ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትጸንዕ ትኽእል፧

ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትጸንዕ ትኽእል፧

ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትጸንዕ ትኽእል፧

ሓይልኻ እተጸንቀቐ ዀይኑ ስለ እተሰምዓካ፡ ዕዮ ስብከት ክትሓድጎ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ከቢድ ምጽራር፡ ጭንቀት፡ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ጸቕጢ መዛኑ፡ ወይ ጭቡጥ ፍረ ዘይምርካብ ንጽንዓትካ ይፈታተኖ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እሞ ሕሰብ። “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፡” ካብ ኵሉ ዝኸበደ ፈተና ተዓጊሱ እዩ። (እብ. 12:2) እቲ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝቐረበ ኽስታት መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ እንተ ኣመስኪሩ፡ ንልቢ የሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ምሳ. 27:11

ንስኻ እውን ኣብ ኣገልግሎትካ ብምጽናዕ፡ ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ ገሊኡ ዕንቅፋታት ንመንፈሳዊ ሓይልኻ ዚመጽዮ ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ክሪስቲና እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአትን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዋን ሓብቲ፡ “ብቐሊሉ እዩ ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ዚስምዓኒ። ከም ጥዕና ምስኣንን ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዜጋጥም ጭንቀትን ዝኣመሰለ ዕድመ ዘምጸኦ ጸገማት ንግዜኡ ንቕንኣተይ ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ” ኢላ ተኣመነት። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ኣገልግሎት ክትጸንዕ እትኽእል፧

ንነብያት ምሰሎም

እሙናት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኺጸንዑ፡ ከምቲ ንጥንታውያን ነብያት ዝነበሮም ኣተሓሳስባ ኺህልዎም ኪጽዕሩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንኤርምያስ እስከ ንውሰድ። ነብዪ ዀይኑ ኼገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበሉ፡ ፈለማ ድሕር ምሕር በለ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ምግባር ስለ እተማህረ፡ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዕዮኡ ንልዕሊ 40 ዓመት ጸኒዑ ኣገልገለ።—ኤር. 1:6፣ 20:7-11

ሄንሪክ ካብ ኣብነት ኤርምያስ ምትብባዕ ረኺቡ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 70 ዓመት፡ ሓድሓደ ግዜ እቲ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ፡ ማለት ጽልኦም ወይ ዘይምግዳሶም፡ ተስፋ ኣቝሪጹኒ ነይሩ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ነቲ ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት እዝክር እየ። ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕርን ድልዱል መንፈሳውነቱን፡ ምንባይ ንኪቕጽል ሓይሊ ሂብዎ እዩ።” (ኤር. 1:17) ራፋ እውን ብኣብነት ኤርምያስ ከም እተተባብዐ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኤርምያስ ኣብ ርእሱን ኣብ ስምዒቱን ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ኣብ ኣምላኽ ይጽጋዕ ነበረ። ብብዙሓት ይጽላእ እኳ እንተ ነበረ፡ ድምብርጽ ከይበሎ ዕዮኡ ቐጸለ። ነዚ ኽዝክሮ እፍትን እየ።”

ብኣብነቱ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ንኺጸንዑ ዝሓገዘ ኻልእ ነብዪ፡ ኢሳይያስ እዩ። ደቂ ዓዱ ኸም ዘይሰምዕዎ፡ ኣምላኽ ነጊርዎ ነይሩ። የሆዋ፡ “ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን” በለ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ኢሳይያስ ኣኺልዎ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይረኸበን ማለት ድዩ፧ ብኣረኣእያ ኣምላኽ እንተ ርኢና፡ ከምኡ ኣይኰነን። ኢሳይያስ፡ ነብዪ ዀይኑ ኺምዘዝ ከሎ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” በለ። (ኢሳ. 6:8-10) ናብ መዝነቱ ድማ ለገበ። ንስኻኸ ነቲ ንኽንሰብኽ እተዋህበና ትእዛዝ ከምዚ ዓይነት ምላሽ ዲኻ እትህብ፧

ዋላ እውን ሰባት ንመልእኽትና ኣይቀበልዎ፡ ከም ኢሳይያስ ኣብ ኣገልግሎትና ንምጽናዕ፡ ኣብቲ ዜጋጥመና ኣሉታዊ ምላሽ ከነተኵር የብልናን። ራፋ ንተስፋ ምቝራጽ ከመይ ገይሩ በዚ መገዲ እዚ ኸም ዚቃለሶ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብቲ ሕማቕ ዘረባ ንኸየተኵር እቃለስ እየ። ኣብ ክለይ ዘለዉ ሰባት ብዝደለይዎ መገዲ ምላሽ ኪህቡ መሰል ኣለዎም” በለ። ኣና ድማ፡ “ዝዀነ ይኹን ባህ ዘየብል ወይ ተስፋ ዜቝርጽ ነገር ኬጋጥመኒ ኸሎ ንነዊሕ እዋን ኣይሓስበሉን እየ። ከምኡ ንኽገብር ዘኽእለኒ ነገር፡ ጸሎትን ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቕድሚ ምኻደይ ዘንብቦ ጥቕሲ ዕለትን እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ሓሳባት ቀልጢፉ እዩ ዚበንን” በለት።

