ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓይሩ ኸሎ፡ 16 ተኸታታሊ ራእያት ረኣየ። ኣብቲ ራእያት፡ ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትምስረት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዝውድኣሉ እዋን ኣብ ዚህሉ መዓልቲ ጐይታ፡ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዚፍጽምዎ ነገራት ረኣየ። እታ ብ96 ድ.ክ. ኣቢሉ ዮሃንስ ዚጸሓፋ መጽሓፍ ራእይ፡ ብዛዕባ እዚ ዚምስጥ ራእያት እዚ ዝሓዘት እያ።

ካብተን ዮሃንስ ዝረኣየን ራእያት፡ ነተን ቀዳሞት ሸውዓተ ተኸታተልቲ ራእያት ዚሽፍና ኻብ ራእይ 1:1–12:17 ዚጐልሕ ሓሳባት እስከ ንመርምር። እዚ ራእያት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ነገራትን የሆዋ ኣብ ቀረባ እዋን ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ስለ ዚሕብር፡ ንዓና ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ራእያት እዚ ብእምነት ዘንበቡ ሰባት ብሓቂ ምጽንናዕን ምትብባዕን ረኺቦም እዮም።—እብ. 4:12

“እቲ ገንሸል” ካብቲ ሸውዓተ ማሕተም ነቲ ሹድሽተ ፈትሖ

(ራእ. 1:1–7:17)

ፈለማ፡ ዮሃንስ ነቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ረኣዮ፡ ‘ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ናብተን ሸውዓተ ማሕበራት ዚሰዶ’ ተኸታታሊ መልእኽትታት እውን ተቐበለ። (ራእ. 1:10, 11) ስዒቡ ኸኣ ነቲ ኣብ ሰማይ ተነቢሩ ዘሎ ዝፋን ረኣየ። ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብሸውዓተ ማሕተም እተሓትመ መጽሓፍ ነበረ። ብዘይካ “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ወይ ‘ሸውዓተ ቐርንን ሸውዓተ ዓይንን ዘለዎ ገንሸል፡’ ‘ነዚ መጽሓፍ እዚ ኺግንጽሎ ዚበቅዕ’ ዋላ ሓደ የልቦን።—ራእ. 4:2፣ 5:1, 2, 5, 6

እቲ ሳልሳይ ራእይ፡ “እቲ ገንሸል” ነተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ማሕተም በብሓደ ምስ ፈትሐን እተፈጸመ ነገራት ይገልጸልና። ነታ ሻድሸይቲ ማሕተም ምስ ፈትሓ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓ ድማ መጸት። (ራእ. 6:1, 12, 17) ኣብቲ ስዒቡ እተራእየ ራእይ ግን፡ እቶም 144,000 ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚሕተሙ፡ ‘ኣርባዕተ መላእኽቲ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም’ ተራእዩ። እቶም ዘይተሓትሙ “ብዙሓት ሰብ” ከኣ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ነበሩ።—ራእ. 7:1, 9

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

1:4፣ 3:1፣ 4:5፣ 5:6—እቶም “ሾብዓተ መናፍስቲ” እንታይ እዮም ዜመልክቱ፧ ቍጽሪ ሸውዓተ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምልኣት እያ እተመልክት። ስለዚ፡ ነተን “ሾብዓተ ማሕበራት” እተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ዘይሩ ዘይሩ ነቶም ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ብምሉኦም ዚምልከት እዩ። (ራእ. 1:11, 20) የሆዋ ኸምቲ ዝደልዮ ገይሩ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዚህብ፡ እቲ “ሾብዓተ መናፍስቲ” ዚብል መገለጺ፡ እቶም ነቲ ትንቢት ዜቕልቡሉ ሰባት ምሉእ ምርዳእን በረኸትን ከም ዚረኽቡ ብምግባር ዚዓዮ እተማልአ ዕዮ ዜመልክት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ሸውዓተ ብተደጋጋሚ ትጥቀስ እያ። ኣብዚ ቝጽሪ ሸውዓተ ንምልኣት እያ እተመልክት፣ እምበኣር፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቲ “ምስጢር ኣምላኽ” ምሉእ ብምሉእ ከም ‘ዚፍጸም’ ብዛዕባ ምግባር እያ እትገልጽ።—ራእ. 10:7

1:8, 17—“ኣልፋን ኦሜጋን” ከምኡውን “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዚብል መዓርጋት ንመን እዩ ዜመልክት፧ እቲ “ኣልፋን ኦሜጋን” ዚብል መዓርግ ንየሆዋ እዩ ዜመልክት፡ ቅድሚኡ ዀነ ድሕሪኡ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘይነበረን ከም ዘይህሉን ድማ የጕልሕ። ንሱ፡ “መጀመርታን መወዳእታን” እዩ። (ራእ. 21:6፣ 22:13) ቅድሚ የሆዋ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይነበረን ድሕሪኡ እውን ከም ዘይህሉን ንምምልካት፡ ኣብ ራእይ 22:13 ንሱ “ቐዳማይን ዳሕራይን” ከም ዝዀነ እኳ እንተ ተገልጸ፡ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ ሓደ ዘሎ ሓሳባት ግን፡ “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዚብል መዓርግ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚውዕል እዩ ዜርኢ። እቲ ንመጀመርታ ግዜ ዘይትመውት መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ዝተንስአን የሆዋ ባዕሉ ንመወዳእታ እዋን ካብ ምዉታት ዘተንሰኦን እዩ።—ቈሎ. 1:18

2:7—“ገነት ኣምላኽ” እንታይ እያ፧ እዘን ቃላት እዚኣተን ንቕቡኣት ክርስትያናት እተጻሕፋ ስለ ዝዀና፡ እታ ኣብዚ ተገሊጻ ዘላ ገነት፡ ነታ ኣምላኽ ዚርከበላ ሰማያዊት ገነት እያ እተመልክት። እቶም እሙናት ዝዀኑ ቕቡኣት፡ ካብታ “ኦም ህይወት” ብምብላዕ ዓስቦም ኪረኽቡ እዮም። ዘይትመውት ህይወት ድማ ኪቕበሉ እዮም።—1 ቈረ. 15:53

3:7—የሱስ፡ “መርሖ ዳዊት” እተቐበለ መዓስ እዩ፧ ነዚ መርሖ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ ዘሎ፧ የሱስ ብ29 ድ.ክ. ምስ ተጠምቀ፡ ካብ መስመር ይሁዳ ዝወጸ ንጉስ ኰይኑ ኺሽየም ተመደበ። ይኹን እምበር፡ ብ33 ድ.ክ. ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ክብ ክሳዕ ዚብል፡ መርሖ ዳዊት ኣይተቐበለን ነይሩ። ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ምስ ተቐመጠ ግን ንዅሉ መሰላት መንግስቲ ዳዊት ወረሰ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚታትን ፍሉይ መሰላትን ንምኽፋት ነቲ መርሖ ወይ መፍትሕ ይጥቀመሉ ኣሎ። ብ1919 የሱስ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ . . . ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ብምሻም፡ ነቲ “መኽፈቻ ቤት ዳዊት” ኣብ መንኵቡ ኣንበረሉ።—ማቴ. 24:45, 47፣ ኢሳ. 22:22

3:12—“ሓድሽ ስም” የሱስ እንታይ እዩ፧ እዚ ስም እዚ ምስቲ የሱስ ዝረኸቦ ሓድሽ ስልጣንን ፍሉይ መሰልን ዚተሓሓዝ እዩ። (ፊል. 2:9-11) ነቲ ስም እቲ፡ ከም የሱስ ገይሩ ዝፈልጦ ዋላ ሓደ እኳ እንተ ዘየለ፡ ንሱ ግን ኣብቶም ኣብ ሰማያዊ ዓለም ዘለዉ እሙናት ኣሕዋቱ ብምጽሓፍ ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ። (ራእ. 19:12) አረ ንዕኦም እውን ካብቲ ፍሉይ መሰሉ ኣካፊልዎም እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

1:3። “እቲ ዘመን [ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንዚወርድ ፍርዲ እተመደበ ዘመን] ቀረባ” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ መልእኽቲ ንኽንርድኦን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።

3:17, 18። ብመንፈሳዊ ሃብታም ንምዃን፡ “ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ” ኻብ የሱስ ክንዕድግ የድሊ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ሃብታማት ክንከውን ክንጽዕር ኣሎና። (1 ጢሞ. 6:17-19) ንሕና እውን ነቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንና ዚሕብር “ጻዕዳ ኽዳውንቲ” ኽንክደን የድሊ፡ መንፈሳዊ ምስትውዓል ንኽንረክብ ድማ ነቲ ኸም “ኵሕሊ” ዝኣመሰለ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ካልኦት ጽሑፋትን ዚወጽእ ምኽሪ ኽንጥቀመሉ ኣሎና።—ራእ. 19:8

