ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር”

“መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር”

“መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር”

ክሪስታበል ኮነል ዘዘንተወቶ

ነቲ ክሪስቶፈር ዚሓቶ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ጥራይ ስለ ዘተኰርና፡ ከይተፈለጠና መሰየ፣ ክሪስቶፈር ዓሰርተሳዕ ብመስኰት ይርኢ ምንባሩ እውን ኣየስተብሃልናን። ኣብ መወዳእታ ናባና ግልጽ ኢሉ፡ “ሕጂ ኽትከዳ ትኽእላ ኢኽን” በለና። ክሳብ እቲ ብሽክለታና ደው ኢለናሉ ዝነበራ ቦታ ኣፋንዩ ድማ ተሰናበተና። እንታይ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ግን ርእዩ፧

ክሪስታበል አርል እበሃል፡ ብ1927 ኣብ ሸፊልድ፡ ዓዲ እንግሊዝ ድማ እየ ተወሊደ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ እንነብረሉ ቦታ ስለ እተደብደበ፡ ክሳዕ ትምህርተይ ዝውድእ ምስ ዓባየይ ክነብር ተለኣኽኩ። ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ማሕበር ደናግል፡ ስለምንታይ ሕሰምን ዓመጻን ከም ዝበዝሐ ነተን ደናግል ብተደጋጋሚ እሓተን ነበርኩ። ንሳተን ይኹና ኻልኦት ሃይማኖተኛታት ዜዕግብ መልሲ ኺህቡኒ ኣይከኣሉን።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተዛዘመ፡ ኣላዪት ሕሙማት ክኸውን ተመሃርኩ። ኣብ ሆስፒታል ፓዲንግተን ክሰርሕ ድማ ናብ ለንደን ገዓዝኩ፡ ኣብቲ ኸተማ ግን ዝያዳ ዓመጽ እርኢ ነበርኩ። ምዕባየይ ሓወይ ናብቲ ኣብ ኮርያ ዚግበር ዝነበረ ውግእ ካብ ዚኸይድ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሆስፒታል ባእሲ ረኣኹ። ነቲ ዚቕጥቀጥ ዝነበረ ሰብኣይ ዝሓገዞ ሰብ ኣይነበረን፡ ብቐጥታ ኣብ ዓይኑ ስለ ዝሃረምዎ ድማ ዓወረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ምስ ኣደይ ኰይነ ኣብቲ ምስ ምዉታት ከም ዚራኸቡ ዚገልጹ ሰባት ዚእከቡሉ ኣኼባ እኸይድ ነበርኩ፣ ኰይኑ ግን፡ እከይ ስለምንታይ ከም ዝበዝሐ ኽፈልጥ ኣይከኣልኩን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምትብባዕ ተዋህበኒ

ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ጆን ዝስሙ ምዕባየይ ሓወይ ኪበጽሓኒ መጸ። “ስለምንታይ እዚ ዅሉ ሕማቕ ነገራት ከም ዜጋጥም ትፈልጢዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። “እንድዒ” ኢለ መለስኩሉ። መጽሓፍ ቅዱሱ ገንጺሉ ድማ ራእይ 12:7-12 ኣንበበለይ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብዛዕባ እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ተሓተትቲ ምዃኖም ተረዳእኩ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ፡ ነቲ ጆን ዝሃበኒ ምኽሪ ተቐቢለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ዀንኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ፍርሂ ሰብ ንኸይጥመቕ ድሕር ምሕር ከም ዝብል ገበረኒ።—ምሳ. 29:25

ዶረቲ ሓብተይ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። ምስቲ ቢል ሮበርትስ ዝስሙ ሕጹያ ኻብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ (1953) ምስ ተመልሰት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘጽናዕኩ ነገርክዎም። ቢል፡ “ንዅሉ እቲ ጥቕስታት ኣንቢብክዮዶ፧ ነቲ መልሲ ኣስሚርክሉዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ከምኡ ኸም ዘይገበርኩ ምስ ነገርክዎ፡ “ከምኡ እንተ ዀይኑ እሞ ኣየጽናዕክን ማለት እዩ። ምስታ ሓብቲ ተራኺብኪ እንደገና ኸተጽንዒ ኣሎኪ” በለኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኣጋንንቲ ኼጥቅዑኒ ጀመሩ። ንኼዕቍበንን ካብ ጽልዋኦም ሓራ ንኺገብረንን ናብ የሆዋ ኽጽሊ ትዝ ይብለኒ።

ኣብ ስኮትላንድን ኣይርላንድን ፈላሚት ኰይነ ኣገልገልኩ

ብ16 ጥሪ 1954 ተጠመቕኩ፡ እቲ ሕሙማት ንኽኣሊ ዝገበርክዎ ውዕል ኣብ ግንቦት ወዳእኩ፡ ኣብ ሰነ ድማ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ናብ ግራንጅማውዝ፡ ስኮትላንድ ተለኣኽኩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግሉል ክሊ ኽዓዪ ኸለኹ፡ መላእኽቲ የሆዋ ‘ኣብ ዙርያይ’ ከም ዝነበሩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ።—መዝ. 34:7

ብ1956 ኣብ ኣይርላንድ ከገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ምስ ክልተ ኻልኦት ኣሓት ድማ ኣብ ከተማ ጎልወይ ተመደብኩ። ኣብታ ናይ መጀመርያ መዓልቲ፡ ምስ ሓደ ኻህን ተራኸብና። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ሓደ ወተሃደር ፖሊስ መጺኡ ንዓይን ንመገላግልተይን ናብ ነቝጣ ፖሊስ ሒዙና ኸደ። ስምናን ኣድራሻናን ምስ ተቐበለ፡ ብኡንብኡ ተሌፎን ደወለ። “እወ፡ ኣባ፡ ኣበይ ከም ዚነብራ ፈሊጠ ኣለኹ” ኺብል ከሎ ድማ ሰማዕናዮ። እቲ ኻህን እዩ ልኢኽዎ! ዋና ገዛና ንኼባርረና ጸቕጢ ምስ ወረዶ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካብቲ ኸባቢ ኽንርሕቕ ነገረና። ናብቲ መደብር ባቡር ዓሰርተ ደቒቕ ደንጒና እኳ እንተ በጻሕና፡ እታ ባቡር ኣይተበገሰትን ነይራ፣ ሓደ ሰብኣይ ድማ ናብታ ባቡር ከም እተሰቐልና ንምርግጋጽ ይጽበየና ነበረ። ኣብ ጎልወይ ንሰለስተ ሰሙን ጥራይ ድሕሪ ምጽናሕና እዩ እዚ ዅሉ ኣጋጢሙ።

ድሕሪኡ፡ ናብታ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብዙሕ ጽልዋ እትገብረላ ኸተማ ሊመሪክ ተመደብና። መናዓብቲ ብተደጋጋሚ የባጭዉልና ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ናብ ቤቶም ኬእትዉና የፍርሆም ነበረ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ሓደ ሓው ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ክሉንላራ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ተቐጥቂጡ ነበረ። ስለዚ፡ ምስቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ክሪስቶፈር ምርኻብና ኣሐጐሰና፣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሕቶታት ንኽንምልሰሉ ተመሊስና ኽንመጽእ ድማ ሓተተና። ክንበጽሖ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ሓደ ኻህን ናብቲ ገዛ ኣትዩ፡ ንኼባርረና ንክሪስቶፈር ነገሮ። ክሪስቶፈር ግን፡ “እዘን ሰባት እዚኣተን ተጸዊዐን እየን መጺአን፡ ቅድሚ ምእታወን ድማ ኳሕኲሐን እየን። ንዓኻ ግን ዝጸውዓካ የለን፡ ኣይኳሕኳሕካን ከኣ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ኻህን ሓሪቑ ኸደ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ኻህን ብዙሓት ሰብኡት ኣኪቡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እንዳ ክሪስቶፈር ይጽበየና ኸም ዝነበረ ኣይፈለጥናን። ክሪስቶፈር ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ዚጻረሩና ስለ ዝፈለጠ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ገበረ። ክሳዕ ዚበታተኑ ኣብኡ ኸም እንጸንሕ ገበረና። ንሱን ስድራ ቤቱን ኻብቲ ኸባቢ ኼልግሱ ኸም እተገደዱን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝገዓዙን ጸኒሕና ፈለጥና።

