ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ሓጐስ ርኸብ

ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ሓጐስ ርኸብ

ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ሓጐስ ርኸብ

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴ. 28:19

1-3. (ሀ) ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ብዛዕባ ዝረኽብዎ ኣጋጣሚ እንታይ ይስምዖም፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ብቛንቋ ሂንዲ እትምራሕ ጕጅለ እተገልግል ሓብቲ፡ “ንዝሓለፈ 11 ሰሙን ምስታ ኻብ ፓኪስታን ዝመጸት ስድራ ቤት መጽናዕቲ እገብር ነበርኩ” ኢላ ጸሓፈት። ቀጺላ ኸኣ፡ “መሓዙት ኰንና። እዛ ስድራ ቤት እዚኣ፡ ናብ ፓኪስታን ከም እትምለስ ክሓስብ ከለኹ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ቅጽርጽር እዩ ዚብለኒ። ኣዒንተይ ንብዓት ዚመልኣ፡ ብሰንኪ እቲ ምሕዝነቶም ብምስኣነይ ዚስምዓኒ ጓሂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕኦም ብዛዕባ የሆዋ ብምምሃር ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ስለ ዝሰኣንኩ እውን እዩ።”

2 ከምዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ምስ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ዚርከብ ሓጐስ ተመኪርካዮዶ ትፈልጥ፧ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱን፡ ካብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብዙሕ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። የሱስ፡ እቶም ዘሰልጠኖም 70 ደቀ መዛሙርቲ ዜሐጕስ ጸብጻብ ሒዞም ምስ ተመልሱ፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ።” (ሉቃ. 10:17-21) ሎሚ እውን ሓያሎ ኣሕዋት ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ። አረ ኣብ 2007ሲ እቶም ትጉሃትን ሕጉሳትን ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም ሽዱሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ንዝዀኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖምሎም እዮም!

3 ገሊኦም ኣስፋሕቲ ግን፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ዚርከብ ሓጐስ ገና ኣየስተማቐርዎን። ገሊኦም ድማ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንዋላ ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይመርሑን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሕ ክንጽዕር ከለና፡ እንታይ ዓይነት ብድሆ ኸጋጥመና ይኽእል፧ ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ነቲ የሱስ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝኣዘዞ ትእዛዝ ንኽንሕልዎ ዝከኣለና ዘበለ ምስ እንገብር እንታይ ዓስቢ ኢና እንረክብ፧—ማቴ. 28:19

ሓጐስና ኼጥፍኣልና ዚኽእል ብድሆታት

4, 5. (ሀ) ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እንታይ ምላሽ እዮም ዚህቡ፧ (ለ) ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዘለዉ ኣስፋሕቲ እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዜጋጥምሞ፧

4 ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዚርከቡ ሰባት ንጽሑፋትና ብሃንቀውታ ይቕበሉ እዮም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብሩ እውን ድሌት ኣለዎም። ንግዜኡ ኣብ ዛምብያ ዜገልግሉ ዘለዉ ኻብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር፡ “እቲ ወረ ሓቂ እዩ። ዛምብያ ብዙሕ ፍረ ዚርከቦ ኽሊ እዩ። ኣብ መገዲ ዚግበር ምስክርነት ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ! ሰባት ቀሪቦም የዘራርቡና፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነታ ዝደለይዋ ሕታም ክንህቦም ይሓቱና እዮም” ኢሎም ጸሓፉ። ኣብ ቀረባ ዓመት ኣብ ዛምብያ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንልዕሊ 200,000 ዝዀኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ ብገምጋም ኪርአ ኸሎ ንሓደ ኣስፋሒ ኻብ ሓደ ንላዕሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎ ማለት እዩ።

5 ኣብ ካልእ ቦታታት ዘለዉ ኣስፋሕቲ ግን፡ ጽሑፋት ምዕዳል ኰነ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ በዳሂ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ስለምንታይ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣስፋሕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ኸለዉ ሰባት ኣብ ቤቶም ኣይርከቡን፡ እቶም ኣብ ቤቶም ዚርከቡ ድማ ብዛዕባ ሃይማኖት ተገዳስነት ዘይብሎም ይዀኑ። ሃይማኖታውያን ኣብ ዘይኰና ስድራ ቤታት ዓብዮም ወይ ብሰንኪ እቲ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚርእይዎ ግብዝና ጽልኢ ሓዲርዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ናይ ሓሶት ጓሶት ብመንፈሳዊ እተጐድኡን ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ኰይኖም ኣለዉ። (ማቴ. 9:36) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ንዚቐርበሎም ሕቶ ጥርጣረ ኸም ዝሓድሮም ርዱእ እዩ።

6. ገሊኦም ኣስፋሕቲ ምስ እንታይ ዓይነት ኵነታት እዮም ዚቃለሱ ዘለዉ፧

6 ገሊኦም እሙናት ኣስፋሕቲ ሓጐሶም ኬጥፍእ ዚኽእል እተፈልየ ብድሆ የጋጥሞም እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዕዮ ንጡፋት እኳ እንተ ነበሩ፡ ሕጂ ግን ጥዕና ብምስኣን ወይ በቲ እርጋን ዜምጸኦ ጸገማት ይሳቐዩ እዮም። ኬጋጥመና ንዚኽእል ዓቕምና ዚድርት ኵነታት እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዘይትበቅዕ ከም ዝዀንካ ይስመዓካዶ፧ ከምቲ ሙሴ ንፈርኦን ኪዛረቦ የሆዋ ምስ ለኣኾ እተሰምዖ ስምዒት፡ ይስምዓካ ይኸውን። ሙሴ፡ “ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ . . . ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” በለ። (ዘጸ. 4:10) ዘይብቑዕ ከይከውን ዚብልዎ ስክፍታን ጕድለት ከይርከበካ ምፍራህን ኣጸቢቑ ዚተኣሳሰር ስምዒታት እዩ። ንፉዓት መምህራን ስለ ዘይኰንና፡ ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ከም ዘይንኽእል ብምሕሳብ ንጭነቕ ንኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ምእንቲ ኸየጋጥመና ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይንመርሕ ንውስን ንኸውን። ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ብድሆታት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ልብኻ ኣዳሉ

7. የሱስ ንኸገልግል ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧

7 ቀዳማይ ስጕምቲ ልብና ምድላው እዩ። የሱስ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” በለ። (ሉቃ. 6:45) ኣብ ኣገልግሎቱ ንጡፍ ኪኸውን ዝገበሮ፡ ንድሕንነት ካልኦት ካብ ልቡ ስለ ዚግደስ እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ብመንፈሳዊ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝነበሩ ኣይሁድ ምስ ረአዮም፡ “ደንገጸሎም።” ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ . . . ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም።—ማቴ. 9:36-38

8. (ሀ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ኣጸቢቕና ኽንሓስብ ዘሎና፧ (ለ) ካብቲ ሓንቲ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበቶ ርእይቶ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

8 ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኽንሳተፍ ከለና፡ ሓደ ሰብ ግዜ መዲቡ ምሳና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባሩ ማዕረ ኽንደይ ከም እተጠቐምና ምሕሳብ ጽቡቕ እዩ። እቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት እውን፡ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልእኽቲ ሰሚዖም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጥቀሙ ሕሰበሉ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ናብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከምዚ ብምባል ጸሓፈት፦ “ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤተይ መጺኦም ዚምህሩኒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎኒ ልዑል ምስጋና ኽገልጸልኩም እፈቱ። ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ሕቶታት ስለ ዝሓቶምን ነዊሕ ሰዓታት ስለ ዘጽንሖምን ቅጭ ከም ዘምጽኣሎም ይርድኣኒ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ይዕገሱንን ነቲ እተመሃርዎ ኼካፍሉኒ ሃረር ይብሉን እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ህይወተይ ቦታ ስለ ዘለዎም፡ ንየሆዋን ንየሱስን የመስግኖም እየ።”

