ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትካ ድርቕ ትብል ዲኻ፧

ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትካ ድርቕ ትብል ዲኻ፧

ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትካ ድርቕ ትብል ዲኻ፧

ክልተ ቘልዑ ብሓደ ይጻወቱ ነበሩ። እቲ ሓደ ቘልዓ ነታ ዚፈትዋ መጻወቲቱ ኻብቲ ሓደ መንጢሉ፡ “ናተይ እያ!” ኢሉ ጨደረ። ዘይፍጹማት ሰባት ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም፡ ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ፡ ስስዐ የንጸባርቑ እዮም። (ዘፍ. 8:21፣ ሮሜ 3:23) ዓለም ብሓፈሻ ኸኣ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብል መንፈስ ተተባብዕ እያ። ካብዚ መንፈስ እዚ ኽንርሕቕ እንተ ዄንና፡ ምስ ስስዐ ዝመልኦ ዝንባለታት ኣበርቲዕና ኽንቃለስ ኣሎና። ከምዚ እንተ ዘይጌርና፡ ንኻልኦት ብቐሊሉ ኽንዕቅፎምን? ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነዳኽሞን ኢና።—ሮሜ 7:21-23

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ተግባራትና ኣብ ካልኦት ኬሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ኣብ ግምት ንኸነእቱ ኼተባብዓና ኸሎ፡ “ኵሉ ተፈቒዱለይ፡ ኵሉ ግን ኣይጠቅምን እዩ፡ ኵሉ ተፈቒዱለይ፡ ኵሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። . . . መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 10:23, 32) ስለዚ፡ ንብሕታዊ ምርጫታትና ብዚምልከት ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ምሕታትና ጥበባዊ እዩ፦ ‘ገሊኡ መሰላተይ ንሰላም እታ ጉባኤ ዚዘርግ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ክሓድጎ ፍቓደኛ ድየ፧ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዚዀነሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስዓብ ድሉው ድየ፧’

ስራሕ ኣብ ምምራጽ

መብዛሕትኦም ሰባት፡ ናይ ስራሕ ምርጫኦም ኣብ ካልኦት ክሳዕ ክንድቲ ጽልዋ ዘይብሉ ብሕታዊ ውሳነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ተመክሮ ሓደ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ዚነብር ነጋዳይ እስከ ርአ። ተጣላዓይን ሰታይን ነበረ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘጽንዐ ግን፡ መንፈሳዊ ዕቤት ገይሩ ናብራ ህይወቱ ቐየረ። (2 ቈረ. 7:1) ምስታ ጉባኤ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ኪካፈል ምስ ደለየ፡ ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ስራሑ ኺሓስብ ብሜላ ኣተባብዖ። ኣብታ ኸተማ ቐንዲ ኣከፋፋሊ እቲ ኻብ ቃንጫ ዚዳሎ ኣልኮላዊ መስተ እዩ ነይሩ፣ እዚ መስተ እዚ ኣብ እተፈላለየ መዓላ ዚውዕል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ንሱ ዚነብረሉ ኸባቢ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐንዱ ንምስካር ተባሂሉ ምስ ልስሉስ መስተ ተሓዊሱ እዩ ዚስተ።

እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነዚ መስተ እዚ እናሸጠ፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ዚካፈል እንተ ዀይኑ፡ ንስም እታ ጉባኤ ዜበላሹ ምዃኑ ተረድአ። ኣቦ ብዙሓት ዝኣባላታ ስድራ ቤት እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ምሻጥ ኣቋረጸ። ሕጂ ፍርያት ወረቐት እናሸጠ እዩ ንስድራ ቤቱ ዚድግፍ። ንሱን ሰበይቱን ካብቶም ሓሙሽተ ውሉዳቱ ድማ እተን ክልተ ደቁ ተጠምቁ። ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ከኣ ብቕንኣትን ብትብዓትን እዮም ዚካፈሉ።

ኣዕሩኽ ኣብ ምምራጽ

ምስቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ምክፋል፡ ጕዳይ ብሕታዊ ምርጫ ጥራይ ድዩ ወይስ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዜጠቓልል እዩ፧ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዘይኰነ መንእሰይ ናብ ፓርቲ ኽትከይድ ደለየት። ብዛዕባ እቲ ኼምጽኣላ ዚኽእል ሓደጋታት መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህባ፡ መሰላ ኸም ዝዀነ ብምሕሳብ ናብቲ ፓርቲ ኸደት። ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ሓያል መደንዘዚ ዘለዎ መስተ ሰተየት። ድሕሪ ሓያሎ ሰዓታት ምስ ተበራበረት፡ በቲ ዓርካ ኢላ ዝሓሰበቶ ወዲ ኸም እተዓመጸት ፈለጠት።—ምስ ዘፍጥረት 34:2 ኣረኣኢ።

ምስ ዘይኣመንቲ ግዜ ምሕላፍ፡ ኵሉ ግዜ ዜሕዝን ነገር የስዕብ እዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ኢሉ የጠንቅቕ። (ምሳ. 13:20) ሕማቕ ዕርክነት ናብ ሓደጋ ኸም ዜቃልዓና ዜተሓታትት ኣይኰነን። ምሳሌ 22:3፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ትብል። ኣዕሩኽና፡ ኣባናን ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ጽልዋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረ. 15:33፣ ያእ. 4:4

ኣብ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን

ቅድታት ክዳውንቲ በብግዜኡ እዩ ዚቀያየር። ንኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይቀያየርን እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያን ኣንስቲ “ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን [“ትሕትና ዜርእን፡” ትርጕም 1990] ብምቕጻዕ ነፍሰንን . . . ኺስለማ” ተማሕጸነን። (1 ጢሞ. 2:9) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንቕዲ ኽዳን ዚምልከት ድርቕ ዝበለ ስርዓት ኣይኰነን ዚህብ ነይሩ፡ ወይ ከኣ ኵሎም ክርስትያናት ሓደ ዓይነት ምርጫ ኪህልዎም ከም ዚግባእ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብዛዕባ ትሕትናኸ ደኣ እሞ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሓደ መዝገበ-ቓላት ንትሕትና፡ “ሰብ ምኽባር፣ ምቕሉልነት፣ ዘይምዅራዕ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።

‘ናብ ገዛእ ርእሰይ ዘየድሊ ኣቓልቦ ዚስሕብ ዓይነት ኣከዳድና ክኽደን መሰለይ ምዃኑ ብምሕሳብ ድርቕ ዝብል እንተ ዀይነ፡ ትሕትና አርኢ ኣለኹ ኺበሃል ይከኣልዶ፧ ኣከዳድናይ ብዛዕባ መንነተይን ብዛዕባ እቲ ዝስዕቦ ስነ-ምግባርን ግጉይ መልእኽቲ የመሓላልፍ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ዚብል ምኽሪ ብምዝካር፡ ኣብዚ መዳይ እዚ “ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።”—2 ቈረ. 6:3፣ ፊል. 2:4

ኣብ ጕዳያት ንግዲ

ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ፡ በደል ወይ ምትላል ንዝመልኦ ንግዳዊ ዝምድናታት ብዚምልከት ከቢድ ጕዳያት ምስ ተላዕለ፡ ጳውሎስ፡ “ተበዲልኩም እንተ ትተርፉዶ ኣይምኃሸን፧ ተገፊዕኩም እንተ ትተርፉዶኸ ኣይምኃሸን፧” ኢሉ ጸሓፈ። ክርስትያናት ንሓደ ሓው ናብ ቤት ፍርዲ ኻብ ዚወስድዎ ጥቕሞም ኪርሕርሑ ፍቓደኛታት ኪዀኑ መኸሮም። (1 ቈረ. 6:1-7 ትርጕም 1990) ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሓው ነዚ ምኽሪ እዚ ዓዪሉ እዩ። ንዘይተኸፍሎ ደሞዝ ብዚምልከት ምስ ክርስትያን ኣስራሒኡ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ነበረ። እዞም ክልተ ኣሕዋት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ መምርሒ ብምስዓብ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተዘራረቡ፡ ነቲ ጸገሞም ኪፈትሕዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ጕዳይ ናብ “ማሕበር፡” ማለት ናብ ሽማግለታት ኣብጽሕዎ።—ማቴ. 18:15-17

እቲ ዜሕዝን ግን፡ እቲ ጕዳይ ኪፍታሕ ኣይተኻእለን። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎት፡ እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ኻብ ኣስራሒኡ ዚጽበዮ ዝነበረ መብዛሕትኡ ገንዘብ ኪሓድጎ ወሰነ። ስለምንታይ፧ “እዚ ዘይምቅዳው እዚ ሓጐሰይ ይሰርቀኒ፡ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከውዕሎ ዝኽእል ዝነበርኩ ኽቡር ግዜ ኸኣ የጥፍኣለይ ነበረ” በለ። ነዚ ውሳነ እዚ ድሕሪ ምግባሩ ሓጐሱ ተመልሰሉ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸኣ በረኸት የሆዋ ረኸበ።

ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ

ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትና ድርቕ ዘይምባል፡ ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን በረኸት የምጽእ እዩ። ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ኣንጊሆም ብምኻድ ዚጥዕሞም ኮፍ መበሊ ሓዙ። እቲ ኣኼባ ምስ ተጀመረ፡ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉዋ ስድራ ቤት ብሃወኽ ናብቲ መሊኡ ዝነበረ መአከቢ መጸት። እቶም ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ እቶም ስድራ ንብምሉኦም ዚኣክል ኮፍ መበሊ ኺደልዩ ምስ ረኣይዎም፡ ተንስኡሎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ስድራ ቤት ብሓደ ኾፍ ክትብል ከኣለት። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ፡ እቶም ፈለምቲ ኻብታ ስድራ ቤት ናይ ምስጋና ደብዳበ ተቐበሉ። እቶም ስድራ ናብቲ ኣኼባ ደንጕዮም ብምምጻኦም ጕህዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ፈለምቲ ሰብ ሓዳር ብዘርኣይዎ ሕያውነት ግን ጓሂኦም ብኡንብኡ ናብ ሓጐስን ሞሳን ከም እተቐየረ ኣብታ ደብዳበኦም ገለጹ።

ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና፡ ምእንቲ ኻልኦት ኢልና ብፍታው ምርጫታትና ንሕደግ። ‘ንዓይ ይጥዓመኒ ብምባል ዘይትምራሕ’ ፍቕሪ ምስ እነንጸባርቕ፡ ኣብ ጉባኤን ኣብ ጐረባብትናን ሰላም ከም ዚሰፍን ንገብር። (1 ቈረ. 13:5 ትርጕም 1990) ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ንዕቅብ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ቅዲ ኽዳውንቲ ኽትመርጽ ከለኻ ብሕታዊ ምርጫታትካ ንኽትሓድግ ፍቓደኛ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሕዋትካ ተንሲእካ ኾፍ ንኸተብሎም ፍቓደኛ ዲኻ፧