ናብ ጊልዓድ ተጸዋዕኩ

ኣብ መበል 33 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ጻውዒት ኪቐርበለይ ከሎ፡ ኣብቲ ብ1958 ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኽካፈል መዲበ ነበርኩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናብ ቤተይ ኣብ ክንዲ ዚምለስ፡ ክሳዕ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1959 ዚጅመር ኣብ ኮሊንዉድ፡ ኦንታርዮ፡ ካናዳ ኣገልገልኩ። ኣብቲ ኣኼባ ግን ምስ ኤሪክ ኮነል ተራኸብኩ። ብ1957 ሓቂ ፈለጠ፡ ብ1958 ድማ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ካናዳ ኸለኹን ኣብ ጊልዓድ እናተመሃርኩ ኸለኹን መዓልታዊ ደብዳበ ይጽሕፈለይ ነበረ። ድሕሪ ምምራቐይ እንታይ ከም እንገብር እሓስብ ነበርኩ።

ኣብ ህይወተይ ኣገደስቲ ኻብ ዝዀኑ ፍጻመታት ሓደ፡ ኣብ ጊልዓድ ምክፋለይ እዩ። ዶረቲን ሰብኣያን እውን ኣብቲ ኽፍሊ ነበሩ። ሚስዮናውያን ኰይኖም ድማ ኣብ ፖርቱጋል ተመደቡ። ኣነ ናብ ኣይርላንድ ምምዳበይ ግን ኣገረመኒ። ምስ ሓብተይ ከም ዘይከውን ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዝየ ጐሃኹ። ንሓደ ኻብቶም መምህራን ድማ ገለ ጌጋ ገይረ እንተ ዀይነ ሓተትክዎ። “ኣይገበርክን። ንስኽን ኢሊን ማኦኒ ዝስማ መገላግልትኽን ግን ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኽትከዳ ኸም እትኽእላ ተሰማሚዕክን ኢኽን” በለኒ። ኣይርላንድ ድማ ሓንቲ ኻብአን እያ ነይራ።

ናብ ኣይርላንድ ተመለስኩ

ኣብ ነሓሰ 1959 ናብ ኣይርላንድ ተመለስኩ፣ ኣብ ጉባኤ ዱን ለር ድማ ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ኤሪክ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሱ ነበረ፡ ኣብ ጥቓኡ ብምዃነይ ከኣ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ንሱ እውን ሚስዮናዊ ኪኸውን ይደሊ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሚስዮናውያን ዚለኣኹላ ዝነበሩ ዓዲ ብምዃና ኣብ ኣይርላንድ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ሓሰበ። ናብ ዱን ለር ምስ ገዓዘ ድማ ብ1961 ተመርዓና።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኤሪክ ከቢድ ሓደጋ ሞተር ብሽክለታ ኣጋጠሞ። ሽክናኡ ስለ እተሰንጠቐ፡ ሓካይም ንህይወቱ ኼድሕንዋ ዚኽእሉ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን ነይሩ። ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ጸንሐ፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ድማ ክሳዕ ዚሓዊ ኣብ ገዛ ኣለኽዎ። ክሳዕ ዚከኣለኒ ኸኣ ኣገልግሎተይ እገብር ነበርኩ።

ብ1965 ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ስሊጎ እትበሃል ወደባዊት ከተማ ኣብ ዘላ ሸሞንተ ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ ተመደብና። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ብሸነኽ ሰሜን፡ ለንደንደሪ ኣብ እትበሃል ከተማ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ተቐይርና ኸድና። ሓደ መዓልቲ ናብ ገዛና ምስ ተመለስና፡ እቲ እንነብረሉ ኸባቢ ብትሪኮላታ ተሓጺሩ ጸንሓና። ዕግርግር ሰሜናዊ ኣይርላንድ ጀሚሩ ነበረ። ዓዋሉ ንማካይን የንድዱ ነበሩ። እታ ኸተማ ናብ ፕሮተስታትን ካቶሊክን ተመቕለት። ካብ ሓደ ኽፋል እታ ኸተማ ናብ ካልእ ምኻድ ኣዝዩ ሓደገኛ ነበረ።

እቲ ዕግርግር እናሃለወ ኽነሱ፡ ናብራናን ስብከትናን ቀጸልና

ብምኽንያት ኣገልግሎትና ግን ናብ እተፈላለየ ቦታታት ንኸይድ ነበርና። ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተ ዀነ፡ መላእኽቲ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዀይኑ ይስምዓና ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ዘለናሉ ኸባቢ ናዕቢ እንተ ተላዒሉ፡ ቀልጢፍና ኻብኡ ንርሕቕ፡ ነገራት ህድእ ምስ በለ ኸኣ ንምለስ ነበርና። ሓደ እዋን ኣብ ጥቓ እቲ እንነብረሉ ኣፓርታማ ናዕቢ ተላዕለ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓና ዚርከብ እንዳ ቐለም ዚመጽእ ዝነበረ ፍርስራስ ድማ ኣብ መስኰትና ይዓልብ ነበረ። እቲ እንነብረሉ ኣፓርታማ ኸይቃጸል ስለ ዝፈራህና፡ ድቃስ ኣይወሰደናን። ብ1970 ናብ በልፋስት ምስ ገዓዝና፡ ካብ ነዳዲ እተሰርሐ ቦምብ ነቲ እንዳ ቐለም ከም ዘባርዖ፡ እቲ እንነብረሉ ዝነበርና ኣፓርታማ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ዝነደደ ሰማዕና።

ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ኣነን ሓንቲ ሓብትን ኣብ ኣገልግሎት ከለና፡ ኣብ ሓደ መስኰት ዘይተለምደ ንውሓት ዘለዎ ቱቦ ረኣና። ስቕ ኢልና ድማ መገድና ቐጸልና። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ እቲ ቱቦ ተተኰሰ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ነዚ ኺርእዩ ዝወጹ ሰባት፡ ንሕና ነቲ ቱቦ ዝተኰስናዮ መሰሎም። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትነብር ሓብቲ ናብ ገዛኣ ኣእተወትና። እቶም ጐረባብታ ነዚ ምስ ረኣዩ ንጹሃት ምዃንና ኣረጋገጹ።

ብ1971 ንሓንቲ ሓብቲ ኽንበጽሓ ናብ ለንደንደሪ ተመለስና። ብኸመይ ከም ዝመጻእናን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፍናዮ ሓጹርን ምስ ነገርናያ፡ “ኣብቲ ሓጹር ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን፧” ኢላ ሓተተትና። “ነይሮም እባ፡ ግን ስቕ ኢሎም ርእዮምና” ኢልና ምስ መለስናላ፡ ኣዝያ ተገረመት። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ መዓልትታት፡ ሓደ ሓኪምን ሓደ ወተሃደር ፖሊስን ማካይኖም ተወሲደን ነዲደን እየን።

ብ1972 ናብ ኮርክ ገዓዝና። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኔስ ከምኡውን ኣብ ኣርክሎ ኣገልገልና። ኣብ መወዳእታ ብ1987 ናብታ ሕጂ ዘለናላ ካስልባር ተመደብና። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምህናጽ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸብና። ብ1999 ኤሪክ ኣዝዩ ሓመመ። ኰይኑ ግን፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋን ፍቕራዊ ደገፍ እታ ጉባኤን፡ ነቲ ዅነታት ክጾሮን ክሳዕ ዚሕሾ ኽኣልዮን ከኣልኩ።

ኣነን ኤሪክን ክልተ ሳዕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ተኻፈልና። ንሱ ሕጂ እውን ሽማግለ ዀይኑ እዩ ዜገልግል። ኣነ ኸቢድ ሕማም ሪሕ ኣሎኒ፡ ክልቲኡ ምሕዅልተይን ኣብራኸይን ድማ ተተኪኡ እዩ። መሪር ሃይማኖታዊ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ኸምኡውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዕግርግር እኳ እንተ ኣሕለፍኩ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበደኒ ግን ማኪና ኽዝውር ዘይምኽኣለይ እዩ። ንመብዛሕትኡ ናጽነተይ ዚድርት ብምዃኑ፡ እዚ ፈተና ዀነኒ። እታ ጉባኤ ግን ብጽቡቕ ሓጊዛትንን ደጊፋትንን እያ። ሕጂ ምርኩስ ተጠቒመ እየ ዝንቀሳቐስ፡ ነዊሕ ጕዕዞ ኺጐዓዝ ከለኹ ድማ ነታ ብባትሪ እትሰርሕ ሰለስተ ዝእግራ ብሽክለታ እጥቀም።

ኣነን ኤሪክን ብድምር ንልዕሊ 100 ዓመት ብሓባር ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኣገልጊልና ኢና፡ ካብዚ ነቲ 98 ዓመት ኣብ ኣይርላንድ ኢና ኣሕሊፍናዮ። ከነቋርጽ ዚብል ሓሳብ ግን የብልናን። ኣብ ተኣምር ዘይንምርኰስ እኳ እንተ ዀንና፡ ሓያላት መላእኽቲ የሆዋ “ኣብ ዙርያ” እቶም ዚፈርህዎን ብተኣማንነት ዜገልግልዎን ‘ከም ዚሰፍሩ’ ግን ንኣምን ኢና።