ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ዝበሎ ነገር ንኣረኣእያኻ ይጽለዎ

የሱስ ዝበሎ ነገር ንኣረኣእያኻ ይጽለዎ

የሱስ ዝበሎ ነገር ንኣረኣእያኻ ይጽለዎ

“ኣምላኽ ዝለአኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር።”—ዮሃ. 3:34

1, 2. እቲ የሱስ ኣብ ከረን እተዛረቦ ቓላት ምስ ምንታይ ከነመሳስሎ ንኽእል፧ እቲ ዝበሎ ነገር ኣብ “ቃል ኣምላኽ” እተመስረተ ኺበሃል ዚከኣልከ ስለምንታይ እዩ፧

 ሓደ ኻብቲ ሕጂ ብዕቤቱ ቐዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ኣልማዝ፡ ኰዀብ ኣፍሪቃ ዚበሃል 530 ካራት ዚምዘን እዩ። እዚ ብሓቂ ኽቡር እምኒ እዩ! ይኹን እምበር፡ ኣብቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዚርከብ ክቡር መንፈሳዊ ነገራት፡ ካብዚ ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ። ክርስቶስ ዝበሎ ነገር ካብ ኣቦኡ ዝመንጨወ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ኼገርመና የብሉን! መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣምላኽ ዝለአኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር” በለ።—ዮሃ. 3:34-36

2 እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ካብ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ዚውሕድ ግዜ ቐሪቡ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብኡ ኻብ ሸሞንተ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 21 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ስለዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ “ቃል ኣምላኽ” እተመስረተ እዩ ነይሩ። ሕጂ ንገለ ኻብቲ እቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ብሉጽ ስብከት ዝበሎ ብዋጋ ዘይሽነን ቃላት፡ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።

“ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ”

3. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሳዕቤናት ቍጥዓ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

3 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ እቲ ሓጐስን ሰላምን ዜፍሪ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘሎና፡ ሕጉሳትን ሰላማውያንን ኢና። (ገላ. 5:22, 23) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሰላሞምን ሓጐሶምን ኬጥፍኡ ስለ ዘይደለዮም፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ተቘጢዕካ ምጽናሕ ሞት ኬስዕብ ከም ዚኽእል ኣጠንቀቖም። (ማቴዎስ 5:21, 22 ኣንብብ።) ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” በለ።—ማቴ. 5:23, 24

4, 5. (ሀ) እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24፡ የሱስ “መባእ” ኢሉ ዝጠቐሶ ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) ምስ ዝሓዘነልካ ሓውካ ምትዕራቕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

4 እቲ የሱስ ጠቒስዎ ዘሎ “መባእ፡” ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ መስዋእቲ እንስሳታት ክፍሊ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ዝነበረ ኣምልኾ ብምንባሩ፡ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። የሱስ ግን ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ከም ዘሎ ኣጕልሐ፣ እዚ ድማ መባእካ ንኣምላኽ ቅድሚ ምቕራብካ፡ ምስቲ ሓዚኑልካ ዘሎ ሓውካ ምትዕራቕ እዩ።

5 ካብዚ የሱስ ዝበሎ ነገር እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብቐጥታ ይጸልዎ እዩ። (1 ዮሃ. 4:20) እወ፡ ሓደ ብግዜ ጥንቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ ንብጻዩ ብግቡእ ዘይሕዝ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ መስዋእቱ ትርጕም ኣልቦ እዩ ዚኸውን ነይሩ።—ሚክያስ 6:6-8 ኣንብብ።

ትሕትና ግደ ኺህልዋ ኣለዎ

6, 7. ሓዚኑልና ምስ ዘሎ ሓውና ንኽንዕረቕ ክንጽዕር ከለና፡ ትሕትና ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

6 ምስ ዝሓዘነልና ሓውና ምትዕራቕ፡ ንትሕትናና ይፍትኖ እዩ። ትሑታት ሰባት ነቲ ይግብኣና ዚብልዎ መሰላቶም ምእንቲ ኪኽበረሎም ኢሎም፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣይቋየቑን ወይ ኣይከራኸሩን እዮም። ከምኡ ምግባር፡ ከምቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበረ ሕማቕ መንፈስ የስፍን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዅነታት፡ ነዚ ዚስዕብ ዜመራምር ሓሳብ ሃበ፦ “ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጕድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፡ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧”—1 ቈረ. 6:7

