ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንዓ ስዐበኒ”

“ንዓ ስዐበኒ”

“ንዓ ስዐበኒ”

“ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ [“መሳቐዪ ዕንጨይቱ፡” NW] ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።”—ሉቃ. 9:23

1, 2. (ሀ) የሱስ እንታይ ዓይነት ዕድመ እዩ ኣቕሪቡ፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ዕድመ ብኸመይ ኢኻ ምላሽ እትህበሉ፧

 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ፡ ኣብታ ብሰሜናዊ ምብራቕ ይሁዳ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እትርከብ ጴርያ ይምስክር ነበረ። ምስ ሓደ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺወርስ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ዝሓተቶ መንእሰይ ድማ ተራኸበ። የሱስ፡ እቲ መንእሰይ ንሕጊ ሙሴ ተጠንቂቑ ይሕሉ ኸም ዝነበረ ምስ ፈለጠ፡ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ዕድመ ኣቕረበሉ። “ኪድ፡ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ” በሎ። (ማር. 10:21) ሕስብ እሞ ኣብሎ—ነቲ ሓደ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኪስዕብ ዕድመ ቐረበሉ!

2 ዋላ እኳ እቲ መንእሰይ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ እንተ ነጸጎ፡ ካልኦት ግን ተቐቢሎምዎ እዮም። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ንፊልጶስ፡ “ስዐበኒ” ኢልዎ ነበረ። (ዮሃ. 1:43) ፊልጶስ ነቲ ዕድመ ተቐበሎ፡ ጸኒሑ ድማ ሃዋርያ ዀነ። የሱስ ንማቴዎስ እውን ነዛ ዕድመ እዚኣ ኣቕረበሉ፡ ንሱ እውን ተቐበሎ። (ማቴ. 9:9፣ 10:2-4) ብርግጽ፡ የሱስ፡ “[“ዝኾነ ሰብ፡” ትርጕም 1990] ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ [“መሳቐዪ ዕንጨይቱ፡” NW] ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ” ብምባል ንዅሎም ኣፍቀርቲ ጽድቂ፡ ነዛ ዕድመ እዚኣ ኣቕሪቡሎም ኣሎ። (ሉቃ. 9:23) ስለዚ፡ ዝዀነ ሰብ ሰዓቢ የሱስ ኪኸውን ብሓቂ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ባህጊ ኣሎካዶ፧ መብዛሕትና ነቲ የሱስ ዘቕረበልና ዕድመ ድሮ ተሓጕስና ተቐቢልናዮን ነቲ ዕድመኡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኻልኦት ሰባት ነቕርበሎምን ኢና።

3. ንየሱስ ካብ ምስዓብ ንኸይነቋርጽ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3 እቲ ዜሕዝን ግን፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኣዩ ገሊኦም ሰባት መጽናዕቶም ኣይቀጸሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዛሕቲሎም ከምኡውን ንክርስቶስ ካብ ምስዓብ ‘ጠፊኦም’ ወይ ኣቋሪጾም እዮም። (እብ. 2:1) ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ንኸይንወድቕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ንርእስና፡ ‘ንየሱስ ንኽስዕብ ዝመረጽኩሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ንዕኡ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢልና ምሕታትና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መልሲ እዘን ክልተ ሕቶታት ምዝካርና፡ ካብታ ዝሓረናያ ጥዕይቲ መገዲ ንኸይንወጽእ ዝገበርናዮ ውሳነ ኼደልድሎ እዩ። ካልኦት ንየሱስ ኪስዕብዎ ንኸነተባብዖም እውን ኪሕግዘና እዩ።

ንየሱስ እንስዕቦ ስለምንታይ ኢና፧

4, 5. የሱስ ንኺመርሕ ብቑዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ነብዪ ኤርምያስ ከምዚ በለ፦ “ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ።” (ኤር. 10:23) ታሪኽ ንሓቅነት ቃላት ኤርምያስ ኣረጋጊጹ እዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ርእሶም ኪመርሑ ኸም ዘይክእሉ ብዝያዳ እናነጸረ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። የሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ብቑዕ ምዃኑ ስለ ዝፈለጥና ድማ፡ ነቲ ንዕኡ ኽንስዕቦ ዝቐረበልና ዕድመ ተቐቢልናዮ ኢና። ገለ ኻብቲ ዘለዎ ብቕዓታት እስከ ንርአ።

