ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ነቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኽዎ ሰባትን ዘየምልኽዎ ሰባትን ኣብ መጻኢ እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ እዙዛት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እንታይ በረኸታት ኪረኽቡ እዮም፧ ናይዝን ናይ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን መልሲ ኣብ ራእይ 13:1–22:21 ተገሊጹ ኣሎ። * ካብተን ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝረኣየን 16 ራእይ፡ እተን ናይ መወዳእታ 9 ራእይ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ኢና እንረኽበን።

ዮሃንስ፡ “እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ራእ. 1:3፣ 22:7) ነቲ ኻብ መጽሓፍ ራእይ እንረኽቦ ትምህርቲ ነንብቦን ኣብ ግብሪ ነውዕሎን እንተ ዄንና፡ ንልብና ኺጸልዎ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘሎና እምነት ኬደልድሎ፡ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኺህበና ይኽእል እዩ። *እብ. 4:12

ሸውዓተ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ፈሰሰ

(ራእ. 13:1–16:21)

ራእይ 11:18፡ “ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን [ቍጥዓ ኣምላኽ] መጺኡ፡ . . . ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ” ትብል። እታ ሻምነይቲ ራእይ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ንምብራህ፡ ንንጥፈታት እቲ “ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን . . . ዘለዎ ኣራዊት” ትሕብር።—ራእ. 13:1

ዮሃንስ ኣብታ ታሽዐይቲ ራእይ፡ “እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ . . . ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ” ረኣየ። እዚኣቶም “ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም።” (ራእ. 14:1, 4) ድሕሪኡ፡ ኣዋጃት መላእኽቲ ተሰምዐ። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ራእይ፡ ዮሃንስ፡ “ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት” ረኣየ። “ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ” ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ናይ ሰይጣን ዓለም ኬፍስስዎ ዝኣዘዞም የሆዋ ባዕሉ ኪኸውን ኣለዎ። እዘን ጽዋእ እዚኣተን፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዜውርዶ ፍርዲ ዚገልጽ ኣዋጅን መጠንቀቕታን ዝሓዛ እየን። (ራእ. 15:1፣ 16:1) እዘን ክልተ ራእይ፡ ምስቲ ሳልሳይ ወዮን ምንፋሕ እቲ ሻውዓይ መለኸትንዚተሓሓዝ ተወሳኺ ፍርድታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳባት ይህባ።—ራእ. 11:14, 15

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

13:8—“ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚ መጽሓፍ እዚ ምሳልያዊ ዀይኑ፡ ስማት እቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ዚገዝኡ ጥራይ ዝሓዘ እዩ። እዚ ኸኣ ንስማት እቶም ሰማያዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ዜጠቓልል እዩ።

13:11-13—እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ከም ገበል ዚዛረብን ካብ ሰማይ ሓዊ ዜውርድን ብኸመይ እዩ፧ እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት፡ ማለት ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ፡ ከም ገበል ይዛረብ ኪበሃል ከሎ፡ ኣገዛዝኣኡ ተቐባልነት ከም ዚረክብ ንምግባር ምፍርራህን ጸቕጥን ዓመጻን ከም ዚጥቀም የመልክት። ኣብቲ ኣብ መበል 20 ዘመን እተገብረ ኽልተ ውግኣት ዓለም፡ ንሓይልታት እከይ ከም ዝሰዓረን ንኮምዩኒስትነት ከም ዘውደቖን ብምዝራብ ነብዪ ምዃኑ ስለ ዚገልጽ እውን ካብ ሰማይ ሓዊ የውርድ ኪበሃል ይከኣል እዩ።

16:17—እቲ ሻውዓይ ጽዋእ ዝፈሰሰሉ “ኣየር” እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብዚ “ኣየር” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ “መንፈሱ [ዝንባለኡ] ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ” ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ የመልክት። እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን እዚ ብምሉኡ፡ ነዚ መርዛም ኣየር እዩ ዜስተንፍስ ዘሎ።—ኤፌ. 2:2

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

13:1-4, 18። እቲ ንሰብኣውያን መንግስትታት ዜመልክት “ኣራዊት፡” ካብቲ ነቶም ዕረፍቲ ዘይብሎም ብዙሓት ደቂ ሰብ ዜመልክት “ባሕሪ” እዩ ወጺኡ። (ኢሳ. 17:12, 13፣ ዳን. 7:2-8, 17) እዚ ብሰይጣን እተፈጥረን ካብኡ ስልጣን ዝረኸበን ኣራዊት፡ ነቲ ዝለዓለ ዘይፍጽምና ዜመልክት 666 ዚብል ቍጽሪ ኣለዎ። ስለዚ፡ ንመንነት እዚ ኣራዊት እዚ ምስትውዓልና፡ ብናእዳ ንኸይንስዕቦን ከምቲ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዚገብርዎ ዘለዉ ንኸይነምልኾን ይሕግዘና።—ዮሃ. 12:31፣ 15:19

13:16, 17። ከም ‘ምዕዳግን ምሻጥን’ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ፡ እቲ ኣራዊት ንህይወትና ኺቈጻጸሮ ንዜውርደልና ጸቕጢ ኢድና ኽንህብ የብልናን። ‘ኣብ ኢድና ወይ ኣብ ግምባርና ማሕተም እቲ ኣራዊት’ ምቕባል፡ ንተግባራትና ወይ ንኣተሓሳስባና ኺቈጻጸሮ ምስ ምፍቃድ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።

14:6, 7። እቲ መልኣኽ ዝኣወጆ ኣዋጅ፡ ብስራት እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ብህጹጽነት ክንነግር ከም ዘሎና ይምህረና። ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተመሃሮና፡ ጥዑይ ፍርሃት ኣምላኽ ኬሕድሩን ንየሆዋ ኽብሪ ኺህብዎን ክንሕግዞም ኣሎና።

14:14-20። ‘ፍረ ምድሪ ምስ ተዓጽደ፡’ ማለት እቶም ዚድሕኑ ሰባት ተኣኪቦም ምስ ተወድኡ፡ እቲ መልኣኽ “ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ” ናብቲ “ዓብዪ መጽመቚ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ” ዚድርብየሉ እዋን ኪኣክል እዩ። እቲ ኣብዚ ብወይኒ ተመሲሉ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚገዝእ ዘሎ ብዓይኒ ዚርአ ብልሹው ስርዓት መንግስትታት ሰይጣን ምስናይ እቲ ብ“ኣስካል” ተመሲሉ ዘሎ እኩይ ፍረ ንዘለኣለም ኪጠፍእ እዩ። በዚ ወይኒ ምድሪ ኸይንጽሎ ቘራጽነት ክንገብር ኣሎና።

16:13-16። እቶም ኣብዚ “ርኹሳት መናፍስቲ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ነገስታት ምድሪ ብምፍሳስ እቲ ሸውዓተ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚጽለዉ ንየሆዋ ኸም ዚጻረርዎ ዚገብሩ ኣጋንንቲ ዚዝርግሕዎ ፕሮፓጋንዳ እዩ።—ማቴ. 24:42, 44

16:21። መወዳእታ እዛ ዓለም እናቐረበ ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ዜውርዶ ፍርዲ ዚገልጽ ኣዋጅ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኸቢድ ቃላት ፍርዲ ኣምላኽ እውን ዜጠቓልል እዩ፣ ነዚ ንምሕባር እዩ ዚኸውን ብበረድ ተመሲሉ ዘሎ። ኰይኑ ግን፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ንኣምላኽ ምጽራፎም ኪቕጽሉ እዮም።

እቲ ዕዉት ንጉስ ይገዝእ

(ራእ. 17:1–22:21)

እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን፡” ክፋል እቲ ዜፈንፍን እኩይ ስርዓት ሰይጣን እያ። ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓደ ራእይ፡ ከም ኣብ ሓደ ‘ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ዓባይ ኣመንዝራ፡’ ማለት ብዕልግቲ ሰበይቲ ገይርካ ተገሊጻ ኣላ። በቶም “ዓሰርተ ቐርኒ” እቲ ተቐሚጣትሉ ዘላ ኣራዊት ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ እያ። (ራእ. 17:1, 3, 5, 16) እቲ ስዒቡ እተራእየ ራእይ ነዛ ኣመንዝራ ምስ “ዓባይ ከተማ” ኣመሳሲልዋ ኣሎ፡ ከም እትወድቕ ኣብ ልዕሊ ምሕባሩ ኸኣ ንህዝቢ ኣምላኽ “ካብኣ ውጹ” ዚብል ህጹጽ ጻውዒት የቕርብ። ጥፍኣት እዛ ዓባይ ከተማ ንብዙሓት ኣጕህይዎም እዩ። ኣብ ሰማይ ግን ብምኽንያት “መርዓ እቲ ገንሸል” ሓጐስ ኰነ። (ራእ. 18:4, 9, 10, 15-19፣ 19:7) ኣብታ መበል 13 ራእይ፡ እቲ ኣብ “ኣምበላይ ፈረስ” እተወጥሐ ምስ ኣህዛብ ከም ዚዋጋእ ተገሊጹ ኣሎ። ነዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ከኣ ኬጥፍኣ እዩ።—ራእ. 19:11-16

ብዛዕባ እቲ ‘ናይ ጥንቲ ተመን ዝዀነ ድያብሎስን ሰይጣንን’ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ መዓስ እዩ ናብ ‘ቀላይ ሓዊ ዚድርበ፧’ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ መበል 14 ራእይ ዚርከብ ቀንዲ ርእሰ ነገራት እዩ። (ራእ. 20:2, 10) እተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ራእያት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዚህሉ ህይወት ይገልጻ። እቲ “ራእይ” ኪዛዘም ከሎ፡ ዮሃንስ፡ ‘ብማእከል እቲ ኣደባባይ ዚውሕዝ ርባ ማይ ህይወት’ ረኣየ፣ ን“ዝጸምኤ” ዘበለ ዅሉ ዚኸውን ዕድመ ድማ ቀረበ።—ራእ. 1:1፣ 22:1, 2, 17

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ፦

17:16፣ 18:9, 10—“ነገስታት ምድሪ” ነታ ባዕሎም ዜጥፍእዋ ዓባይ ባቢሎን ዚበኽዩላ ስለምንታይ እዮም፧ ቀንዲ ምኽንያት ጓሂኦም፡ ስስዐ እዩ። ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት፡ ነገስታት ምድሪ ኽሳዕ ክንደይ ትጠቕሞም ከም ዝነበረት ኪርድኡ እዮም። ነቲ ጨቋኒ ተግባራቶም ብስም ሃይማኖት ትሽፍነሎም ነይራ። መንእሰያት ንውግእ ኣብ ምኽታብ እውን ትሕግዞም ነይራ። ብዘይካዚ፡ ሰባት ንኺግዝኡ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ነበራ።

19:12—የሱስ ጥራይ እዩ ነቲ ዘይተገልጸ ስሙ ዚፈልጦ እንብል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ስም እዚ ምስቲ ኣብ ከም እኒ ኢሳይያስ 9:6 ዚርከብ፡ ነቲ የሱስ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝረኸቦ ስልጣንን ፍሉይ መሰልን ዜመልክት ይመስል። ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ዚፈልጦ የለን፣ እዚ ኸኣ እቲ ዝረኸቦ ፍሉይ መሰል እተፈልየ ምዃኑ ኸምኡውን ከምዚ ዓይነት ልዑል ስልጣን ምሓዝ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኺርዳእ ዚኽእል ንሱ ጥራይ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ካብዚ ፍሉይ መሰላቱ ነቶም ክፍሊ እታ መርዓት ዝዀኑ ኣካፊልዎም እዩ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ነቲ ሓድሽ ስሙ ጸሓፈሎም።’—ራእ. 3:12

19:14—ኣብ ኣርማጌዶን ንየሱስ ዚስዕብዎ መን እዮም፧ እቶም ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ውግእ ኣምላኽ ዚካፈሉ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት፡” ንመላእኽትን ነቶም ድሮ ሰማያዊ ሽልማቶም እተቐበሉ ቕቡኣት ሰዓርትን ዜጠቓልሉ እዮም።—ማቴ. 25:31, 32፣ ራእ. 2:26, 27

20:11-15—ስማት መን እዩ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ተጻሒፉ ዘሎ፧ እዚ መጽሓፍ እዚ ስማት ኵሎም እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚወሃቦም ሰባት፡ ማለት ስማት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ስማት ኣባላት ብዙሓት ሰባት፡ ከምኡውን ስማት እቶም ‘ትንሳኤ ጻድቃን’ ዚረኽቡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ። (ግብ. 24:15፣ ራእ. 2:10፣ 7:9) እቶም ‘ብትንሳኤ ጻድቃን’ እንደገና ህይወት ዚረኽቡ ሰባት፡ ምስቲ ኣብቲ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዚኽፈት “መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ” መምርሒታት ዚሰማማዕ ተግባር እንተ ገይሮም ጥራይ እዮም ስሞም ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ዚጸሓፍ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ስማት ብዘይድምሰስ ቀለም ኣይኰነን ዚጸሓፍ። ስማት እቶም ቅቡኣት ነባሪ ዚኸውን፡ ክሳዕ ሞት እሙናት ምዃኖም ምስ ኣመስከሩ እዩ። (ራእ. 3:5) እቶም ኣብ ምድሪ ህይወት ዚወርሱ ድማ ነቲ ኣብ ምዝዛም እተን ሽሕ ዓመት ዜጋጥሞም ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ ሓለፉ እዮም ስሞም ነባሪ ዚኸውን።—ራእ. 20:7, 8

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦

17:3, 5, 7, 16። “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ፡” ነቲ “ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ . . . [ቐዪሕ] ኣራዊትን” ንኽንርዳእ ትሕግዘና። (ያእ. 3:17) እዚ ምሳልያዊ ኣራዊት እዚ፡ ፈለማ ማሕበር እተኣሳሰራ መንግስትታት፡ ደሓር ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ተንስአ። ነዚ ምስጢር እዚ ምፍላጥና፡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ፍርዲ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ምእዋጅን ብቕንኣት ንኽንካፈል ኪድርኸና ኣይግባእንዶ፧

21:1-6። እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ብትንቢት እተነግረ በረኸታት ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ እዚ በረኸታት እዚ፡ “እዚ ኽዉን እዩ” ተባሂሉ ኣሎ።

22:1, 17። “ርባ ማይ ህይወት፡” ነቲ የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ዚገብረሉ መሰናድዎ የመልክት። እዚ ማይ እዚ፡ ሕጂ ብእተወሰነ መዳይ ኪርከብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ፡ “ይምጻእ . . . ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል ዕድመ ብሞሳ ንቕበሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ብህንጥዮት ነቕርበሎም ኢና!

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 2 ንመጽሓፍ ራእይ በብጥቕሲ ኽትምርምር እንተ ደሊኻ፡ ነታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እዙዛት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ በረኸት ኰን እዮም ኪረኽቡ!