ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባርያ የሆዋ፡ “ብሰሪ ገበንና ቘሰለ”

ባርያ የሆዋ፡ “ብሰሪ ገበንና ቘሰለ”

ባርያ የሆዋ፡ “ብሰሪ ገበንና ቘሰለ”

“ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ . . . ንሕናውን ብስምብራቱ ሐዌና።” —ኢሳ. 53:5

1. በዓል ዝኽሪ ኸነብዕል ከለና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዚግባእ፧ ከምኡ ንኽንገብር ዚሕግዘናኸ ኣየናይ ትንቢት እዩ፧

 በዓል ዝኽሪ እነብዕል፡ ሞት ክርስቶስ ንምኽባርን ብሳላ ሞቱን ትንሳኤኡን እተረኽበ ነገራት ንምዝካርን እዩ። በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ ምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋ፡ ምቕዳስ ስሙ፡ ምፍጻም ዕላማኡ፡ እንተላይ ብዛዕባ ድሕነት ደቂ ሰብ የዘኻኽረና እዩ። ምናልባት ከም ኣብ ኢሳይያስ 53:3-12 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ገይሩ፡ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስን ብሳላኡ እተረኽበ ነገራትን ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ የለን። ኢሳይያስ፡ እቲ ባርያ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ስቓይ፡ ሞት ክርስቶስ፡ እቲ ሞቱ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ዀነ ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዜምጽኦ በረኸት ብዚምልከት ብዝርዝር ተነበየ።—ዮሃ. 10:16

2. ትንቢት ኢሳይያስ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧ ኣባናኸ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

2 ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ሸውዓተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ እቲ ሕሩይ ባርያኡ ተፈቲኑ ኽሳዕ መወዳእታ እሙን ከም ዚኸውን ተነበየ። የሆዋ እዚ ትንቢት እዚ ብመሪሕነት መንፈሱ ኸም ዚጸሓፍ ምግባሩ፡ ወዱ እሙን ከም ዚኸውን ዝነበሮ ፍጹም ምትእምማን ዜርኢ እዩ። ነዚ ትንቢት እዚ ኽንምርምር ከለና፡ ልብና ብሞሳ ኺመልእን እምነትና ኺድልድልን እዩ።

‘እተዋረደን ገለ እኳ ዘይተቘጽረን’

3. ኣይሁድ ንየሱስ ብሓጐስ ኪቕበልዎ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይ ግን ተቐበልዎ፧

3 ኢሳይያስ 53:3 ኣንብብ። ነቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ብምግልጋል ዚረኽቦ ዝነበረ ሓጐስ ምሕዳግን ናብ ምድሪ መጺኡ ንሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕን ህይወቱ መስዋእቲ ምግባርን፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ሕስብ እሞ ኣብሎ! (ፊል. 2:5-8) እቲ መስዋእቱ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኸም ጽላሎት ኰይኑ ይዓዪ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳ ብምትካእ፡ ናይ ሓቂ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚርከብ ገይሩ እዩ። (እብ. 10:1-4) እንተ ወሓደ እቶም ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ዚጽበዩ ዝነበሩ ኣይሁድ ብሓጐስ ኪቕበልዎን ክብሪ ኺህብዎንዶ ኣይምተገብአን፧ (ዮሃ. 6:14) ኣብ ክንዳኡ፡ ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ ኣብ ቅድሚ ኣይሁድ “እተዋረደ” ነበረ፡ ‘ገለ እኳ ድማ ኣይቈጸርዎን።’ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባኡ፡ “ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 1:11) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንኣይሁድ፡ “ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ኪፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሀብክምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሐድኩምዎን። እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩም” በሎም።—ግብ. 3:13, 14

