ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ተገንዘቦ

ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ተገንዘቦ

ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ተገንዘቦ

“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” —ዮሃ. 14:6

1, 2. ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ምምርማርና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ብዙሓት ሰባት ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ እተፈልዩ ኪዀኑ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኪዕወቱ ዝኸኣሉ ግን ሒደት እዮም። ብገለ ኣገደስቲ መዳያት ናይ ብሓቂ ፍሉያት ኢና ኺብሉ ዚኽእሉ ድማ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግን ብብዙሕ መገድታት ፍሉይ እዩ።

2 እቲ የሱስ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኼገድሰና ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ስለ ዚትንክፎ እዩ! የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃ. 14:6፣ 17:3) ፍሉይ ዝዀነሉ ገለ መገድታት እስከ ንመርምር። ከምዚ ምግባርና፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ዘሎና ምርዳእ ከም ዚዓቢ ይገብር።

“ሓደ ወዲ”

3, 4. (ሀ) የሱስ ከም ሓደ ወዲ መጠን ዘለዎ ግደ ፍሉይ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ የሱስ ኣብ ፍጥረት ዝነበሮ ግደ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 የሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ጥራይ ኣይኰነን። እዘን ቃላት እዚኣተን ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ ዝጠቐሰን እየን። (ማቴ. 4:3, 6) የሱስ፡ “ሓደ ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ብትኽክል ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃ. 3:16, 18) እታ “ሓደ ወዲ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “በይኑ ዝዓይነቱ፡ እንኮ፡” “እንኮ ኣባል እቲ ዓሌት ወይ ዓይነት” ወይ “ፍሉይ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። የሆዋ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ደቂ ኣለውዎ። እሞ ደኣ የሱስ፡ እቲ እንኮ ኣባል ሓደ “ዓሌት ወይ ዓይነት” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ፡ ኣቦኡ ንዕኡ ጥራይ ብቐጥታ ስለ ዝፈጠሮ ፍሉይ እዩ። በዅሪ ወዲ ድማ እዩ። አረ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እውን እዩ። (ቈሎ. 1:15) “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” እዩ። (ራእ. 3:14) እዚ ሓደ ወዲ ኣብ ፍጥረት ዘለዎ ግደ እውን ፍሉይ እዩ። ፈጣሪ ወይ ምንጪ ፍጥረት ኣይነበረን። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ንዅሉ ኻልእ ነገራት ንምፍጣር ከም ወኪል ገይሩ ተጠቕመሉ። (ዮሃንስ 1:3 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኵሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።”—1 ቈረ. 8:6

5. ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ የሱስ ፍሉይ ዝዀነሉ ገለ መገድታት ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

5 ይኹን እምበር፡ የሱስ ብኻልእ ብዙሕ መገድታት ፍሉይ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ዜጕልሕ መዓርጋት ወይ ስማት ይህቦ እዩ። ካብተን ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ኣብ የሱስ ዝወዓላ መዓርጋት ነተን ሓሙሽተ እስከ ንመርምረን። a

“ቃል”

6. የሱስ፡ “ቃል” ተባሂሉ ምጽዋዑ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ዮሃንስ 1:14 ኣንብብ። የሱስ፡ “ቃል” ወይ ሎጎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ መዓርግ እዚ፡ ካልኦት መስተውዓልቲ ፍጡራት ናብ ህልውና ኻብ ዚመጹ ኣትሒዙ ዝፈጸሞ ዕማም ዜመልክት እዩ። የሆዋ ንኻልኦት መንፈሳውያን ደቂ ሓበሬታን መምርሕን ንኺህብ ከምኡውን ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ደቂ ሰብ መልእኽቲ ንኼመሓላልፍ ንወዱ ተጠቕመሉ። ቃል ወይ ኣፈኛ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣብቲ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያን ሰማዕቱ እተዛረቦ ሓሳብ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።” (ዮሃ. 7:16, 17) የሱስ ናብ ሰማያዊ ኽብሩ ምስ ተመልሰ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ “ቓል ኣምላኽ” ዚብል መዓርግ ሒዙ ቐጺሉ እዩ።—ራእ. 19:11, 13, 16

