ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እነሆ፡ እቲ የሆዋ ዚሰምሮ ባርያ!

እነሆ፡ እቲ የሆዋ ዚሰምሮ ባርያ!

እነሆ፡ እቲ የሆዋ ዚሰምሮ ባርያ!

“እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ . . . ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ።”—ኢሳ. 42:1

1. ብፍላይ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ንኺገብሩ እዮም ተተባቢዖም፧ ስለምንታይከ፧

 በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቲ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ንኺስዕቡ ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ እዮም። ጳውሎስ ወሲኹ፡ “ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚአክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ” በለ። (እብ. 12:2, 3) ነቲ ክርስቶስ እተመላለሶ ብመስዋእቲ እተዛዘመ መገዲ ተኣማንነት ኣጸቢቕካ ምምርማር፡ ንቕቡኣት ክርስትያናት ኰነ ነቶም ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋሎም ኪቕጽሉን ‘ነፍሳቶም ከይሕለላን’ ይሕግዞም እዩ።—ምስ ገላትያ 6:9 ኣረኣኢ።

2. ካብቲ ንወዲ ኣምላኽ ዚምልከት ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

2 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብቐጥታ ንወዱ ዚምልከት ተኸታታሊ ትንቢታት ተነበየ። እዚ ትንቢታት እዚ፡ ናብቲ ‘ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንኽንጥምት’ ኪሕግዘና እዩ። * ብዛዕባ ባህርያቱ፡ ዝወረዶ ስቓይ፡ ከምኡውን ከም ንጉስን መድሓንን ኰይኑ ኽብ ምባሉ ብዚምልከት ዝርዝር ነገራት ይሕብረና። ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ሓሙስ 9 ሚያዝያ ጸሓይ ምስ ዓረበት ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ዘሎና ምርዳእ ከም ዚሰፍሕ እውን ኪገብር እዩ።

እቲ ባርያ ተፈልጠ

3, 4. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ እታ “ባርያ” እትብል ቃል ንምንታይ እያ እተመልክት፧ (ለ)መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 42፡ 49፡ 50፡ 52፡ ከምኡውን 53 ተጠቒሱ ዘሎ ባርያ ብኸመይ ይገልጾ፧

3 እታ “ባርያ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሳ ትርከብ። ሓሓሊፋ ነቲ ነብዪ ባዕሉ እያ እተመልክት። (ኢሳ. 20:3፣ 44:26) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ንብምሉኡ ህዝቢ እስራኤል ወይ ያእቆብ ንምምልካት ትውዕል እያ። (ኢሳ. 41:8, 9፣ 44:1, 2, 21) ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ባርያ ዚምልከት ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 42፡ 49፡ 50፡ 52፡ ከምኡውን 53 ዚርከብ ዜደንቕ ትንቢታትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ብዛዕባ መንነት እቲ ኣብዘን ምዕራፋት ተገሊጹ ዘሎ ባርያ የሆዋ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ኬዘራርቦ ኸሎ፡ እቲ ብዓል ስልጣን ነዚ ትንቢታት እዚ እዩ ዜንብብ ነይሩ። ነቲ ሎሚ ኣብ ኢሳይያስ 53:7, 8 እንረኽቦ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ ንፊልጶስ፡ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብሎ ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ አሎኹ” ኢሉ ሓተቶ። ፊልጶስ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ይዛረብ ምንባሩ ብኡንብኡ ነገሮ።—ግብ. 8:26-35

4 የሱስ ገና ሕጻን ከሎ፡ ስምኦን ዝስሙ ጻድቕ ሰብኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኸምቲ ኣብ ኢሳይያስ 42:6 ኸምኡውን 49:6 ዘሎ ትንቢት፡ ‘እቲ ሕጻን የሱስ፡’ “ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን” ከም ዚኸውን ኣወጀ። (ሉቃ. 2:25-32) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብታ ኣብ መወዳእታ እተፈተነላ ምሸት ዘጋጠሞ ውርደት ኣብ ኢሳይያስ 50:6-9 ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ። (ማቴ. 26:67፣ ሉቃ. 22:63) ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ የሱስ “ባርያ” ወይ “ኣገልጋሊ” የሆዋ ምዃኑ ብንጹር ገለጸ። (ኢሳ. 52:13፣ 53:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:13, 26 ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ ኣንብብ።) ካብዚ መሲሓዊ ትንቢታት እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

የሆዋ ንባርያኡ የሰልጥኖ

5. እቲ ባርያ እንታይ ዓይነት ስልጠና እዩ ረኺቡ፧

5 ሓደ ኻብቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ባርያ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢታት፡ እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጻኡ ምስ የሆዋ ብዛዕባ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ርክብ የብርሃልና እዩ። (ኢሳይያስ 50:4-9 ኣንብብ።) እቲ ባርያ ባዕሉ፡ “ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ” ብምባል፡ የሆዋ ብቐጻሊ ኸም ዘሰልጠኖ ገለጸ። (ኢሳ. 50:4) ኣብ ኵሉ እዚ እዋን እዚ፡ እቲ ባርያ የሆዋ ንኣቦኡ ይሰምዕን ካብኡ ይመሃርን ነበረ፡ እዙዝ ተመሃራይ ድማ ኰነ። ካብቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ፈጣሪ ምምሃርሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!