7:13, 14። እቶም ነቶም 144,000 ኣብ ሰማያዊ ኽብሮም ኣብ ዝዀኑሉ እዋን ዜመልክቱ 24 ሽማግለታት፡ ከም ነገስታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ከም ካህናት ኰይኖም እውን የገልግሉ እዮም። በቶም ንጉስ ዳዊት ኣብ 24 ክፍልታት መቓቒልዎም ዝነበረ ካህናት ጥንታዊት እስራኤል ተመሲሎም ኣለዉ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ንዮሃንስ ብዛዕባ መንነት እቶም ብዙሓት ሰብ ገሊጹሉ እዩ። ስለዚ፡ ትንሳኤ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ቅድሚ 1935 ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ብዙሓት ሰብ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብልክዕ ስለ እተገልጸሎም እዩ።—ሉቃ. 22:28-30፣ ራእ. 4:4፣ 7:9

እቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ፡ ሸውዓተ መለኸት ተነፍሐ

(ራእ. 8:1–12:17)

እቲ ገንሸል ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ፈትሖ። እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ ሸውዓተ መለኸት ተቐበሉ። እቶም ሽዱሽተ መላእኽቲ መለኸቶም ብምንፋሕ፡ ኣብታ “ሲሶ” ኽፋል ደቂ ሰብ ዝሓዘት ህዝበ-ክርስትያን ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኣወጁ። (ራእ. 8:1, 2, 7-12፣ 9:15, 18) ነዚ ኸኣ እዩ ዮሃንስ ኣብቲ ሓምሻይ ትርኢት ዝርኣዮ። ዮሃንስ ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ራእይ ብምስታፍ፡ ንእሽቶ መጽሓፍ በልዐ፡ ነቲ መቕደስ ድማ ለክዖ። እቲ ሻውዓይ መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ተሰምዐ።—ራእ. 10:10፣ 11:1, 15

እቲ ሻውዓይ ራእይ ነቲ ኣብ ራእይ 11:15, 17 ተገሊጹ ዘሎ ነገር ዝያዳ የጕልሖ እዩ። ኣብ ሰማይ ዓብዪ ትእምርቲ ተራእየ። እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ወዲ፡ ተባዕታይ ወለደት። ድያብሎስ ካብ ሰማይ ተደርበየ። ኣብ ልዕሊ እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ተቘጢዑ፡ ምስቶም “ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ” ከደ።—ራእ. 12:1, 5, 9, 17

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

8:1-5—ኣብ ሰማይ ስቕታ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ድሕሪኡ ናብ ምድሪ እተደርበየኸ እንታይ እዩ፧ ኣብ ሰማይ ምሳልያዊ ስቕታ ዝዀነ፡ ‘ጸሎት እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕዱሳት’ ምእንቲ ኺስማዕ እዩ። እዚ ዝዀነ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እዩ። ከምቲ ብዙሓት እተጸበይዎ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ መወዳእታ ዘመናት ኣህዛብ ናብ ሰማይ ኣይዓረጉን። ኣብ እዋን እቲ ውግእ ብዙሕ ፈተናታት ኣሕሊፎም እዮም። መምርሒ ንኺወሃቦም ብትግሃት ጸልዮም እዮም። ከም ምላሽ እቲ ጸሎቶም ከኣ፡ እቲ መልኣኽ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብመንፈሳዊ ኸም ዚቃጸሉ ዝገበረ ምሳልያዊ ሓዊ ናብ ምድሪ ደርበየ። ብቝጽሪ ሒደት እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ መዘራረቢ ዛዕባ ኽትከውን ዝገበረ ዓለምለኻዊ ወፍሪ ስብከት ጀመሩ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ሓዊ ወልዑ። ከም ነጕዲ ዝዀነ መጠንቀቕታታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰምዐ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ በርሀ፡ ከምኡውን ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከምቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ እተናወጸ ህንጻ ኻብ መሰረቱ ተነቓነቐ።