7. ነቲ የሱስ ከም “ቃል” መጠን ዘርኣዮ ትሕትና ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 እዚ መዓርግ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሱስ ካብ ኵሎም ፍጥረታት የሆዋ ንላዕሊ ዝበለጸ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ናይ ርእሱ ጥበብ ግን ኣይውከልን። ከምቲ ኣቦኡ ዝመሃሮ እዩ ዚዛረብ። ወትሩ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብኡ፡ ናብ የሆዋ ኸም ዜቕልቡ እዩ ዚገብር። (ዮሃ. 12:50) እዝስ ከመይ ዝበለ ኽንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ኰን እዩ! ንሕና እውን ‘ሰናይ ከነበስር’ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተዋሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 10:15) ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ኣብነት ትሕትና ምግንዛብና፡ ካብ ርእስና ንኸይንዛረብ ኪድርኸና ኣለዎ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንሰባት ከነብጽሕ ከለና፡ “ክንየው እቲ ጽሑፍ” ክንከይድ ኣይንደልን ኢና።—1 ቈረ. 4:6

“ኣሜን”

8, 9. (ሀ) እታ “ኣሜን” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧ የሱስከ “ኣሜን” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ኸም “ኣሜን” መጠን ዘለዎ ግደ ብኸመይ ፈጸሞ፧

8 ራእይ 3:14 ኣንብብ። የሱስ “ኣሜን” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ እታ ኻብ እብራይስጢ እተወስደት “ኣሜን” እትብል ቃል፡ “ይኹን” ወይ “ብርግጽ” ማለት እያ። እታ ናይ እብራይስጢ ሱር ቃል “እሙን ምዃን” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ብዛዕባ ተኣማንነት የሆዋ ንምግላጽ እውን ኣገልጊላ ኣላ። (ዘዳ. 7:9፣ ኢሳ. 49:7) የሱስ፡ “ኣሜን” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከሎ ፍሉይ ዚኸውን ደኣ እሞ በየናይ መገዲ እዩ፧ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:19, 20 ብኸመይ ምላሽ ከም እተዋህበሉ ነስተብህል፦ “እቲ . . . ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን። ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ።”

9 የሱስ ንዅሉ መብጽዓታት ኣምላኽ “ኣሜን” እዩ። እቲ ኣበር ዘይብሉ ምድራዊ ህይወቱን መስዋእታዊ ሞቱን፡ የሆዋ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኵሉ ኸም ዚፍጸም ገበረ። እሙን ብምዃኑ ድማ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ስእነትን መከራን ፈተናን ምስ ዜጋጥሞም ንኣምላኽ ከም ዚኽሕድዎ ዚገልጽ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ፡ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋገጸ። (እዮ. 1:6-12፣ 2:2-7) እቲ በዅሪ ወዲ፡ ካብ ኵሎም ፍጥረታት ኣምላኽ ብዝያዳ ነዚ ኽሲ እዚ ዘየማትእ መልሲ ኺህበሉ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ኣገዳሲ ጕዳይ፡ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ብምቛም ካብ ኵሉ ዝበለጸ መርትዖ ኣቕረበ።

10. ነቲ የሱስ ከም “ኣሜን” መጠን ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ነቲ የሱስ ከም “ኣሜን” መጠን ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንየሆዋ እሙናት ብምዃንን ንልዑላውነቱ ብምድጋፍን እዩ። ከምዚ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዚብል ለበዋ ጽቡቕ ምላሽ ንህበሉ።

“ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን”

11, 12. እቲ የሱስ ከም ማእከላይ መጠን ዘለዎ ግደ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:5, 6 ኣንብብ። “ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይ፡” የሱስ ጥራይ እዩ። ንሱ፡ “ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን” ድማ እዩ። (እብ. 9:15፣ 12:24) ይኹን እምበር፡ ሙሴ እውን ማእከላይ፡ ማለት ማእከላይ ሕጊ ኺዳን ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። (ገላ. 3:19) እቲ የሱስ ከም ማእከላይ መጠን ዘለዎ ግደ ፍሉይ ዝዀነ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧

12 እታ “ማእከላይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ሕጋዊት ስያመ እያ። የሱስ፡ ከም ሕጋዊ ማእከላይ (ወይ ጠበቓ) ሓድሽ ኪዳን መጠን፡ እቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝዀነ ሓድሽ ህዝቢ ንኺውለድ መገዲ ኸም ዝኸፈተ የመልክት። (ገላ. 6:16) እዚ ህዝቢ እዚ፡ በቶም ሰማያዊ “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ዘለዎም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመ እዩ። (1 ጴጥ. 2:9፣ ዘጸ. 19:6) እቲ ሙሴ ኸም ማእከላይ ኰይኑ ዝዓየሉ ዝነበረ ሕጊ ኺዳን፡ ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ኬቕውም ግን ኣይከኣለን።

13. እቲ የሱስ ከም ማእከላይ መጠን ዘለዎ ግደ እንታይ የጠቓልል፧

13 እቲ የሱስ ከም ማእከላይ መጠን ዘለዎ ግደ እንታይ የጠቓልል፧ የሆዋ ነቲ ደም የሱስ ዘለዎ ዋጋ ንጥቕሚ እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ ኣውዒልዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብሕጋዊ መገዲ ጸዲቖም እዮም። (ሮሜ 3:24፣ እብ. 9:15) ድሕሪኡ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ካህናትን ነገስታትን ናይ ምዃን ተስፋ ሒዞም፡ ናብቲ ሓድሽ ኪዳን ንምእታው ከም ዚበቕዑ ገይሩ ኺርእዮም ይኽእል እዩ! የሱስ ድማ ከም ማእከላዮም መጠን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኪዀኑ ይሕግዞም።—እብ. 2:16

14. ኵሎም ክርስትያናት ተስፋኦም ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ የሱስ ከም ማእከላይ መጠን ዘለዎ ግደ ብሓቂ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

14 ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዘይኰኑን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እምበር ሰማያዊ ተስፋ ዘይብሎምንከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ተኻፈልቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ካብኡ ግን ተጠቀምቲ እዮም። ሓጢኣቶም ይሕደገሎም፡ ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ከኣ ጻድቃን ተባሂሎም ይጽውዑ። (ያእ. 2:23፣ 1 ዮሃ. 2:1, 2) ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ወይ ምድራዊ ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ የሱስ ከም ማእከላይ መጠን ዘለዎ ግደ ኣኽቢርና ንኽንርእዮ እኹል ምኽንያት ኣሎና።

“ሊቀ ኻህናት”

15. የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዘለዎ ግደ ኻብቶም ከም ሊቃውንቲ ኻህናት ኰይኖም ዘገልገሉ ኻልኦት ሰባት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዙሓት ሰባት ከም ሊቃውንቲ ኻህናት ኰይኖም የገልግሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዘለዎ ግደ ግን ብሓቂ ፍሉይ እዩ። ብኸመይ፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፧ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም።”—እብ. 7:27, 28 b

16. መስዋእቲ የሱስ ናይ ብሓቂ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ከምቲ ኣዳም ቅድሚ ምሕጣኡ ፍጹም ሰብ ዝነበረ፡ የሱስ እውን ልክዕ ከምኡ እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 15:45) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ፍጹምን ምሉእን፡ ማለት ኪድገም ዘየድልዮ ዓይነት መስዋእቲ ኬቕርብ ዚኽእል ሰብ ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ መስዋእቲ መዓልታዊ ይቐርብ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ኵሉ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታትን ኣገልግሎት ክህነትን፡ ጽላሎት እቲ የሱስ ዚፍጽሞ ነገራት ጥራይ እዩ ነይሩ። (እብ. 8:5፣ 10:1) እምበኣር፡ እቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ውጽኢታውን ነባርን ስለ ዝዀነ፡ ፍሉይ እዩ።

17. ነቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዘለዎ ግደ ኽንግንዘቦ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

17 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ መትከል ምእንቲ ኺህልወና፡ ኣገልግሎት እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ የድልየና። ኣየ ኸመይ ዝበለ ሊቀ ኻህናት ኰን እዩ ዘሎና! ጳውሎስ፡ “ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:15) ነዚ ሓቂ እዚ ምግንዛብና እምበኣር፡ ‘ድሕሪ ሕጂ ነቲ ምእንታና ዝሞተ እምበር፡ ንርእስና ኸይንነብር’ ኬለዓዕለና ኣለዎ።—2 ቈረ. 5:14, 15፣ ሉቃ. 9:23

እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ዘርኢ”

18. ኣዳም ድሕሪ ምሕጣኡ እተነግረ ትንቢት እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚኸ ጸኒሑ እንታይ ተገልጸ፧

18 ደቂ ሰብ ኣብ ኤድን ዝነበሮም ኵሉ፡ ማለት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ንጽህናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ሓጐስን ገነትን ምስ ኣጥፍኡ፡ የሆዋ ኣምላኽ መድሓኒ ኸም ዚመጽእ ተነበየ። እዚ ኸኣ እቲ “ዘርኢ” ተባሂሉ እተጸውዐ እዩ። (ዘፍ. 3:15) እዚ ምስጢራዊ ዘርኢ እዚ፡ ፍረ ነገር እቲ ንዘመናት እተነግረ እተፈላለየ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ጸንሐ። ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪኸውን ነበሮ። ካብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት ኪመጽእ እውን ነበሮ።—ዘፍ. 21:12፣ 22:16-18፣ 28:14፣ 2 ሳሙ. 7:12-16

19, 20. (ሀ) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ መን እዩ፧ (ለ) እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዘርኢ ብጀካ ንየሱስ ንኻልኦት እውን ዜጠቓልል እዩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

19 እዚ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ መን እዩ ነይሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ገላትያ 3:16 ኽንረኽባ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ “ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም” በሎም። (ገላ. 3:29) ክርስቶስ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኽነሱ፡ ካልኦት እውን ኣብኡ እቱዋት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

20 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ዘርኢ ኣብርሃም ከም ዚዀኑ ይዛረቡ፡ ገሊኦም እውን ‘ነብያት ኢና’ ይብሉ እዮም። ገሊአን ሃይማኖታት ነቲ እቶም ነብያተን ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ምዃኖም ዚዛረብዎ ዘረባ፡ ከም ኣገዳሲ ነገር ገይረን እየን ዚርእያኦ። እዚኣቶም ኵሎም ግን ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዜመልክቱ ድዮም፧ ኣይኰኑን። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝሓበሮ፡ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም ኣይኰኑን እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኪዀኑ ዚኽእሉ። ውሉዳት እቶም ካልኦት ደቂ ኣብርሃም ንደቂ ሰብ ንምብራኽ ኣይጠቐሙን። እቲ ዚባርኽ ዘርኢ ብይስሃቅ ኣቢሉ ጥራይ ኪመጽእ ነበሮ። (እብ. 11:18) እቲ ኻብ መስመር ወለዶ ኣብርሃም ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ከኣ እዩ ቐንዲ ኽፋል እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዘርኢ ዝዀነ። c ኵሎም እቶም ጸኒሖም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ዘበሉ፡ ከምኡ ኪዀኑ ዝኸኣሉ፡ ‘ናይ ክርስቶስ ብምዃኖም’ እዩ። እወ፡ እቲ የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ ኣብ ምፍጻም ዘለዎ ግደ ናይ ብሓቂ ፍሉይ እዩ።

21. ካብቲ የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ንዘለዎ ፍሉይ ግደ ዝፈጸመሉ መገዲ ዝተንከፈካ ኣየናይ እዩ፧

21 ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኣሕጽር ኣቢልና ብምርኣይና፡ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ካብ ዚፍጠር ኣትሒዙ ናይ ብሓቂ ፍሉይን በይኑ ዝዓይነቱን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ወትሩ ንርእሱ ፈጺሙ ኽብሪ ኸይደለየ ምስ ፍቓድ ኣቦኡ ተሰማሚዑ ብትሕትና የገልግል ነበረ። (ዮሃ. 5:41፣ 8:50) እዝስ ንዓና ኸመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ኣብነት ኰን እዩ! ልክዕ ከም የሱስ ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ’ ሸቶና ይኹን።—1 ቈረ. 10:31

[እግረ-ጽሑፋት]

a ገሊኡ ኻብዚ መዓርጋት እዚ ናይ ግሪኽ ውሱን ኣመልካቲ ኣለዎ፣ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ ኸኣ እዚ መዓርጋት እዚ “ንበይኑ” ምዃኑ ዜመልክት እዩ።

b ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ፡ እታ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ቓል፡ ‘ሞት ክርስቶስ ወሳኒ፡ ፍሉይ፡ ወይ ንበይኑ ምዃኑ ዜመልክት’ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ትገልጽ።

c ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ቃል ብቓሉ ውሉዳት ወይ ዘርኢ ኣብርሃምን ሞገስ ዘለዎም ህዝብን ከም ዚዀኑ ይሓስቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከም መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰይኑ ዚመጽእ ሰብ ግን ይጽበዩ ነበሩ።—ዮሃ. 1:25፣ 7:41, 42፣ 8:39-41

ትዝክሮዶ፧

• ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘለዎ ፍሉይ ግደ፡ ካብቲ እተዋህቦ መዓርጋትን ስማትን እንታይ ተማሂርካ፧ (ሳጹን ርአ።)

• ኣብነት እቲ ፍሉይ ዝዀነ ወዲ የሆዋ ብኸመይ ክትስዕብ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ዜንጸባርቕ ሒደት መዓርጋት

ሓደ ወዲ። (ዮሃ. 1:3) ብቐጥታ ብኣቦኡ እተፈጥረ የሱስ ጥራይ እዩ።

ቃል። (ዮሃ. 1:14) የሆዋ ነቶም ካልኦት ፍጡራት ሓበሬታን መምርሕን ንኺህብ ንወዱ ኸም ኣፈኛ ገይሩ ተጠቐመሉ።

ኣሜን። (ራእ. 3:14) እቲ ኣበር ዘይብሉ ምድራዊ ህይወት የሱስን መስዋእታዊ ሞቱን፡ የሆዋ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኵሉ ኸም ዚፍጸም ገበረ።

ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን። (1 ጢሞ. 2:5, 6) የሱስ፡ ከም ሕጋዊ ማእከላይ መጠን፡ በቶም ሰማያዊ “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ዘለዎም ክርስትያናት ዝቘመ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝዀነ ሓድሽ ህዝቢ ንኺውለድ መገዲ ኸፈተ።—ገላ. 6:16፣ 1 ጴጥ. 2:9

ሊቀ ኻህናት። (እብ. 7:27, 28) ፍጹምን ኪድገም ዘየድልዮን መስዋእቲ ኬቕርብ ዚኽእል፡ የሱስ ጥራይ እዩ። ካብ ሓጢኣትን ሞት ካብ ዜምጽእ ሳዕቤናቱን ኬንጽሃናን ሓራ ኺገብረናን ይኽእል እዩ።

እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ። (ዘፍ. 3:15) ቀንዲ ኽፋል እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዘርኢ፡ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ኵሎም እቶም ጸኒሖም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኪዀኑ ዝኸኣሉ፡ ‘ናይ ክርስቶስ ብምዃኖም’ እዩ።—ገላ. 3:29