ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ዝበሎ ነገር፡ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ዝበሎ ነገር፡ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ዝበሎ ነገር፡ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

“[የሱስ] ናብ ከረን ደየበ። . . . ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። . . . ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም።”—ማቴ. 5:1, 2

1, 2. (ሀ) የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ኣቕሪብዎ፧ (ለ) የሱስ ነቲ መደረኡ ብኸመይ ጀመሮ፧

 የሱስ ብ31 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም በዓል ፋስጋ ንምብዓል፡ ነቲ ኣብ ገሊላ ዚገብሮ ዝነበረ ጕዕዞ ስብከት ንሓጺር ግዜ ኣቋረጾ። (ዮሃ. 5:1) ናብ ገሊላ ምስ ተመልሰ፡ 12 ሃዋርያት ንኺመርጽ ሓገዝ ኣምላኽ ምእንቲ ኺረክብ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ። ንጽብሒቱ ንሕሙማት ኬሕዊ ኸሎ፡ ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። ኣብ ከረን ተቐሚጡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱን ንኻልኦትን ኪምህሮም ጀመረ።—ማቴ. 4:23–5:2፣ ሉቃ. 6:12-19

2 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ሓጐስ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዚህሉ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚርከብ ብምግላጽ ጀመረ። (ማቴዎስ 5:1-12 ኣንብብ።) እታ ሓጐስ እትብል ቃል፡ ‘ካብ ዕግበት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ውዕዉዕ ደስታ’ ተመልክት። እቲ የሱስ ዝገለጾ ሓጐስ ዜምጽእ ትሽዓተ ነገራት፡ ክርስትያናት ሕጉሳት ዚዀኑሉ ምኽንያት የጕልሕ፣ ሎሚ እውን ከምቲ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ዝነበሮ ጥቕሚ ኣለዎ። ነቲ የሱስ ዝበሎ ነገር በብሓደ እስከ ንመርምሮ።

“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ”

3. መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና ምግንዛብ እንታይ ማለት እዩ፧

3 “ብመንፈስ ድኻታት፡ [“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ፡” NW] መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:3) “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ፡” ብመንፈሳዊ ዝነደዩ ኸም ዚዀኑን ምሕረት ኣምላኽ ከም ዜድልዮምን ይፈልጡ እዮም።

4, 5. (ሀ) እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ብመንፈሳዊ ዜድልየና ነገራት ብኸመይ ከነማልእ ንኽእል፧

4 እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሰባት፡ “መንግስተ ሰማያት ናቶም” ስለ ዝዀነት፡ ሕጉሳት እዮም። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሮም ብምቕባሎም፡ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ ምስኡ ናይ ምግዛእ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም። (ሉቃ. 22:28-30) ተስፋና ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ምውራስ ይኹን ወይ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ምንባር ብዘየገድስ፡ ብሓቂ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየናን ጽግዕተኛታት ኣምላኽ ምዃንናን ንግንዘብ እንተ ዄንና፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።

5 ብዙሓት ሰባት፡ እምነትን ንቕዱስ ነገራት ኣኽብሮትን ስለ ዘይብሎም፡ ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ። (2 ተሰ. 3:1,2፣ እብ. 12:16) ነቲ ዜድልየና መንፈሳዊ ነገራት ከነዕግበሉ ኻብ እንኽእል መገድታት፡ ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብቕንኣት ምስታፍ፡ ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ኪጥቀስ ይከኣል።—ማቴ. 28:19, 20፣ እብ. 10:23-25

ሕጉሳት ዝዀኑ ዚጕህዩ ሰባት

6. እቶም “ዚጕህዩ” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ “ብጹኣን” ወይ ሕጉሳት ዚዀኑኸ ስለምንታይ እዮም፧

6 “ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:4) እቶም “ዚጕህዩ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ምስቶም “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ሰባት ሕደ እዮም። ይጕህዩ ኺበሃል ከሎ፡ ብህይወቶም የማርሩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብሰንኪ ሓጢኣቶምን ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናኦምን እዮም ዚጕህዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዚጕህዩ ሰባት፡ “ብጹኣን” ወይ ሕጉሳት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ክርስቶስን እምነት ስለ ዘለዎምን በቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ጽቡቕ ርክብ ስለ ዚጸናንዑን እዮም።—ዮሃ. 3:36

7. ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ዓለም ከመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

7 እቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይ ብውልቂ የጕህየና ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ዓለም እትውፍዮ ነገራት ብሓቂ ኸመይ ይስምዓና፧ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 2:16) እንተዀነ ግን፡ መንፈሳውነትና በቲ ነቶም ካብ ኣምላኽ እተፈልዩ ሰባት ዚድርኽ “መንፈስ ዓለም” በብቝሩብ እንተ ተዳኺሙኸ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና፡ ልባዊ ጸሎት ነቕርብ፡ ቃል ኣምላኽ ነጽንዕ፡ ደገፍ ሽማግለታት ድማ ንድለ። ናብ የሆዋ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ዜጨንቐና ነገራት ብዘየገድስ፡ ‘ክንጸናናዕ’ ኢና።—1 ቈረ. 2:12፣ መዝ. 119:52፣ ያእ. 5:14, 15

“ዓቃላት” ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጉሳት እዮም!

8, 9. ዓቃል ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ዓቃላት፡ ሕጉሳት ዚዀኑኸ ስለምንታይ እዮም፧

8 “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:5) ‘ዓቕሊ’ ወይ ህድኣት፡ ድኽመት ወይ ናይ ኣምሰሉ ለውሃት ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 6:11) ዓቃላት እንተ ዄንና፡ ፍቓድ የሆዋ ብምግባርን መምርሒታቱ ብምስዓብን ትሕትና ነርኢ ኢና። ኣብቲ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክብ እውን ዓቕሊ ትንጸባረቕ እያ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓቕሊ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ትሰማማዕ እያ።—ሮሜ 12:17-19 ኣንብብ።

9 ዓቃላት፡ ሕጉሳት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ለዋህ ወይ ዓቃል ዝነበረ የሱስ፡ “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” በለ። ኣውራ ንምድሪ ዚወርሳ ኸኣ ንሱ እዩ። (መዝ. 2:8፣ ማቴ. 11:29፣ እብ. 2:8, 9) እቶም “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ዝዀኑ ዓቃላት እውን፡ ምስኡ ሓቢሮም ንምድሪ ኺወርሱ እዮም። (ሮሜ 8:16, 17) ካልኦት ብዙሓት ትሑታት ድማ፡ ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት መንግስቲ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—መዝ. 37:10, 11

10. ዓቕሊ ዘይምህላው ንናይ ኣገልግሎት ሓላፍነታትናን ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብን ዚጸሉ ብኸመይ እዩ፧

10 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ዓቃላት ክንከውን ኣሎና። ተባኣስቲ ብምዃን ንፍለጥ እንተ ዄንናኸ፧ ቍጡዓትን ተጻባእትን እንተ ዄንና፡ ሰባት ካባና ኺርሕቑ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ክንስከም እንደሊ ኣሕዋት ዘበልና እውን፡ ብቑዓት ንኸይንኸውን ዕንቅፋት ኪዀነና ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 3:1, 3) ጳውሎስ ንቲቶስ፡ ነቶም ኣብ ቅሬጥስ ዚርከቡ ክርስትያናት፡ “ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ” ኼዘኻኽሮም ነገሮ። (ቲቶ. 3:1, 2) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓቕሊ፡ ንኻልኦት ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እያ እተምጽእ!

“ጽድቂ” ይጠምዩ

11-13. (ሀ) ንጽድቂ ምጥማይን ምጽማእን እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ብኸመይ እዮም ‘ዚጸግቡ’፧

11 “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:6) ኣብዚ የሱስ፡ “ጽድቂ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ፍቓድን ትእዛዛትን ኣምላኽ ተሰማሚዕካ እትገብሮ ቕኑዕ ነገር እዩ ዜመልክት ነይሩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ጻድቕ ፍርድታት ኣምላኽ ‘ብምንፋቕ ከም እተቐጥቀጠ’ ገለጸ። (መዝ. 119:20) ንጽድቂ ኽብ ኣቢልና ኻብ ምርኣይና እተላዕለ፡ ንጠምዮን ንጸምኦን ዲና፧

12 የሱስ፡ ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ስለ ‘ዚጸግቡ’ ወይ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚዓግቡ፡ ሕጉሳት ከም ዚዀኑ ገለጸ። ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ “ንዓለም . . . ብዛዕባ ጽድቂ . . . ኪረትዓ” ስለ ዝጀመረ፡ እዚ ኪኸውን ከኣለ። (ዮሃ. 16:8) ኣምላኽ ንሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ ነቲ “ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ” ዚጠቅም ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንኺጽሕፉ ደረኾም። (2 ጢሞ. 3:16) መንፈስ ኣምላኽ ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ክንለብስ እውን የኽእለና እዩ። (ኤፌ. 4:24) እቶም ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ሕድገት ኪረኽቡ ዚደልዩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጻድቃን ኪረኣዩ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጥና ዜጸናንዕዶ ኸይኰነ፧—ሮሜ 3:23, 24 ኣንብብ።

13 ምድራዊ ተስፋ እንተ ኣልዩና፡ እቲ ንጽድቂ ዘሎና ጥሜትን ጽምእን፡ ጽድቂ ኣብ ምድሪ ኣብ ዚሰፍነሉ ዅነታት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ ረኸብና፡ ምሉእ ብምሉእ ኪዓግብ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕና ንምንባር ቈራጽነት ንግበር። የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” በለ። (ማቴ. 6:33) ከምዚ ምግባርና፡ ንኣእዳውና ብዕዮ ኣምላኽ ትሑዛት ይገብረን፡ ንልብና ድማ ብናይ ሓቂ ሓጐስ ይመልኦ።—1 ቈረ. 15:58

“መሓርቲ፡” ሕጉሳት ዚዀኑሉ ምኽንያት

14, 15. ብኸመይ ምሕረት ከነርኢ ንኽእል፧ “መሓርቲ” ሕጉሳት ዝዀኑኸ ስለምንታይ እዮም፧

14 “መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:7) “መሓርቲ” ንኻልኦት ርሕራሐን ድንጋጸን የርእዩ እዮም። የሱስ ይሳቐዩ ንዝነበሩ ሰባት ስለ ዝደንገጸሎም፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣሕወዮም። (ማቴ. 14:14) ከምቲ የሆዋ ንእተነስሑ ሰባት ብምሕረቱ ይቕረ ዚብለሎም፡ ሰባት እውን ንዝበደልዎም ይቕረ ኺብሉሎም ከለዉ፡ ምሕረት ትርአ እያ። (ዘጸ. 34:6, 7፣ መዝ. 103:10) በዚ ኸምዚ ምሕረት ከነርኢ ንኽእል ኢና፣ ብዘይካዚ፡ ንእተሸገሩ ሰባት ብእንዛረቦን ብእንገብሮን ሕያውነት ዝመልኦ ነገራት ምሕረት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ምሕረት ከነርእየሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ንኻልኦት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋል እዩ። የሱስ ነቶም ህዝቢ ስለ ዝደንገጸሎም፡ ‘ብዙሕ ኪምህሮም ጀመረ።’—ማር. 6:34

15 ምስቲ፡ “መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ዚብል ቃላት የሱስ ንሰማማዕ ኢና። ከመይሲ፡ ንኻልኦት ምሕረት እንተ ደኣ ጌርናሎም፡ ንሳቶም እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪገብሩልና እዮም። ምሕረት ምስ እንገብር፡ ኣምላኽ ኪፈርደና ኸሎ እውን ብዓይኒ ምሕረት እዩ ዚርእየና። (ያእ. 2:13) መሓርቲ ጥራይ እዮም ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዚረኽቡ።—ማቴ. 6:15

“ጽሩያት ልቢ፡” ሕጉሳት ዚዀኑሉ ምኽንያት

16. “ጽሩያት ልቢ” ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ ዘላቶም ‘ንኣምላኽ ዚርእይዎኸ’ ብኸመይ እዮም፧

16 “ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:8) “ጽሩያት ልቢ” እንተ ዄንና፡ ኣብቲ እንፈትዎ ነገራትን ኣብ ባህግታትናን ኣብ ድራኸታትናን ንጽህናና ይርአ እዩ። “ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ” ኸነርኢ ኢና። (1 ጢሞ. 1:5) ውሽጥና ጽሩይ ስለ ዚኸውን፡ ‘ንኣምላኽ ክንርእዮ’ ኢና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ናይ ግድን ቃል ብቓሉ ንየሆዋ ኽንርእዮ ኢና ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ንሱ ባዕሉ፡ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ዘጸ. 33:20) እንተዀነ ግን፡ የሱስ ንባህርያት ኣምላኽ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዘንጸባረቐ፡ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃ. 14:7-9) ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ምእንታና ዝገበሮ ነገራት ብምዕዛብ፡ ‘ንኣምላኽ ክንርእዮ’ ንኽእል ኢና። (እዮ. 42:5) ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ መንፈሳዊ ህይወት ምስ ተንስኡ፡ ንሰማያዊ ኣቦኦም ቃል ብቓሉ ኺርእይዎ እዮም።—1 ዮሃ. 3:2

17. ጽሩይ ልቢ እንተ ኣልዩና፡ ኣባና እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር፧

17 ጽሩይ ልቢ ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹህ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ዝዀነ ነገራት ኣብኡ ኣይሓድርን እዩ። (1 ዜና 28:9፣ ኢሳ. 52:11) ጽሩይ ልቢ እንተ ኣልዩና፡ እንብሎን እንገብሮን ነገራት ንጹህ ይኸውን፡ እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ድማ ብኣምሰሉ ዚቐርብ ኣይከውንን።

“ገበርቲ ሰላም፡” ውሉድ ኣምላኽ ይዀኑ

18, 19. “ገበርቲ ሰላም” እንታይ ተግባራት እዮም ዚገብሩ፧

18 “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:9) “ገበርቲ ሰላም” በቲ ዚገብርዎን ዘይገብርዎን ነገራት ይልለዩ እዮም። ከምቶም የሱስ ዚዛረበሎም ዝነበረ ሰባት እንተ ዄንና፡ ገበርቲ ሰላም ኢና፡ ንዋላ ሓደ ድማ ‘ክፉእ ኣይንፈድን።’ ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንዅሉ ሰናይ ንምግባር ኢና እንጋደል።’—1 ተሰ. 5:15

19 ገበርቲ ሰላም ንኽንከውን፡ ሰላም ክንገብር ኣሎና። ገበርቲ ሰላም፡ ‘ንእሙናት ፈተውቲ ዚፈላሊ’ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይገብሩን እዮም። (ምሳ. 16:28) ገበርቲ ሰላም ብምዃንና፡ ‘ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኽንስዕባ’ ኣወንታዊ ስጕምትታት ንወስድ ኢና።—እብ. 12:14

20. እቶም ሕጂ “ውሉድ ኣምላኽ” ዝዀኑ መን እዮም፧ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ኣምላኽ ዚዀኑኸ መን እዮም፧

20 ገበርቲ ሰላም፡ “ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ” ሕጉሳት እዮም። የሆዋ ንእሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ውሉዱ ገይሩ ስለ እተቐበሎም፡ “ውሉድ ኣምላኽ” ኰይኖም እዮም። ኣብ ክርስቶስ እምነት ስለ ዘርኣዩን ን“ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ብምሉእ ልቦም ስለ ዜምልኹን፡ ከም ውሉዱ መጠን ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ መስሪቶም እዮም። (2 ቈረ. 13:11፣ ዮሃ. 1:12) እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስከ፧ የሱስ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣቱ፡ “ኣቦ ዘለኣለም” ኪዀኖም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ንሱ ባዕሉ ንየሆዋ ኺግዛእ፡ ንሳቶም ድማ ምሉእ ብምሉእ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም።—ዮሃ. 10:16፣ ኢሳ. 9:6፣ ሮሜ 8:21፣ 1 ቈረ. 15:27, 28

21. “ህይወት ብመንፈስ” እንተ ኣልያትና፡ ብኸመይ ኢና እንመላለስ፧

21 “ህይወት ብመንፈስ” እንተ ኣልያትና፡ ገበርቲ ሰላም ምዃንና ብቐሊሉ ኺርአ ይኽእል እዩ። ‘ንሓድሕድና ኣይክንተሓራረቕን’ ኢና። (ገላ. 5:22-26) ኣብ ክንዳኡስ፡ “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም” ክንነብር ኢና እንጽዕር።—ሮሜ 12:18

እናተሰጐጉ ሕጉሳት!

22-24. (ሀ) ነቶም ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ ሕጉሳት ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዘን ስዒበን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

22 “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ. 5:10) የሱስ ብዛዕባ እዚ ኣስፍሕ ኣቢሉ ብምግላጽ፡ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም” በለ።—ማቴ. 5:11, 12

23 ክርስትያናት ከምቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ኣምላኽ፡ “ምእንቲ ጽድቂ” ኸም ዚጽረፉ፡ ከም ዚስጐጉ፡ ብሓሶት ከም ዚዝረበሎም ይፈልጡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነዚ ፈተናታት እዚ ብተኣማንነት ብምጽማም ንየሆዋ ስለ እነሐጕሶን ስለ እነኽብሮን፡ ዕግበት ይስምዓና እዩ። (1 ጴጥ. 2:19-21) እቲ ዜጋጥመና ስቓይ ነቲ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ንየሆዋ ብምግልጋል እንረኽቦ ሓጐስ ኣይንክዮን እዩ። ነቲ ምስ ክርስቶስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ብምግዛእ ኰነ ኸም ምድራውያን ተገዛእታ መጠን ንዘለኣለም ብምንባር ዚርከብ ሓጐስ እውን ኪንክዮ ኣይክእልን እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸት፡ መርኣያ ሞገስን ሕያውነትን ልግስን ኣምላኽ እዩ።

24 ካብቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ክንመሃሮ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኣብዘን ስዒበን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ኻልእ እተፈላለየ ትምህርትታት ክንርኢ ኢና። ነቲ የሱስ ዝበሎ ነገር ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ፡” ሕጉሳት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

• “ዓቃላት፡” ሕጉሳት ከም ዚዀኑ ዚገብር እንታይ እዩ፧

• ክርስትያናት እናተሰጐጉ ኽነሶም ሕጉሳት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

• ካብቲ የሱስ ዝገለጾ ሓጐስ ብፍላይ ንዓኻ ዝመሰጠካ ኣየናይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሱስ ዝገለጾ ሓጐስ ዜምጽእ ትሽዓተ ነገራት፡ ሎሚ እውን ጠቓሚ እዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኻብቲ ምሕረት ከነርእየሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ንኻልኦት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋል እዩ