7 ንሓውና፡ ንሕና ቕኑዓት፡ ንሱ ኸኣ ጌጋ ምዃኑ ኸነእምኖ ኢልና ኽንከይድ ከም ዘሎና ኣይኰነን የሱስ ተዛሪቡ። ዕላማና ዕርቂ ምፍጣር ኪኸውን ኣለዎ። ሰላም ንምግባር ከኣ፡ ከመይ ከም ዚስምዓና ብቕንዕና ኽንገልጽ ኣሎና። ስምዒታት እቲ ሰብ ከም እተጐድአ እውን፡ ክንእመን ኣሎና። ተጋጊና እንተ ኔርና ድማ፡ ብትሕትና ይቕረታ ኽንሓትት ይግባእ።

“የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ”

8. ንቐንዲ ሓሳባት እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:29, 30 ተመዝጊቡ ዚርከብ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ግለጾ።

8 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ እዩ። እቲ ዘይፍጹም ኣካላትና፡ ሓደገኛ ጽልዋ ኺገብረልና ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ ከምዚ በለ፦ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።”ማቴ. 5:29, 30

9. ‘ዓይንና’ ወይ ‘ኣእዳውና’ ‘ኼስሕተና’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 እታ የሱስ እተዛረበላ “ዓይኒ፡” ኣቓልቦና ኣብ ሓደ ነገር ንምትኳር ዘሎና ኽእለት ከተመልክት ከላ፡ እታ “ኢድ” ከኣ ነቲ ብኣእዳውና እንገብሮ ነገራት ተመልክት። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ እዚ ኣካላትና እዚ ‘ኼስሕተና፡’ ‘ምስ ኣምላኽ ካብ ምምልላስ’ ከም እነቋርጽ ድማ ኪገብረና ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 5:22፣ 6:9) ትእዛዝ የሆዋ ንኽንጥሕስ እንተ ተፈቲንና፡ ብስእላዊ ኣዘራርባ ዓይንና ኽንጕጥጕጥ ወይ ኢድና ኽንቈርጽ፡ ማለት ሓያል ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።

10, 11. ካብ ጾታዊ ርኽሰት ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

10 ኣዒንትና ኣብ ርኹስ ነገራት ንኸየተኵራ ብኸመይ ክንቅይደን ንኽእል፧ እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ እዮብ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” በለ። (እዮ. 31:1) እዮብ ንስነ-ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ከይጥሕስ ዝቘረጸ ብዓል ሓዳር እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ሰብ ሓዳር ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ካብ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኽንርሕቕ፡ በቲ ኣብቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ርእሰ-ግትኣት ዜፍሪ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ኣሎና።—ገላ. 5:22-25 ትርጕም 1990።

11 ካብ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኽንርሕቕ፡ ‘ኣዒንተይ ነቲ ንጾታዊ ርኽሰት ብቐሊሉ ዜለዓዕል መጻሕፍቲ፡ ተለቪዥን፡ ወይ ኢንተርነት ኪርኢ አፍቅደሉ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ነቲ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተዛረቦ ቓላት ንዘክሮ፦ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።” (ያእ. 1:14, 15) ርእሱ ንኣምላኽ ዝወፈየ ውልቀ-ሰብ ካብ ርኹስ ድራኸ ተላዒሉ ንኣንጻር ጾታ ‘ዚጥምት’ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣዒንትኻ ጐጥጕጥካ ምስ ምውጻእ ዚመሳሰል ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ኣለዎ።—ማቴዎስ 5:27, 28 ኣንብብ።

12. እንታይ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ እዩ ምስ ርኹስ ትምኒታትና ንኽንቃለስ ኪሕግዘና ዚኽእል፧

12 ኣእዳውና ብዘይግቡእ ምስ እንጥቀመለን፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኽንጥሕስ ስለ እንኽእል፡ ካብዚ ንምምላጥ ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ንጹሃት ክንከውን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኸነቕልበሉ ኣሎና፦ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።” (ቈሎ. 3:5) እታ “ቕተሉ” እትብል ቃል፡ ምስ ርኹስ ስጋዊ ትምኒታትና ንኽንቃለስ ክንወስዶ ዘሎና ተሪር ስጕምቲ እያ እተጕልሕ።

13, 14. ካብ ርኹስ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ምርሓቕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ሓደ ሰብ ህይወቱ ንምድሓን፡ ኢዱ ኪቝረጽ ፍቓደኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መንፈሳዊ ህይወትና ኼጥፍኣልና ዚኽእል ርኹስ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ንምውጋድ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ንዓይንኻ ወይ ንኢድካ ኸም ‘ምድርባይ’ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ካብቲ ብገሃነም ተመሲሉ ዘሎ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኬድሕነና ዚኽእል፡ ብኣእምሮኣውን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹህ ምዃን ጥራይ እዩ።

14 ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዝወረስና፡ ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ምሕላው ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ጳውሎስ፡ “ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” በለ። (1 ቈረ. 9:27) እምበኣርከስ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቈራጽነት ንግበር፡ ነቲ ንሱ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኣኽብሮት ከም ዘይብልና ዜርኢ ነገራት ካብ ምግባር ድማ ንርሓቕ።—ማቴ. 20:28፣ እብ. 6:4-6

“ሀቡ”

15, 16. (ሀ) ብምሃብ ዝመጸ የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧ (ለ) እቲ ኣብ ሉቃስ 6:38 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

15 የሱስ ዝበሎ ነገራትን ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነትን ናይ ምሃብ መንፈስ የተባብዕ። ምእንቲ ጥቕሚ ዘይፍጹማት ሰባት ናብ ምድሪ ብምምጻእ፡ ዓብዪ ልግሲ ኣርእዩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:9 ኣንብብ።) ምእንቲ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ህይወቱ ንኺህብ ኢሉ፡ ሰማያዊ ኽብሩ ሓዲጉ ሰብ ኪኸውን ፍቓደኛ ዀነ፣ ገሊኦም ካብ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ሰማይ መዋርስቱ ኪዀኑ እዮም። (ሮሜ 8:16, 17) የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኪብል ከሎ እውን፡ ብርግጽ ልግሲ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ፦

16 “ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።” (ሉቃ. 6:38) ‘ኣብ ሕቝፊ ምሃብ፡’ ነቲ ኣብ ዕዳጋታት ዚርአ ዝነበረ ልምዲ እዩ ዜመልክት፣ ነጋዶ ኣብቲ እቲ ዓዳጊ ብቕናት ኣሲሩ ኸም መትሓዚ ዚገብሮ ላዕላይ ክዳኑ ይመልኡሉ ነበሩ። ለጋሳት እንተ ዄንና፡ ንዓና እውን ብጽቡቕ መስፈሪ ኺወሃበና እዩ።—መክ. 11:2

17. ብምሃብ ዝመጸ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣብነት ዝሓደገልና ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ዓይነት ምሃብከ እዩ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል፧

17 የሆዋ ነቶም ተሓጒሶም ዚህቡ ይፈትዎምን ዓስቦም ይህቦምን እዩ። ንሱ ባዕሉ፡ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡” ንወዱ ብምሃብ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ጳውሎስ፡ “እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ። ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 9:6, 7) ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ፡ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ምሃብ ሓጐስን ብዙሕ ዓስብን ከም ዜምጽኣልና ኣየጠራጥርን እዩ።—ምሳሌ 19:17፣ ሉቃስ 16:9 ኣንብብ።

“ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ”

18. እንታይ እንተ ጌርና ኢና ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ‘ዓስቢ ዘይህልወና፧’

18 “ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።” (ማቴ. 6:1) የሱስ ኣብዚ “ጽድቂ” ኺብል ከሎ፡ ነቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ተግባራት እዩ ዜመልክት ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢልዎም ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ዚፈትዎ ተግባራት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ፈጺምካ ኺግበር የብሉን ማለቱ ኣይነበረን። (ማቴ. 5:14-16) ከምቶም ኣብ መድረኽ ዚዋስኡ ተዋሳእቲ፡ ‘ምእንቲ ኽንርአ’ ኢልና ተግባራትና ንገብር እንተ ዄንና፡ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ‘ዓስቢ ኣይህልወናን’ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ኣልዩና፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኣይህልወናን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ዘለኣለማዊ በረኸት እውን ኣይንረክብን።

19, 20. (ሀ) የሱስ፡ “ክትምጽውት ከሎኻ . . . መለኸት ኣይተንፍሕ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ (ለ) የማነይቲ ኢድና እትገብሮ ጸጋመይትና ኸም ዘይትፈልጦ እንገብር ብኸመይ ኢና፧

19 ግቡእ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ ነቲ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኽንስዕቦ ኢና፦ “ክትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴ. 6:2) ‘ምጽዋት’ ንእተሸገሩ ንምድጋፍ ዚግበር ወፈያ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 58:6, 7 ኣንብብ።) የሱስን ሃዋርያቱን ንድኻታት ዚልግስዎ ገንዘብ የዋህልሉ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 12:5-8፣ 13:29) ምጽዋት ቅድሚ ምሃብካ መለኸት ምንፋሕ ልሙድ ስለ ዘይነበረ፡ የሱስ፡ ‘ክንምጽውት’ ከለና ‘ኣብ ቅድሜና መለኸት ከይነንፍሕ’ ኪእዝዝ ከሎ እተጋነነ መግለጺ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ንሕና ኸምቲ ፈሪሳውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ክንህብ ከለና ኣይንእውጅን ኢና። ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ምጽዋት፡ “ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን” ይእውጁ ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ፡ “ግቡዛት” ኢሉ ጸውዖም። እዞም ግቡዛት፡ ‘ዓስቦም ወሲዶም’ እዮም። ካብ ሰባት ዚረኽብዎ ኽብርን ምስቶም ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣብ ኣውራ ቦታ ዚቕመጡ ዝነበሩ ረቢታት ካብ ምቕማጥን ሓሊፉ፡ የሆዋ ዋላ ሓንቲ ኣይሃቦምን። (ማቴ. 23:6) እሞኸ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እንታይ ኪገብሩ ነይርዎም፧ የሱስ ከምዚ ኢሉ ነገሮም፦

20 “ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።” (ማቴ. 6:3, 4) እዚ ንዓና እውን ዚምልከት እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ኣእዳውና ሓቢረን እየን ዚሰርሓ። ስለዚ፡ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኸም ዘይትፈልጦ ምግባር ኪበሃል ከሎ፡ ሰናይ ተግባራትና ነቶም ኣመና ዚቐርቡና እውን እንተ ዀነ፡ ክንእውጀሎም የብልናን ማለት እዩ።

21. ገለ ኻብቲ “እቲ ብሕቡእ ዚርኢ” የሆዋ ንተግባርና ዚኽሕሰሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

21 ብልግስና ዘይንጅሃር እንተ ዄንና፡ ‘ምጽዋትና’ ሕቡእ እዩ ዚኸውን። “እቲ ብሕቡእ ዚርኢ” ኣቦና ድማ ኪኽሕሰና እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ሰማያት ስለ ዚነብርን ብዓይኒ ሰባት ስለ ዘይርአን፡ ብኣረኣእያ ደቂ ሰብ “ሕቡእ” እዩ። (ዮሃ. 1:18) ገለ ኻብቲ “እቲ ብሕቡእ ዚርኢ” የሆዋ ንተግባርና ዚኽሕሰሉ መገድታት፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ከም ዚህልወና ብምግባር፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ብምባል፡ ከምኡውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ እዩ። (ምሳ. 3:32፣ ዮሃ. 17:3፣ ኤፌ. 1:7) እዚ ኻብቲ ኻብ ሰባት ዚርከብ ክብሪ ኣጸቢቑ ይበልጽ!

ኣኽቢርካ ኺርአ ዘለዎ የሱስ ዝበሎ ነገር

22, 23. ነቲ የሱስ ዝበሎ ነገር ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

22 እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት፡ ብዙሕ መዳያት ዜጠቓልል ክቡር መንፈሳዊ ነገራት ዝሓዘ እዩ። እዚ ብዋጋ ዘይሽነን ቃላት እዚ፡ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። እወ፡ ነቲ የሱስ ዝበሎ ነገር ኣኽቢርና እንተ ርኢናዮን ንኣረኣእያናን ንኣነባብራናን ኪጸልዎ እንተ ፈቒድናሉን፡ ሕጉሳት ክንከውን ኢና።

23 ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ “ሰሚዑ ዚገብሮ” ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪባረኽ እዩ። (ማቴዎስ 7:24, 25 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ምስቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ተሰማሚዕና ንምንባር ቈራጽነት ንግበር። ነቲ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዝበሎ ኻልእ ተወሳኺ ነገር፡ ኣብዛ ስዒባ ዘላ ናይ መወዳእታ ኽፋል እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ክንመያየጠሉ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ምስ ዝሓዘነልካ ሓውካ ምትዕራቕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ‘የማነይቲ ዓይንና’ ኸይተስሕተና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧

• ብምሃብ ዝመጸ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ዝሓዘነልካ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ‘ምትዕራቕሲ፡’ ክንደይ ሰናይ እዩ!

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንሕጉሳት ወሃብቲ ይባርኾም