4. የሱስ ብዛዕባ ሕማም ይፈልጥ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

4 ኢሳይያስ፡ የሱስ “ብሕማም ልዱይ” ወይ ‘ብዛዕባ ሕማም ከም ዚፈልጥ፡’ (NW) እውን ተነብዩ እዩ። ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ ሓድሓደ ግዜ ይደክም እኳ እንተ ነበረ፡ ይሓምም ብዛዕባ ምንባሩ ግን ዚሕብር ነገር የለን። (ዮሃ. 4:6) እንተዀነ ግን፡ ነቶም ዝሰበኸሎም ሰባት ዝነበሮም ሕማማት ይፈልጥ ነበረ። ይድንግጸሎምን ንብዙሓት የሕውዮምን ነበረ። (ማር. 1:32-34) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሱስ ነቲ፡ “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ” ዚብል ትንቢት ፈጸሞ።—ኢሳ. 53:4፣ ማቴ. 8:16, 17

“ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈ”

5. መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንሞት የሱስ ብኸመይ ረኣይዎ፧ እዚ ንስቓዩ ዘጋደዶኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኢሳይያስ 53:4 ኣንብብ። ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ እተሳቐየሉን ዝሞተሉን ዕላማ ኣይተረድኦምን። ኣምላኽ ከም ዝወቕዖ ወይ ከም ዝቐጽዖ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ። (ማቴ. 27:38-44) ኣይሁድ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ከሰስዎ። (ማር. 14:61-64፣ ዮሃ. 10:33) የሱስ ግን ሓጢኣተኛ ዀነ ተጻራፊ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ንኣቦኡ ዝነበሮ ዓብዪ ፍቕሪ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ ከም ተጻራፊ ተኸሲሱ ሙማቱ፡ ንስቓዩ ኣጋዲድዎ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ፍቓድ የሆዋ ንምፍጻም ፍቓደኛ ነበረ።—ማቴ. 26:39

6, 7. የሆዋ ነቲ እሙን ባርያኡ ‘ዝሓምሸሾ’ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ከምኡ ምግባር ‘ዝፈተወኸ’ ስለምንታይ እዩ፧

6 ትንቢት ኢሳይያስ፡ ገሊኦም ክርስቶስ “ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈ” ገይሮም ከም ዚቘጽርዎ ዚገልጸሉ ምኽንያት ንርድኦ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ትንቢት “እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ” ተባሂሉ ምግላጹ ግን ኬገርመና ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 53:10) የሆዋ፡ “እንሆ፡ . . . ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ” ኢሉ ገሊጹ ኽነሱ፡ ‘ብመከራ ኺሕምሽሾ ዚፈቱ’ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ (ኢሳ. 42:1) በዚ ዅነታት እዚ ፈትዩ ወይ ተሓጒሱ ኺበሃል ዚከኣልከ ብኸመይ እዩ፧

7 ነዚ ትንቢት እዚ ንኽንርድኦ፡ ሰይጣን ንልዑላውነት የሆዋ ኣብ ዝበድሃሉ እዋን፡ ንተኣማንነት እቶም ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ዅሎም ባሮት የሆዋ ኣብ ሕቶ ኸም ዘእተዎ ኽንዝክር ኣሎና። (እዮ. 1:9-11፣ 2:3-5) የሱስ፡ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ፍጹም መልሲ ሃበሉ። የሆዋ፡ ዋላ እኳ የሱስ ብጸላእቱ ንኪቕተል እንተ ፈቐደ፡ እቲ ሕሩይ ባርያኡ ኺመውት ኪርኢ ኸሎ ኸም እተሳቐየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ወዱ ፍጹም ተኣማንነት ኬርኢ ኸሎ ምዕዛቡ፡ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺእሉ እዩ። (ምሳ. 27:11) ብተወሳኺ፡ ሞት ወዱ ነቶም እተነስሑ ደቂ ሰብ ረብሓ ኸም ዘለዎ ምፍላጡ እውን ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺእሉ እዩ።—ሉቃ. 15:7

“ብሰሪ ገበንና ቘሰለ”

8, 9. (ሀ) የሱስ፡ ‘ብሰሪ ገበንና ዝቘሰለ’ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጴጥሮስ ነዚ ብኸመይ ኣረጋገጾ፧

