ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”

“እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”

“እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”

ታሪኽ ኤሚሊያ ፒደርሰን

ሩት ፓፓስ ዘዘንተወቶ

እታ ኤሚሊያ ፒደርሰን ዝስማ ኣደይ ብ1878 ተወልደት። መምህር እኳ እንተ ነበረት፡ ህይወታ ኻልኦት ናብ ኣምላኽ ንኪቐርቡ ኣብ ምሕጋዝ ክትጥቀመሉ ሓያል ባህጊ ነበራ። እቲ ኣብታ ንእሽቶ ኸተማ ዝዀነት ጃስፐር፡ ሚኒሶታ፡ ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ቤትና እተቐመጠ ዓብዪ ሳንዱቕ ነዚ መረጋገጺ ይኸውን እዩ። እዚ ናብታ ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግለላ እትደሊ ዝነበረት ቻይና ንኽትወስዶ ዘዳለወቶ ንብረት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኣዲኣ ምስ ሞተት ግን ነዚ መደብ እዚ ሓዲጋ ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋታ ኽትኣሊ ጀመረት። ብ1907 ንቴዶር ሆሊን ተመርዓወት። ኣነ ድማ ብ2 ታሕሳስ 1925 ተወለድኩ። ካብቶም ሸውዓተ ውሉዳት ሕሳስ ልደ እየ ነይረ።

ኣደይ መልሲ ንኽትረኽበሉ እትብህጎ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ነበራ። ሓደ ኻብቲ ሕቶታታ፡ ሲኦል እኩያት ሰባት ዚቃጸሉሉ መሳቐዪ ሓዊ ዘለዎ ቦታ ብዛዕባ ምዃኑ ዚምህር ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ትምህርቲ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ደገፍ ንምርካብ፡ ንሓደ ኺበጽሕ ዝመጸ ናይ ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ተቖጻጻሪ ሓተተቶ። ንሱ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብዘየገድስ፡ ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ምዃኑ ትምህርቲ ኺወሃብ ከም ዘለዎ ነገራ።

መንፈሳዊ ድሌታ ረወየ

ድሕሪ ሒደት እዋን፡ ብ1900 ሓትኖይ ኤማ ሙዚቃ ንኽትመሃር ናብ ኖርዝፊልድ፡ ሚኒሶታ ኸደት። ኣብ ቤት እቲ መምህራ ዝነበረ ሚልዩስ ክርስትያንሰን ጸንሐት፣ ሰበይቱ ድማ ሓንቲ ኻብቶም ኣብቲ ሽዑ እዋን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እያ ነይራ። ኤማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብተገዳስነት እተንብብ ሓብቲ ኸም ዘላታ ተዛረበት። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰበይቲ ክርስትያንሰን ነቲ ኣደይ ዝነበራ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ዚምልስ ደብዳበ ጸሓፈትላ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሎራ ኦዛውት እትበሃል ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጃስፐር ንኽትሰብኽ ካብ ሱዝ ፎልስ፡ ሳውዝ ዳኮታ ብባቡር መጸት። ኣደይ ነቲ እተቐበለቶ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣንበበቶ፡ ብ1915 ድማ ነቲ ሎራ ዝሃበታ ጽሑፋት ብምብርካት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ከተካፍል ጀመረት።

ብ1916፡ ቻርለስ ቴዝ ራስል ናብቲ ኣብ ከተማ ሱዝ፡ ኣየዋ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ኸም ዚመጽእ ኣደይ ሰምዐት። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ኽትካፈል ድማ ደለየት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓሙሽተ ቘልዑ ነበርዋ፡ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ማርቪን ከኣ ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ጥራይ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሱዝ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ምእንቲ ኽትካፈል ንደቃ ሒዛ 160 ኪሎ ሜተር ብባቡር ተጓዕዘት። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ሓው ራስል ዝሃቦ መደረ ሰምዐት፡ ነታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክርኤሽን” ረኣየት፡ ከምኡውን ተጠምቀት። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣኼባ እትገልጽ ዓንቀጽ ጸሓፈት፡ እታ ዓንቀጽ ድማ ጃስፐር ጆርናል ኣብ እትበሃል ጋዜጣ ወጸት።