9. የሱስ ኣብ ምንታይ እዩ ዘተኰረ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

9 ሓቂ እዩ፡ ነቲ የሱስ ኪሕግዞም ዝገበሮ ጻዕሪ እተቐበልዎ ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን። (ማቴ. 23:37) ገሊኦም ንእተወሰነ እዋን ይስዕብዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ጸኒሖም ግን ንትምህርትታቱ ነጸግዎ፡ “ምስኡውን ኣይከዱን።” (ዮሃ. 6:66) ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ እቲ ሰባት ዝሃብዎ ባህ ዘየብል ምላሽ፡ እቲ መልእኽቱ ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። እቲ ዝዘርኦ ዘርኢ ብዙሕ ፍረ እኳ እንተ ዘየፍረየ፡ ኣብቲ ዚገብሮ ዝነበረ ጽቡቕ ነገራት ኣተኰረ። ምድሪ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ረኣየ፡ ኣብቲ ዓጺድ ብምሕጋዝ ድማ ብዙሕ ሓጐስ ረኸበ። (ዮሃንስ 4:35, 36 ኣንብብ።) ንሕናኸ ኣብ መንጎ እቲ ኣእካል ንዘሎ ፍረ ዘየፍረየ መሬት ኣብ ክንዲ እንርኢ፡ እቲ ኽልና ኺህልዎ ኣብ ዚኽእል ምህርቲ ኸነተኵር ንኽእልዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክንዕቅብ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ምህርቲ ኸም እተእቱ ሓሲብካ ዝራእ

10, 11. ሓጐስካ ንምዕቃብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

10 ሓደ ሓረስታይ ምህርቲ ንኼእቱ ኢሉ እዩ ዚዘርእ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ኢልና ኽንሰብኽ የድሊ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዘውቲርካ ግዜ እናሕለፍካ ኽነስኻ፡ ኣብ ቤቶም እትረኽቦም ውሑዳት ሰባት እንተ ዀይኖም ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባት ክትረኽቦም እንተ ዘይክኢልካኸ፧ እዚ ተስፋ ዜቝርጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ እትገብሮ ኣገልግሎት ተስፋ ቘሪጽካ ኽትገድፎዶ ይግብኣካ፧ ከምኡ ኽትገብር ኣይግባእን! ብዙሓት ሰባት ብሳላ እዚ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ውጽኢታዊ ዝዀነ ናይ ኣገልግሎት መዳይ እዮም ንመጀመርታ ግዜ ሓቂ ሰሚዖም።

11 ሓጐስካ ምእንቲ ኽትዕቅብ ግን ነቲ ንምስባኽ እትጥቀመሉ ሜላታት ከተስፍሕ፡ ምናልባት ንሰባት ክትረኽበሉ እትኽእል ካልእ መገድታት ከተናዲ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ንሰባት ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ክትምስክረሎም ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ንሰባት ብተሌፎን ክትምስክረሎም ወይ ከኣ ነቶም ድሮ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘካፈልካዮም ሰባት ምእንቲ ኽትድውለሎም ቍጽሪ ተሌፎኖም ክትሕዝ ትኽእልዶ፧ ኣብ ኣገልግሎትካ ጽንዓትን ተዓጻጻፍነትን ምስ እተርኢ፡ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ውልቀ-ሰባት ብምርካብ ክትሕጐስ ኢኻ።

ንዘይተገዳስነት ምቅላሱ

12. ኣብ ክልና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም እንተ ዀይኖም፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

12 እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት ተገዳስነት ዘይብሎም ምስ ዚዀኑኸ፧ ተገዳስነቶም ንምልዕዓል መእተዊኻ ኽትቀያይር ትኽእልዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ፡ “ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። . . . ምስቶም ሕጊ ዜብሎም—. . . ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡—ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ” ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ ንኺገብር ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ ነይሩ፧ “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ” በለ። (1 ቈረ. 9:20-22) ንሕናኸ ምስቶም ኣብ ክልና እንረኽቦም ሰባት ዜሰማምዓና ሓባራዊ ነጥቢ ነናዲ ዲና፧ ሃይማኖት ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት፡ ርክባት ስድራ ቤቶም ኬመሓይሹ ይደልዩ እዮም። ዕላማ ህይወት ንምርካብ ሃለው ይብሉ ይህልዉ ይዀኑ። ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዚስሕብ መገዲ ኸነቕርቦ ንኽእልዶ፧

13, 14. ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር እንረኽቦ ሓጐስ ከነዛይዶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣስፋሕቲ፡ እቶም ኣብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም ቦታታት ዚርከቡ እውን ከይተረፉ፡ ካብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ዚረኽብዎ ሓጐስ ወሲኹ እዩ። ብኸመይ፧ ቋንቋ ወጻኢ ስለ እተማህሩ እዮም። ኣብ 60ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ቻይናውያን ተመሃሮን ስድራ ቤቶምን ኣብ ክሊ ጉባኤኦም ከም ዚነብሩ ኣስተውዓሉ። እቲ ሰብኣይ፡ “በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቻይንኛ ንኽንመሃር ተተባባዕና” በለ። ቀጺሉ ድማ፡ “ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ መዓልታዊ ንእተወሰነ ግዜ ነቲ ቛንቋ ኸተጽንዕ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዚነብሩ ቻይናውያን ብዙሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብር ኣኽኣለና” በለ።

14 ቋንቋ ወጻኢ ኽትመሃር እንተ ዘይክኢልካ ድማ፡ ምስቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ክትራኸብ ከለኻ፡ ነታ ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዚግባእ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ብቛንቋ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባት እተሓትመ ጽሑፋት እውን ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ምስቶም ካልእ ቋንቋን ባህልን ዘለዎም ሰባት ምዝርራብ ተወሳኺ ግዜን ጻዕርን ከም ዚሓትት ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ “እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ” ንዚብል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣይትረስዕ።—2 ቈረ. 9:6

ንምልእቲ ጉባኤ የጠቓልል

15, 16. (ሀ) ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ናይ ምልእቲ ጉባኤ ጻዕሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዕደመ ዝደፍኡ ክርስትያናት እንታይ ግደ ኼበርክቱ ይኽእሉ፧

15 ይኹን እምበር፡ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ ጥራይ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ምልእቲ ጉባኤ ጻዕሪ እውን እዩ። ስለምንታይ፧ የሱስ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃ. 13:35) ብርግጽ ከኣ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ እዋን በቲ ዚርእይዎ ፍቕራዊ ሃዋህው ይትንከፉ እዮም። ሓንቲ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብለኒ። እቶም ሰባት ጽቡቕ ኣቀባብላ እዮም ዚገብሩልካ!” በለት። የሱስ፡ እቶም ሰዓብቱ ዚዀኑ ሰባት ካብ ስድራ ቤቶም ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 10:35-37 ኣንብብ።) እንተዀነ ግን፡ ኣብ ጉባኤ ብዙሓት መንፈሳውያን “ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ” ኪረኽቡ ምዃኖም ተመባጽዐ።—ማር. 10:30

16 ብፍላይ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ንኺገብሩ ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ግደ የበርክቱ እዮም። ብኸመይ፧ ገሊኦም ኣረጋውያን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ዋላ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ እቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚህብዎ ዚሃንጽ ሓሳባት ንእምነት እቶም ዚሰምዕዎም ዘበሉ የደልድል እዩ። እቲ “ኣብ መገዲ ጽድቂ” ዘሕለፍዎ ህይወት ንጽባቐ እታ ጉባኤ ድምቀት ይውስኸሉ፡ ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ከኣ ናብ ውድብ ኣምላኽ ከም ዚሰሓቡ ይገብር።—ምሳ. 16:31

ፍርህና ምስናፍ

17. ዘይንበቅዕ ከም ዝዀንና ንዚስምዓና ስምዒት ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧

17 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሕ ዘይትበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ የሆዋ ንሙሴ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ከምኡውን ንኣሮን ሓዉ መማኽርቱ ኪኸውን ብምግባር ከም ዝሓገዞ ዘክር። (ዘጸ. 4:10-17) የሱስ እቲ ዕዮ ምስክርነትና ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ዚድገፍ ተመባጺዑ እዩ። (ግብ. 1:8) ብተወሳኺ እውን፡ እቶም ዓየይቲ ንኺሰብኩ በብኽልተ ገይሩ እዩ ልኢኽዎም። (ሉቃ. 10:1) ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ኣጸጋሚ ዀይኑ እንተ ደኣ ረኺብካዮ፡ መንፈስ ኣምላኽ ጥበብ ንኺህበካ ጸሊ፡ ድሕሪኡ ምትእምማን ከም እተሕድር ምስ ዚገብረካን ተመክሮኡ ኼበራትዓካ ምስ ዚኽእልን መገላግልቲ ሓቢርካ ዕየ። የሆዋ ነቲ ሓለፍ ዝበለ ዕዮ ንምፍጻም ተራ ሰባት ማለት፡ “ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ” ኸም ዝሓረየ ምዝካርካ፡ እምነትካ ዜደልድል እዩ።—1 ቈረ. 1:26-29

18. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከም ዘይንኽእል ንዚስምዓና ስምዒት ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧

18 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከም ዘይንኽእል ንዚስምዓና ስምዒት ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧ ምግቢ ንኺምቅርን ንኸይምቅርን ብቐንዱ ኣብ ሓደ ኸሻኒ ዚምርኰስ እኳ እንተ ዀነ፡ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ግን ከምኡ ኸም ዘይኰነ ምዝካርና ጽቡቕ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወደ መዝሙር ምግባር፡ ብሰለስተ ሸነኽ ብሕብረት ዚዕየ ዕዮ እዩ። የሆዋ፡ ውልቀ-ሰባት ናብኡ ኸም ዚሰሓቡ ኣብ ምግባር ዓብዪ እጃም ኣለዎ። (ዮሃ. 6:44) ንሕናን ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ኻልኦትን፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ንኺገብሩ ዚሕግዝ ብሉጽ ጥበብ ኣመሃህራ ንምጥቃም ዚከኣለና ዘበለ ንግበር። (2 ጢሞቴዎስ 2:15 ኣንብብ።) እቲ ተመሃራይ እውን ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ኣለዎ። (ማቴ. 7:24-27) ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር እንተ ኣቋሪጹ፡ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። እቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ምርጫ ኸም ዚገብር ተስፋ ንገብር እኳ እንተ ዀንና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግን፡ “በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:12

እንታይ ዓስቢ ይርከቦ፧

19-21. (ሀ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ እንታይ ጥቕሚ ንረክብ፧ (ለ) የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ዚካፈሉ ሰባት ብኸመይ ይርእዮም፧

19 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድላይ ከም እነተኵር እዩ ዚገብረና። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ እውን ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ይቕረጽ። ከምዚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ባራክ ዚበሃል ፈላሚ ኸምዚ በለ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዝሓሽካ ተመሃራይ ቃል ኣምላኽ ከም እትኸውን እዩ ዚገብረካ። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክምህር ብቑዕ ቅድሚ ምዃነይ፡ ፈለማ እምነተይ ከደልድል ኣሎኒ።”

20 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ እንተ ዘይብልካ፡ ኣገልግሎትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ የብሉን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምውዳስ እንገብሮ ጻዕርታት ኣጸቢቑ የማስወሉ እዩ። እቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ዚካፈሉ ዅሎም “መዓይይቲ ኣምላኽ” እዮም። ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ኣምላኽ ነቲ ዝተኸልናዮ ዘርኢ ብኸመይ ከም ዜብቍሎ ስለ እንርኢ፡ ዝያዳ ሓጐስ የምጽኣልና። (1 ቈረ. 3:6, 9) ኤሚ እትበሃል ፈላሚት ከምዚ በለት፦ “ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብር ክትርኢ ኸለኻ፡ የሆዋ ነቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ንዕኡ ናይ ምፍላጥን ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብን ኣጋጣሚ ነቲ ሰብ ምእንቲ ኺህቦ ብኣኻ ስለ እተጠቕመ፡ ኣዚኻ ኢኻ እተመስግኖ።”

21 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን ንኽንመርሕን ዝከኣለና ዅሉ ምስ እንገብር፡ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ንኸነተኵርን ናብ ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ዘለና ተስፋ ንኺድልድልን ኪሕግዘና እዩ። ብደገፍ የሆዋ ኸኣ ነቶም ዚሰምዑና ዘበሉ ንኺድሕኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16 ኣንብብ።) እዝስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ!

ትዝክሮዶ፧

• ገሊኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይመርሑ ኺገብሮም ዚኽእል ብድሆታት እንታይ እዩ፧

• ኣብ ክልና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም እንተ ዀይኖም፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

• መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንመርሕ እንታይ ዓስቢ ኢና እንረክብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ነቲ ንምስባኽ እትጥቀመሉ ሜላታት ከተስፍሖ ትኽእልዶ፧