ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኮሪያ እተገብረ ዕቤት ርእየ እየ

ኣብ ኮሪያ እተገብረ ዕቤት ርእየ እየ

ኣብ ኮሪያ እተገብረ ዕቤት ርእየ እየ

ሚልተን ሃሚልተን ዘዘንተዎ

“መንግስቲ ሪፓብሊክ ኮሪያ ነቲ ንዓኻትኩም ሚስዮናውያን ቪዛ ኪህበኩም ዘቕረብናዮ ሕቶ ኸም ዝነጸጎን ኣብታ ሃገር ክትኣትዉ ኸም ዘይደልየኩምን ክንሕብረኩም ንፈቱ። . . . ነዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንግዜኡ ናብ ጃፓን ተመዲብኩም ኣለኹም።”

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1954፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ካብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መልእኽቲ ተቐበልና። ኣቐዲሙ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኽፍሊ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዝነበረ መበል 23 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመረቕና። እታ ደብዳበ ኽትመጸና ኸላ፡ ንግዜኡ ኣብ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና፡ ነገልግል ነበርና።

ኣንን ሊዝ ሰበይተይን (ኣቐዲማ ሊዝ ሰሞክ እትበሃል ዝነበረት) ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኢና ተማሂርና። ጸኒሕና ብ1948 ተመራዓውና። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ትፈቱ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸተገልግል ኢላ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምውጻእ ግን ኣይትፈቱን እያ ነይራ። እንታይ ደኣሉ እሞ ንኣተሓሳስባኣ ዝቐየሮ፧

ሊዝ ምሳይ ናብቲ ተመሃሮ ጊልዓድ ኪዀኑ ንዚደልዩ ዚግበር ኣኼባ ኽትከይድ ተሰማምዐት። እቲ ኣኼባ እቲ ኣብቲ ኣብ ክረምቲ 1953 ኣብ ያንኪ ስታድዩም፡ ኒው ዮርክ እተኻየደ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተገብረ። ድሕሪ እቲ ዜተባብዕ ኣኼባ፡ ናብ ጊልዓድ ክንኣቱ መመልከቲ ወረቐት መላእና። እቲ ዜገርም ድማ ኣብታ ለካቲት 1954 እትጅምር እትቕጽል ክፍሊ ኽንኣቱ ጻውዒት ቀረበልና።

ናብ ኮሪያ ተመደብና፣ ኣብታ ሃገር ንሰለስተ ዓመት እተገብረ ውግእ፡ ኣብ ክረምቲ 1953 ካብ ዚውዳእ ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ፣ እታ ሃገር እውን ዓንያ ነይራ። ኣብታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ደብዳበ ኸም እተሓበረ፡ ፈለማ ናብ ጃፓን ከድና። ን20 መዓልቲ ኣብ ውቅያኖስ ምስ ተጓዓዝና፡ ኣብ ጥሪ 1955 ናብ ኮሪያ ተመዲቦም ምስ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚስዮናውያን ኣብ ጃፓን በጻሕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓላው ቤት ጽሕፈት ጃፓን ዝነበረ ሎይድ ባሪ፡ ሰዓት 6:00 ቅ.ቐ. ኣብ መድረኽ ወደብ ተቐበለና። ነዊሕ ከይጸናሕና ናብቲ ኣብ ዮኮሃማ ዚርከብ ቤት ሚስዮናውያን ነቐልና። ጸኒሕና በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ናብ ኣገልግሎት ወጻእና።

ናብ ኮሪያ ኣተና

ጸኒሕና ናብ ሪፓብሊክ ኮሪያ ዜእትወና ቪዛ ረኸብና። ብ7 መጋቢት 1955 እታ እተሰቐልናያ ነፋሪት ካብቲ ኣብ ቶክዮ ዚርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሆነዳ ተላዒላ ንሰለስተ ሰዓት ድሕሪ ምብራር፡ ናብቲ ኣብ ሶል ዚርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዮዪዶ በጽሐት። ልዕሊ 200 ኮሪያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐበሉና፡ ንሕና ድማ ብሓጐስ ነባዕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምሉእ ኮሪያ 1,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ነበሩ። ንሕና እውን ከም ካልኦት ምዕራባውያን፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዘለዉ ዅሎም ሰባት፡ ሃገሮም ብዘየገድስ፡ ተመሳሳሊ መልክዕን ጠባይን ዘለዎም ይመስለና ነበረ። ከም እተጋገና ንኸነስተውዕል ግን ነዊሕ ኣይወሰደልናን። ኮሪያውያን ናይ ርእሶም ቋንቋን ፊደላትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ርእሶም ምግብን መልክዕን ባህላዊ ኽዳውንትን ኣለዎም፣ ከም ንድፊ ህንጻታቶም ዝኣመሰለ ኣባታቶም ጥራይ ዚርከብ ነገራት እውን ኣለዎም።

ቀዳማይ ኸቢድ ዕዮና ነቲ ቛንቋ ምፍላጥ እዩ ነይሩ። ኮሪያኛ ንኽንመሃር ዚሕግዝ መጻሕፍቲ ኣይነበረን። ነዊሕ ከይጸናሕና ብናይ እንግሊዝኛ ደሃይ ጌርና ንቓላት ኮሪያ ብልክዕ ከነድምጾ ኸም ዘይንኽእል ኣስተውዓልና። ብፊደላት ኮሪያ ጌርካ ጥራይ ኢኻ ቕኑዕ ኣደማምጻ ኽትመሃር እትኽእል።

ኣብቲ ግዜ እቲ ጌጋታት ንገብር ነበርና። ንኣብነት፡ ሊዝ ንሓንቲ ብዓልቲ ቤት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልይዋ ሓተተታ። እታ ብዓልቲ ቤት ናብ ውሽጢ ቤታ ኽትኣቱ ኸላ ኣብ ገጻ ናይ ምግራም ቃላት ይንበብ ነበረ፡ ክርቢት ሒዛ ድማ ተመልሰት። ሊዝ ኣብ ክንዲ ነታ ሱንግክያንግ እትብል ን“መጽሓፍ ቅዱስ” እተመልክት ቃል፡ ሱንግያንግ (ክርቢት) ኢላ እያ ሓቲታታ።

ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እትርከብ ወደባዊት ከተማ ፑሳን ቤት ሚስዮናውያን ንኽንከፍት ተመደብና። ንዓናን ነተን ምሳና ኣብኡ እተመደባ ኽልተ ኣሓትን ዚኸውን ሰለስተ ንኣሽቱ ኽፍልታት ተኻረና። እቲ ኽፍልታት ማይ ቡንባን መፍሰሲ ማይ ዘለዎ ሽቓቕን ኣይነበሮን። እቲ ማይ ቡንባ ብቱቦ ኣቢሉ ናብ ካልኣይ ደርቢ ኺበጽሕ ዜኽእሎ ሓይሊ ዚረክብ ለይቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ማይ ኣብ መትሓዚ ንምዕቋር ጋሕጋሕ ምድሪ በብተራ ንትንስእ ነበረና። ነቲ ማይ ንዚስተ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነፍልሖ ወይ ክሎሪን ንሕውሰሉ ነበርና።

ካልእ ጸገማት እውን ነይሩና እዩ። እኹል ቀረብ ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረ፡ ክዳውንቲ እትሓጽብ ማሽን ወይ መስታረሪ ኽንጥቀም ኣይንኽእል ኢና ኔርና። ነቲ ኮሪዶር ኸም ክሽነ ንጥቀመሉ ነበርና፡ ኣብኡ ዝነበረት ሓንቲ መሳርሒ ድማ ብላምባ እትሰርሕ ምድጃ እያ ነይራ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብታ እተመደብናላ መዓልቲ ምግቢ ብኸመይ ከም እንሰርሕ ተመሃርና። ካብታ ናብታ ዓዲ ዝኣተናላ ሰለስተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሕና፡ ኣነን ሊዝን ብሕማም ወይቦ ተተሓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሚስዮናውያን፡ በዚ ሕማም እዚ ይተሓዙ ነይሮም እዮም። ካብዚ ሕማም እዚ ንምሕዋይ ኣዋርሕ እዩ ወሲዱልና፡ ካልእ ጸገማት ጥዕና እውን ኣጋጢሙና ነይሩ።

ዕንቅፋታት ንምስጋር እተዋህበ ሓገዝ

ኣብ ዝሓለፈ 55 ዓመት ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮሪያ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዅነታት፡ ዘይምርግጋእ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እቲ ኻብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናጻ ዝዀነ ዞባ፡ ነታ ሓውሲ ደሴት ናብ ክልተ እዩ መቒልዋ። እዚ ዞባ እዚ ኻብታ ርእሲ ኸተማ ሪፓብሊክ ኮሪያ ዝዀነ ሶል ብሰሜን 55 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እዩ ዚርከብ። ብ1971 ፍረደሪክ ፍራንዝ ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኪበጽሓና መጸ። ኣነ ድማ ኣሰንየዮ ናብቲ ኣብ ምድሪ ብብዝሒ ዕርዱ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኻብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናጻ ዝዀነ ዞባ ኸድኩ። ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ተወከልቲ ኽልቲኡ መንግስትታት ኣብኡ ተራኺቦም እዮም።

ልክዕ እዩ፡ ንፖለቲካ እዛ ዓለም፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮሪያ ዘሎ እውን ብዚምልከት ገለልተኛታት ኢና። (ዮሃ. 17:14) ልዕሊ 13,000 ኮሪያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰባት ንምውጋእ ኣጽዋር ምልዓል ስለ ዝኣበዩ፡ ብድምር 26,000 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፎም እዮም። (2 ቈረ. 10:3, 4) ኣብታ ዓዲ ዘለዉ ዅሎም መንእሰያት ኣሕዋት፡ እዚ ጕዳይ እዚ ኸም ዜጋጥሞም ዚፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ፍርሂ ግን ኣይስምዖምን እዩ። እቲ መንግስቲ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ምልምላም ካብ ምእባይ ሓሊፉ ኻልእ “ገበን” ዘይብሎም ክርስትያን ኣገልገልቲ፡ “ገበነኛታት” ኢሉ ምጥቃኑ ዜሕዝን እዩ።

ብ1944 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣነ እውን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእባየይ ኣብቲ ልዊስበርግ፡ ፐንሲልቫንያ፡ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ሕ.መ.ኣ. ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ተኣሲረ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ኮሪያውያን ኣሕዋትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንከረ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ እዞም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ እፈልጦ እየ። ብዙሓት ኮሪያውያን ኣሕዋትና፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ኮሪያ ዚርከቡ ሚስዮናውያን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኸም ዘሕለፉ ምፍላጦም ኣተባቢዕዎም እዩ።—ኢሳ. 2:4

ጸገም ኣጋጠመና

ኣብቲ ብ1977 እተላዕለ ጕዳይ፡ ናትና ገለልትነት እውን ኣብ ሕቶ ኣተወ። ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ንመንእሰያት ኮሪያውያን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከይህቡን ኣጽዋር ከየልዕሉን ዝጸለናዮም መሰሎም። ስለዚ፡ ካብታ ሃገር ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ንዝወጸ ሚስዮናዊ ተመሊሱ ኺመጽእ ከይፍቀደሉ፡ መንግስቲ ወሰነ። እዚ ቐይዲ እዚ ኻብ 1977 ክሳዕ 1987 ቀጸለ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ካብ ኮሪያ እንተ ንወጽእ ኔርና፡ ንኽንምለስ ኣይምተፈቕደልናን ነይሩ። ስለዚ፡ ንምብጻሕ እውን እንተ ዀነ ናብ ዓድና ኣይከድናን።

ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብዙሕ ግዜ ተራኺብና ኢና፡ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን ዘሎና ገለልተኛ መትከል እውን ገሊጽናሎም ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ኬፈራርሁና ኸም ዘይክእሉ ምስ ተረድኦም፡ እቲ ቐይዲ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብቅዐ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ብኸም ናይ ጥዕና ጕዳይ ዝኣመሰለ ምኽንያታት ካብታ ሃገር ኪወጹ እተገደዱ ሒደት ሚስዮናውያን እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ዝተረፍና ግን ኣብታ ሃገር ጸናሕና፡ ከምኡ ምግባርና ድማ የሐጕሰና እዩ።