ኣደይ ሓንቲ ኻብቶም ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እተኣከቡ 18,000 ዚዀኑ ተኣከብቲ እያ ነይራ። ድሕሪ እቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእዋጅ ፈጺማ ኣቋሪጻ ኣይትፈልጥን። ነቲ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ማዕዳ ኸነቕልበሉ ድማ ትምሕጸነና ነበረት።—ኢሳ. 30:21

ፍረ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ

ኣብ መጀመርታ 1920ታት፡ ወለደይ ካብ ጃስፐር ወጻኢ ናብ ዚርከብ ቤት ገዓዙ። ኣቦይ ዕዉት ንግድን ሓገዙ ዜድልዮ ዓብዪ ስድራ ቤትን ነበሮ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኣደይ እተጽንዖ ዝነበረት ገይሩ ዘየጽንዕ እኳ እንተ ነበረ፡ ንዕዮ ስብከት ብምሉእ ልቡ ይድግፍን ንገየሽቲ ኣገልገልቲ ብግሽነት ይቕበልን ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ገየሽቲ ዝዀኑ ኣሕዋት ኣብ ቤትና መደረ ኺህቡ ኸለዉ፡ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሳሎንና፡ መመገቢ ኽፍልና፡ መደቀሲ ኽፍልና ተጨቓጪቖም ይእከቡ ነበሩ።

ዳርጋ ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ሓትኖይ ለቲ ተሌፎን ደዊላ ኤድ ላርሰን ዚበሃል ጐረቤታን ሰበይቱን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸም ዚደልዩ ነገረትና። ንሳቶም ከኣ ብኡንብኡ ንሓቂ ተቐበሉ፣ ጸኒሖም ድማ ማርታ ቫን ዳለን ንእትበሃል ኣደ ሸሞንተ ቘልዑ፡ ኣብቲ መጽናዕቶም ንኽትጽምበር ዓደምዋ። ማርታን ኵሎም ስድራ ቤታን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰኑ። *

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጎርደን ካመሩድ ዚበሃል ካባና እተወሰነ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዚነብር መንእሰይ፡ ምስ ኣቦይ ኪሰርሕ ጀመረ። ጎርደን፡ “ነተን ደቂ ሓለቓኻ ተጠንቀቐለን። ሓድሽ ሃይማኖት እዩ ዘለወን” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ነበረ። ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ጀመረ፡ ጸኒሑ ድማ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ኣመነ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ ተጠምቀ። ወለዱ እውን ኣመንቲ ዀኑ፣ ስድራ ቤት እንዳ ሆሊንን እንዳ ካመሩድን እንዳ ቫን ዳለንን ድማ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ዀኑ።

ካብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብርታዐ ረኸብና

ኣደይ ካብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ብዙሕ ምትብባዕ ስለ ዝረኸበት፡ ካልእ ዓብዪ ኣኼባ ፈጺሙ ንኸይሓልፋ ወሲና ነበረት። ናይ ቀደም ተዘክሮታተይ በቲ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ እንገብሮ ዝነበርና ነዊሕ ጕዕዞታት ዝመልአ እዩ። እቲ ብ1931 ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ፣ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ኢና ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ብወግዒ እተቐበልና። (ኢሳ. 43:10-12) ነቲ ብ1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. እተገብረ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” እተገልጸሉ ታሪኻዊ መደረ እውን ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። (ራእ. 7:9) ኣሓተይ ሊልያንን ዩኒስን ካብቶም ኣብቲ እዋን እቲ እተጠምቁ 800 ሰባት እየን ነይረን።

ስድራ ቤትና ኣብቲ ብ1937 ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ፣ ብ1938 ኣብ ሲያትል፡ ዋሽንግተን፣ ብ1939 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ንኽትካፈል ተጓዒዛ እያ። እንዳ ቫን ዳለንን እንዳ ካመሩድን ካልኦትን ምሳና ተጓዒዞም እዮም፡ ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ ድማ ብሓንሳእ ንሓድር ነበርና። ብ1940 ዩኒስ ንሊዮ ቫን ዳለን ተመርዓወቶ፡ ፈለምቲ ድማ ኰኑ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ሊልያን ንጎርዶን ካመሩድ ተመርዓወቶ፡ ንሳቶም እውን ፈለምቲ ዀኑ።

እቲ ብ1941 ኣብ ሰይንት ሉዊስ፡ ሚዙሪ እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ቘልዑ ነታ ችልድረን ዘርእስታ መጽሓፍ ተቐበሉ። እቲ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ህይወተይ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብ1 መስከረም 1941 ኣነን ማርቪን ሓወይን ሰበይቱ ጆይስን ፈለምቲ ዀንና። ሽዑ፡ ጓል 15 ዓመት እየ ነይረ።

መብዛሕትኡ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ እዋን ዓጺድ ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ኣብቲ ብሕርሻ ዚመሓደር ማሕበረሰብና ዝነበሩ ዅሎም ኣሕዋት ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምክፋል ኣዝዩ የጸግሞም ነበረ። ስለዚ፡ ድሕሪ ዓበይቲ ኣኼባታት ነቶም ኣብኡ ኺካፈሉ ዘይከኣሉ ንምጥቃም ኣብ ድሕሪ ቤትና ዄንና ነቲ ኣብ ኣኼባታት እተዋህበ ኽፍልታት ብመልክዕ ድግማ ንመያየጠሉ ነበርና። እዚ ምትእኽኻብ እዚ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ።

ጊልዓድን ናብ ወጻኢ ሃገር ምምዳብን

ኣብ ለካቲት 1943 ፈለምቲ ንኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዚስልጥኑሉ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመስረተ። ቀዳማይ ክፍሊ ጊልዓድ ንሽዱሽተ ኣባላት እንዳ ቫን ዳለን ማለት ንኤሚል፡ ንኣርተር፡ ንሆመር፡ ንሊዮ፡ ንዶናልድ ወዲ ኣሞኦም፡ ከምኡውን ነታ ሰበይቲ ሊዮ ዝዀነት ዩኒስ ሓብተይ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። መዓስ ከም እንራኸብ ስለ ዘይፈለጥና እናተደፋነቕና ተሰናበትናዮም። ምስ ተመረቑ፡ ሽዱሽቲኦም ናብታ ኣብቲ እዋን እቲ ኻብ ሽዱሽተ ዘይበዝሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዝነበርዋ ፖርቶ ሪኮ ተመደቡ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሊልያንን ጎርዶንን ከምኡውን ማርቪንን ጆይስን ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈሉ። ንሳቶም እውን ናብ ፖርቶ ሪኮ ተላእኩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መስከረም 1944 ጓል 18 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈልኩ። ኣብ ለካቲት 1945 ምስ ተመረቕኩ፡ ናብታ ኣሕዋተይ ዝነበርዋ ፖርቶ ሪኮ ተመደብኩ። ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ተኸፊቱለይ! ቋንቋ ስጳኛ ኽንመሃሮ ይኸብደና እኳ እንተ ነበረ፡ ገሌና ግን ብዙሕ ከይጸናሕና ነፍሲ ወከፍና ልዕሊ 20 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ጀሚርና ነበርና። የሆዋ ንዕዮና ባሪኽዎ እዩ። ሎሚ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ልዕሊ 25,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።

