ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጻድቃን ንኣምላኽ ንዘለኣለም ይውድስዎ

ጻድቃን ንኣምላኽ ንዘለኣለም ይውድስዎ

ጻድቃን ንኣምላኽ ንዘለኣለም ይውድስዎ

“መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር። . . . ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር።”—መዝ. 112:6, 9

1. (ሀ) ንዅሎም እቶም ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ዚርእዮም ሰባት እንታይ ዜሐጕስ መጻኢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ (ለ) እንታይ ሕቶ እዩ ዚለዓል፧

 እቶም ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ዚርእዮም ሰባትሲ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ዘለዎም! ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል ባህርያት የሆዋ ንዘለኣለም ስለ ዚመሃሩ፡ ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም። ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ዝያዳ እናፈለጡ ብዝኸዱ መጠን፡ ኣልባቦም ብውዳሰ ኺጅርብብ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ መጻኢ ንኺህልወካ ኻብ ዜድሊ ቐንዲ ብቕዓታት ሓደ፡ እቲ ኣብ መዝሙር 112 ጐሊሑ ዘሎ “ጽድቂ” እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ቕዱስን ጻድቕን የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ ንሓጥኣን ሰባት ከም ጻድቃን ገይሩ ኺርእዮም ዚኽእል፧ ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ጌጋታት ካብ ምግባር ግን ኣይነምልጥን ኢና፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ከቢድ ጌጋታት ኢና እንገብር።—ሮሜ 3:23፣ ያእ. 3:2

2. የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ እንታይ ክልተ ተኣምራት እዩ ፈጺሙ፧

2 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ፍጹም ፍታሕ ኣዳለወ። ብኸመይ፧ ቀዳማይ፡ ንህይወት እቲ ፍቑር ሰማያዊ ወዱ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ድንግል ብምምሕልላፍ ከም ፍጹም ሰብ ኰይኑ ንኺውለድ ተኣምር ብምግባር እዩ። (ሉቃ. 1:30-35) ድሕሪኡ፡ የሱስ ብጸላእቱ ምስ ተቐትለ፡ የሆዋ ኻልእ ሓለፍ ዝበለ ተኣምር ገበረ። ንየሱስ ግሩም መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ኣተንሰኦ።—1 ጴጥ. 3:18

3. ኣምላኽ ንወዱ ሰማያዊ ህይወት ብምሃብ፡ ተሓጒሱ ዓስቡ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ዘይሓልፍ ህይወት ብምሃብ፡ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዘይነበሮ ዓስቢ ሃቦ። (እብ. 7:15-17, 28) የሱስ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተናታት ፍጹም ንጽህናኡ ብምሕላዉ፡ የሆዋ ነዚ ተሓጒሱ እዩ ሂብዎ። በዚ ኸምዚ የሱስ ንኣቦኡ ብሉጽን እተማልአን ምላሽ ንኺህብ ኣኽኣሎ፣ እዚ ምላሽ እዚ ድማ ነቲ ