ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ ኲኒፎርምን መጽሓፍ ቅዱስን

ጥንታዊ ኲኒፎርምን መጽሓፍ ቅዱስን

ጥንታዊ ኲኒፎርምን መጽሓፍ ቅዱስን

ቋንቋ ደቂ ሰብ ኣብ ባቤል ድሕሪ ምድብላቑ፡ ፍሉይ ኣገባብ ጽሕፈት ማዕበለ። ኣብ መሶጶታምያ ዚነብሩ ኸም ሱማራውያንን ባቢሎናውያንን ዝኣመሰሉ ኣህዛብ፡ ኲኒፎርም ኪጥቀሙ ጀመሩ። እዛ ቓል እዚኣ ኻብ “ውሻል ዝቕርጹ” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ላቲን ዝመጸት ኰይና፡ ነቲ ኣብ ርሑስ ካይላ ዚቕረጽ ስሉስ ኵርናዓዊ ጽሑፋት ተመልክት።

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባትን ፍጻመታትን ዚገልጽ ኲኒፎርም ኵዒቶም ኣውጺኦም እዮም። ብዛዕባ እዚ ጥንታዊ ኣገባብ ጽሕፈት እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ ጽሑፋት እዚኸ ንተኣማንነት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምስክርነት ይህብ፧

ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ መዛግብቲ

ኣብ ፈለማ ኣብ መሶጶታምያ ዚዝውተር ዝነበረ ኣገባብ ጽሕፈት ስእላዊ፡ ማለት ሓንቲ ምልክት ወይ ስእሊ ንሓደ ቓል ወይ ሓሳብ እትውክለሉ ምንባሩ ምሁራት ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ፈለማ ንብዕራይ እተመልክት ዝነበረት ምልክት፡ ንርእሲ ብዕራይ ትመስል ነበረት። መዝገብ ምምዝጋብ ብዝያዳ ኣገዳሲ እናዀነ ምስ ከደ፡ ጽሕፈት ኲኒፎርም እናማዕበለ ኸደ። ኤን.ኣይ.ቪ. ኣርክዮሎጂካል ስታዲ ባይብል፡ “ድሕርዚ፡ ምልክታት ንቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ንጥምረ-ድምጺ እውን ኬመልክት ጀመረ፡ ገሊኡ ጥምረ-ድምጺ ብሓባር ከኣ ንሓንቲ ቓል ኪውክል ጀመረ” በለት። ኣብ መወዳእታ፡ ኣስታት 200 ኣቢሉ ዚኸውን ምልክታት ኲኒፎርም ብሓባር ኰይኑ፡ “ንዘረባ ምስ ኵሉ ሕልኽላኻት ቃላቱን ሰዋስዉን ብሓቂ ዚውክል ኰነ።”

ብግዜ ኣብርሃም፡ ማለት 2,000 ቅ.ክ. ኣቢሉ፡ ኲኒፎርም ኣጸቢቑ ማዕበለ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 20 ዘመናት፡ ኣስታት 15 ቛንቋታት ነቲ ጽሑፍ ኪጥቀመሉ ጀመረ። ልዕሊ 99 ሚእታዊት ካብቲ እተረኽበ ጽሑፋት ኲኒፎርም፡ ኣብ ጽላታት ካይላ እዩ ተጻሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ 150 ዓመት፡ ኣብ ኡር፡ ዩሩክ፡ ባቢሎን፡ ኒምሩድ፡ ኒፑር፡ ኣሹር፡ ነነዌ፡ ማሪ፡ ኢብላ፡ ኡጋሪት፡ ከምኡውን ኣማርና ሓያሎ ጽላታት ተረኺቡ እዩ። ኣርኪዮሎጂ ኦዲሲ፡ “ካብ ሓደ ኽሳዕ ክልተ ሚልዮን ዚኸውን ጽላታት ኲኒፎርም ተፋሒሩ ኸም ዝወጸ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ 25,000 ዚኣክል ተወሳኺ ኸም ዚርከብ ክኢላታት ይግምቱ” በለት።

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ምሁራት ኲኒፎርም፡ ዓብዪ ዕዮ ትርጕም ኣለዎም። ብመሰረት ሓደ ግምት፡ “ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ፡ ካብቲ ዘሎ ኲኒፎርም 1/10 ጥራይ እዩ ሓንሳእ ኪንበብ ተኻኢሉ።”