ስድራ ቤትና ተደጋጋሚ ሓዘን ኣጋጠማ

ብ1950 ሊዮን ዩኒስን ንማርክ ምስ ወለዱ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ጸንሑ። ብ1952 ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣዝማዶም ኪሓቱ መደብ ኣውጽኡ። ብ11 ሚያዝያ ብነፋሪት ጕዕዞ ጀመሩ። እቲ ዜሕዝን፡ እታ ነፋሪት ጕዕዞ ምስ ጀመረት ብዙሕ ከይጸንሐት ናብ ውቅያኖስ ወደቐት። ሊዮን ዩኒስን ድማ ሞቱ። እቲ ወዲ ኽልተ ዓመት ዝነበረ ማርክ ኣብ ውቅያኖስ ተንሳፊፉ ተረኽበ። ሓደ ኻብቲ ሓደጋ ዝተረፈ ሰብ ናብ ታንኳ ሰቐሎ፡ ሰብ ዝሰርሖ መተንፈሲ ድማ ተገብረሉ፣ በዚ ኸምዚ ብህይወት ተረፈ። *

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብ7 መጋቢት 1957 ኣቦይን ኣደይን ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸዱ ኸለዉ ናይ ማኪናኦም ጎማ ነፈሰ። ኣቦይ ኣብ ወሰን መገዲ ዀይኑ ነቲ ዝነፈሰ ጎማ ኪቕይር ከሎ፡ ትሓልፍ ዝነበረት ማኪና ወቕዓቶ እሞ ብኡንብኡ ሞተ። ኣብቲ ናይ ቀብሪ መደረ ዳርጋ 600 ዚዀኑ ሰባት ተኣከቡ፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ኣብቲ ኣቦይ ኣዝዩ ዚኽበረሉ ዝነበረ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ምስክርነት ተዋህበ።

ሓድሽ ምድብ

ኣቦይ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ንኸገልግል ተመዲበ ነበርኩ። ኣብ ነሓሰ 1957 ኣብታ ኣብ እግሪ ኣኽራን ኣንደስ እትርከብ ከተማ መንዶዛ በጻሕኩ። ብ1958 እቲ ኣብ መበል 30 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ ጆርጅ ፓፓስ ናብ ኣርጀንቲና ተመደበ። ኣነን ጆርጅን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኰንና፡ ኣብ ሚያዝያ 1960 ድማ ተመርዓና። ብ1961 ኣደይ ኣብ 83 ዓመት ዕድሜኣ ሞተት። ኣብ መገዲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብተኣማንነት ተመላሊሳ እያ፡ ንብዙሓት ሰባት ድማ ከምቲ ናታ ንኺገብሩ ሓጊዛ እያ።

ኣነን ጆርጅን ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ሚስዮናውያን ምስ ካልኦት ሚስዮናውያን ኴንና ንዓሰርተ ዓመት ኣገልጊልና ኢና። ድሕሪኡ፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ሸውዓተ ዓመት ኣሕለፍና። ብ1975 ነቶም ዝሓመሙ ኣባላት ስድራ ቤትና ምእንቲ ኽንኣሊ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና። ብ1980 ሰብኣየይ ኣብቲ ቛንቋ ስጳኛ ዚዝረበሉ ኽሊ ሓላዊ ወረዳ ዀይኑ ንኺዓዪ ዕድመ ቐረበሉ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዳርጋ 600 ዚዀና ብቛንቋ ስጳኛ ዚምርሓ ጉባኤታት ነበራ። ን26 ዓመት ንመብዛሕትአን ጉባኤታት በጻሕናየን፡ ቍጽሪ እዘን ጉባኤታት ናብ ልዕሊ 3,000 ኪዓቢ ኸሎ እውን ረኣና።

በታ “መገዲ” ተመላሊሶም

ኣደይ፡ እቶም መንእሰያት ኣባላት ስድራ ቤታ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኪዀኑ ብምርኣያ ተሓጒሳ እያ። ንኣብነት፡ ብ1953 እታ ጓል ዓባይ ሓብተይ ኤስተር ዝዀነት ካሮል ፈላሚት ኰነት። ንደኒስ ትራምቦር ተመርዓወቶ፡ ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ሎኢስ ጓል ኤስተር ድማ ንወንደል ጀንሰን ተመርዓወቶ። ንሳቶም ድማ ኣብ መበል 41 ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈሉ፡ ን15 ዓመት ከኣ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ናይጀርያ ኣገልገሉ። ነቲ ብሓደጋ ነፋሪት ወለዱ ዝሞትዎ ማርክ፡ እታ ሓብቲ ሊዮ ዝዀነት ሩት ላ ሎንድን ሰብኣያ ከርቲስን ኣዕበይዎ። ማርክን ሰበይቱ ላቮንን ንብዙሕ ዓመታት ፈለምቲ ዀይኖም እዮም፡ ነቶም ኣርባዕተ ደቆም ድማ በታ “መገዲ” የዕብይዎም ኣለዉ።—ኢሳ. 30:21

እቲ ኣብ መፋርቕ 90ታት ዓመት ዝዕድሜኡ ኦርለን ሓወይ ጥራይ እዩ ኽሳዕ ሕጂ ብህይወት ዘሎ። ሕጂ እውን እሙን ኰይኑ ንየሆዋ የገልግል ኣሎ። ኣነን ጆርጅን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ባህ ኢሉና ንቕጽል ኣሎና።

ሓድጊ ኣደይ

ሕጂ ነቲ ኣደይ እትፈትዎ ዝነበረት ሰደቓ ወሪሰዮ ኣለኹ። ኣቦይ ዝሃባ ህያብ መርዓ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ተመዛዚ እቲ ሰደቓ፡ ደብዳበታት ከምኡውን ንሳ ዝጸሓፈቶን ጽቡቕ ምስክርነት ዝሃበትሉን ዓንቀጽ እተጻሕፎ ጋዜጣታት ኣብ ሓደ ዝኣረገ ደብተር ተቐሚጡ ኣሎ። ገለ ኻብዚ ድማ ኣብ መጀመርታ 1900ታት እተጻሕፈ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሰደቓ ኻብቶም ሚስዮናውያን ደቃ እተላእከ ደብዳበታት እውን ኣሎ። ነዚ ደጋጊምካ ምንባብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዜብለኒ! እቲ ናባና እትልእኮ ዝነበረት ደብዳበታት ከኣ ወትሩ ብዚሃንጽ ሓሳባት ዝመልአ እዩ ነይሩ። ኣደይ ሚስዮናዊት ንኽትከውን ዝነበራ ድሌት ፈጺሙ ኣይሰመረላን። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዝነበራ ቕንኣት ነቶም ስዒቦም ዝመጹ ወለዶታታ ኣለዓዒልዎም እዩ። ብምሉኡ ስድራ ቤትና ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ምስ ኣቦይን ኣደይን ኪራኸብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እየ ብሃንቀውታ ዝጽበ!—ራእ. 21:3, 4

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 13 ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ኤሚል ቫን ዳለን፡ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1983 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 27-30 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 24 ናይ 22 ሰነ 1952 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3-4 ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኤሚሊያ ፒደርሰን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

1916፦ ኣቦይን ኣደይን (ማርቪን ተሓቚፉ)፣ ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ኦርለን፡ ኤስተር፡ ሊልያን፡ ሚልድረድ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሊዮን ዩኒስን ቀቅድሚ ሙማቶም

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

1950፦ ኣብ ላዕሊ፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኤስተር፡ ሚልድረድ፡ ሊልያን፡ ዩኒስ፡ ሩት፣ ኣብ ታሕቲ፦ ኦርለን፡ ኣደይ፡ ኣቦይ፡ ማርቪን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ2001 ጆርጅን ሩት ፓፓስን ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸለዉ