ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጊልዓድ ሚስዮናውያን ከም ኤርምያስ ኪዀኑ ተተባቢዖም

ጊልዓድ ሚስዮናውያን ከም ኤርምያስ ኪዀኑ ተተባቢዖም

መበል 125 ስነ-ስርዓት ምረቓ

ጊልዓድ ሚስዮናውያን ከም ኤርምያስ ኪዀኑ ተተባቢዖም

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጀፍሪ ጃክሰን፡ “እዚ ኽፍሊ ጊልዓድ እዚ ታሪኻዊ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። ነቶም ብ13 መስከረም 2008 ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 125 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ተኣኪቦም ዝነበሩ 6,156 ሰባት እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ነዞም ካብዚ ኽፍሊ እተመረቑ 56 ተመረቕቲ ሓዊስካ፡ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ልዕሊ 8,000 ሚስዮናውያን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ልኢኹ ኣሎ።—ግብ. 1:8

ኣቦ መንበር እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው ጃክሰን፡ “ተኣማንነትኩም ንኣገልግሎትኩም ኬደንፍዖ ድዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕረበ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ተኣማንነት ንኸተጥሪ ዚሕግዝ ኣርባዕተ ነገራት ዘርዘረ። እዚ ድማ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ሰናይ ኣብነት ምዃን፡ እትምህሮ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምግባር፡ ከምኡውን ስም የሆዋ ኸም ዚፍለጥ ኣብ ምግባር ምትኳር እዩ።

ኣብ ኮሚተ ትምህርቲ ዜገልግል ዴቪድ ሻፈር፡ “ኵሉ ኸተስተውዕሉ ዲኹም፧” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። እቶም ተመሃሮ ጊልዓድ ንየሆዋ ብቐጻሊ እንተ ደልዮምዎን ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብትሕትና ኣፍልጦ እንተ ሂቦምዎን፡ ‘ኵሉ ኸም ዜስተውዕሉ’ ኣረጋገጸሎም።—ምሳ. 28:5፣ ማቴ. 24:45

ቀጺሉ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ጆን ባር፡ “ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ዋላ ሓንቲ ኺፈልየኩም ኣይተፍቅዱ” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ሓው ባር ዘቕረቦ ኣባታዊ ምኽሪ፡ ነቲ እቶም ተመረቕትን ወለዶምን ብዛዕባ እቲ ንሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብ ምድቦም ዜጋጥሞም ነገራት ዝነበሮም ሻቕሎት ቀንጠጠሎም። “ብፍቕሪ ኣምላኽ ምምልላስ፡ ኣብ ህይወትና ኽንረኽቦ እንኽእል ውሑስን ምሹእን ቦታ እዩ” በለ። እቶም ሚስዮናውያን ባዕሎም ንርእሶም ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይፈልዮም፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልዮም ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን።

ኣብ ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዜገልግል ሳም ሮበርሰን፡ ነቶም ሰማዕቲ፡ “ክዳን ክዳውንቲ” ኪኽደኑ ኣተባብዖም። እቶም ተመረቕቲ፡ የሱስ ዝገበሮ ብምጽናዕን ኣብ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኪለብስዎ’ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 13:14) ቀጺሉ፡ ሓላው ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዀነ ዊልያም ሳሙኤልሰን፡ ንሰብ ክቡር ዚገብሮ እንታይ ምዃኑ ኣጕልሐ። ንሰብ ክቡር ዚገብሮ፡ ኣረኣእያ ሰብ ዘይኰነስ፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ እዩ።

ሓደ ኻብቶም መምህራን ዝዀነ ማይክል በርነት፡ ነቶም ተመሃሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። መብዛሕትኦም ተመሃሮ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ብዙሕ እተዓየ ኽሊ እኳ እንተ ተመደቡ፡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ግን ረኺቦም እዮም። ጀራልድ ግሪዝል ዚበሃል ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ኣውራጃ ዜገልግል ሓው፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ንዚካፈሉ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋት ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ነቶም ተመረቕቲ ጊልዓድ ኣብቲ እተመደቡሉ ወጻኢ ሃገራት እንታይ ከም ዚጽበዮም ንኺዳለዉ ሓገዞም።

“ከም ኤርምያስ ኩኑ” ዘርእስቱ መደረ፡ በቲ ኻብ መበል 42 ክፍሊ እተመረቐ፡ ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ዘሎ ዴቪድ ስፕለይን እዩ ቐሪቡ። ኤርምያስ ዕዮኡ ንምቕባል እኳ እንተ ፈርሀ፡ የሆዋ ግን ኣበርትዖ። (ኤር. 1:7, 8) ኣምላኽ ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እውን ከምኡ ኺገብረሎም እዩ። ቀጺሉ ሓው ስፕለይን ከምዚ በሎም፦ “ምስ ሓደ ሰብ እንተ ዘይተረዳዲእኩም፡ ኮፍ ኢልኩም፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ እትፈትውዎ ዓሰርተ ባህርያት ጽሓፉ። ዓሰርተ ኽትዝርዝሩ እንተ ዘይክኢልኩም፡ ነቲ ሰብ እቲ ኣጸቢቕኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም ማለት እዩ።”

ኤርምያስ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣገልግሎቱ ኼቋርጽ ምስ ሓሰበ፡ ናብ የሆዋ ጸለየ፡ የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። (ኤር. 20:11) ሓው ስፕለይን፡ “ተስፋ ኽትቈርጹ ኸለኹም፡ ንየሆዋ ንገርዎ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘኩም ክትግረሙ ኢኹም” በሎም።

ኣብ መደምደምታ እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፡ እቲ ኣቦ መንበር ነቶም ተኣከብቲ፡ እቶም ተመረቕቲ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ተኣማንነቶም ዜርእዩሉ እተፈላለየ መገድታት ከም እተማህሩ ኣዘኻኸሮም። ኣብ ምድቦም ኪምስክሩ ኸለዉ፡ እቲ ተኣማንነቶም ንምስክርነቶም ኪድግፎ እዩ።—ኢሳ. 43:8-12

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት፦ 6

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት፦ 21

ቍጽሪ ተመሃሮ፦ 56

ገምጋም ዕድመ፦ 32.9

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት፦ 17.4

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት፦ 13

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 125 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት፡ ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ኣጊ ሃጅሰን፣ ኣና ዎል፣ ክሪስቲና ቢረንስ፣ ማሪያ ሆርተላኖ፣ ለስሊ ኒውማን፣ ኣን ደ ካሶ። (2) ጀኒፈር ጀንኪንስ፣ ታምዩላ ጃርዘምስኪ፣ ናንሲ መንደስ፣ ቪያነይ ኮሮና፣ ለይላ ካናሊታ። (3) ሄዘር ፍራየር፣ መላኒ ሳቬጅ፣ ኪም ቲድወል፣ ኒኪያ ኤሪክሰን፣ ኢስተር ዲክ፣ ሪበካ ማክቤዝ። (4) ላሊ ፐረዝ፣ ሊሳ ፕዩዝ፣ ኣምበር ስኪድሞር፣ በሊንዳ ያንግ፣ ኒኮል ማክብራይድ፣ ፓኦላ ሮንዶን፣ ኤሪካ ጉድማን። (5) ሚሻ ቢረንስ፣ ጀሲካ ፈርጉሰን፣ ናታሻ ፒርሰን፣ ሊሳ ቻፕማን፣ ጀኒፈር ዋርደል፣ ማይክል ካናሊታ። (6) ፓብሎ ፐረዝ፣ ዳንየል ደ ካሶ፣ ታይሰን ያንግ፣ ዴቪድ ሮንዶን፣ ጋርዝ ጉድማን፣ ማይክል ጀንኪንስ፣ ጎርዶን ዲክ። (7) ማርዮ ኮሮና፣ ራያን ዎል፣ ስኮት ፕዩዝ፣ ፍሎርያን መንደስ፣ ስኮት ጃርዘምስኪ፣ ቶም ሳቬጅ። (8) ክሪስቸን ኒውማን፣ ዶናልድ ፈርጉሰን፣ ድሩው ስኪድሞር፣ ታይሰን ኤሪክሰን፣ ጃቮን ማክብራይድ፣ ማርክ ፒርሰን፣ ማትዩ ቻፕማን። (9) ኬሪ ሃጅሰን፣ ኣልስተር ዋርደል፣ ኣዳም ማክቤዝ፣ ትረቮር ቲድወል፣ ጃሹዋ ፍራየር፣ ጆናታን ሆርተላኖ።