ነብዪ ህዝቅኤል ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነቓጻት ምሩኻት ኣይሁድ የገልግል ነበረ። (ህዝ. 2:6) ነቶም ህዝቢ ቓል ኣምላኽ እንተ ዘይነግሮም እሞ፡ ሓደ እኩይ ነቲ መጠንቀቕታ ኸይሰምዐ እንተ ዚመውት፡ ህዝቅኤል ብብሕቲ ተሓታቲ ምዀነ ነይሩ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ” በሎ።—ህዝ. 3:17, 18

ሄንሪክ ከም ናይ ህዝቅኤል ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዝ ከም ዚጽዕር ኪገልጽ ከሎ፡ “ካብ ደም ኵሎም ሰባት ንጹህ ክኸውን እደሊ እየ። ክቡር ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ” በለ። (ግብ. 20:26, 27) ዝቢግንየቭ እውን፡ “ካልኦት ዚሓስብዎ ብዘየገድስ፡ ህዝቅኤል ዕዮኡ ኺፍጽም ነበሮ። እዚ ድማ ንዕዮ ስብከት ብዓይኒ ፈጣሪ ንኽርእዮ ሓጊዙኒ” በለ።

በይንኻ ኣይኰንካን ዘለኻ

ኣብ ዕዮ ስብከት ክትጽመድ ከለኻ፡ በይንኻ ኣይኰንካን እትዓዪ ዘለኻ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ኽንብል ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 3:9) ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ኸም እትቘርጽ እተኣመነት ክሪስቲና፡ “ስለዚ ድማ እየ ንየሆዋ ሓይሊ ኺህበኒ ወትሩ ዝልምኖ። ንሱ እውን ኣሕፊሩኒ ኣይፈልጥን እዩ” በለት። እወ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዚድግፈና መንፈስ ኣምላኽ የድልየና እዩ!—ዘካ. 4:6

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንጽመድ ከለና፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ “ፍረ መንፈስ” ዚበሃል ባህርያት ንኸነንጸባርቕ ይሕግዘና። (ገላ. 5:22, 23) እዚ ድማ ብግዲኡ፡ ዝመጸ ይምጻእ ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንጸንዕ ይሕግዘና። ሄንሪክ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምጽማድ፡ ባህርያተይ ንኸመሓይሽ ይሕግዘኒ እዩ። ዕጉስ፡ ሓላዪ፡ ብቐሊሉ ዘይሕለል ምዃን እመሃር እየ።” እተፈላለየ ዕንቅፋታት እናኣጋጠመካ ኣብ ኣገልግሎት ምጽናዕ፡ ንፍረ መንፈስ ብዝያዳ ንኸተማዕብሎ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

የሆዋ ነዚ ፍሉይ ዕዮ እዚ ንምምራሕ፡ መላእኽቱ ይጥቀም እዩ። (ራእ. 14:6) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ” መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዘለዉ ይገልጽ እዩ። (ራእ. 5:11) መላእኽቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኖም፡ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይድግፍዎም እዮም። ናብ ኣገልግሎት ኣብ እትኸደሉ እዋን ነዚ ትዝክሮ ዲኻ፧

ኣና ኸምዚ በለት፦ “መላእኽቲ ምሳና ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘለዉ ምስትንታነይ፡ ምንጪ ምትብባዕ እዩ ዚዀነኒ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋን የሱስን ኰይኖም ዚህቡና ሓገዝ፡ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።” ምስ እሙናት መላእኽቲ ሓቢርካ ኸተገልግል ምኽኣልሲ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዀን እዩ!