5 ቀዳማይ፡ የሱስ ከም መሲሕ ወይ መራሒ ዀይኑ እተመርጸ ብየሆዋ እዩ። እንታይ ዓይነት መራሒ ኸም ዜድልየና፡ ካብ ፈጣሪና ንላዕሊ ዚፈልጥ መን ኣሎ፧ ካልኣይ፡ የሱስ ክንንእዶን ክንቀድሖን እንኽእል ባህርያት ኣለዎ። (ኢሳይያስ 11:2, 3 ኣንብብ።) ንሱ ፍጹም ኣብነት እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) ሳልሳይ፡ የሱስ ነቶም ዚስዕብዎ ህይወቱ ብምሃብ ብዙሕ ከም ዚሓልየሎም ኣርእዩ እዩ። (ዮሃንስ 10:14, 15 ኣንብብ።) ሕጂ ሓጐስ፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናብ ዜምጽኣልና መገዲ ህይወት ብምምራሕ፡ ሓላዪ ጓሳ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 10:10, 11፣ ራእ. 7:16, 17) በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን ተላዒልና ንዕኡ ንኽንስዕብ ምምራጽና፡ ጥበባዊ ውሳነ ኢና ጌርና። እዚ መገዲ እዚ ግን እንታይ የጠቓልል፧

6. ንየሱስ ምስዓብ እንታይ የጠቓልል፧

6 ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን፡ ክርስትያን ከም ዝዀንካ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ የጠቓልል። ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ሰባት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዚብሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተግባራቶም ግን “ገበርቲ ዓመጻ” ኸም ዝዀኑ እዩ ዜርኢ። (ማቴዎስ 7:21-23 ኣንብብ።) ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ነቲ ንየሱስ ኪስዕብዎ ዝቐረበሎም ዕድመ ኪቕበሉ እንተ ዀይኖም፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምሉእ ህይወቶም ብመሰረት ትምህርትታትን ኣብነታትን የሱስ ከም ዚቐርጽዎ፡ ነዚ ድማ መዓልታዊ ኸም ዚገብርዎ ንገልጸሎም ኢና። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምብራህ፡ ንገለ ኻብቲ ብዛዕባ የሱስ እንፈልጦ ነገራት እስከ ንመርምር።

ነታ የሱስ ዘርኣያ ጥበብ ቅድሓያ

7, 8. (ሀ) ጥበብ እንታይ እያ፧ የሱስ ብዙሕ ጥበብ ኪህልዎ ዝኸኣለኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ጥበብ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

7 የሱስ ብዙሕ ሓለፍ ዝበለ ባህርያት ኣንጸባሪቑ እዩ፡ ሕጂ ግን ኣብ ኣርባዕተ ባህርያቱ ማለት፡ ኣብ ጥበቡ፡ ትሕትናኡ፡ ቅንኣቱ፡ ከምኡውን ፍቕሩ ኸነተኵር ኢና። ቀዳማይ፡ ነታ ጥበቡ፡ ማለት ነቲ ንፍልጠትን ምርዳእን ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ክእለቱ እስከ ንርአ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ [ኣብ የሱስ] ተሰዊሩ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 2:3) የሱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ካበይ ረኸቦ፧ ንሱ ባዕሉ፡ ‘ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ እየ ዝነግር’ በለ። (ዮሃ. 8:28) ጥበብ ዝሃቦ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዘርኣዮ ምምዝዛን ኣየገርመናን እዩ።

8 ንኣብነት፡ የሱስ መገዲ ህይወቱ ንኺመርጽ ጽቡቕ ምምዝዛን ተጠቒሙ እዩ። ናብራኡ ቐሊል ኪገብር ወሰነ፣ ኣብ ሓደ ነገር ማለት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ጥራይ ከኣ ኣተኰረ። ግዜኡን ጕልበቱን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ብጥበብ ወፈየ። ንሕና እውን ኣብ ሓደ ዕላማ እተተኵር ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ብምሓዝ ኣብነት የሱስ ንስዕብ ኢና፣ ስለዚ ድማ፡ ንርእስና ብዙሕ ጕልበትን ቈላሕታን ዚሓትት ዘየድሊ ጾር ኣይነሰክማን ኢና። (ማቴ. 6:22) ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ናብራኦም ንምቕላል ስጕምትታት ወሲዶም እዮም። ገሊኦም ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ንስኻ እውን ሓደ ኻብዚኣቶም እንተ ዄንካ፡ ኣዝዩ ዚንኣድ እዩ። ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ’ ሓጐስን ዕግበትን የምጽእ።—ማቴ. 6:33

