ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ’ ዲኹም፧

‘መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ’ ዲኹም፧

‘መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ’ ዲኹም፧

“ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።”—ሮሜ 12:10

1. ኣብ ቃል ኣምላኽ እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

 ተስፋ ኽንቈርጽ ወይ ክንድቈስ ከለና፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ቓል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ የረጋግጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ነዚ ዜጸናንዕ ቃላት እስከ ኣስተብህል፦ “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም።” “ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቝሳሎም ይዘንን።” (መዝ. 145:14፣ 147:3) ብተወሳኺ እውን፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ባዕሉ፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” በለ።—ኢሳ. 41:13

2. የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚድግፎም ብኸመይ እዩ፧

2 እቲ ኣብ ዘይርአ ሰማያት ዚነብር የሆዋ ደኣ እሞ ‘ኢድና ዚሕዘና’ ብኸመይ እዩ፧ ብሰንኪ ጓሂ ልቢ ‘ለጠቕ ክንብል ከለና ዜልዕለናኸ’ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገድታት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ንህዝቡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ይህቦም እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ ዮሃ. 14:16, 17) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ፡ ዜተባብዕ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። (እብ. 4:12) የሆዋ ንኼበራትዓና ዚጥቀመሉ ኻልእ መገዲኸ ኣሎዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቀዳማይ ጴጥሮስ ንረኽቦ ኢና።

“ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ”

3. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ፈተናታት እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ለ) ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ቀዳማይ መልእኽቲ ጴጥሮስ እንታይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

3 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣመንቲ፡ ብዙሕ ዓስቢ ስለ ዚጽበዮም፡ ንኺሕጐሱ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎም ጸሓፈሎም። ወሲኹ ድማ፡ “እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም” በሎም። (1 ጴጥ. 1:1-6) ነታ “ብዙሕ” እትብል ቃል ኣስተብህለላ። ብዙሕ ፈተናታት ከም ዜጋጥም እትእምት እያ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ኣሕዋቱ ነቲ እተፈላለየ ፈተናታት ኪዋጽእሉ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ኪሓስቡ ኣይሓደጎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ንክርስትያናት ዜጋጥሞም ፈተና ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንኺዋጽእሉ ኸም ዚሕግዞም ርግጸኛታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ገለጸ። እዚ መረጋገጺ እዚ፡ እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ “መወዳእታ ዅሉ ነገር” ዚምልከት ነገራት ኪዛረብ ከሎ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል መልእኽቱ ተገሊጹ ኣሎ።—1 ጴጥ. 4:7

4. እተን ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:10 ዚርከባ ቓላት ዜጸናንዓና ስለምንታይ እየን፧

4 ጴጥሮስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” በለ። (1 ጴጥ. 4:10) ኣብዚ እውን “ብዙሕ” እትብል ቃል ከም እተጠቕመ ኣስተብህል። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ፈተናታት ብእተፈላለየ መልክዕ ዚመጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸጋ ኣምላኽ እውን ብእተፈላለየ መልክዕ ከም ዚመጽእ’ እዩ ዚገልጽ ዘሎ። እዚ ሓሳብ እዚ ዜጸናንዕ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዜጋጥመና ፈተና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ ማዕሪኡ ጸጋ ኣምላኽ ከም እንረክብ እዩ ዚሕብር። ኣብቲ ጴጥሮስ ዝገለጾ ሓሳብ ግን፡ ጸጋ የሆዋ ብኸመይ ከም እንረክብ ኣስተውዒልካዶ፧ ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ እዩ።

“ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ”

5. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧

5 ጴጥሮስ ንዅሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺዛረቦም ከሎ፡ “ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” በለ። ወሲኹ እውን፡ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ . . . ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” በለ። (1 ጴጥ. 4:8, 10) ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ምህናጽ እጃም ኣለዎ። ካብ የሆዋ ኽቡር ዝዀነ ነገራት ተቐቢልና ኢና፡ እዚ ንኻልኦት ንኸነካፍሎም ድማ ሓላፍነት ኣሎና። እሞኸ እዚ ኽቡር ነገራት እዚ እንታይ እዩ፧ ጴጥሮስ፡ “ውህበት” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ውህበት እዚ እንታይ እዩ፧ ‘ንሓድሕድና ንምግልጋል’ እንጥቀመሉኸ ብኸመይ ኢና፧

