ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽህናኻ ኽትሕሉ ዲኻ፧

ንጽህናኻ ኽትሕሉ ዲኻ፧

ንጽህናኻ ኽትሕሉ ዲኻ፧

“ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት [“ንጹሕ፡” ትርጕም 1990] ምዃነይ ኣየግልስን።” —እዮ. 27:5

1, 2. ምስ ፕሮጀክት ህንጸት ኣብ ዚመሳሰል እንታይ ዕዮ ኢና ኽንጽመድ ዜድልየና፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

 ንድፊ ሓንቲ ቤት ትርኢ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ንድፊ ኽሳዕ ክንደይ ብሉጽ ምዃኑ የገርመካ። እታ ቤት ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ክትጠቕመሉ እትኽእል መገድታት እናሓሰብካ እውን ትሕጐስ። እንተዀነ ግን፡ እታ ቤት ብሓቂ እንተ ዘይተሃኒጻን ናብኣ እንተ ዘይኣቲኹምን ብግቡእ ትከናኸንዋ እንተ ዘይኴንኩምን፡ እቲ ንድፊ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይረብሕሲ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧

2 ብተመሳሳሊ፡ ንጽህና ኸም ሓንቲ ንዓናን ንእነፍቅሮም ሰባትን ብዙሕ እትጠቅም ባህርይ መጠን ትምስጠና ትኸውን። ንጽህና እንተ ዘይብልናን ንጽህናና ዘይንሕሉ እንተ ዄንናን፡ ብዛዕባ ንጽህና ጸጽቡቑ ምሕሳብ ብዙሕ ኣይረብሓናን እዩ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ቃል ብቓሉ ዚግበር ፕሮጀክትታት ህንጸት መብዛሕትኡ ግዜ ኽቡር እዩ። (ሉቃ. 14:28, 29) ብተመሳሳሊ፡ ንጹህ ምዃን ግዜን ጻዕርን ይሓትት፣ ኰይኑ ግን፡ እዚ ዚኽሕስ እዩ። ሕጂ እምበር ብዛዕባ ሰለስተ ሕቶታት ንመያየጥ፦ ብኸመይ ኢና ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧ ብኸመይ ኢና ንክርስትያናዊ ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል፧ ሓደ ሰብ ንእተወሰነ ግዜ ንጽህናኡ እንተ ዘይሓልዩ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

ብኸመይ ኢና ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧

3, 4. (ሀ) የሆዋ ንጹሃት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ንጽህና ብኸመይ ኪህልወና ይኽእል፧

3 ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ፡ የሆዋ፡ ንጹሃት ክንከውን ወይ ከይንኸውን ናይ ምውሳን መሰል ብምሃብ ከም ዘኽበረና ርኢና ኢና። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ንበይንና ኣይሓደገናን። ነዛ ኽብርቲ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከም እነጥርያ ይምህረና፡ ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ዚሕግዘና መንፈስ ቅዱሱ ድማ ብልግሲ ይህበና እዩ። (ሉቃ. 11:13) ነቶም ብንጽህና ኺመላለሱ ዚጽዕሩ እውን መንፈሳዊ ዕቝባ ይህቦም እዩ።—ምሳ. 2:7

4 የሆዋ ሓለውቲ ንጽህና ንኽንከውን ዝመሃረና ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ንየሱስ ወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ እዩ። የሱስ ኣብ ህይወቱ ፍጹም ተኣዛዝነት ኣርኣየ። “ክሳዕ ሞት . . . እኳ ደኣ ተአዘዘ።” (ፊል. 2:8) ኣብ ኵሉ ዝገበሮ ነገራት፡ ዋላ እውን ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ተኣዘዘ። ንየሆዋ፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” በሎ። (ሉቃ. 22:42) እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ተመሳሳሊ ናይ ተኣዛዝነት መንፈስ ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ብቕኑዕ ልቢ ተደሪኽና እዙዛት እንተ ዄንና፡ ሓለውቲ ንጽህና ኽንከውን ኢና። ተኣዛዝነት ብፍላይ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ገለ መዳያት ህይወት እስከ ንርአ።

5, 6. (ሀ) ኣብቲ ብሰባት ዘይንረኣየሉ እዋን እውን ንጽህናና ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ዳዊት ዘጕልሓልና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት በይኖም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ንጽህናኦም ብኸመይ እዩ ዚፍተን፧

5 በይንና ኣብ እንዀነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ኣሎና። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብቲ በይኑ ዝዀነሉ እዋን ንጽህናኡ ምሕላዉ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስተብሂሉሉ ነበረ። (መዝሙር 101:2 ኣንብብ።) ዳዊት፡ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ወትሩ ብህዝቢ ተጠማቲ እዩ ነይሩ። ኣማእታት፡ አረ ኣሽሓት ሰባት እውን ንዕኡ ዚጥምቱሉ ብዙሕ እዋን ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። (ምስ መዝሙር 26:12 ኣረኣኢ።) ንጉስ ንህዝቡ ጽቡቕ ኣብነት ኪኸውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ንጽህናኡ ምሕላዉ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 17:18, 19) ይኹን እምበር፡ ‘ኣብ ውሽጢ ቤቱ፡’ ማለት በይኑ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ብንጽህና ኺመላለስ ደለየ። ንሕናኸ፧

6 ኣብ መዝሙር 101:3፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን” ዚብል ቃላት ዳዊት ንረክብ ኢና። ሎሚ፡ ብፍላይ በይንና ኽንከውን ከለና፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ነውሪ ኸነንብረሉ እንኽእል ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኢንተርነት ንገሊኣቶም ፈተና ዀይንዎም እዩ። ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ተሳሒቡ ዘይግቡእ ነገር ወይ ስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ ወብ-ሳይት ኪርኢ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባር ግን፡ ነቲ ብመንፈሱ ገይሩ ንዳዊት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ንኺጽሕፍ ዝደረኾ ኣምላኽ ተኣዛዝነት ኣሎካ ኺበሃል ይከኣል ድዩ፧ ስእለ-ጽዩፍ ግጉይን ስሱዕን ትምኒት ዜጐሃህር፡ ንሕልና ዚጐድእ፡ ንሓዳር ዘዳኽም፡ ከምኡውን ንዅሉ ምስኡ ዚተናኸፍ ዜሕስር ስለ ዝዀነ፡ ጐዳኢ እዩ።—ምሳ. 4:23፣ 2 ቈረ. 7:1፣ 1 ተሰ. 4:3-5

7. በይንና ኽንከውን ከለና ንጽህናና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ መሰረታዊ ስርዓት እዩ፧

7 ልክዕ እዩ፡ ዋላ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ በይኑ ኣይከውንን እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ብፍቕሪ ተደሪኹ ይሕልወና እዩ። (መዝሙር 11:4 ኣንብብ።) ዜጋጥመካ ፈተናታት ብዓወት ክትሰግሮ ኸለኻስ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን የሐጕሶ ኪኸውን ኣለዎ! ከምኡ ብምግባርካ፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:28 ዚርከብ የሱስ እተዛረቦ መጠንቀቕታ ኢኻ እትስዕብ። ብእተኻእለካ መጠን፡ ጌጋ ንኽትገብር ንዚፍትነካ ምስልታት ከይትርኢ ቘራጽነት ግበር። ነታ ኽብርቲ ንጽህናኻ፡ ስእለ-ጽዩፍ ብምርኣይ ወይ ብምንባብ ኣይትቐይራ!

8, 9. (ሀ) ዳንኤልን ብጾቱን ንንጽህናኦም ዚምልከት እንታይ ብድሆ እዩ ዘጋጠሞም፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት ንየሆዋን ንክርስትያናት ብጾቶምን ዜሐጕሱ ብኸመይ እዮም፧

8 ምስ ዘይኣመንቲ ኽንከውን ከለና እውን ንየሆዋ እዙዛት ብምዃን፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን እሞ ሕሰብ። ብግዜ ንእስነቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ብዘይፈልጡ ዘይኣመንቲ ተኸቢቦም ከለዉ፡ ሕጊ ኣምላኽ ዚኽልክሎ ምግቢ ኺበልዑ ጸቕጢ ተገብረሎም። እዞም ኣወዳት እዚኣቶም ንኺለማለሙ ብቐሊሉ መመኽነይታታት ምረኸቡ ነይሮም። ወለዶምን ዓበይቲ ዓዶምን ካህናቶምን ነቲ ዚገብርዎ ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም። ንተግባሮም ግን መን ምፈለጦ፧ የሆዋ ምፈለጦ። ስለዚ ድማ ኣብ መትከሎም ጸንዑ፣ ጸቕጢ እናተገብረሎምን ኣብ ቅድሚኦም ሓደጋ እናረኣዩን ክነሶም ከኣ ንየሆዋ ተኣዘዝዎ።—ዳን. 1:3-9

9 ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣምላኽ ንክርስትያናት ዘውጸኣሎም ስርዓታት ኣጥቢቖም ብምሓዝን ብጐዳኢ ጸቕጢ መዛኑ ብዘይምምብርካኽን፡ ተመሳሳሊ መገዲ ይስዕቡ ኣለዉ። መንእሰያት ዘበልኩም፡ ሓሽሽ ምውሳድ፡ ኣብ ዓመጻ ምስታፍ፡ ምጽራፍ፡ ርኽሰት ምፍጻም፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ግጉይ ተግባራት ኢድኩም ምእታው ክትኣብዩ ኸለኹም፡ ንየሆዋ ኢኹም እትእዘዝዎ ዘለኹም። ከምኡ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ ንንጽህናኹም ኢኹም ትሕልዉ ዘለኹም። ንርእስኹም ትጠቕሙ፡ ንየሆዋን ንክርስትያናት ብጾትኩምን ድማ ተሐጕሱ!—መዝ. 110:3

10. (ሀ) እንታይ ብዛዕባ ምንዝር ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ንገሊኣቶም መንእሰያት ንጽህናኦም ከም ዜበላሽዉ ዝገበሮም፧ (ለ) ንጽህናና ኽንሕሉ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ናብ ምንዝር ኪመርሕ ንዚኽእል ሓደጋ ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧

10 ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ንኣምላኽ ክንእዘዞ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፡ ምንዝር ከም ዚኽልክል ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግን፡ ብቐሊሉ ኻብ እዙዛት ናብ ተለማለምቲ ኽንቅየር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ገሊኣቶም መንእሰያት፡ ነቲ ብኣፍ ወይ ብመሃንቱስ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ወይ ነቲ ምስ ካልእ ዚፍጸም ግብረ-ሕቡእ፡ ጾታዊ ርክብ ከም ምግባር ገይሮም ስለ ዘይቈጽርዎ፡ ነዚ ተግባራት እዚ ይፍጽሙ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንዝር ተባሂላ ዘላ ቓል ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ኸም እተጠቓልል፡ እዚ ድማ ኣብ ውገዳ ኼብጽሕ ዚኽእል ኣበሳ ምዃኑ፡ ይርስዕዎ ወይ ኰነ ኢሎም ዕሽሽ ይብልዎ። a እቲ ዝገደደ ኸኣ፡ ንንጽህናኦም ኣይግደሱሉን። ንጽህናና ኽንሕሉ ስለ እንጽዕር፡ ሕማቕ ንኽንገብር መመኽነይታታት ኣይነናድን ኢና። ክሳዕ ዘይተቐጻዕና ብእተኻእለና መጠን ናብ ሓጢኣት ክንጽጋዕ ኣይንፍትንን ኢና። ኣብቲ ሓደ ኣበሳ ኼስዕቦ ዚኽእል ፍርዳዊ ሳዕቤናት ጥራይ ኣይኰንናን እነተኵር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ኣብ ምግባርን ንስምዒታቱ ኻብ ዚጐድኦ ነገራት ኣብ ምርሓቕን ኢና እነተኵር። ክሳዕ ክንደይ ናብ ሓጢኣት ክንጽጋዕ ከም እንኽእል ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ካብ ሓጢኣት ብዝያዳ ኢና እንርሕቕ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ምኽሪ እውን ንስዕብ ኢና። (1 ቈረ. 6:18) በዚ ኸምዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ንጽህና ዘሎና ሰባት ምዃንና ነርኢ።

ብኸመይ ኢና ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል፧

11. ነፍሲ ወከፍ ብተኣዛዝነት እንገብሮ ተግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

11 ንጹሃት ንምዃን እዙዛት ክንከውን ኣሎና፣ ንጽህናና ንምሕላው ከኣ እዙዛት ኴንና ኽንመላለስ ኣሎና። ሓንሳእ እንገብሮ ተኣዛዝነት፡ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ንእሽቶ ነገር ይመስል ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ግን ምስ ግዜ እናተደመረ እዩ ዚኸይድ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓንቲ ሕጡብ ኣብ ግምት ዘይትኣቱ ኽትመስል ትኽእል እያ፣ ብዙሕ ሕጡባት ተጠንቂቕና እንተ ነዲቕናዮ ግን ጽብቕቲ ቤት ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ወትሩ እዙዛት ብምዃን፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 16:10

12. ዳዊት ኣደዳ ግፍዕን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንጽህናኡ ብምሕላዉ ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

12 ብፍላይ ጸገማት፡ ግፍዒ፡ ወይ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኬጋጥመና ኸሎ ንጸንዕ እንተ ዄንና፡ ንጽህናና ጐሊሓ ትርአ እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዳዊት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብቲ ተወካሊ ስልጣን የሆዋ ኪኸውን ትጽቢት ዚግበረሉ ንጉስ መስጐጕቲ ወረዶ። ይኹን እምበር፡ ንጉስ ሳኦል ሞገስ የሆዋ ሰኣነ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰመሮ ዳዊት ድማ ኣመና ቐንኣሉ። ኰይኑ ግን፡ ሳኦል ንእተወሰነ ግዜ ኻብ ስልጣኑ ኣይወረደን፡ ብሰራዊት እስራኤል ተጠቒሙ ድማ ንዳዊት ሃደኖ። የሆዋ ነዚ ግፍዒ እዚ ንእተወሰነ ዓመታት ኪቕጽል ፈቐደ። እሞኸ ዳዊት በዚ ነገር እዚ ንኣምላኽ ኣማሪሩ ድዩ፧ ነቲ ዚወርዶ ዝነበረ ምጽማሙ፡ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ኸም ዘይብሉ ወሲኑ ድዩ፧ ኣይፋል። ነቲ ሳኦል ከም ቅቡእ ኣምላኽ መጠን ዝነበሮ ስልጣን ኣጸቢቑ የኽብሮ ነበረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ኣብ ሳኦል ኢዱ ምልዓል ኣበየ።—1 ሳሙ. 24:3-8

13. እንተ ተጐዲእና ወይ እንተ ተበዲልና፡ ብኸመይ ኢና ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል፧

13 ዳዊት ከመይ ዝበለ ሓያል ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉልና! ኣባላት እታ ብዘይፍጹማት ሰባት ዝመልአት ዓለምለኻዊት ጉባኤ ስለ ዝዀንና፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋትና ኺብድለና፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኪጠልመና ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብቲ ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ኺበላሸዉሉ ዘይክእሉ እዋን ንነብር ስለ ዘለና፡ ተባሪኽና ኢና። (ኢሳ. 54:17) ኰይኑ ግን፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ እንተ ኣጕህዩና ወይ ንስምዒታትና እንተ ጐዲእዎ፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ እቲ ኣብቲ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ዘሎና መረረ ንልብና ኺምርዞ እንተ ፈቒድና፡ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ይበላሾ እዩ። ካልኦት ዚገብርዎ ነገራት፡ ንኣምላኽ ንኸነማርር ወይ ካብታ ብተኣማንነት እንመላለሰላ መገዲ ንኽንወጽእ መመኽነይታ ኪዀነና የብሉን። (መዝ. 119:165) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ምጽማምና፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ይሕግዘና እዩ።

14. ሓለውቲ ንጽህና ንውድባዊ ለውጥታትን ንሰረተ-እምነታዊ ምትዕርራያትን ብኸመይ እዮም ዚቕበልዎ፧

14 ጌጋታት እንኣሪ ወይ ነቐፍቲ ብዘይምዃን እውን ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ኣሎና ማለት እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ይባርኾም ኣሎ። ንጹህ ኣምልኾ ኸም ሎሚ ገይሩ ኣብ ምድሪ ኽብ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። (ኢሳ. 2:2-4) ኣብቲ ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ወይ ኣብ ገሊኡ ኣሰራርሓ ምትዕርራያት ኪግበር ከሎ፡ ክንቅበሎ ኢና እንደሊ። መንፈሳዊ ብርሃን እናወሰኸ ይበርህ ከም ዘሎ መርትዖ ምርኣይና የሐጕሰና እዩ። (ምሳ. 4:18) ሓደ ለውጢ ንምርዳኡ እንተ ኣጸጊሙና፡ የሆዋ ነቲ ነጥቢ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ንልምኖ ኢና። ክሳዕ እንርድኦ ግን፡ ንጽህናና ሓሊና ብተኣዛዝነት ኢና እንመላለስ።

