ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ

ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ

ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ

ገሊኦም ቅድሚኡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ገይሮም ይፈልጡ እዮም። ንመብዛሕትኦም ግን ከይጠልቀዩ ብማእከል ርባ ኺሓልፉ ፈለማኦም እዩ ነይሩ። የሆዋ ንማያት ርባ ዮርዳኖስ ከም ዘይውሕዝ ገበሮ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ነዊሕ መስመር ሰሪሖም ድማ በቲ ንቑጽ ምድሪ ኣቢሎም ናብታ ምድሪ ተስፋ ተሳገሩ። ልክዕ ከምቶም ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሩ ኣቦሓጎታቶም፡ እቶም ንዮርዳኖስ እተሳገሩ እውን ነፍሲ ወከፎም፡ ‘ነቲ የሆዋ ኣብዚ ዝገበሮ ነገር ፈጺመ ኣይክርስዖን እየ’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—እያ. 3:13-17

የሆዋ ግን ገሊኦም እስራኤላውያን ‘ንተግባሩ ቐልጢፎም ከም ዚርስዕዎ’ ይፈልጥ ነበረ። (መዝ. 106:13) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ መራሒ እስራኤላውያን ዝነበረ እያሱ፡ ካብቲ ርባ 12 ኣእማን ወሲዶም ኣብታ መጀመርያ ዚሰፍሩላ ቦታ ኼንብርዎ ኣዘዞ። እያሱ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል . . . ንመዘከርታ እዩ” በለ። (እያ. 4:1-8) እዚ ዅምራ ኣእማን እዚ፡ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ተግባራት ሓይሊ የሆዋ ዜዘኻኽሮምን ስለምንታይ ወትሩ ብተኣማንነት ኬገልግልዎ ኸም ዘለዎም ዜጕልሓሎምን እዩ ነይሩ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ነዞም ሎሚ ዘለና ህዝቢ ኣምላኽ ኣገዳስነት ኣለዎዶ፧ እወ። ንሕና እውን ንየሆዋ ኽንርስዖ የብልናን፡ ብተኣማንነት ንዕኡ ኻብ ምግልጋል ድማ ከነቋርጽ ኣይግባእን። ንህዝቢ እስራኤል እተዋህቦም ካልእ መጠንቀቕታታት፡ ኣብዞም ሎሚ ዘለና ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ዚውዕል እዩ። ነቲ፡ “ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን፡ ብዘይ ምሕላውካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ” ዚብል ሙሴ እተዛረቦ ቓላት ርአ። (ዘዳ. 8:11) ንየሆዋ ምርሳዕ ደይመደይ ኢልካ ምስ ዘይምእዛዝ ተተሓሒዙ ኣሎ። እዚ ሓደጋ እዚ ኣብ ግዜና እውን ይርአ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዘርኣይዎ “ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ” ኸየርእዩ ኣጠንቀቖም።—እብ. 4:8-11

ንኣምላኽ ክንርስዖ ኸም ዘይብልና ዜጕልሕ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤላውያን ዘጋጠመ ገለ ፍጻመታት ንመርምር። ብተወሳኺ፡ ካብ ናብራ ህይወት ክልተ እሙናት እስራኤላውያን እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ንየሆዋ ብትዕግስትን ብሞሳን ከነገልግሎ ኺሕግዘና እዩ።

ንየሆዋ እንዝክረሉ ምኽንያታት

ኣብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ዝነበሩሉ ዓመታት፡ የሆዋ ፈጺሙ ኣይረስዖምን። “ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝአተዎ ኺዳን ዘከረ።” (ዘጸ. 2:23, 24) እቲ ኻብ ባርነት ሓራ ንኼውጽኦም ዝገበሮ ነገራት ብሓቂ ኺዝከር ዚግብኦ እዩ።

የሆዋ ንግብጺ ብትሽዓተ መዓት ወቕዓ። እቶም ጠንቈልቲ ፈርኦን ነቲ መዓት እቲ ደው ኬብልዎ ኣይከኣሉን። ምስናይዚ ግን ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ኸይሓድጎም ብምእባይ ንየሆዋ ተቓወሞ። (ዘጸ. 7:14–10:29) ሳዕቤን እታ ዓስረይቲ መዓት ግን፡ ነቲ ዕቡይ ገዛኢ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺሰማማዕ ኣገደዶ። (ዘጸ. 11:1-10፣ 12:12) ህዝቢ እስራኤልን “ብዙሕ ሕውስዋስ” ህዝብን፡ ብጠቕላላ 3,000,000 ኣቢሎም ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰባት፡ ብሙሴ ተመሪሖም ካብ ግብጺ ወጹ። (ዘጸ. 12:37, 38) ነዊሕ መገዲ ኸይተጓዕዙ ኸለዉ ግን ፈርኦን ሓሳባቱ ቐየረ። ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ እቶም ዝሓየሉ ሰራዊት ዝነበሩ ዕጡቓት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን፡ ነቶም ባሮቱ ዝነበሩ ሰባት እንደገና ንኺማርኽዎም ኣዘዞም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ንእስራኤላውያን ናብታ መምለጢ ዘይብላ እትመስል ዝነበረት ኣብ መንጎ ቐይሕ ባሕርን ኣብ መንጎ ኣኽራንን ዝነበረት ጲ-ሃሒሮት ኪወስዶም ነገሮ።—ዘጸ. 14:1-9

ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ኣብ መጻወድያ ኸም ዝኣተዉ፡ ሰራዊቱ ድማ ከም ዜጥቅዕዎም እምነት ነበሮ። የሆዋ ግን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን እስራኤላውያንን ዓንዲ ደበናን ዓንዲ ሓውን ብምንባር ንግብጻውያን ዓገቶም። ድሕርዚ ኣምላኽ ንቀይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ መገዲ ብምኽፋት፡ ነቲ ማይ ብኽልቲኡ ሸነኽ ክሳዕ 15 ሜተር ዚበጽሕ ቁመት ዘለዎ መንደቕ ገበሮ። እስራኤላውያን ከኣ ነቲ ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ኺሳገርዎ ጀመሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ግብጻውያን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ይጥምትዎም ነበሩ።—ዘጸ. 13:21፣ 14:10-22

ሓደ መስተውዓሊ መራሒ፡ እግሪ እግሪ እስራኤላውያን ካብ ምስዓብ መቋረጸ ነይሩ። ፈርኦን ግን ድሕር ኣይበለን። ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ኣትዮም ደድሕሪ እስራኤላውያን ኪስዕቡ ብርእሰ-ተኣማንነት ኣዘዞም። ግብጻውያን ድማ ምግላቦም ቀጸሉ። ንእስራኤላውያን ምእንቲ ኸየርክብዎም ግን ተዓግቱ። የሆዋ ንመንኰራዅር ሰረገላታት ግብጻውያን ስለ ዘምለቖ ኺንቀሳቐሱ ኣይከኣሉን።—ዘጸ. 14:23-25፣ 15:9

ግብጻውያን ምስ ሰረገላታቶም ኪቃለሱ ኸለዉ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ በጽሑ። ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዘርግሐ። ሽዑ የሆዋ ነቲ ኸም መንደቕ ደው ኢሉ ዝነበረ ማይ፡ ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ኸም ዚምለስ ገበሮ። ማእለያ ዘይብሉ ማያት ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ተዋጋእቱን ብምውሓዝ ኣጥሓሎም። ካብቶም ጸላእቲ ዋላ ሓደ ዘምለጠ የለን። እስራኤላውያን ከኣ ሓራ ወጹ!—ዘጸ. 14:26-28፣ መዝ. 136:13-15

እዚ ፍጻመ እዚ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ተሰምዐ፡ ንነዊሕ እዋን ፍርሃት ሓዞም። (ዘጸ. 15:14-16) ኣርብዓ ዓመት ጸኒሑ፡ ረሃብ ብዓልቲ ያሪኮ ንኽልተ እስራኤላውያን ሰብኡት፡ “ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ . . . እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡ . . . ሰሚዕና ኢና” በለቶም። (እያ. 2:9, 10) እቶም ኣረማውያን ኣህዛብ እኳ ኸይተረፉ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ኣይረስዕዎን። ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚዝክሩሉ ኻልእ ምኽንያታት እውን ከም ዝነበሮም ንጹር እዩ።

‘ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎም’

እስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ ምስ ሓለፉ፡ ናብቲ “ገፊሕን ዜፍርህን በረኻ” ዝነበረ ምድረ በዳ ሲና በጽሑ። ኣብቲ ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዚኸውን ማይ ኰነ ምግቢ ዘይነበሮ ‘ኣጻምእ’ ኪጐዓዙ ኸለዉ፡ ኢድ የሆዋ ሓጻር ኣይነበረትን። ሙሴ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “[የሆዋ ንእስራኤል] ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዜድህዩሉ፡ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ” በለ። (ዘዳ. 8:15፣ 32:10) ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ተኸናኺንዎም፧

የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ “ኣብ ገጽ እቲ በረኻ” ዝርአ ማና ዚብሃል ‘እንጌራ ኻብ ሰማይ’ ኣውረደሎም። (ዘጸ. 16:4, 14, 15, 35) ማይ እውን ‘ካብ ጽኑዕ ከውሒ’ ኣውጽኣሎም። ኣብ በረኻ ኣብ ዘሕለፍዎ 40 ዓመት ሳላ በረኸት ኣምላኽ፡ ክዳንውንቶም ኣይበለየን፡ እግሮም እውን ኣይሓበጠን። (ዘዳ. 8:4) የሆዋኸ ኣምሳያኡ ኻባታቶም እንታይ እዩ ዚጽበ ነይሩ፧ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “እቲ ዓይንኻ ዝረአዮ ነገር ከይትርስዖ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ . . . ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ ነፍስኻ ሐሉ” በሎም። (ዘዳ. 4:9) እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ንኼድሕኖም ዝገበሮ ተግባራት ብሞሳ እንተ ዝዝክርዎ፡ ወትሩ መገልገልዎን ስርዓታቱ ምሓለዉን ነይሮም። ንሳቶም ግን እንታይ ገበሩ፧

ምርሳዕ ናብ ዘይምምሳው የብጽሕ

ሙሴ፡ “ዝወለደካ ኸውሒ ሐደግካ፡ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ” በለ። (ዘዳ. 32:18) እቲ የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ ተግባራት፡ እቲ ንህዝቡ ኣብ በረኻ ብህይወት ንኺነብር ዘኽኣሎ መሰናድዎታቱ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ኻልእ ነገራት እውን ነዊሕ ከይጸንሐ ዕሽሽ ተባህለ ወይ ተረስዐ። እስራኤላውያን ዓለወኛታት ኰኑ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እስራኤላውያን ማይ ዘይረኽቡ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም ንሙሴ ወቐስዎ። (ዘሁ. 20:2-5) ብዛዕባ እቲ ብህይወት ዘንበሮም ማና፡ “ነዚ ፈኵሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ” ኢሎም ኣጕረምረሙ። (ዘሁ. 21:5) “ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ኸም ሞትና መን ምሀበና። . . . ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ” ብምባል ንፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኣእተውዎ፡ ሙሴ ኸይመርሖም ከኣ ኣበዩ።—ዘሁ. 14:2-4