6. እቲ ባርያ ንኣቦኡ ዘለዎ ፍጹም ተኣዛዝነት ብኸመይ ኣርኣየ፧

6 ኣብዚ ትንቢት እዚ፡ እቲ ባርያ ንኣቦኡ “ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ” (NW) ኢሉ ጸውዖ። እዚ ኣገላልጻ እዚ፡ እቲ ባርያ ብዛዕባ ልዑላውነት የሆዋ መሰረታዊ ሓቂ ተማሂሩ ኸም ዝነበረ እዩ ዜርእየና። ንኣቦኡ ብዛዕባ ዘለዎ ፍጹም ተኣዛዝነት ኣመልኪቱ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይአቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን” በለ። (ኢሳ. 50:5) ግኡዝ ዩኒቨርስ ኰነ ደቂ ሰብ ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ‘ሰራሕተኛ ዀይኑ ምስ የሆዋ ነበረ።’ እዚ “ሰራሕተኛ” እዚ፡ “ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ የሆዋ] እሕጐስ ነበርኩ። ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ” በለ።—ምሳ. 8:22-31

7. እቲ ባርያ ኣብቲ ዘሕለፎ ፈተናታት ደገፍ ኣቦኡ ኸም ዝነበሮ ይተኣማመን ምንባሩ እንታይ ይሕብር፧

7 እቲ ባርያ ዝረኸቦ ስልጠናን ንደቂ ሰብ ዝነበረቶ ፍቕርን፡ ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ብርቱዕ ምጽራር ከም ዚጻወር ገይርዎ እዩ። ከቢድ መስጐጕቲ እናጋጠሞ ኽነሱ፡ ባህ ኢልዎ ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር ቀጸለ። (መዝ. 40:8፣ ማቴ. 26:42፣ ዮሃ. 6:38) የሱስ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘጋጠሞ ፈተናታት ብምሉኡ፡ ስምረትን ደገፍን ኣቦኡ ኸም ዝነበሮ ይተኣማመን ነበረ። ከምቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እተነግረ፡ “እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዚማጐተኒ፧ . . . እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ” ኪብል ይኽእል ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 50:8, 9) ኢሳይያስ ኣብ እተነበዮ ኻልእ ትንቢት ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ነቲ እሙን ባርያኡ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ኣገልግሎቱ ብርግጽ ሓጊዝዎ እዩ።

እቲ ባርያ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ኣገልግሎት

8. ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 42:1 ብትንቢት እተነግረ፡ የሱስ ‘ሕሩይ’ የሆዋ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧

8 የሱስ ብ29 ድ.ክ. ምስ ተጠምቀ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዅነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “መንፈስ ቅዱስ . . . ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ” ይብል። (ሉቃ. 3:21, 22) ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ተገሊጹ ዘሎ ‘ሕሩዩ’ ብንጹር ከም ዚፍለጥ ገበረ። (ኢሳይያስ 42:1-7 ኣንብብ።) የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ነዚ ትንቢት እዚ ብዜደንቕ መገዲ ፈጺምዎ እዩ። ማቴዎስ ኣብታ ንሱ ዝጸሓፋ ወንጌል፡ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 42:1-4 ዚርከብ ቃላት ኣብ የሱስ ከም ዚውዕል ጠቒሱ ኣሎ።—ማቴ. 12:15-21

9, 10. (ሀ) የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንኢሳይያስ 42:3 ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ‘ፍትሒ ዘውጽአ’ ብኸመይ እዩ፧ ‘ፍትሒ ኣብ ምድሪ ዚምስርትከ’ መዓስ እዩ፧

9 እቶም ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዝነበሩ ተራ ህዝቢ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ይነዓቑ ነበሩ። (ዮሃ. 7:47-49) እቶም ህዝቢ ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ይተሓዙ ብምንባሮም፡ ምስ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ” ወይ ተኺኻ ኽትውዳእ ምስ ዝቐረበት “ፈትሊ ጥዋፍ” ኪመሳሰሉ ይኽእሉ ነበሩ። የሱስ ግን ንድኻታትን ንጥቑዓትን ይድንግጸሎም ነበረ። (ማቴ. 9:35, 36) ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል ሕያውነት ዝመልኦ ዕድመ ኣቕረበሎም። (ማቴ. 11:28) ብተወሳኺ፡ የሱስ ነቲ የሆዋ ዘውጸኦ ንቕኑዕን ንጌጋን ዚምልከት መለክዒታት ብምምሃር፡ ‘ፍትሒ ኣውጽአ።’ (ኢሳ. 42:3) ሕጊ ኣምላኽ ርትዓዊ ብዝዀነ መገድን ብምሕረትን ኣብ ግብሪ ኺውዕል ከም ዘለዎ እውን ኣርኣየ። (ማቴ. 23:23) ንድኻታትን ንሃብታማትን ብዘይ ኣድልዎ ብምስባኽ ከኣ ፍትሒ ኣንጸባረቐ።—ማቴ. 11:5፣ ሉቃ. 18:18-23

10 ትንቢት ኢሳይያስ፡ እቲ ‘ሕሩይ’ የሆዋ፡ “ፍትሒ ኣብ ምድሪ . . . [ከም] ዚምስርት” እውን ይንበ እዩ። (ኢሳ. 42:4) ከም ንጉስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅለን ፖለቲካውያን መንግስትታት ብምጥፋእ ብናይ ርእሱ ጽድቃዊ ምምሕዳር ምስ ተክአን፡ ነዚ ኺፍጽሞ እዩ። ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ሓዳስ ዓለም ኪምስርት እዩ።—2 ጴጥ. 3:13፣ ዳን. 2:44

“ብርሃን” ከምኡውን “ኪዳን”

11. የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን “ብርሃን ኣህዛብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ክሳዕ ኣብዚ ግዜ እዚኸ ኸምኡ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 42:6 ዚርከብ ትንቢት ብምፍጻም “ብርሃን ኣህዛብ” ከም ዝዀነ ብሓቂ ኣርእዩ እዩ። ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ብቐዳምነት ንኣይሁድ እዩ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብሪሁ። (ማቴ. 15:24፣ ግብ. 3:26) ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” በለ። (ዮሃ. 8:12) ንኣይሁድ ኰነ ንኣህዛብ መንፈሳዊ ብርሃን ብምብራህ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ዅሎም ደቂ ሰብ በጃ ብምሃብ እውን ብርሃን ኰይኑሎም እዩ። (ማቴ. 20:28) ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ኺምስክሩ ለኣኾም። (ግብ. 1:8) ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ግዜ ኣገልግሎቶም፡ ነቲ “ብርሃን ኣህዛብ” ዚብል መግለጺ ጠቒሶም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት ኣውዓልዎ። (ግብ. 13:46-48፣ ምስ ኢሳይያስ 49:6 ኣረኣኢ።) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኣሕዋት የሱስን ብጾቶምን፡ መንፈሳዊ ብርሃን ይዝርግሑን ሰባት ኣብቲ “ብርሃን ኣህዛብ” ዝዀነ የሱስ እምነት ኬሕድሩ ይሕግዙን ስለ ዘለዉ፡ እቲ ዕዮ እቲ ሎሚ እውን ይቕጽል እዩ ዘሎ።

12. የሆዋ ንባርያኡ፡ “ኪዳን ህዝቢ” ኪኸውን ዝወፈዮ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብዚ ትንቢት እዚ፡ የሆዋ ነቲ ሕሩይ ባርያኡ፡ “ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ . . . ክገብረካን እየ” በሎ። (ኢሳ. 42:6) ሰይጣን ንየሱስ ንኼጥፍኦን ካብ ኣገልግሎቱ ንኺዓናቕፎን ዘይተሓለለ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ፡ እቲ ምዱብ ግዜኡ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚመውት ግን የሆዋ ሓልይዎ እዩ። (ማቴ. 2:13፣ ዮሃ. 7:30) ድሕርዚ፡ የሆዋ ንየሱስ ካብ ሞት ብምትንሳእ ከም “ኪዳን” ወይ ውዕል ገይሩ ንሰባት ሃቦም። እዚ ልባዊ መብጽዓ እዚ፡ እሙናት ባሮት ኣምላኽ ከም “ብርሃን ኣህዛብ” ኰይኖም ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ ሰባት ሓራ ኸም ዜውጽእዎም መረጋገጺ ይህብ እዩ።—ኢሳይያስ 49:8, 9 ኣንብብ። *

13. የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ “ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ” ዘድሓኖም ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ምግባሩ ዚቕጽልከ ብኸመይ እዩ፧

13 እቲ ባርያ የሆዋ ምስቲ ዝኣተዎ ውዕል ብምስምማዕ፡ ‘ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት’ ከምኡውን ‘ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ኬውጽኦም’ እዩ። (ኢሳ. 42:7) የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ልምድታት ብምቅላዕን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ነዚ ፈጺምዎ እዩ። (ማቴ. 15:3፣ ሉቃ. 8:1) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣይሁድ ካብ መንፈሳዊ ባርነት ሓራ ወጺኦም ደቀ መዛሙርቱ ዀኑ። (ዮሃ. 8:31, 32) ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት መንፈሳዊ ምድሓን ኣምጽኣሎም። ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ለኣኾም፣ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል እውን መብጽዓ ኣተወሎም። (ማቴ. 28:19, 20) ክርስቶስ የሱስ ኣብ ሰማያዊ ቦታኡ ዀይኑ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ይመርሖ እዩ ዘሎ።

የሆዋ ነቲ “ባርያ” ልዕል ኣበሎ

14, 15. የሆዋ ንባርያኡ ልዕል ዘበሎ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧

14 የሆዋ ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ባርያኡ ኣብ ካልእ ትንቢት እውን ከምዚ በለ፦ “እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኼስልጥ፡ ኪኸብር ልዕል ኪብል፡ ኣዝዩውን ኪዐዝዝ እዩ።” (ኢሳ. 52:13) የሱስ ንልዑላውነት የሆዋ ብተኣማንነት ስለ እተገዝአን ከቢድ ፈተና ኣጋጢምዎ እውን እሙን ስለ ዝዀነን፡ የሆዋ ልዕል ኣበሎ።

15 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 3:22) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።”—ፊል. 2:8-11

16. ብ1914 የሱስ ዝያዳ ‘ልዕል ዝበለ’ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙኸ እንታይ ገበረ፧

16 ብ1914 የሆዋ ንየሱስ ዝያዳ ልዕል ኣበሎ። ከም ንጉስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ገይሩ ስለ ዘንገሶ፡ ዝያዳ ‘ልዕል በለ።’ (መዝ. 2:6፣ ዳን. 7:13, 14) ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ክርስቶስ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ’ ኣሎ። (መዝ. 110:2) ፈለማ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ብምስዓር ናብ ከባቢ ምድሪ ደርበዮም። (ራእ. 12:7-12) ድሕርዚ፡ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ቂሮስ ኰይኑ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ኻብ “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ኣውጽኦም። (ራእ. 18:2፣ ኢሳ. 44:28) ነቲ ነቶም “ዝተረፉ” መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ዀኑ ነቶም እሙናት ብጾት እቶም “ሒደት መጓሰ” ዝዀኑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ከም ዚእከቡ ዚገብር ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ድማ ይመርሖ ኣሎ።—ራእ. 12:17፣ ዮሃ. 10:16፣ ሉቃ. 12:32

17. ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ “ባርያ ዚምልከት ነገራት ብምምርማርና እንታይ ተማሂርና፧

17 ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ንዘሎ ጕሉሕ ትንቢታት ብምምርማርና፡ ነቲ ንጉስናን መድሓኒና ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ዘሎና ኣድንቖት ከም ዝወሰኸ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኸም ውሉድ መጠን ዘርኣዮ ተኣዛዝነት፡ ነቲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኻብ ኣቦኡ ዝረኸቦ ስልጠና ዜንጸባርቕ እዩ። ብኣገልግሎቱን በቲ ኽሳዕ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚመርሖ ዘሎ ዕዮ ስብከትን ኣቢሉ “ብርሃን ኣህዛብ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ እቲ መሲሓዊ ባርያ ኸም ዚስቀን ምእንቲ ጥቕምና ህይወቱ ኸም ዚህብን ዚገልጽ፡ በዓል ዝኽሪ ሞቱ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ‘ክንዝክሮ’ ዚግብኣና ኻልእ ትንቢታት ክንርኢ ኢና።—እብ. 12:2, 3

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 2 ነዚ ትንቢታት እዚ ኣብ ኢሳይያስ 42:1-7፣ 49:1-12፣ 50:4-9፣ ከምኡውን 52:13–53:12 ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 12 ብዛዕባ ኢሳይያስ 49:1-12 መብርሂ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 136-145 ተወከስ።

ድግማ

• እቲ ኢሳይያስ ኣብ እተነበዮ ትንቢታት ተጠቒሱ ዘሎ “ባርያ” መን እዩ፧ ብኸመይከ ንፈልጥ፧

• እቲ ባርያ ኻብ የሆዋ እንታይ ዓይነት ስልጠና እዩ ረኺቡ፧

• የሱስ፡ “ብርሃን ኣህዛብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• እቲ ባርያ ልዕል ዝበለ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብኢሳይያስ ተጠቒሱ ዘሎ “ባርያ፡” የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ፡ ፊልጶስ ብንጹር ገለጸ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ከም ሕሩይ ባርያ የሆዋ መጠን ንድኻታትን ንጥቑዓትን ይድንግጸሎም ነበረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብኣቦኡ ዝያዳ ልዕል በለ፡ ከም ንጉስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ዀይኑ ድማ ነገሰ