8 ኢሳይያስ 53:6 ኣንብብ። ሓጥኣን ደቂ ሰብ፡ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ፡ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሕማምን ሞትን ዜድሕኖም ንኺረኽቡ ኰለል ይብሉ ኣለዉ። (1 ጴጥ. 2:25) ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ ካብ ዘርኢ ኣዳም ነቲ ንሱ ዘጥፈኦ ነገራት ኪመልሶ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። (መዝ. 49:7) ይኹን እምበር፡ የሆዋ በታ ዓባይ ፍቕሩ ተደሪኹ፡ “ኣበሳ ዅላትና ኣብኡ [ኣብቲ ፍቑር ወዱን ሕሩይ ባርያኡን] ኣውደቖ።” ክርስቶስ፡ ‘ብሰሪ ገበንና ኪቖስልን ብሰሪ ኣበሳና ኪኽትከትን’ ፍቓደኛ ብምዃን፡ ንሓጢኣትና ኣብ ዕንጨይቲ ጸይሩ ኣብ ክንዳና ሞተ።

9 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ብምጥቃስ፡ “ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም” በለ። (1 ጴጥ. 2:21, 24፣ ኢሳ. 53:5) እዚ ኸምቲ ጴጥሮስ ወሲኹ፡ “ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ” ኢሉ ዝገለጾ፡ ነቶም ሓጥኣን ሰባት ምስ ኣምላኽ ንኺዕረቑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።—1 ጴጥ. 3:18

“ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል”

10. (ሀ) ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) እተን ዮሃንስ እተዛረበን ቃላት ትኽክል ዝነበራ ስለምንታይ እየን፧

10 ኢሳይያስ 53:7, 8 ኣንብብ። ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ኪመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። (ዮሃ. 1:29) ዮሃንስ ንየሱስ ከም ገንሸል ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ነተን ኣብ ኢሳይያስ ዚርከባ፡ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል” ዚብላ ቓላት ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 53:7) ኢሳይያስ፡ ‘ነፍሱ ንሞት ወፈያ’ ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 53:12) የሱስ ኣብታ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ዝሰርዓላ ምሸት፡ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ጽዋእ ወይኒ ድሕሪ ምሃብ፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ” በሎም።—ማቴ. 26:28

11, 12. (ሀ) ይስሃቅ ንኺስዋእ ፍቓደኛ ምዃኑ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስ እንታይ የመልክት፧ (ለ) በዓል ዝኽሪ ኸነብዕል ከሎና፡ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ኣብርሃም ዝዀነ የሆዋ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

11 ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ይስሃቅ ዝገበሮ፡ የሱስ ኣብቲ ብመሰውኢ ዚምሰል እቲ የሆዋ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ፡ ከም መስዋእቲ ዀይኑ ኪቐርብ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 22:1, 2, 9-13፣ እብ. 10:5-10) ይስሃቅ ንኺስዋእ ፍቓደኛ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ መስዋእቲ ኬቕርቦ ዝፈተነ ግን ኣብርሃም እዩ ነይሩ። (እብ. 11:17) ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንኺመውት ፍቓደኛ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ በጃ ንኪቐርብ መሰናድዎ ዝገበረ ግን የሆዋ እዩ ነይሩ። እቲ ወዱ ዘቕረቦ መስዋእቲ፡ መግለጺ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ እዩ።

12 የሱስ ባዕሉ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃ. 3:16) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:8) ስለዚ፡ ዝኽሪ ሞቱ ብምብዓል ንክርስቶስ ከነኽብሮ ኸለና፡ ነቲ መስዋእታዊ መሰናድዎ ዝገበረ፡ እቲ ዝዓበየ ኣብርሃም ዝዀነ የሆዋ ምዃኑ ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። ንዕኡ ንምውዳስ ኢና በዓል ዝኽሪ እነብዕል።