ክልተ ወይ ሰለስተ ቛንቋታት ብሓባር ዝሓዘ ጽሑፋት ኲኒፎርም፡ ንትርጕም ኲኒፎርም ንምፍታሑ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብኲኒፎርም እተጻሕፈ ሰነዳት ብእተፈላለየ ቛንቋታት ሕደ ጽሑፍ ከም ዝሓዝ ምሁራት ኣስተውዒሎም እዮም። ስማትን መዓርጋትን፡ ወለዶታት ገዛእትን መግለጺታት ርእሰ-ናእዳን ብዙሕ ግዜ ዚደጋገም ምዃኑ፡ ንትርጕም እቲ ጽሑፋት ንምፍታሕ ሓጊዙ እዩ።

ብ1850ታት ምሁራት ነቲ ኣብ ኲኒፎርም ዝሰፈረ መረዳድኢ ቛንቋ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ቛንቋ ኣካድኛ ወይ ቋንቋ ኣሶርን ባቢሎንን ኬንብብዎ ኸኣሉ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ሓንሳእ ምስጢር ኣካድኛ ምስ ተፈትሐ፡ ኣገባብ እቲ ጽሑፍ ርዱእ ኰነ፣ ካልእ ብኲኒፎርም እተጻሕፈ ቛንቋታት ንምትርጓም ዚኸውን ኣፈናዊ ኣብነት ድማ ተዳለወ” በለ። እዚ ጽሑፋት እዚ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ፧

ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ምስክር

ብ1070 ቅ.ክ. ኣቢሉ ዳዊት ንየሩሳሌም ክሳዕ ዚሕዛ፡ እታ ኸተማ ብነገስታት ከነኣን ትግዛእ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እያ. 10:1፣ 2 ሳሙ. 5:4-9) ገሊኣቶም ምሁራት ግን ነዚ ይጠራጠርዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብ1887 ሓንቲ ገባር ዝዀነት ሰበይቲ ኣብ ኣማርና፡ ግብጺ፡ ሓደ ጽላት ካይላ ረኸበት። እቲ ኣብኡ እተጻሕፈ 380 ዚኸውን ጽሑፋት፡ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ግብጽን (ኣመንሆተብ ሳልሳይን ኣክሀናቶንን) ኣብ መንጎ መንግስትታት ከነኣንን እተገብረ ዲፕሎማስያዊ ምጽሕሓፍ ኰይኑ ተረኽበ። ሽዱሽተ ፊደላት ካብ ‘ኣብዲ-ሀባ፡ ገዛኢ የሩሳሌም’ እተጻሕፋ እየን ነይረን።

ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ከምዚ ትብል፦ “እቲ ጽላታት ኣማርና ንየሩሳሌም ከም ቦታ ሕርሻ ዘይኰነትስ፡ ከም ከተማ ገይሩ ምጥቃሱ፡ ነቲ ኣብ የሩሳሌም መንበርን 50 ወተሃደራት ግብጽን ዝነበሮ ኣብዲ-ሀባ እውን ከም . . . ኣመሓዳሪ መጠን ዘለዎ ስልጣን ምጥቃሱ፡ የሩሳሌም ኣብ ጎቦ እትርከብ ንእሽቶ መንግስቲ ኸም ዝዀነት እዩ ዚሕብር።” እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ መጽሔት፡ ኣብ ካልእ እዋን፡ “ብመሰረት ፊደላት ኣማርና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣገዳሲት ዝነበረት ከተማ ኸም ዝነበረት ንተኣማመን ኢና” በለት።

ኣብ መዛግብቲ ኣሶራውያንን ባቢሎናውያንን እተረኽበ ስማት

ኣሶራውያን፡ ጸኒሖም ከኣ ባቢሎናውያን፡ ታሪኾም ኣብ ጽላታት ካይላ፡ ሲልንደራት፡ ፕሪዝማት፡ ከምኡውን ኣብ ሓወልትታት ጽሒፎም እዮም። ስለዚ፡ ምሁራት ንኲኒፎርም ኣካድኛ ኺፈትሕዎ ኸለዉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ዘለውዎ ጽሑፋት ረኸቡ።