ከም የሱስ ትሑት ኩን

9, 10. የሱስ ትሕትናኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 ሕጂ ድማ ነታ ኻብዘን ኣብዚ እንርእየን ካልአይቲ ባህርይ የሱስ ዝዀነት ትሕትና ኢና ኽንምርምር። ዘይፍጹማት ሰባት ስልጣን ምስ ረኸቡ፡ ንርእሶም ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣዕብዮም እዮም ዚርእዩ። የሱስ ግን ካብዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ እተፈልየ ዝነበረ! ዕላማ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ ቦታ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣሰር ትዕቢት ግን የብሉን። ነታ ትሕትናኡ ኽንቀድሓ ተተባቢዕና ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ።” (ፊል. 2:5-7) እዚ እንታይ የጠቓልል ነበረ፧

10 የሱስ ኣብቲ ኣቦኡ ዚነብረሉ ሰማይ ናይ ምንባር ክቡር መሰል እኳ እንተ ነበሮ፡ ብፍቓዱ “ርእሱ ኣሕሰረ።” ህይወቱ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ኣይሁዳዊት ድንግል ተመሓላለፈት፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ ድማ ማዕቢሉ ሰብኣዊ ሕጻን ብምዃን ኣብ ሓደ እንዳ ትሑት ጸራቢ መስኪን ዕሸል ኰይኑ ተወልደ። ኣብ ቤት ዮሴፍ ኪዓቢ ኸሎ፡ ታተ በለ፡ ዓዀዀ፡ ኰተቴ ድማ ኰነ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ብምሉኡ ንእስነቱ ነቶም ሓጢኣት ዝወረሱ ሰብኣውያን ወለዱ ይእዘዞም ነበረ። (ሉቃ. 2:51, 52) ከመይ ዝበለት ፍልይቲ ትሕትና ዀን እያ ነይራቶ!

11. ንትሕትና የሱስ በየናይ መገድታት ክንቀድሓ ንኽእል፧

11 ትሑት ዚመስል ዕዮ ብፍታው ምስ እንቕበል፡ ንትሕትና የሱስ ክንመስላ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ ብስራት ክንሰብኽ እተዋህበና ዕዮ እስከ ንውሰድ። ሰባት ነቲ ብስራት ዘይግደሱ፡ ዜላግጹ፡ ወይ ዚጻብኡ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ዕዮ ትሑት ኪመስል ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዕዮ ስብከት ጸኒዕና እንተ ቐጺልና ግን፡ ካልኦት ሰባት ነቲ የሱስ ንኺስዕብዎ ዘቕረቦ ዕድመ ንኪቕበሉ ንሕግዞም። በዚ ኸምዚ ድማ ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ንሳተፍ። (2 ጢሞቴዎስ 4:1-5 ኣንብብ።) ካልእ ኣብነት ከኣ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክንኻን ዚግበር ዕዮ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። እዚ ኣገልግሎት እዚ፡ ከም ጐሓፍ ምእካብን ባይታ ምውልዋልን ዓይኒ ምድሪ ምጽራይን ዝኣመሰለ ትሑት ጌርካ ዚርአ ዕዮ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ዝዀነ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምክንኻን፡ ክፍሊ ቕዱስ ኣገልግሎት እዩ። እምበኣር፡ ትሑት ዚመስል ዕዮ ብፍታው ብምዕያይ ትሕትና ነርኢ፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ከኣ ንስዓብ።

ከም የሱስ ቀናእ ኩን

12, 13. (ሀ) የሱስ ቅንኣት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ንኺገብር ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎት ቀናኣት ንኽንከውን ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

12 ነቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት እስከ ንመርምር። ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዙሕ ነገራት ገይሩ እዩ። ኣብ ምድራዊ ህይወቱ፡ ምስቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ ከም ጸራቢ ዀይኑ ይዓዪ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ ተኣምራት ገይሩ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ንሕሙማት ምሕዋይን ንምዉታት ምትንሳእን ይርከቦ። ቀንዲ ዕዮኡ ግን፡ ብስራት ምስባኽን ነቶም ሰማዒት እዝኒ ዘላቶም ሰባት ምምሃርን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:23) ንሕና እውን ሰዓብቱ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኢና እንዓዪ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ኣብነቱ እንስዕብ፧ ቀዳማይ ነገር፡ ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ድራኸ ብምምዕባል እዩ።

13 የሱስ ይሰብኽን ይምህርን ዝነበረ፡ ብቐዳምነት በታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ተደሪኹ እዩ። ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቅታት እውን ይፈትዎ ነበረ። ነቲ ዜካፍሎ ዝነበረ ሓቅታት፡ ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፡ ነዚ ንኻልኦት ኬካፍሎም ከኣ ሃንቀውታ ነበሮ። ንሕና እውን ከም መምህራን ወይ ከም ‘መምህራን ሕጊ’ (ትርጕም 1990) መጠን፡ ተመሳሳሊ ኺስምዓና ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርናዮ ኽቡር ሓቅታት እሞ ሕስብ ኣብል! ብዛዕባ ጕዳይ ልዑላውነትን ብኸመይ ከም ዚፍታሕን ንፈልጥ ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ከምኡውን ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ በረኸት እንታይ ከም ዚምህር ኣጸቢቑ ይርድኣና እዩ። እዚ ሓቅታት እዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እተመሃርናዮ ይኹን ወይ ነዊሕ ዝገበረ፡ ዋጋኡ ኣይሃስስን እዩ። እዚ ሓቅታት ሓድሽ ኰነ ብሉይ ብዘየገድስ፡ ብዋጋ ዘይሽነን መዝገብ እዩ። (ማቴዎስ 13:52 ኣንብብ።) ካብ ልቢ ብዝመነጨ ውዕዉዕ ስምዒት ብምስባኽ፡ ነቲ የሆዋ ዝመሃረና ትምህርቲ ዘሎና ፍቕሪ ንኻልኦት ነመሓላልፈሎም።

14. ነቲ ናይ የሱስ ኣገባብ ኣመሃህራ ኽንስዕቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሱስ ብኸመይ ከም ዝመሃረ እውን ኣስተብህል። ብቐጻሊ ሰማዕቱ ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዘተኵሩ ይገብር ነበረ። ኣገዳሲ ነጥብታት ኪዛረብ ከሎ ብተደጋጋሚ፡ “ጽሑፍ እዩ” ይብል ነበረ። (ማቴ. 4:4፣ 21:13) ኣብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓላቱ፡ ካብ ልዕሊ ፍርቂ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ጠቒሱ እዩ። ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንምርኰስ፡ ብእተኻእለ መጠን ድማ ጥቕስታት ከነርኢ ኢና እንጽዕር። በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ሓሳባት ኣምላኽ ደኣ እምበር ሓሳባትና ንምህር ከም ዘየለና ብዓይኖም ንኺርእዩ ንሕግዞም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኺንበበሉ ፍቓደኛ ዝዀነ ኸምኡውን ብዛዕባ ኣገዳስነትን ትርጕምን ቃል ኣምላኽ ኪመያየጥ ዚደሊ ሰብ ምስ እንረክብ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ! ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ነቲ ንየሱስ ኪስዕብ ዝቐረበሉ ዕድመ ኪቕበል ከሎ ኸኣ፡ ሓጐስና ደረት የብሉን።

ንየሱስ ምስዓብ ንኻልኦት ምፍቃር የጠቓልል

15. እታ ሓለፍ ዝበለት ባህርይ የሱስ እንታይ እያ፧ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ምስትንታንናኸ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

15 ኣብ መወዳእታ እንምርምራ ኣብ ህይወት የሱስ እተራእየት ባህርይ፡ እታ ኻብ ኵለን ንላዕሊ እትምስጥ ንሰባት ዘርኣያ ፍቕሩ እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 5:14) ነታ የሱስ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻን ንዓና ብውልቅን ዘላቶ ፍቕሪ ኸነስተንትነላ ኸለና፡ ልብና ይትንከፍ፡ ኣብነቱ ኽንስዕብ ድማ ንድረኽ ኢና።

16, 17. የሱስ፡ ፍቕሩ ንኻልኦት ዘርኣየ በየናይ መገድታት እዩ፧

16 የሱስ ንኻልኦት ብኸመይ ፍቕሪ ኣርኣየ፧ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ በጃ ኼሕልፍ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ እታ ኻብ ኵሉ እትበልጽ መግለጺት ፍቕሩ እያ። (ዮሃ. 15:13) ኣብ ኣገልግሎቱ ግን፡ ፍቕሩ ብኻልእ መገድታት ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ዚሳቐዩ ዝነበሩ ሰባት ድንጋጽ ነበሮ። ማርያምን ምስኣ ዝነበሩን ብሞት ኣልኣዛር ኪበኽዩ ምስ ረኣየ፡ በቲ ሓዘኖም ውሽጡ ተተንከፈ። ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ምዃኑ እናፈለጠ እውን “ነብዔ።”—ዮሃ. 11:32-35

17 የሱስ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ሓደ ለምጻም ናብኡ መጺኡ፡ “እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” በሎ። የሱስ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ እቲ ጸብጻብ፡ “ደንገጸሉ” ይብለና። ድሕሪኡ ሓደ ፍሉይ ነገር ገበረ። “ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፤ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄ ኸኣ።” ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ለምጻማት ዘይንጹሃት ነበሩ፡ የሱስ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከይተንከየ ኼሕውዮ ይኽእል ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ለምጻም ኬሕውዮ ኸሎ ተንከዮ፣ ምናልባት እዚ ለምጻም እዚ ነዊሕ ዓመታት ብሰብ ከይተተንከየ እዩ ዚነብር ነይሩ። ከመይ ዝበለ ድንጋጽ ኰን እዩ ዘርኣየ!—ማር. 1:40-42

18. ‘ድንጋጽ’ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ ‘ድንጋጽ’ ብምርኣይ ፍቕርና ኽንገልጽ ጻውዒት ቀሪቡልና ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:8) ነቶም ብሕዱር ሕማም ወይ ጭንቀት ዚሳቐዩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ስምዒቶም ክንርድኦ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ከምኡ ዓይነት ስቓይ እንተ ዘየሕሊፍና ኸኣ እቲ ሽግር ይጋደድ እዩ። እንተዀነ ግን፡ የሱስ ሓሚሙ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሕሙማት ግን ይድንግጸሎም ነበረ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ድንጋጽ ከነማዕብል እንኽእል፧ እቶም ዚሳቐዩ ዘበሉ ልቦም ከፊቶም ስምዒታቶም ኪገልጹልና ኸለዉ፡ ብትዕግስቲ ብምስማዕ እዩ። ‘ኣብቲ ዅነታት እቲ እንተ ዝነብር፡ ከመይ ምተሰምዓኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ስምዒታት ካልኦት ብቐሊሉ ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ዚብል ምሕጽንታ ብዝሓሸ መገዲ ኽንፍጽሞ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:14 ትርጕም 1990) በዚ ኸምዚ ድማ ንየሱስ ንስዕቦ።

19. እቲ የሱስ ዘርኣዮ ኣብነት በየናይ መገድታት እዩ ዚትንክፈና፧

19 ኣብ ቃላትን ተግባራትን የሱስ ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መጽናዕቲ ኽንገብረሉ እንኽእል ዓውዲ ዀን ኢና እንረክብ! ብዛዕባኡ ዝያዳ ብእተመሃርና መጠን ብዝያዳ ኢና እንመስሎ። ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ንኽንሕግዞም እውን ዝያዳ ባህጊ ይሓድረና። ሃየ እምበኣር፡ ብእተኻእለና መጠን ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ሕጅን ንዘለኣለምን ብምስዓብ ንተሓጐስ!

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ከምታ የሱስ ዘርኣያ ዓይነት ጥበብ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ትሕትና ኸነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧

• ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ከነማዕብሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንኻልኦት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል በየናይ መገድታት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንየሱስ ክንመስሎ እትሕግዘና መጽሓፍ

ብ2007 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ “ንዓ ስዓበኒ” ዘርእስታ 192 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ወጸት። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ክርስትያናት ኣብ የሱስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባህርያቱን ተግባራቱን ንኸተኵሩ ኽትሕግዝ እያ ተዳልያ። እቲ ደድሕሪ እተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ምዕራፋት ዚርከብ ቀዳማይ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ጕሉሕ ባህርያት የሱስ፡ ማለት ብዛዕባ ትሕትናኡ፡ ትብዓቱ፡ ጥበቡ፡ ተኣዛዝነቱ፡ ትዕግስቱ ሓፈሻዊ ነጥብታት ይህብ።

ድሕሪኡ፡ የሱስ ከም መምህርን ሰባኽን እቲ ብስራት መጠን ዝገበሮ ንጥፈታት ከምኡውን እታ ዓባይ ፍቕሩ እተገልጸትሉ ገለ መገድታት ዚገልጽ ክፋላት ኣሎ። ኣብ ብምልእቲ እታ መጽሓፍ፡ ክርስትያናት ንየሱስ ኪመስልዎ ዚሕግዝ ሓበሬታ ቐሪቡ ኣሎ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኵላትና ንርእስና ኽንምርምርን ከምኡውን ‘ብሓቂዶ ንየሱስ እስዕቦ ኣለኹ እየ፧ ከመይ ገይረ እየ ብዝያዳ ኽስዕቦ ዝኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ንኽንሓትት ከም እትድርኸና ርግጸኛታት ኢና። ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም [“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም፡” NW] ዘበሉ” ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኪዀኑ ኽትሕግዞም እያ።—ግብ. 13:48

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናብ ምድሪ ንኺመጽእን ከም ሕጻን ኰይኑ ንኺውለድን ፍቓደኛ ዀነ። ከምዚ ንኺገብር እንታይ ዓይነት ባህርይ ኬርኢ ነበሮ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎትና ቐናኣት ንኽንከውን ኪድርኸና ዚኽእል እንታይ እዩ፧