ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚገልጽ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምልከት ክንዛረበሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ጸፎ. 3:9 NW)

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ቋንቋ እንገብሮ፡ ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምልከት ንምዝራብ እውን ተጠንቂቕና ኽንሰምዕ፡ ነቶም ነቲ ቛንቋ ዝመለኽዎ ኽንመስሎም፡ ንገሊኡ ስማት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጥቕስታትን ከነጽንዖ፡ ነቲ እተመሃርናዮ ኽንደግሞ፡ ዓው ኢልና ኸነንብብ፡ ነቲ ሰዋስው ወይ ኣገባብ ሓቂ ኽንምርምሮ፡ እናኣመሓየሽና ኽንከይድ፡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ፡ ከምኡውን ኣዘውቲርና ኽንዛረበሉ ኣሎና።—15/8 ገጽ 21-25

• ንኣምላኽ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

“ስሙ የሆዋ እዩ፡” በዚ ስም እዚ ኽንፈልጦ ድማ እዩ ዚደልየና። (ዘጸ. 15:3 NW) “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” እዩ። (2 ቈረ. 13:11) “ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ” ከምኡውን ‘ኣምላኽ ምድሓን’ እዩ። (1 ሳሙ. 2:3፣ መዝ. 25:5) ናብቶም በዚ ኸምዚ ዚፈልጥዎ ኸኣ ይቐርብ እዩ።—1/9 ገጽ 4-7

• “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ዚብል ሓሳብ ኣብ ሓዳር ኪውዕል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እቲ “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ዚብል መግለጺ ምሳልያዊ እዩ። (መክ. 4:12) ነዚ ኣብ ሓዳር ከነውዕሎ ኸለና፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምስቲ ሳልሳዮም ዝዀነ ኣምላኽ ብሓባር ከም እተፋሕሱ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ኣምላኽ ሓድነት ምምስራቶም ጸገማት ንኺሰግሩ መንፈሳዊ ብርታዐ ይህቦም፡ ዓብዪ ሓጐስ ንኺረኽቡ ድማ የኽእሎም።—15/9 ገጽ 16

• እቲ ኣብ እብራውያን 6:2 ተጠቒሱ ዘሎ “ምንባር ኣእዳው” ንምንታይ የመልክት፧

ንክርስትያን ሽማግለታት ብዛዕባ ምሻም ዘይኰነስ፡ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ንምምሕልላፍ ብዛዕባ ዚግበር ምንባር ኣእዳው እዩ ዜመልክት ኪኸውን ዚኽእል። (ግብ. 8:14-17፣ 19:6)—15/9 ገጽ 32

• ሓደ ንፉዕ ኣቦ፡ ውሉዳቱ እንታይ ኸም ዜድልዮም እዩ ዚግንዘብ፧

ገለ ኻብቲ ዜድልዮም ነገራት፡ (1) ፍቕሪ፡ (2) ጽቡቕ ኣብነት፡ (3) ዜሐጕስ ሃዋህው፡ (4) ትምህርቲ መንፈሳዊ ነገራት፡ (5) ተግሳጽ፡ (6) ዕቝባ እዩ።—1/10 ገጽ 18-21

• እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ንኻልኦት ኣኽብሮት ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሓደ ሽማግለ ንኻልኦት ኣኽብሮት ኬርእየሉ ዚኽእል ሓደ መገዲ፡ ነቲ ንሱ ኺገብሮ ዘይደሊ ነገራት ኪገብሩ ብዘይምሕታት እዩ። ሓደ ነገር ኪገብሩ ኺሓቶም ከሎ ወይ መምርሒ ኺህቦም ከሎ፡ ምኽንያት ብምግላጽ እውን ኣኽብሮት የርእዮም እዩ።—15/10 ገጽ 22

• ኣብ ቃል ኪዳን ንምጽናዕ ዚሕግዝ ገለ ኣገዳሲ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

ክልተ ኣገዳሲ ረቛሒታት ኣሎ፦ (1) ንሓዳር ቀዳምነት ምሃብ። (2) ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጥልመት ምርሓቕ። ሓዳርካ ድልዱል ይኹን ወይ ውጥረት ዝሰፈኖ ብዘየገድስ፡ ንሓዳርኩም ዕዉት ንምግባር ቈሪጽካ እተለዓልካ እንተ ዄንካ፡ መጻምድትኻ ኺፈልጥ ይደሊ እዩ፣ እዘን ክልተ ረቛሒታት ከምኡ ንምግባር ኪሕግዛኻ እየን።—1/11 ገጽ 18-21

• ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኻብቲ ሓደ እስራኤላዊ ጓሳ ንዓንቃሪቦ በትሩ ዚጥቀመላ መገዲ እንታይ ኪመሃር ይኽእል፧

ሓደ ጓሳ ንመጓሰኡ ንምምራሕ ዓንቃሪቦ በትሪ ይጥቀም ነበረ። እተን ኣባጊዕ ናብ ደምበአን ኪኣትዋ ወይ ካብ ደምበአን ኪወጻ ኸለዋ፡ ‘ብትሕቲ በትሪ ይሓልፋ’ ነበራ፡ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ጓሳ ይቘጽረን ነበረ። (ዘሌ. 27:32) ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን ጓሳ ነተን ምስኡ ዘለዋ ኣባጊዕ ኪፈልጠንን ኪከታተለንን ኣለዎ።—15/11 ገጽ 9

• ሓንቲ ኣደ ንጽሬት ከም ኣገዳሲ ገይራ ኸም እትርእዮ ብኸመይ ተርኢ፧

ምግቢ ብእተፈላለየ መገድታት ኪብከል ስለ ዚኽእል፡ ምግቢ ቕድሚ ምትንካፋ ኣእዳዋ ትሕጸብ፡ ነቲ ምግቢ ድማ ትኸድኖ። ካብቲ ብሰንኪ ኣናጹን ሓሸራታትን ዚመጽእ ጸገማት ንምርሓቕ፡ ንቤታ ብጽሬት ትሕዝ። ንኽዳውንቲ ስድራ ቤታ ብጽሬት ትሕዝ፡ ስድራ ቤታ ኣዘውቲሮም ከም ዚሕጸቡ ድማ ትገብር። እዚ ስጕምትታት እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ እዩ።—1/12 ገጽ 9-11