንተ ተነግሮም፡ ኣይሰምዑን ይዀኑ። ገሊኦም ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ኸተንብበሎም ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ኣሕጽር ኣቢልካ ኽትነግሮም ከለኻ፡ ይሰምዑኻ ይዀኑ። ካልኦት ግን ጽቡቕ ምስክርነት ምስ ሃብካዮም ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎምዎ እዮም። እዚ ዅሉ፡ ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ኽንምስክር ከለና’ ኼጋጥመና ዚኽእል ነገራት እዩ። ከም እትፈልጦ፡ “ብዙሕ ግዜ” ምብጻሕ ተገይሩሎም ተገዳስነት ዘየርኣዩ፡ ደሓር ግን ተለዊጦም ተገዳስነት ዘርኣዩ ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉ። ምናልባት ንዕኦም ወይ ንዜፍቅርዎ ሰብ ዘጋጠመ ዅነታት፡ ሓቂ ንኪቕበሉ ኣእምሮኦምን ልቦምን ከፊቱ ይኸውን። ሎሚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰይኖም ኣለዉ። ስለዚ፡ ሕጂ ነቲ መልእኽትኻ ዚቕበሉ ሰባት ዋላ እኳ እንተ ዘይረኸብካ፡ ተስፋ ኽትቈርጽ የብልካን። ኵሉ ሰብ ናብ ሓቂ ኺመጽእ ኣይንጽበን ኢና። እንተዀነ ግን፡ ኣምላኽ ብትግሃትን ብቕንኣትን ብእተማልአ መገድን ክንምስክር ትጽቢት ይገብረልና እዩ።

ዘይንፈልጦ ፍረ

13. እቲ እንህቦ ምስክርነት ዘይንፈልጦ ፍረ ኺህልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ኣገልግሎት ጳውሎስ ዝነበሮ ፍረ፡ ኣብቶም ብቐጥታ ክርስትያናት ንኪዀኑ ዝሓገዞም ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ኣገልግሎትና እውን ከምኡ እዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ኣዘውቲርና ብምክፋል፡ ብእተኻእለና መጠን ንዅሉ ሰብ ክንምስክር ንጽዕር ኢና። ንጐረባብትና፡ ንመሳርሕትና፡ ንመማህርትና፡ ከምኡውን ንኣዝማድና ብዛዕባ እቲ ብስራት ንነግሮም ኢና። ንዅሉ እቲ ብስብከትና ዚርከብ ፍረ ንፈልጦዶ፧ ኣብ ገሊኡ እዋናት ብቐጥታ ጽቡቕ ፍረ ንረክብ ንኸውን። ኣብ ካልእ እዋናት ከኣ፡ እቲ ዘርኢ ሓቂ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ልቢ ገሊኦም ሰባት ተቐቢሩ ይጸንሕ እሞ፡ ደሓር ግን ሱር ሰዲዱ ይበቍል ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዋላ እኳ እንተ ዘየጋጠመ፡ እቶም ዝመስከርናሎም ሰባት ግን እንታይ ከም ዝበልናዮም፡ እንታይ ከም እንኣምን፡ ብኸመይ ከም እንመላለስ ንኻልኦት ይነግሩ ይዀኑ። እወ፡ ከይተረድኦም ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ዚቕበል ሓመድ ከም ዚወድቕ ይገብሩ ይዀኑ።

14, 15. ብሓደ ሓው እተዋህበ ምስክርነት እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧

14 ከም ኣብነት ንተመክሮ እቶም ኣብ ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብሩ ራያንን ብዓልቲ ቤቱ ማንዲን እስከ ንርአ። ራያን ኣብ ስራሑ ንሓደ መሳርሕቱ ብዘይወግዓዊ መገዲ መስከረሉ። እቲ ሂንዱ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ብኣከዳድናን ብኣዘራርባን ራያን ተተንከፈ። ኣብቲ ዝገበርዎ ምይይጥ፡ ራያን ብዛዕባ ትንሳኤን ኵነታት ምዉታትን ኣዘራረቦ። ኣብ ሓደ ጥሪ ምሸት እቲ ሰብኣይ ንብዓልቲ ቤቱ ጆዲ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትፈልጦ ነገር እንተ ኣልዩ ሓተታ። ሰበይቱ ካቶሊክ እያ ነይራ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ “ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ ስብከት” ጥራይ ከም እትፈልጦም ድማ ነገረቶ። ስለዚ፡ ጆዲ ኣብ ኢንተርነት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኢላ ብምጽሓፍ ክትደሊ ኸላ፡ www.watchtower.org ዚብል ወብ ሳይት ረኸበት። ንኣዋርሕ ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስን ተገዳስነት ዜለዓዕል ዓንቀጻትን ካብቲ ወብ ሳይት ተንብብ ነበረት።

15 ጆዲን ማንዲን ኣለይቲ ሕሙማት ስለ ዝነበራ፡ ድሕሪ ግዜ ጆዲ ንማንዲ ረኸበታ። ማንዲ ንሕቶታት ጆዲ ኽትምልስ ሕጉስቲ ነበረት። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ነቲ ጆዲ “ኻብ ኣዳም ክሳዕ ኣርማጌዶን” ኢላ ዝጸውዓቶ ምይይጥ ገበራ። ጆዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ንኽትገብር ዝቐረበላ ዕድመ ተቐበለቶ። ብዙሕ ከይጸንሐት ከኣ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከይድ ጀመረት። ኣብ ጥቅምቲ፡ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኰነት፡ ኣብ ለካቲት ድማ ተጠምቀት። “ሕጂ ሓቂ ፈሊጠ እየ፡ ኣብ ህይወተይ ድማ ሓጐስን ዕግበትን ረኺበ ኣለኹ” በለት።

16. ተመክሮ እቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዚነብር ሓው፡ ብዛዕባ እቲ ብእተማልአ መገዲ ንኽንምስክር እንገብሮ ጻዕሪ እንታይ የዘኻኽረና፧

16 ራያን እቲ ንሓደ ሰብኣይ ዝሃቦ ምስክርነት ካልእ ሰብ ናብ ሓቂ ኸም ዜምጽእ ኣይፈለጠን። ብርግጽ፡ ካብቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ‘ብእተማልአ መገዲ ንምምስካር’ ቈራጽነት ምግባር ዘለዎ ፍረ ፈሊጡ እዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምምስካር፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ፡ ወይ ንስኻ ብዘይትፈልጦ መገዲ ምምስካር ሓቂ ንኻልኦት ሰባት ከነብጽሓሉ እንኽእል መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ጳውሎስ እቲ ኣብ “እስያ” ዝሃቦ ምስክርነት ዘፍረዮ ፍረ ዅሉ ዘይፈለጦ፡ ንስኻ እውን ብእተማልአ መገዲ ምምስካርካ ዜፍርዮ ጽቡቕ ፍረ እትፈልጠሉ መገዲ ኣይህሉን ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 23:11፣ 28:23 ኣንብብ።) ከምዚ ምግባር ምቕጻልካ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!

17. ኣብ 2009 እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣለኻ፧

17 ሃየ እምበኣር፡ ኣብ 2009 ኵላትና ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኰነ፡ ብኻልእ መገዲ ንኽንምስክር እተዋህበና ትእዛዝ ኣርዚንና ንሕሰበሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ከምቲ ጳውሎስ፡ “ጕያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ [“ብእተማልአ መገዲ፡” NW] እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” ኢሉ ዝገለጾ ዓይነት ስምዒት ኪስምዓና እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦትን ብእተማልአ መገዲ ዝመስከሩ ብኸመይ እዮም፧

• ምስክርነትና ኻብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ፍረ ኺህልዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

• ጥቕሲ ዓመት 2009 እንታይ እያ እትብል፧ ግብእቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ጥቕሲ ዓመት 2009፦ ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ መስክሩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 20:24 NW

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ኤፌሶን፡ ጳውሎስ ካብ ቤት ናብ ቤት ብእተማልአ መገዲ ኸም ዝመስከረ ይፈልጡ ነይሮም እዮም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብእተማልአ መገዲ ምምስካርካ ኽሳዕ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ፧