እቲ ባርያ “ንብዙሓት ኬጽድቕ” እዩ

13, 14. ባርያ የሆዋ ‘ንብዙሓት ዘጽደቐ’ ብኸመይ እዩ፧

13 ኢሳይያስ 53:11, 12 ኣንብብ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሕሩይ ባርያኡ፡ “እቲ ጻድቕ ባርያይ . . . ንብዙሓት ኬጽድቕ . . . እዩ” ኢሉ ተዛረበ። ብኸመይ፧ ኣብ መወዳእታ ቝጽሪ 12 መልሱ ንረኽቦ ኢና። “[እቲ ባርያ] ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ” ይብል። ኵሎም ዘርኢ ኣዳም “በደለኛታት” ኰይኖም ብሓጢኣት እዮም ዚውለዱ፡ ስለዚ ድማ “ዓስቢ ሓጢኣት፡” ሞት ይቕበሉ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ኣብ መንጎ የሆዋን ሓጥኣን ደቂ ሰብን ዕርቂ ኺግበር ኣድላዪ እዩ። ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ 53፡ የሱስ ብኸመይ ኣብ ክንዲ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከም ‘ዝለመነ’ ጽቡቕ ገይራ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሐዌና” ትብል።—ኢሳ. 53:5

14 ክርስቶስ ንሓጢኣትና ብምስካምን ኣብ ክንዳና ብሙማትን፡ ‘ንብዙሓት ኣጽደቐ።’ ጳውሎስ፡ “ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ [ኣብ ክርስቶስ] ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ፡ ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ቈሎ. 1:19, 20

15. (ሀ) እቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ነገራት ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ (ለ) ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫ ንኺወስዱ ፍሉይ መሰል ዝረኸቡ መን ጥራይ እዮም፧ ስለምንታይከ፧

15 እቶም “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ምስ የሆዋ እተዓርቁን ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኪነግሱ እተጸውዑን ቅቡኣት ክርስትያናት እዮም። እቶም ኣብ “ሰማያዊ ጽውዓ ግደ” ዘለዎም ክርስትያናት፡ ‘ንህይወት ዝጸደቑ’ ተባሂሎም ኣለዉ። (እብ. 3:1፣ ሮሜ 5:1, 18) የሆዋ ኸም መንፈሳውያን ውሉዳቱ ገይሩ ተቐቢልዎም እዩ። ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ነገስታትን ካህናትን ንኪዀኑ እተጸውዑ “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ኸም ዝዀኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ መስኪሩሎም እዩ። (ሮሜ 8:15-17፣ ራእ. 5:9, 10) ክፍሊ መንፈሳዊ እስራኤል ማለት፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኰይኖምን ኣብቲ “ሓድሽ ኪዳን” ኣትዮምን እዮም። (ኤር. 31:31-34፣ ገላ. 6:16) ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ከም ምዃኖም መጠን፡ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ካብቲ የሱስ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” ኢሉ ዝገለጾ ጽዋእ ቀይሕ ወይንን ንኺወስዱ መሰል ረኺቦም እዮም።—ሉቃ. 22:20

16. “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ነገራት እንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝጸደቑኸ ብኸመይ እዮም፧

16 እቶም “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህሉ፡ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ክርስቶስ እዮም። እቲ ሕሩይ ባርያ የሆዋ ነዚኣቶም እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዚጸድቁ ገይርዎም እዩ። ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ስለ ዝኣመኑ፡ ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮም እዮም፣’ የሆዋ ድማ ከም መንፈሳውያን ደቂ ዘይኰነስ፡ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ብምጽዳቕ ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ናይ ምድሓን ዜደንቕ ተስፋ ሂብዎም ኣሎ። (ራእ. 7:9, 10, 14፣ ያእ. 2:23) ስለዚ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ስለ ዘይኣትዉን ሰማያዊ ተስፋ ስለ ዘይብሎምን፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ብኣኽብሮት ዚዕዘቡ ብምዃን እኳ እንተ ተኣከቡ፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ግን ኣይወስዱን እዮም።

ንየሆዋን ነቲ ዚሰምሮ ባርያኡን ምስጋና ይግብኦም

17. ነቲ ኣብቲ ባርያ ዘተኰረ ኣብ ኢሳይያስ ዚርከብ ትንቢታት ምምርማር፡ ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንኽንዳሎ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

17 ነቲ ኣብቲ ባርያ ዘተኰረ ኣብ ኢሳይያስ ዚርከብ ትንቢታት ምምርማር፡ ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንኽንዳሎ ዜኽእለና ብሉጽ መገዲ እዩ። ናብቲ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” ንኽንጥምት ድማ የኽእለና። (እብ. 12:2) ወዲ ኣምላኽ ዓለወኛ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥና ኢና። ከም ሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታ ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ካብኡ ኺመሃር ከሎ ባህ እዩ ዚብሎ። የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ርሕራሐ ኸም ዘርኣዮም፡ ንብዙሓት ካባታቶም ከኣ ብኣካላውን መንፈሳውን የሕውዮም ከም ዝነበረ ርኢና ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ሓድሽ ስርዓት ከም መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ‘ፍትሒ ኣብ ምድሪ ምስ መስረተ’ ዚፍጽሞ ነገራት እዩ ኣርእዩ። (ኢሳ. 42:4) እቲ ኸም “ብርሃን ኣህዛብ” ኰይኑ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ዘርኣዮ ቕንኣት፡ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ምድሪ ብቕንኣት ንኺሰብኩ እዩ ዜዘኻኽሮም።—ኢሳ. 42:6

18. ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢታት፡ ልብና በቲ ንየሆዋን ነቲ እሙን ባርያኡን ዘሎና ሞሳ ኸም ዚመልእ ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧

18 ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢታት፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ፍቑር ወዱ ናብ ምድሪ ልኢኹ ምእንታና ኸም ዚሳቐን ከም ዚመውትን ብምግባር ብዛዕባ ዘርኣዮ ዓብዪ መስዋእቲ ዘሎና ምርዳእ፡ ከም ዚዓቢ እውን ይገብር እዩ። የሆዋ ዝፈተዎ ወይ እተሓጐሰሉ ነገር፡ ወዱ ኺሳቐ ኸሎ ምርኣዩ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ሞት ፍጹም ተኣማንነት ኬርኢ ኸሎ ምዕዛቡ እዩ። ንሕና እውን ነቲ የሱስ ንሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንምምስካርን ስም የሆዋ ንምቕዳስን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንሕጋውነት ልዑላውነት ኣቦኡ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ነገራት ብምሉኡ ብምግንዛብ፡ ኣብ ሓጐስ የሆዋ ኽንካፈል ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ክርስቶስ ሓጢኣትና ጸይሩ፡ ምእንታና ሞይቱ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ዝዀኑ ሒደት መጓሰ ዀኑ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኺጸድቁ ኣኽኢልዎም እዩ። ሃየ እምበኣር፡ በዓል ዝኽሪ ንምኽባር ክንእከብ ከለና፡ ልብና በቲ ንየሆዋን ነቲ እሙን ባርያኡን ዘሎና ሞሳ ይምላእ።

ድግማ

• የሆዋ፡ ወዱ ‘ኺሕምሸሽ ዝፈተወ’ ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ ‘ብሰሪ ገበንና ዝቘሰለ’ ብኸመይ እዩ፧

• እቲ ባርያ ‘ንብዙሓት ዘጽደቐ’ ብኸመይ እዩ፧

• ብዛዕባ እቲ ባርያ ዚገልጽ ትንቢታት ምምርማርካ፡ ንኣእምሮኻን ልብኻን ንበዓል ዝኽሪ ዘዳለዎ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

‘እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን’

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

‘ነፍሱ ንሞት ወፈያ’

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ብኣኽብሮት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