6. ገለ ኻብቲ ክርስትያናት እተቐበልዎ ውህበት እንታይ እዩ፧

6 ቃል ኣምላኽ፡ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ” ይብል። (ያእ. 1:17) እወ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚህቦም ውህበታት መግለጺ ጸጋኡ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዚህበና ሓለፍ ዝበለ ውህበት እዩ። እዚ ውህበት እዚ፡ ከም እኒ ፍቕሪ፡ ሕያውነት፡ ለውሃት ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ንኸነማዕብል የኽእለና። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ድማ፡ ንኣመንቲ ብጾትና ልባዊ ፍቕሪ ንኸነርእን ንዕኦም ንምሕጋዝ ድሉዋት ንኽንከውንን የለዓዕለና። ናይ ሓቂ ጥበብን ፍልጠትን እውን ካብ መንጎ እቲ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ጽቡቕ ውህበታት እዩ። (1 ቈረ. 2:10-16፣ ገላ. 5:22, 23) አረ ዅሉ ጕልበትናን ክእለትናን ተውህቦናንሲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ንምውዳስን ክብሪ ንምሃብን እንጠቀመሉ ውህበት ከም ዝዀነ ጌርካ ኺርአ ይከኣል ይኸውን። ብኽእለትና ብባህርያትናን ኣቢልና ድማ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ኣመንቲ ብጾትና ኸነንጸባርቕ ኣምላኽ ሓላፍነት ሂቡና ኣሎ።

“ኣገልግሉ”—ብኸመይ፧

7. (ሀ) እታ “ኸምቲ” እትብል ቃል እንታይ እያ እተመልክት፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

7 ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ እተቐበልናዮ ውህበታት፡ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት . . . ኣገልግሉ” እውን በለ። እታ “ኸምቲ” እትብል ገላጺት፡ እቲ ባህርያትን ክእለትን ብዓይነቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደረጃኡ እውን እተፈላለየ ኸም ዝዀነ እያ እትሕብር። ኰይኑ ግን፡ ነፍሲ ወከፎም በቲ እተቐበልዎ ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ውህበት፡ “ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ተባሂሎም ተተባቢዖም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ እቲ “ኸም ሕያዎት መገብቲ . . . ኣገልግሉ” ዚብል መግለጺ ትእዛዝ እዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይግባእ፦ ‘ነቲ እተቐበልክዎ ውህበት ንኣመንቲ ብጾተይ ንኸጽንዖም እጥቀመሉ ኣሎኹ ድየ፧’ (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:9, 10 ኣረኣኢ።) ‘ወይስ ነቲ ኻብ የሆዋ እተቐበልክዎ ኽእለት ንርእሰይ ንምጥቃም፡ ምናልባት ሃብቲ ንምርካብን ማሕበራዊ ናብራይ ክብ ንምባል እጥቀመሉ ድየ፧’ (1 ቈረ. 4:7) ውህበትና ‘ንሓድሕድና ንምግልጋል’ እንተ ደኣ ተጠቒምናሉ፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና።—ምሳ. 19:17፣ እብራውያን 13:16 ኣንብብ።

8, 9. (ሀ) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያናት ንጥቕሚ ኣመንቲ ብጾቶም ዜገልግሉሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤኻ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕዶም ዚደጋገፉ ብኸመይ እዮም፧