ሓደ ሰብ ንጽህናኡ እንተ ዘይሓልዩኸ፧

15. ንንጽህናኻ ኼበላሹ ዚኽእል መን ጥራይ እዩ፧

15 እዚኣስ ኣገዳሲት ሕቶ ደይኰነትን፧ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ንጽህና ግድን ኣድላዪት እያ። ብዘይ ንጽህና፡ ምስ የሆዋ ርክብ ኪህልወና ኣይክእልን እዩ፡ ናይ ሓቂ ተስፋ እውን ኣይትህልወናን እያ። ኣስተውዕል፡ ኣብ ዩኒቨርስ ንንጽህናኻ ኼበላሹ ዚኽእል፡ ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። እዮብ ነዚ ሓቂ እዚ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ነይሩ። “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት [“ንጹሕ፡” ትርጕም 1990] ምዃነይ ኣየግልስን” በለ። (እዮ. 27:5) ከም ናቱ ዓይነት ቈራጽነት እንተ ኣልዩካን ካብ የሆዋ እንተ ዘይርሒቕካን፡ ንጽህናኻ ኸቶ ኣይከተበላሹን ኢኻ።—ያእ. 4:8

16, 17. (ሀ) ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እንታይ እንተ ገይሩ እዩ ጌጋ ዚኸውን፧ (ለ) እንታይ ስጕምቲ እዩ ኺወስድ ዘለዎ፧

16 ኰይኑ ግን፡ ገሊኣቶም ንጽህናኦም ኣይሓለዉን። ከምቲ ብግዜ ሃዋርያት ዘጋጠመ፡ ገሊኣቶም ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ወዲቖም እዮም። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ተስፋ ዘይብልካ ዲኻ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ፈለማ እንታይ ክትገብር ከም ዘይብልካ እስከ ንርአ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንጌጋኡ ኻብ ወለዱ፡ ካብ ክርስትያናት ብጾቱ፡ ወይ ካብ ሽማግለታት ኪሓብእ እዩ ዚደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ኢሉ የዘኻኽረና። (ምሳ. 28:13) ካብ ኣምላኽ ዚሕባእ ሓጢኣት ስለ ዘየልቦ፡ እቶም ሓጢኣቶም ኪሽፍኑ ዚፍትኑ ዓብዪ ጌጋ እዮም ዚገብሩ። (እብራውያን 4:13 ኣንብብ።) ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ብሓጢኣት እናተመላለሱ ኽነሶም፡ ንየሆዋ ኸም ዜገልግሉ ብምምሳል ክልተ ዓይነት ህይወት እዮም ዚነብሩ። ከምዚ ዓይነት ህይወት፡ ንጽህና የብሉን፣ ወረግ ኣንጻር ንጽህና እውን ኪበሃል ይከኣል እዩ። የሆዋ በቲ እቶም ከቢድ ሓጢኣቶም ዚሓብኡ ውልቀ-ሰባት ዜቕርቡሉ ኣምልኾ ኣይሕጐስን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምዚ ዓይነት ግብዝና የቘጥዖ እዩ።—ምሳ. 21:27፣ ኢሳ. 1:11-16

17 ሓደ ክርስትያን ከቢድ ኣበሳ እንተ ፈጺሙ፡ ኪወስዶ ዘለዎ ቕኑዕ ስጕምቲ ንጹር እዩ። ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝ ኪደሊ ኣለዎ። ከቢድ መንፈሳዊ ሕማም ኬጋጥም ከሎ ብዛዕባ ኺህሉ ዚግባእ ኣተሓሕዛ፡ የሆዋ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። (ያእቆብ 5:14 ኣንብብ።) ንተግሳጽ ወይ ንመአረምታ ዘሎካ ፍርሂ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዕና ንኸይትረክብ ዕንቅፋት ኪዀነካ ኣይተፍቅድ። ሓደ ለባም ሰብ ነቲ መርፍእ ምስ ተወግአ ወይ እውን መጥባሕቲ ምስ ገበረ ዚስምዖ ሓላፊ ቓንዛ ፈሪሁ፡ ንህይወቱ ዜስግእ ናይ ጥዕና ጸገም ካብ ምፍታሕ መድሓርሓረዶ፧—እብ. 12:11

18, 19. (ሀ) ንጽህናኡ ዘበላሸወ ሰብ እንደገና ንጹህ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ንጽህናኻ እንታይ ቈራጽነት ኢኻ ጌርካ ዘለኻ፧

18 እሞኸ ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ፡ ብመንፈሳዊ ኺጥዒ ይኽእልዶ፧ ሓንሳእ ንጽህናኡ እንተ ኣበላሽዩ፡ እንደገና ንጹህ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ኣብዚ እውን ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ እዋን ከቢድ ሓጢኣት ፈጸመ። ንሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ብሂጉ ጠመታ፡ ምስኣ ዘመወ፡ ነቲ ንጹህ ሰብኣያ ኸም ዚቕተል ድማ ገበረ። ንዳዊት ከም ንጹህ ሰብ ጌርካ ኽትርእዮስ ዜጸግም ደይኰነን፧ እቲ ዅነታቱ ግን ተስፋ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ ንዳዊት ተሪር ተግሳጽ የድልዮ ነበረ፡ ተዋህቦ ድማ። ካብ ልቡ ብምንሳሑ፡ የሆዋ ምሕረት ገበረሉ። ዳዊት ካብቲ ተግሳጽ ተማሃረ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ብምዃንን ካብኡ ንደሓር ብተኣዛዝነት ብምምልላስን ከኣ እንደገና ንጹህ ኰነ። እቲ ኣብ ምሳሌ 24:16 ዚርከብ፡ “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ዚብል ቃላት ኣብ ህይወት ዳዊት ተፈጺሙ እዩ። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ዳዊት ምስ ሞተ፡ የሆዋ ብዛዕባኡ ንሰሎሞን እንታይ ከም ዝበሎ እሞ ሕሰብ። (1 ነገስት 9:4 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንዳዊት ከም ንጹህ ሰብ ገይሩ እዩ ዘኪርዎ። የሆዋ ንዚንስሑ ሓጢኣተኛታት ካብ ኵሉ ኸቢድ ሓጢኣቶም ኬንጽሆም ይኽእል እዩ።—ኢሳ. 1:18

19 እወ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ንኣምላኽ እዙዝ ምስ እትኸውን፡ ንጹህ ሰብ ክትከውን ኢኻ። ብተኣማንነት ተመላለስ፡ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ ኸኣ ካብ ልብኻ ተነሳሕ። ንጽህናስ ከመይ ዝበለት ክብርቲ ባህርይ ኰን እያ! ኵላትና ከምቲ ዳዊት፡ “ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ” ብምባል ዝገለጾ ዓይነት ቈራጽነት ይሃልወና።—መዝ. 26:11

[እግረ-ጽሑፍ]

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብኸመይ ኢኻ ንጹህ ሰብ ክትከውን እትኽእል፧

• ብኸመይ ኢኻ ንጽህናኻ ኽትሕሉ እትኽእል፧

• ንጽህናኡ ዘበላሸወ ሰብ እንደገና ንጹህ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

“ጽቡቕ ተግባር እዩ”

ሓንቲ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ጥንሲ ዘለዋ ሰበይቲ፡ ብዛዕባ ዘይትፈልጣ ሰብ ዘርኣየቶ ለውሃትን ንጽህናን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢላ ተዛረበት። ካብ ሓደ ቤት ምግቢ ኽትወጽእ ከላ፡ ገንዘብ እትሕዘላ ቦርሳኣ ኣብኡ ረስዓታ። ኣብታ ቦርሳኣ 2,000 ዶላር ኣመሪካ ነበረ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ንቡር እዋን እትሕዞ ገንዘብ ኣመና ዚበዝሕ እዩ። ጸኒሓ ኣብቲ ዓዲ ንእትሕተም ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ቓላ፡ “ዝገብሮ ሓርቢቱኒ ነይሩ” በለት። ይኹን እምበር፡ ሓንቲ መንእሰይ ነታ ቦርሳ ረኸበታ፡ ብኡንብኡ ድማ ንዋናኣ ኸተናድያ ጀመረት። ክትረኽባ ስለ ዘይከኣለት ግን፡ ናብ መደበር ፖሊስ ወሰደታ፡ እቶም ፖሊስ ድማ ነታ ጥንስቲ ሰበይቲ ኣናድዮም ንብረታ ሃብዋ። እታ ዋና ነቲ እተገብረላ ምስጋናኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብሓቂ ጽቡቕ ተግባር እዩ” በለት። እታ መንእሰይ ነቲ ገንዘብ ንምምላስ ክንድዚ ዚኣክል ጻዕሪ ዝገበረት ስለምንታይ እያ፧ እታ ጋዜጣ ኸም ዝሓበረቶ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃና መጠን፡ “ከምዚ ዓይነት ንጽህና ኺህልዋ ዝኸኣለ፡ ሳላ እቲ ዝዓበየትሉ ሃይማኖት ምዃኑ እያ እትገልጽ።”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰያት ኪፍተኑ ኸለዉ፡ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ይኽእሉ እዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንእተወሰነ እዋን ንጽህናኡ እኳ እንተ ዘይሓለወ፡ እንደገና ግን ንጹህ ሰብ ኰነ