ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ዝበሎ ነገር ንጸሎትካ ይጸልዎ ድዩ፧

የሱስ ዝበሎ ነገር ንጸሎትካ ይጸልዎ ድዩ፧

የሱስ ዝበሎ ነገር ንጸሎትካ ይጸልዎ ድዩ፧

“የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ . . . እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።”—ማቴ. 7:28

1, 2. እቶም ህዝቢ ብምህሮ የሱስ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም፧

 ነቲ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ነገር ክንቅበሎን ኣብ ህይወትና ኽንዓየሉን ኣሎና። ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ተዛሪቡ። ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገሪሞም እዮም።—ማቴዎስ 7:28, 29 ኣንብብ።

2 ወዲ የሆዋ ኸምቶም ኣብ ትምህርትታት ዘይፍጹማት ሰባት ተመርኲሶም ዘረባ ዜንውሑ ጸሓፍቲ ኣይኰነን ምሂሩ። የግዳስ፡ እቲ እተዛረቦ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ስለ ዝነበረ፡ “ስልጣን ከም ዘለዎ” እዩ ምሂሩ። (ዮሃ. 12:50) ስለዚ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዝበሎ ተወሳኺ ነገር፡ ንጸሎትና ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእልን ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዘለዎን እስከ ንርአ።

ከምቶም ግቡዛት ጌርና ኣይንጸሊ

3. ንፍረ ነገር እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:5 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ ግለጾ።

3 ጸሎት ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይ ሓቂ ኣምላኾ እዩ፣ ኣዘውቲርና እውን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኣሎና። ጸሎትና ግን በቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዝበሎ ነገር ኪጽሎ ኣለዎ። “ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴ. 6:5

4-6. (ሀ) ፈሪሳውያን “ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም” ኪጽልዩ ዚፈትዉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቶም ግቡዛት “ዓስቦም . . . ዝወሰዱ” ብኸመይ እዮም፧

4 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪጽልዩ ኸለዉ፡ ነቶም ሃይማኖተኛታት መሲሎም ኪረኣዩ ዚጽዕሩ ተመጻደቕቲ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ንኻልኦት “ግቡዛት”ን ኪመስልዎም ኣይነበሮምን። (ማቴ. 23:13-32) እቶም ግቡዛት ኣብ “ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም” ኪጽልዩ ይፈትዉ ነበሩ። ስለምንታይ፧ “ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ” ኢሎም እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን (ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆን ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትርን ኣቢሉ)፡ ተኣኪቦም ናይ ምጽላይ ልማድ ነበሮም። ብዙሓት ተቐማጦ የሩሳሌም ምስቶም ኣብ ከባቢ እታ ቤተ መቐደስ ዚእከቡ ኣምለኽቲ ሓቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። ካብታ ኸተማ ወጻኢ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውፉያት ኣይሁድ “ኣብ ኣባይቲ ጸሎት . . . ደው ኢሎም” ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ ይጽልዩ ነበሩ።—ምስ ሉቃስ 18:11, 13 ኣረኣኢ።

5 መብዛሕትኦም ሰባት ኣብቲ ጸሎት ዚቐርበሉ ሰዓት ኣብ ጥቓ እታ ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎት ከይጸንሑ ስለ ዚኽእሉ፡ ኣብ ዘለውዎ ዀይኖም ይጽልዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም፡ እቲ ጸሎት ዚቐርበሉ ሰዓት “ኣብ ቃራናታት መገዲ” ኸለዉ ኪኣኽለሎም ይደልዩ ነይሮም እዮም። በቶም በቲ ቓራና መገዲ ዚሓልፉ ‘ሰባት ኪረኣዩ’ ይፈትዉ ነይሮም። እቶም ግቡዛት ሃይማኖተኛታት በቶም ተመልከትቲ ምእንቲ ኺነኣዱ ኢሎም፡ ‘ንምኽንያት ጸሎት የንውሑ’ ነበሩ። (ሉቃ. 20:47) ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና የብሉን።

6 እዞም ግቡዛት “ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡” የሱስ ገሊጹ ኣሎ። ብሰባት ኪረኣዩን ኪነኣዱን ኣመና ይብህጉ ነበሩ፡ ዚረኽብዎ ዓስቢ እውን ካብኡ ዚሓልፍ ኣይነበረን። የሆዋ ነቲ ብግብዝና ዚጽልይዎ ጸሎት ምላሽ ስለ ዘይህበሉ፡ ኣኺልዎም ዓስቦም ወሲዶም እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ከምቲ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ዝበሎ፡ ኣምላኽ ንጸሎት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምላሽ ይህበሉ እዩ።

7. ኣብ ‘ቤትና’ ብዛዕባ ምጽላይ እተዋህበ ምኽሪ፡ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

7 “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።” (ማቴ. 6:6) የሱስ፡ ናብ ቤትካ ኣቲኻ፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ብዛዕባ ምጽላይ ኪምዕድ ከሎ፡ ሓደ ሰብ ንጉባኤ ወኪሉ ኺጽሊ ኣይክእልን ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ እዚ ምኽሪ እዚ ነቲ ጸሎት ዜቕርብ ሰብ ከም ዚትኰረሉን ከም ዚነኣድን ዚገብር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚቐርብ ጸሎት ዚነቅፍ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ኣምላኽ ወኪልና ኽንጽሊ ፍሉይ ኣጋጣሚ እንተ ረኺብና፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኽንርስዖ የብልናን። ነቲ የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ጸሎት ዝሃቦ ማዕዳ እውን ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።

8. ብመሰረት ማቴዎስ 6:7፡ ካብ ምንታይ ዘይግቡእ ኣጸላልያ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

8 “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።” (ማቴ. 6:7) ኣብዚ የሱስ ካልእ ዘይግቡእ ኣጸላልያ እዩ ጠቒሱ፣ እዚ ድማ ምድግጋም እዩ። ልባዊ ልማኖናን ምስጋናናን ኣብ ጸሎትና ኸቶ ኽንደግም የብልናን ማለቱ ኣይነበረን። ድሮ እታ ዝሞተላ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ንሱ ባዕሉ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ፡ “እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል” ደጊሙ ጸልዩ እዩ።—ማር. 14:32-39

9, 10. ጸሎት ክንደጋግም የብልናን ኪበሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

9 ነቶም ኣብ ጸሎቶም ምድግጋም ዜብዝሑ “ኣህዛብ” እንተ መሲልናዮም፡ ጌጋ እዩ። ብዙሕ ዘየድሊ ቓላት ዘለዎ ዝሸምደድዎ ሓረጋት ብምድግጋም፡ ‘ዘረባ የብዝሑ’ እዮም። ኣምለኽቲ በዓል፡ “ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና” እናበሉ ብስም እቲ ናይ ሓሶት ኣምላኾም ምምህላሎም፡ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሖምን። (1 ነገ. 18:26) ሎሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ‘ዚስምዑ መሲልዎም’ ዘየድሊ ቓላት ዝበዝሖ ጸሎት ደጋጊሞም የቕርቡ እዮም። የሱስ ግን እቲ ኣብቲ ነዊሕን ዚደጋግምን ጸሎት ዚርከብ “ምብዛሕ ዘረባ፡” ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ሓቢሩና ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ከምዚ በለ፦

10 “እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም።” (ማቴ. 6:8) ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኪጽልዩ ኸለዉ ዘረባ ብምብዛሖም፡ ከም ኣህዛብ ኰይኖም እዮም። ውዳሰን ምስጋናን ልማኖን ዜጠቓልል ልባዊ ጸሎት፡ ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። (ፊል. 4:6) እንተዀነ ግን፡ ኣምላኽ ያኢ ኸም ዚርስዕ ጌርካ ብምሕሳብ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ደጋጊምካ ምንጋሩ ጌጋ እዩ። ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ‘ኸይለመንናዮ ዜድልየና ዚፈልጥ’ ኣቦና ንዛረቦ ኸም ዘለና ኽንርስዕ የብልናን።

11. ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኽንጽሊ ፍሉይ ኣጋጣሚ እንተ ረኺብና፡ እንታይ ክንርስዕ የብልናን፧

11 እቲ የሱስ ብዛዕባ ዘይቅቡል ጸሎት ዝበሎ ነገር፡ ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባን ብእተራቐቐ ቓላትን ከም ዘይምሰጥ ኬዘኻኽረና ኣለዎ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚቐርብ ጸሎት፡ ንሰማዕቲ ኽትምስጥ እትፍትነሉ ኣጋጣሚ ኪኸውን ወይ ‘መዓስ ኰን “ኣሜን” ክንብል ኢና፧’ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ኺገብሮም የብሉን። ብጸሎት ኣቢልካ ምልክታ ምንጋር ወይ ንተኣከብቲ ምምካር፡ ምስቲ እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ ዚሰማማዕ ኣይኰነን።

የሱስ ብኸመይ ከም እንጽሊ መሃረ

12. ንኣገዳስነት እቲ “ስምካ ይቀደስ” ዚብል ልማኖ ብኸመይ ትገልጾ፧

12 የሱስ ነቲ ዓብዪ መሰል ጸሎት ብዘይግቡእ መገዲ ምጥቃም ጌጋ ምዃኑ እኳ እንተ ኣጠንቀቐ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም እውን ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13 ኣንብብ።) እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት፡ ሸምዲድና ንኽንደጋግማ ኣይኰነትን ተዋሂባትና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጸሎትና ምሳሌ እያ እትዀነና። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ መኽፈቲ ቓላቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ብምባል ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ሂብዎ ኣሎ። (ማቴ. 6:9) የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ “ኣቦና” ኢልና ምጽዋዕና ግቡእ እዩ፣ ካብ ምድሪ ርሒቑ “ኣብ ሰማያት” እዩ ዚነብር። (ዘዳ. 32:6፣ 2 ዜና 6:21፣ ግብ. 17:24, 28) “ኣቦ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣቦና” ኢልና ምጽዋዕና፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እውን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎም ኬዘኻኽረና ኣለዎ። “ስምካ ይቀደስ” ክንብል ከለና፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ዕልወት ኤድን ኣትሒዙ ኣብ ስሙ እተዀመረ ዅሉ ጸርፊ ንምውጋድ ስጕምቲ ኺወስድ ኢና እንልምኖ ዘለና። የሆዋ ነዚ ጸሎት እዚ ምላሽ ኪህበሉ ኸሎ፡ እከይ ካብ ምድሪ ብምጥፋእ፡ ንስሙ ኪቕድሶ እዩ።—ህዝ. 36:23

13. (ሀ) “መንግስትኻ ትምጻእ” ዚብል ልማኖ ብኸመይ ኪፍጸም እዩ፧ (ለ) ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

13 “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴ. 6:10) እዛ ኣብዚ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተጠቒሳ ዘላ “መንግስቲ፡” ብክርስቶስን በቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ “ቅዱሳን”ን እትግዛእ ሰማያዊት መሲሓዊት መንግስቲ ምዃና ኽንዝክር ኣሎና። (ዳን. 7:13, 14, 18፣ ኢሳ. 9:6, 7) “ትምጻእ” ኢልና ኽንጽሊ ኸለና፡ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ንዅሎም እቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዚጻረሩ ኸተጥፍእ ኢና እንልምን ዘለና። እዚ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኺፍጸም እዩ፡ ነታ ጽድቅን ሰላምን ብልጽግናን ዚሰፍነላ ዓለምለኻዊት ገነት ድማ መገዲ ኺጸርግ እዩ። (መዝ. 72:1-15፣ ዳን. 2:44፣ 2 ጴጥ. 3:13) ፍቓድ የሆዋ ኣብ ሰማይ ይኸውን ኣሎ፣ ከምኡ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ክንጽሊ ኸለና ኸኣ፡ ኣምላኽ ንምድርና ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሞ ኢና እንልምኖ ዘለና። እዚ ድማ ከምቲ ጥንቲ ዝገበሮ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ተጻረርቱ ምጥፋእ እውን የጠቓልል።—መዝሙር 83:1, 2, 13-18 ኣንብብ።

14. “ናይ ዕለት እንጌራና” ኺወሃበና ምልማንና ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና።” (ማቴ. 6:11፣ ሉቃ. 11:3) ከምዚ ኢልና ኽንጽሊ ኸለና፡ ኣምላኽ ኣብታ “ዕለት” እቲኣ ዜድልየና ምግቢ ኺህበና ኢና እንልምን ዘለና። እዚ ኸኣ ኣብቲ የሆዋ መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት ንምሃብ ዘለዎ ኽእለት እምነት ከም ዘሎና እዩ ዜርኢ። ካብቲ ዜድልየና ንላዕሊ ኺወሃበና ኣይኰንናን እንጽሊ። የግዳስ፡ መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት ኪወሃበና ምልማንና፡ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ነንመዓልቱ ዜድሊ” ማና ኺእክቡ ዝሃቦ ትእዛዝ የዘኻኽረና ይኸውን።—ዘጸ. 16:4

15. “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና” ዚብል ልማኖ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

15 ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ዚርከብ ቀጺሉ ተጠቒሱ ዘሎ ልማኖ፡ ካልእ ክንገብሮ ዚግባእ ነገር የዘኻኽረና። የሱስ፡ “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና” በለ። (ማቴ. 6:12) ንዝበደሉና እንተ ‘ሓዲግናሎም’ ጥራይ እዩ የሆዋ በደልና ዚሓድገልና። (ማቴዎስ 6:14, 15 ኣንብብ።) ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎም ኣሎና።—ኤፌ. 4:32፣ ቈሎ. 3:13

16. ብዛዕባ ፈተናን ካብ ክፉእ ብዛዕባ ምድሓንን ዚቐርብ ልማኖ ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧

16 “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።” (ማቴ. 6:13) ነዚ ኣብዛ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ዚርከብ ክልተ ልማኖ ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧ ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣሎ፣ እዚ ድማ የሆዋ ሓጢኣት ክንገብር ኣይፍትነናን እዩ። (ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።) የግዳስ፡ እቲ ብርግጽ ዚፍትነና “ፈታኒ፡” እቲ “ኽፉእ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን እዩ። (ማቴ. 4:3) ይኹን እምበር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዝፈቐዶ ነገር፡ ንሱ ባዕሉ ኸም ዝገብሮ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ሩት 1:20, 21፣ መክ. 11:5) ስለዚ፡ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢልና ምልማንና፡ ትእዛዝ የሆዋ ንኽንጥሕስ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ንኽንስነፍ ከይፈቅድ ኢና እንልምኖ ዘለና። “ካብ ክፉእ ኣድሕነና” ዚብል ልማኖ ድማ፡ የሆዋ፡ ንሰይጣን ንኺስዕረና ኸይፈቕደሉ እነቕርቦ ልማኖ እዩ። ‘ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ከም ዘይሓድገና’ እውን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።

ብቐጻሊ ‘ለምኑ፡ ድለዩ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ’

17, 18. ብቐጻሊ ‘ለምኑ፡ ድለዩ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ’ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ጸሎት ኣዘውትሩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:12) የሱስ እውን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ምስዚ ዚመሳሰል ሓያል ነጥቢ ተዛረበ፦ “ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።” (ማቴ. 7:7, 8) ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ብቐጻሊ ‘ምልማን’ ግቡእ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ምስቲ የሱስ ዝበሎ ቓላት ብምስምማዕ፡ “ከምቲ ፍቓዱ [ፍቓድ ኣምላኽ] ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃ. 5:14

18 የሱስ ብቐጻሊ ‘ኽንልምንን ክንደልን’ ዝሃበና ምኽሪ፡ ብትግሃትን ተስፋ ብዘይ ምቝራጽን ክንጽሊ ኸም ዘሎና ዜመልክት እዩ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንኣቱ፡ ካብኣ በረኸትን ረብሓን ዓስብን ከኣ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብቐጻሊ ‘ማዕጾ ዃሕኳሕ’ ከነብል ኣገዳሲ እዩ። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ንጸሎትና ምላሽ ከም ዚህበሉ ኽንተኣማመን ንኽእልዶ፧ እወ፡ የሱስ፡ “ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ” ስለ ዘበለ፡ ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና ምላሽ ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣገልገልቲ የሆዋ ዘጋጠሞም ብዙሕ ተመክሮታት፡ የሆዋ ናይ ብሓቂ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ምዃኑ የረጋግጸልና።—መዝ. 65:2

19, 20. ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 7:9-11 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ፡ የሆዋ ምስ ፈቃር ኣቦ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

19 የሱስ ንኣምላኽ ምስ ሓደ ንውሉዳቱ ጽቡቕ ነገራት ዜቕርበሎም ኣቦ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ከም ዝነበርካን የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኪብል ከሎ ኸም ዝሰማዕካን ጌርካ እሞ ሕሰብ፦ “ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምብኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም።”ማቴ. 7:9-11

20 ሓደ ሰብኣዊ ኣቦ ብሰንኪ እቲ ዝወረሶ ሓጢኣት ብተዛማዲ ‘ኽፉእ’ እኳ እንተ ዀነ፡ ንውሉዱ ግን ፍቕሪ ኣለዎ። ንውሉዱ ኣየታልሎን እዩ፣ የግዳስ፡ “ጽቡቕ ህያብ” ኪህቦ እዩ ዚጽዕር። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ከም መንፈስ ቅዱስ ዝኣመሰለ “ጽቡቕ ህያብ” ይህበና እዩ። (ሉቃ. 11:13) እዚ ኸኣ ነቲ ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ፡ ቅቡል ኣገልግሎት ከነቕርበሉ የበራትዓና።—ያእ. 1:17

ካብቲ የሱስ ዝበሎ ነገር ብቐጻሊ ተጠቐም

21, 22. ነቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ፍልይ ዜብሎ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎ ነገርከ ኸመይ ይስምዓካ፧

21 እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት፡ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዝቐረበ መደረታት ዝበለጸ እዩ። ብመንፈሳዊ ትሕዝቶኡን ብንጹር መልእኽትታቱን ሓለፍ ዝበለ እዩ። ከምቲ ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ዝረኣናዮ፡ ነቲ ኣብዚ ስብከት እዚ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ የሱስ ዝበሎ ነገር፡ ሕጂ ህይወትና ኼመሓይሸልና ይኽእል፡ ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዚህሉ ድማ ተስፋ ይህበና።

22 ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ካብቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዘሎ ኽቡር መንፈሳዊ ነገራት፡ ሒደት ጥራይ ኢና መርሚርና። እቶም ንመደረኡ ዝሰምዑ ህዝቢ፡ ‘ብምህሮኡ ምግራሞም’ ዜደንቕ ኣይኰነን። (ማቴ. 7:28) ንሕና እውን ንኣእምሮናን ልብናን በቲ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ብዋጋ ዘይሽነን ነገር ምስ እንመልኦ፡ ከምኡ ዓይነት ምላሽ ከም እንህብ ኣየጠራጥርን እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ብዛዕባ እቲ ብግብዝና ዚጽለ ጸሎት እንታይ በለ፧

• ክንጽሊ ኸለና ቓላት ክንደጋግም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

• እታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት እንታይ ልማኖታት ዝሓዘት እያ፧

• ብቐጻሊ ‘ኽንልምን፡ ክንደሊ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ከነብል’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቶም ብሰብ ኪርኣዩን ኪስምዑን ኢሎም ዚጽልዩ ግቡዛት ኰነኖም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ዕለት እንጌራና ንኺወሃበና ምጽላይና ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