8 ቃል ኣምላኽ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ዘገልገሉሉ እተፈላለየ መገድታት ይጠቅስ እዩ። (ሮሜ 15:25, 26፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:16-18 ኣንብብ።) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ እተቐበልዎ ውህበት ንጥቕሚ ኣመንቲ ብጾቶም ኪጥቀሙሉ እተዋህቦም ትእዛዝ፡ ብምሉእ ልቦም ይፍጽምዎ እዮም። ከምዚ ዚገብሩሉ ገለ መገድታት እስከ ንርአ።

9 ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ዚቐርብ ክፍልታት ንኺዳለዉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ ሰዓታት የሕልፉ እዮም። ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ ዝረኸብዎ ገለ ጠቓሚ ሓበሬታ ኣብ ኣኼባታት ኬካፍሉ ኸለዉ፡ እቲ ምስትውዓል ዝመልኦ ቓላቶም ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንኺጸንዑ የተባብዖም። (1 ጢሞ. 5:17) ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ በቲ ምስ ኣመንቲ ብጾቶም ዘለዎም ምውቕ ምቅርራብን ርሕራሐን እዮም ዚፍለጡ። (ሮሜ 12:15) ገሊኦም ነቶም እተጨነቑ ኣሕዋት ብቐጻሊ ይበጽሕዎም፡ ምስኦም ሓቢሮም ከኣ ይጽልዩ እዮም። (1 ተሰ. 5:14) ገሊኦም እውን ነቶም ምስ ፈተናታት ዚቃለሱ ዘለዉ ክርስትያናት ብጾቶም ዜተባብዕ ቃላት ይጽሕፉሎም እዮም። ካልኦት ድማ ነቶም ኣካላዊ ጸገም ዘለዎም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንኺካፈሉ ብሕያውነት ይሕግዝዎም እዮም። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ብሓደጋ እተጠቕዑ ኣመንቲ ብጾቶም፡ ኣባይቶም እንደገና ኣብ ምህናጽን ኣብ ዕዮ ረድኤትን ይካፈሉ እዮም። ኵሉ እቲ በዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓለይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚግበር ለውሃትን ግብራዊ ሓገዝን፡ መርኣያ እቲ “ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ” እዩ።—1 ጴጥሮስ 4:11 ኣንብብ።

ዝያዳ ዜገድስ ኣየናይ እዩ፧

10. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኽልተ መዳይ ኣገልግሎቱ እዩ ዚግደስ ነይሩ፧ (ለ) ሎሚ ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ንጥቕሚ ኣመንቲ ብጾቶም ዚጥቀሙሉ ውህበት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንኻልኦት ሰባት ኬካፍልዎ ዘለዎም መልእኽቲ እውን ብሕድሪ ተቐቢሎም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኽልተ መዳይ ኣገልግሎቱ ተገንዚብዎ ነበረ። ንጉባኤ ኤፌሶን ብዛዕባ እቲ ምእንቲ ንዕኦም ኪጠቅም እተቐበሎ “መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ” ጸሓፈሎም። (ኤፌ. 3:2) እንተዀነ ግን፡ “ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና” ምዃንና ገለጸ። (1 ተሰ. 2:4) ልክዕ ከም ጳውሎስ፡ ንሕና እውን ከም ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ንኸነገልግል ከም እተመዘዝና ንግንዘብ ኢና። ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ብምክፋል፡ ነቲ ጳውሎስ ከም ዘይሕለል ኣዋጂ እቲ ብስራት መጠን ዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ ንጽዕር ኢና። (ግብ. 20:20, 21፣ 1 ቈረ. 11:1) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ንህይወት ሰባት ኬድሕን ከም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ንኣመንቲ ብጾትና ‘መንፈሳዊ ውህበት ክንመቕሎም’ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ብምንዳይ ንጳውሎስ ክንመስሎ ንጽዕር ኢና።—ሮሜ 1:11, 12፣ 10:13-15 ኣንብብ።

11. ነቲ ብስራት ንኽንሰብኽን ንኣመንቲ ብጾትና ንኽንሃንጽን እተዋህበና መዝነት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

11 ካብዘን ክልተ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝያዳ እተገድስ ኣየነይቲ እያ፧ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምሕታት፡ ‘ንሓንቲ ዑፍ ካብ ዘለዋ ኽልተ ኽንፊ ዝያዳ እተገድስ ኣየነይቲ እያ፧’ ኢልካ ኸም ምሕታት እዩ ዚቝጸር። መልሱ ርዱእ እዩ። ሓንቲ ዑፍ ምእንቲ ኽትነፍር ክልቲኡ ኣኽናፋ እዩ ዜድልያ። ብተመሳሳሊ፡ ብቑዓት ክርስትያናት ንኽንከውን ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኽልቲኡ መዳያት ኣገልግሎትና ኽንካፈል ኣሎና። ስለዚ፡ ነቲ ብስራት ንኽንሰብኽን ንኣመንቲ ብጾትና ንኽንሃንጽን እተዋህበና መዝነት ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉ ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝነበሮም ኣመለኻኽታ፡ ክልቲኡ ሓቢሩ ዚኸይድ ሓላፍነታት ከም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ብኸመይ፧

12. ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ዘሎ ናውቲ ዄንና ኸነገልግል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ከም ወንጌላውያን መጠን፡ ዝዀነ ይኹን ክእለት ኣመሃህራ ተጠቒምና፡ ንልቢ ሰባት በቲ ዜተባብዕ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንትንክፍ ንጽዕር ንኸውን። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንኪዀኑ ኸም እንሕግዞም ተስፋ ንገብር ኢና። ይኹን እምበር፡ ንኣመንቲ ብጾትና በቲ መርኣያ ጸጋ ኣምላኽ ዝዀነ ዜጸናንዕ ቃላትን ግብራዊ ሓገዝን ኣቢልና ብምትብባዕ እውን ንዝዀነ ይኹን ክእለትናን ውህበትናን ንጥቀመሉ ኢና። (ምሳ. 3:27፣ 12:25) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኰይኖም ንኪቕጽሉ ኸም እንሕግዞም ተስፋ ንገብር። ብኽልቲኡ ንጥፈታት፡ ማለት ንህዝቢ ብምስባኽን ‘ንሓድሕድና ብምግልጋልን፡’ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ዘሎ ናውቲ ናይ ምዃን ዜደንቕ ፍሉይ መሰል ኣሎና።—ገላ. 6:10

“ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ”

13. ‘ንሓድሕድና ኣብ ምግልጋል’ እንተ ሰኒፍና፡ እንታይ እዩ ዜጋጥመና፧

13 ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:10) እወ፡ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ብምሉእ ልብና ኸም መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ ኴንና ንኸነገልግል ትድርኸና እያ። ሰይጣን ‘ንሓድሕድና ንምግልጋል’ እንገብሮ ጻዕሪ ኺዓናቕፎ እንተ ደኣ ኽኢሉ፡ ንሓድነትና ኸም ዜዳኽሞ ንፈልጥ ኢና። (ቈሎ. 3:14) ሓድነትና ምድኻሙ ድማ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ከም ዚዳኸም እዩ ዚገብሮ። ሰይጣን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍና ጥራይ ብምጥቃዕ ኬውድቐና ኸም ዚኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።