እስራኤላውያን ብዘይምእዛዞም የሆዋ እንታይ ተሰምዖ፧ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ ፍጻመታት እዚ ብምዝካር ከምዚ በለ፦ “ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ። ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ። ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፡ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፡ . . . ከም ዝገበረ፡ ኣይዘከሩን።” (መዝ. 78:40-43) እወ፡ እስራኤላውያን ረሳዕቲ ብምዃኖም ንየሆዋ ኣመና ኣጕህዮምዎ እዮም።

ዘይረስዑ ኽልተ ሰባት

ገሊኦም እስራኤላውያን ግን ንየሆዋ ኣይረስዕዎን። ክልተ ኻብ እዚኣቶም እያሱን ካሌብን እዮም። ካብቶም ንምድሪ ተስፋ ኺስልዩ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ እተላእኩ 12 ኣባላት ዝነበርዎ ጕጅለ ሰለይቲ ኸኣ እዮም ነይሮም። እቶም ዓሰርተ ሕማቕ ወረ ኣውረዩ፡ እያሱን ካሌብን ግን ነቶም ህዝቢ፡ “እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ” በልዎም። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ሰምዑ ንእያሱን ካሌብን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎም ተዛራረቡ። እቶም ክልተ ግን እምንቶኦም ኣብ የሆዋ ብምግባር ጸንዑ።—ዘሁ. 14:6-10

ዓመታት ጸኒሑ ካሌብ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ . . . ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ።” (እያ. 14:6-8) ካሌብን እያሱን ኣብ የሆዋ ብምውካል እተፈላለየ ጸገማት ተዓገሱ። ኣብ ኵለን መዓልትታት ህይወቶም ንየሆዋ ኺዝክሩ ቘሪጾም ነበሩ።

ካሌብን እያሱን፡ የሆዋ ንህዝቡ ናብታ ፈራዪት ምድሪ ንኼእትዎም እተመባጽዖ መብጽዓ ኸም ዝፈጸመ ብምግንዛብ፡ ሞሳ እውን ኣርእዮም እዮም። እወ፡ እስራኤላውያን ብህይወት ኪነብሩ ዝኸኣሉ ሳላ የሆዋ እዮም። እያሱ፡ “እግዚኣብሄር ከኣ እታ ነቦታቶም ኪህቦም ዝመሐለሎም ኵላ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሀቦም። . . . ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን፡ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ኢሉ ጸሓፈ። (እያ. 21:43, 45) ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኸም ካሌብን እያሱን ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል፧

መማሰዊ ኹን

ሓደ እዋን፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሓደ ሰብኣይ፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፡ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝ. 116:12) እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ስጋዊ በረኸት፡ መንፈሳዊ መሪሕነቱ፡ ኣብ ዚመጽእ ድሕነት ንኽንረክብ ዝገበረልና መሰናድዎ ኣዝዩ ብዙሕ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ንዘለኣለም ኣመስጊንካ ዚውዳእ ኣይኰነን። እወ፡ ንየሆዋ ፈጺምና ውሬታ ኽንመልሰሉ ኣይንኽእልን ኢና። ከነማስዎ ግን ንኽእል ኢና።

ምኽሪ የሆዋ ኻብ ጸገማት ክትርሕቕ ሓጊዙካዶ፧ ሓጢኣትካ ይቕረ ስለ ዝበለልካ ጽሩይ ሕልና ንኽህልወካ ኣኽኢሉካዶ፧ በዚ ተግባራት ኣምላኽ እዚ ዚርከብ ጥቕሚ ንነዊሕ ዚቕጽል ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንዕኡ ዘሎካ ሞሳ እውን ከምኡ ቐጻሊ ኪኸውን ይግባእ። ሳንድራ እተባህለት ጓል 14 ዓመት፡ ከቢድ ጸገማት ኣጋጢምዋ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሓገዝ የሆዋ ግን ተዋጽኣትሉ። ከምዚ ኸኣ በለት፦ “የሆዋ ኺሕግዘኒ ጸለኹ፡ እቲ ንኺሕግዘኒ እተጠቕመሉ መገድታት ከኣ መሲጡኒ እዩ። ኣቦይ ብዛዕባ እታ ‘ብምሉእ ልብኻ [“ብየሆዋ፡” NW] ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ’ እትብል ምሳሌ 3:5, 6፡ ስለምንታይ ኵሉ ሳዕ ይዛረበኒ ኸም ዝነበረ ሕጂ ተረዲኡኒ። የሆዋ ኸምቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝሓገዘኒ ወትሩ ኸም ዚሕግዘኒ እውን ርግጸኛ እየ።”

ብምዕጋስ ንየሆዋ ኸም እትዝክሮ ኣርኢ

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ምዝካር እተተሓሓዘ ኻልእ ባህርያት ኬጕልሕ ከሎ፡ “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” ይብል። (ያእ. 1:4) ‘ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልካ ፍጹምን ምሉእን’ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧ ንዜጋጥመና ፈተናታት ኣብ የሆዋ ብምውካል ከይተሓለልና ብቘራጽነት ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእልና ባህርያት ምምዕባል የጠቓልል። ከምዚ ዓይነት ትዕግስቲ፡ ፈተናታት እምነት ምስ ኣብቅዐ፡ ዓብዪ ዕግበት እዩ ዜምጽእ። ፈተናታት ከኣ ኵሉ ሳዕ ዚቕጽል ኣይኰነን።—1 ቈረ. 10:13

እተፈላለየ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎ ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ዘገልገለ ሓው፡ ንኺዕገስ እንታይ ከም ዚሓገዞ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ብዛዕባ እቲ ኣነ ኽገብሮ ዝደሊ ዘይኰነስ፡ የሆዋ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ኽሓስብ እጽዕር። ንጽህና ኺበሃል ከሎ ኣዒንተይ ናብ ባህግታተይ ዘይኰነስ፡ ናብ ዕላማታት ኣምላኽ ከም ዘተኵራ ምግባር እዩ። ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ‘የሆዋ ስለምንታይ ከምዚ ኸጋጥመኒ ፈቒድካ፧’ ኣይብልን እየ። ዘይተጸበኽዎ ሽግራት ኬጋጥመኒ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ንዕኡ ኻብ ምግልጋል ኣየቋርጽን፡ ናብኡ ኸኣ እቐርብ።”

ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንየሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” እያ እተምልኾ። (ዮሃ. 4:23, 24) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብደረጃ ጉጅለ ኸም እስራኤላውያን ንኣምላኽ ፈጺሞም ኣይርስዕዎን እዮም። ይኹን እምበር፡ ክፍሊ እዛ ጉባኤ እዚኣ ምዃንና ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ንጽህናና ንኽንሕሉ ውሕስነት ይዀነና እዩ ማለት ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍና ከም እያሱን ካሌብን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሞሳን ትዕግስትን ከነርኢ ይግባእ። ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን መወዳእታ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ስለ ዚመርሓናን ስለ ዚሓልየልናን ከምዚ ኽንገብር ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።

ልክዕ ከምቲ እያሱ ዘንበሮ ሓወልቲ ኣእማን፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ዝገበሮ ተግባራት፡ ብሕጂ እውን ንህዝቡ ኸም ዘይሓድጎም የረጋግጸልና። ስለዚ እምበኣር፡ ከምቲ፡ “ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፡ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፡ ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ፡ ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ክትብል ይግባእ።—መዝ. 77:11, 12

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ህዝቢ ብምሉኡ በቲ ‘ኣጻምእ’ ኪጐዓዝ ነበሮ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ ሰፊሮም ከለዉ፡ ሰለይቲ ናብ ምድሪ ተስፋ ተላእኩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሖም፡ ነታ ፈራዪት ምድሪ ተስፋ ኼማስዉላ ይኽእሉ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዕላማታት የሆዋ ምስ እነተኵር፡ ዝዀነ ይኹን ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንኽንዕገስ የኽእለና