8:6-12፣ 9:1, 13፣ 11:15—እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ መለኸቶም ኪነፍሑ እተዳለዉ መዓስ እዮም፧ እቲ መለኸትከ መዓስን ብኸመይን እዩ ተነፊሑ፧ ነቲ ሸውዓተ መለኸት ንምንፋሕ እተገብረ ምድላው፡ ነቶም ካብ 1919 ክሳዕ 1922 ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ኣባላት እቶም ብዮሃንስ ዚምሰሉ ጕጅለ እንደገና ህያው ንኪዀኑ መምርሒ ምሃብ የጠቓልል። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ቕቡኣት፡ ነቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት እንደገና ኣብ ምምሕዳርን ናይ ሕትመት መሳለጥያታት ኣብ ምህናጽን ትሑዛት ነበሩ። (ራእ. 12:13, 14) ምንፋሕ እቲ መለኸት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ መላእኽቲ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ ብትብዓት ዚእውጅዎ መልእኽቲ እዩ ዜመልክት። እዚ ኣብቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኸም ዝጀመረን ክሳዕ ዓብዪ ጸበባ ኸም ዚቕጽልን ከነስተብህለሉ ይግባእ።

8:13፣ 9:12፣ 11:14—እቲ ናይ መወዳእታ ሰለስተ መለኸታት፡ “ወዮ” ዘስምዐ ብኸመይ እዩ፧ ሽሕ እኳ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸታት ንምዉት መንፈሳዊ ዅነታት ህዝበ-ክርስትያን እንተ ኣቃልዓ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሰለስተ መለኸታት ግን ንጹር ፍጻመታት ዘለዎ ወዮ ዝሓዘ እዩ። እቲ ሓምሻይ ምንፋሕ፡ ምስቲ ብ1919 ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ደስኪሎምሉ ዝነበሩ “ዓሚቝ” ወጺኦም፡ ነቲ ንህዝበ-ክርስትያን ዘሳቒ መዓት ዝዀና ዘየቋርጽ ምስክርነቶም ዝሃብሉ ዅነታት ዚተሓሓዝ እዩ። (ራእ. 9:1) እቲ ሻድሻይ፡ ብዛዕባ እቲ ብ1922 ዝጀመረ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዕዮ ፈረሰኛታት ዝዀነ ዓለምለኻዊ ወፍሪ ስብከት ዚምልከት እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዚንፋሕ መለኸት ድማ ምስ ምውላድ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

9:10, 19። እቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚወጽእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት፡ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። (ማቴ. 24:45) እዚ መልእኽቲ እዚ ምስቲ ‘ሕንዚ ዕንቅርቢት ዚመስል’ ጭራ ዘለዎ ኣንበጣን ምስቶም ‘ጭራኦም ኣትማን ዚመስል’ ሰራዊት ፈረሰኛታትን ዚመሳሰል እዩ። ስለምንታይ፧ እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ብዛዕባ “መዓልቲ ሕነ ኣምላኽ” ስለ ዜጠንቅቕ እዩ። (ኢሳ. 61:2) ነዚ ጽሑፋት እዚ፡ ብትብዓትን ብቕንኣትን ንዘርግሓዮ።

9:20, 21። ክርስትያናት ዘይኰና ተባሂለን ኣብ ዚጽውዓ ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ትሑታት ሰባት፡ ነቲ እንእውጆ መልእኽቲ ጽቡቕ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም “ዝተረፉ ሰባት” ተባሂሎም ዘለዉ ኻብ ግዝኣት ህዝበ-ክርስትያን ወጻኢ ዚርከቡ ሰባት፡ ብጃምላ እምነቶም ኪቕይሩ ትጽቢት ኣይንገብርን ኢና። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዕና ንቕጽል ኢና።

12:15, 16። “ምድሪ” ማለት፡ እቶም ኣብ ናይ ሰይጣን ስርዓት ዘሎ ባእታታት ወይ ገዛእቲ እተፈላለዩ ሃገራት፡ ኣምልኾ ሓርነት ፈቒዶም እዮም። ካብ 1940 ጀሚሩ፡ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም፡ ‘ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ መስጐጕቲ ውሒጦምዎ’ እዮም። ብርግጽ፡ የሆዋ እንተ ደልዩ፡ ፍቓዱ ንኺፍጽሙ ንሰበ-ስልጣን ጽልዋ ኺገብረሎም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምሳሌ 21:1፡ “ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ” ምባላ ግቡእ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ኬደልድሎ ይግባእ።