14. ‘ንሓድሕድና ብምግልጋልና’ መን እዩ ዚጥቀም፧ ኣብነት ሃብ።

14 ‘ንሓድሕድና ምግልጋል፡’ ነቶም ጸጋ ኣምላኽ ዚቕበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንኻልኦት ዜመሓላልፉ እውን ይጠቅም እዩ። (ምሳ. 11:25) ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ኢለኖይስ፡ ሕ.መ.ኣ ዚነብሩ ራያንን ሮኒን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር እስከ ንርአ። ህቦብላ ካትሪና ብኣማእታት ንዚቝጸሩ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቶም ከም ዘዕነወ ምስ ፈለጡ፡ እታ ንኣሕዋቶም ዘላቶም ፍቕሪ ስራሖምን ቤቶምን ኪሓድጉ፡ ከምኡውን ዘገልገለት ተጐታቲት ማኪና ዓዲጎም ንመንበሪ ኸም እትኸውን ገይሮም ብምትዕርራይ 1,400 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ተጓዒዞም ናብ ሉዊዝያና ኪኸዱ ደረኸቶም። ብግዜኦምን ብጕልበቶምን ብጥሪቶምን ንኣሕዋቶም እናሓገዙ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብኡ ተቐመጡ። እቲ ወዲ 29 ዓመት ራያን ከምዚ በለ፦ “ኣብ ዕዮ ረድኤት ምክፋለይ ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገይሩኒ እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚከናኸኖም ርእየ እየ።” ወሲኹ እውን፡ “ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ኣሕዋት ምስራሐይ ንኣሕዋት ብዛዕባ ዝከናኸነሉ መገዲ ብዙሕ ምሂሩኒ እዩ። ኣብ ውድብ የሆዋ፡ መንእሰያት ዘበልና እንዓዮ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ እውን ፈሊጠ እየ” በለ። እታ ጓል 25 ዓመት ሮኒ ድማ ከምዚ በለት፦ “ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እጃም ስለ ዝነበረኒ፡ ኣዝየ እየ ተሓጕሰ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ተሓጒሰ ኣይፈልጥን። ካብዚ ዜደንቕ ተመክሮ እዚ፡ ኣብ መጻኢ እውን ጥቕሚ ኸም ዝረክብ እፈልጥ እየ።”

15. ከም ሕያዎት መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ ኴንና ምግልጋልና ንኽንቅጽል እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና፧

15 ብርግጽ፡ ነቲ ብስራት ክንሰብኽን ንኣሕዋትና ኽንሃንጽን እተዋህበ ትእዛዛት ኣምላኽ ምእዛዝና፡ ንዅሉ እዩ በረኸት ዜምጽእ። እቶም ዝሓገዝናዮም ሰባት ብመንፈሳዊ ይበራትዑ፡ ንሕና እውን ነቲ ብምሃብ ጥራይ ዚርከብ ሓጐስ ንረክብ። (ግብ. 20:35) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ንኻልእ ኪሓሊ ስለ ዚጅምር፡ እታ ጉባኤ ብምልእታ ብፍቕሪ ትዓቢ። ብተወሳኺ፡ እቲ ንኻልኦት እነርእዮ ፍቕርን ለውሃትን ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብንጹር ከም እንፍለጥ ይገብረና። የሱስ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃ. 13:35) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እቲ ሓላዪ ዝዀነ ኣቦና የሆዋ ነቶም እተሸገሩ ንምብርታዕ ዘለዎ ድሌት ብምድራውያን ኣገልገልቱ ኣቢሉ ኺንጸባረቕ ከሎ፡ ንሱ ኽብሪ ይረክብ። ነቲ ውህበትና፡ ‘ከም ሕያዎት መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ ኴንና ንሓድሕድና ንምግልጋል’ ክንጥቀመሉስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብቑዕ ምኽንያት ኰን እዩ ዘሎና! እሞኸ ኸምዚ ምግባር ክትቕጽል ዲኻ፧—እብራውያን 6:10 ኣንብብ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ንኣገልገልቱ ዜበርትዖም ብኸመይ እዩ፧

• ብሓደራ እተቐበልናዮ እንታይ እዩ፧

• ንኣመንቲ ብጾትና ኸነገልግለሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

• ውህበትና ‘ንሓድሕድና ንምግልጋል’ ክንጥቀመሉ ዜለዓዕለና እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እቲ እተቐበልካዮ “ውህበት” ንኻልኦት ንምግልጋል ዲኻ እትጥቀመሉ ወይስ ንርእስኻ ንምሕጓስ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ብስራት ንሰብኽን ንክርስትያናት ብጾትና ንሕግዝን ኢና

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሰራሕተኛታት ዕዮ ረድኤት ስለቲ ዜርእይዎ ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ ናእዳ ይግብኦም