ምስ ብጾትና ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምግልጋልከ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧ ምስ ብዙሓት እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ብምፍላጥና ተባሪኽና ኢና። ንሓቅነት እታ፡ “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ” እትብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምስላ፡ ኣብ ህይወትካ ኸም እተመከርካያ ኣየጠራጥርን እዩ።—ምሳ. 27:17

ምስ ካልኦት ሓቢርና ኣብ ኣገልግሎት ምዕያይና፡ ንዓና ሓድሽ ዚዀነና ውጽኢታዊ ሜላታት ንኽንዕዘብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። ኤልጅብየታ፡ “ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ምዕያየይ፡ ንኣመንቲ ብጾተይ ኰነ ንእንረኽቦም ሰባት ፍቕሪ ንኸርኢ ኣጋጣሚታት ከፊቱለይ እዩ” በለት። ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ክትካፈል ፈትን። እዚ ንኣገልግሎትካ ማራኺ ይገብሮ።

ንርእስኻ ተኸናኸን

ኣብ ኣገልግሎት ውዕዉዕ ስምዒት ሒዝና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ጽቡቕ መደብ ከነውጽእ፡ ጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺህልወና፡ እኹል ዕረፍቲ ድማ ክንረክብ ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ መዳይ ንርእስና ኽንከናኸን ኣሎና።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ይብል። (ምሳ. 21:5) ሕጂ ወዲ 88 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ዚግሙንት፡ “ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ መደብ ዘሎኒ ምዃነይ፡ ዕላማይ ንኽወቅዕ ይሕግዘኒ እዩ። ንምስክርነት እኹል ግዜ ምእንቲ ኽረክብ፡ ግዜይ ተጠንቂቐ እየ ዘመቓርሖ” በለ።

ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ሰፊሕ ፍልጠት ምጥራይ፡ ኣብ ኣገልግሎትና የበራትዓናን የዕጥቐናን እዩ። ከምቲ ብህይወት ንኽንነብር ስጋዊ ምግቢ ዜድልየና፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንካፈል እውን ኣዘውቲርና መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ኣሎና። መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ምንባብን መንፈሳዊ ‘ምግብና በብግዜኡ’ ምምጋብን፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ።—ማቴ. 24:45-47

ኤልጅብየታ ንኣገልግሎታ ንምምሕያሽ ኣብ ህይወታ መሰረታዊ ለውጥታት ገበረት። ከምዚ ድማ በለት፦ “ንኣገልግሎተይ ንምድላው ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረክብ፡ ተለቪዥን ኣብ ምርኣይ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ግዜ ብዙሕ ነከኹሉ። ምሸት ምሸት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ኽሊ ዝረኽቦም ሰባት እሓስብ። ኪሕግዞም ዚኽእል ጥቕስታትን ዓንቀጻትን አናዲ።”

ግቡእ ዕረፍቲ እንተ ጌርካ፡ ሓይሊ ስለ እትረክብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ንኽትገብር የኽእለካ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ መጠኑ ዝሓለፈ መዘናግዒ፡ ኣብቲ ዕዮኻ እትፍጽመሉ መገዲ ኣሉታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኣንጄ ዚበሃል ቅንኣት ዘለዎ ኣስፋሒ ኸምዚ በለ፦ “ዋሕዲ ዕረፍቲ ናብ ክቱር ድኻም እዩ ዚመርሕ፡ ካብኡ ድማ ብቐሊሉ ኢኻ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ክትበጽሕ እትኽእል። ካብዚ ንምምላጥ ዚከኣለኒ ዘበለ ዅሉ እገብር እየ።”—መክ. 4:6

ካብ ልብና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ነቲ ብስራት ዚቕበልዎ ግን ብተዛማዲ ሒደት ሰባት እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዕዮና ኸቶ ኣይርስዖን እዩ። (እብ. 6:10) ብዙሓት ኬዘራርቡና እኳ እንተ ዘይደለዩ፡ ካባታቶም ምስ ረሓቕና፡ ብዛዕባ እቲ ዝመጻእናሉ ጕዳይ ይዘራረቡ ይዀኑ። እዚ ዜምጽኦ ውጽኢት፡ ምስቲ ብዛዕባ ህዝቅኤል እነንብቦ ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እወ፡ “ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።” (ህዝ. 2:5) ልክዕ እዩ፡ ኣገልግሎትና ቐሊል ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግን፡ ንሕና ጭቡጥ ረብሓ ንረኽበሉ ኢና፡ እቶም ዚሰምዑና እውን ከምኡ።

ዚግሙንት፡ “ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ፡ ሓድሽ ሰብነት ንኽንለብስን ንኣምላኽን ንብጻይናን ፍቕሪ ንኸነርእን ይሕግዘና” በለ። ኣንጄ ድማ፡ “ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ምስታፍ፡ ፍሉይ ክብሪ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ በዚ ደረጃ እዝን ኣብ ትሕቲ ተመሳሳሊ ዅነታትን ኣይኪድገምን እዩ” በለ። ንስኻ እውን ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ብምጽናዕ፡ ብዙሕ በረኸት ክትዓጽድ ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረ. 4:1, 2

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ መዳይ ንርእስና ምክንኻንና፡ ኣብ ኣገልግሎት ንኽንጸንዕ ይሕግዘና