ኣብ መፋርቕ 1980ታት፡ ተጻረርቲ ኣገልግሎትና ንዳይረክተራት ሕጋዊ ትካልና፡ ንመንእሰያት ኣብ ውትህድርና ኸይኣትዉ ይምህሩ ኢሎም ከሰስዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንግስቲ ንኺምርምረና ኢሉ ንነፍሲ ወከፍና ጸውዓና። ብ22 ጥሪ 1987፡ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ነቲ ኽስታት መሰረት ዘይብሉ ዀይኑ ረኸቦ። እዚ ኸኣ ንዝዀነ ይኹን ድሕሪኡ ዘጋጠመ ግጉይ ምርዳእ ንምፍታሕ ሓገዘ።

ኣምላኽ ንዕዮና ባረኾ

ኣብ ኮሪያ ብምኽንያት ገለልትነትና ኣብ ዕዮ ስብከትና ዜጋጥመና ምጽራር እናጻዕጽዐ ኸይዱ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚኸውን ብቑዕ መአከቢ ምርካብ ኣጸጋሚ እናዀነ ኸደ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተበግሶኦም ነቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ንፈለማ ግዜ እተሃንጸ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ፑሳን ሃነጹ። ብ5 ሚያዝያ 1976፡ ኣብ ቅድሚ 1,300 ዝዀኑ ተኣከብቲ፡ መደረ ወፈያ ናይ ምሃብ ፍሉይ መሰል ረኺበ ነይረ።

ካብ 1950 ኣትሒዙ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ኮሪያ ሰፊሮም ኣለዉ። ብዙሓት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ተመልሱ፡ ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም እዮም። ብዙሕ ግዜ ኻባታቶም ደብዳበታት ይመጸና እዩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ምኽኣልና እውን ከም በረኸት ኢና እንቘጽሮ።

እቲ ዜሕዝን ግን፡ ብ26 መስከረም 2006፡ እታ ዘፍቅራ ብጸይተይ ሊዝ ብሞት ተፈለየትኒ። ብሓቂ እየ ሓዚነ። ኣብቲ ኣብዚ ዘሕለፍናዮ 51 ዓመት፡ ዝዀነ ይኹን እተዋህባ ዕዮ ኸየማረረት ብሓጐስ እያ ተቐቢላ። ናብታ ኣብ ሓደ እዋን ካብኣ ኽትወጽእ ዘይትደሊ ዝነበረት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽንምለስ፡ ሓሳብ ኣቕሪባ ወይ ኣሚታ እውን ኣይትፈልጥን እያ።

ኣነ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኮሪያ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። እታ ስድራ ቤት ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረቶ ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ሰባት፡ ሎሚ ናብ 250 ዚዀኑ ሰባት ዓብያ እያ። ምስቶም ነቲ ኣብዚ ዚዕየ ዕዮ ብሓላፍነት ዚመርሕ ብሸውዓተ ኣባላት ዝቘመ ኮሚተ ጨንፈር ሓቢረ ኸገልግል ምኽኣለይ ከም ፍሉይ ክብሪ እየ ዝቘጽሮ።

ኮሪያ ንሕና ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን ኣዝያ ድኻ እኳ እንተ ነበረት፡ ሕጂ ግን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣዝየን ምዕቡላት ሃገራት እያ። ኣብ ኮሪያ ልዕሊ 95,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፡ ዳርጋ 40 ሚእታዊት ካባታቶም ከኣ ከም ስሩዓት ወይ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። እዚ ዅሉ ድማ ነቲ ኣብዚ ንኣምላኽ ብምግልጋለይን መጓሰ ኣምላኽ ዝገበራኦ ዕቤት ብምርኣየይን ዝረኽቦ ሓጐስ ወሲኹሉ እዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ብጾትና ሚስዮናውያን ናብ ኮሪያ ኣብ ዝኣተናሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፑሳን ከነገልግል ከለና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1971 ምስ ሓው ፍራንዝ ኣብቲ ኻብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናጻ ዝዀነ ዞባ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሊዝ ቀቅድሚ ሙማታ ብሓባር እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰይነ ዘገልግለሉ ዘለኹ ጨንፈር ኮሪያ