ዘ ባይብል ኢን ዘ ብሪትሽ ሙዝየም ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “ዶ/ር ሳሙኤል ቢርች ኣብቲ ብ1870 ነቲ ሓድሽ ዝቘመ ማሕበር ስነ-ጥንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ ነገር፡ [ብኲኒፎርም እተጻሕፈ ስማት] እኒ ዖምሪ፡ ኣከኣብ፡ የሁ፡ ኣዛርያ . . .፡ ምናሔም፡ ጴቃሕ፡ ሆሴእ፡ ህዝቅያስ፡ ምናሴ ዝኣመሰሉ እብራውያን ነገስታት፣ እኒ ቲግላት-ጲሌሰር . . . ሳልሳይ፡ ሳርጎን፡ ሰናክሬብ፡ ኤሳርሓዶን፡ ኣሹርባኒፓል ዝኣመሰሉ ነገስታት ኣሶር፣ . . . ከምኡውን እኒ ቤንሃዳድ፡ ሓዛኤል፡ ረጺን ዝኣመሰሉ ሶርያውያን ኬለሊ ኸኣለ።”

ዘ ባይብል ኤንድ ራድዮካርቦን ዴቲንግ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እስራኤልን ይሁዳን ዚገልጾ ታሪኽ ምስ ጥንታዊ ጽሑፋት ኲኒፎርም ኣነጻጸረቶ። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ረኸበት፧ “ብሓፈሻ 15 ወይ 16 ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ኣብ ካልእ ምንጭታት ይርከብ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ [መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ መጽሓፍ] ነገስት ዚርከብ ስማትን ግዜን ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ እዩ። ዋላ ሓደ ንጉስ እውን ካብ ቦታኡ ኣይወጸን፣ እቲ ኻልእ ምንጭታት እውን ኣብ ነገስት ዘይንፈልጦ ስም ኣይጠቐሰን።”

ሲልንደር ቂሮስ ዚበሃል ብ1879 እተረኽበ ሓደ ውሩይ ጽሑፍ ኲኒፎርም፡ ቂሮስ ብ539 ቅ.ክ. ንባቢሎን ምስ ተቘጻጸራ፡ ብመሰረት ፖሊሲኡ ንምሩኻት ነናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ ምግባሩ መዝጊቡ ኣሎ። ካብቶም በዚ እተጠቕሙ ኣህዛብ፡ ኣይሁድ ነበሩ። (እዝ. 1:1-4) ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ምሁራት ንሓቅነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣዋጅ ኣብ ሕቶ የእትውዎ ነበሩ። ብግዜ ፋርሳውያን ዝነበረ ሲልንደር ቂሮስ እውን ዚርከቦ ሰነዳት ኲኒፎርም ግን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ ዜእምን መርትዖ ኣቕረበ።

ብ1883 ኣብ ኒፑር፡ ጥቓ ባቢሎን፡ 700 ጽሑፋት ኲኒፎርም ዝሓዘ መዝገብ ተረኽበ። ካብቲ ኣብኡ እተጠቕሰ 2,500 ስማት፡ 70 ዚኸውን ናይ ኣይሁድ ምንባሩ ተለልዩ ኣሎ። ኤድዊን ያማኡቺ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ እቶም ኣይሁድ፡ “ከም ሰብ ውዕልን ወኪላትን መሰኻኽርን ተገውትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን” ኰይኖም ከም እተጠቕሱ ገለጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድ ኣብ ከባቢ ባቢሎን ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ይፍጽሙ ምንባሮም ዚገልጽ መርትዖ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ምስቲ “ትራፍ” እስራኤላውያን ካብ ኣሶርን ባቢሎንን ናብ ይሁዳ ዚምለሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዙሓት ግን ከም ዘይምለሱ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት ይሰማማዕ እዩ።—ኢሳ. 10:21, 22

ኣብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ቅ.ክ. ኲኒፎርም ጐድኒ ጐድኒ ጽሑፋት ፊደላት የገልግል ነበረ። እናሓደረ ግን ኣሶራውያንን ባቢሎናውያንን ናብ ጽሑፋት ፊደላት እናዘዘዉ ብምኻዶም፡ ንኲኒፎርም ሓደግዎ።

ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸር ኣብ ኣብያተ-መዘክር ተዓቂቡ ዘሎ ጽላታት ገና ኣይተጸንዐን። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ምሁራት ትርጕሙ ዝፈትሕዎ ግን፡ ንተኣማንነት መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ ምስክርነት ሂቡ ኣሎ። መን ይፈልጥ፡ እቲ ገና ዘይተጸንዐ ጽሑፋት እውን ተወሳኺ ምስክርነት ይህብ ይኸውን።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum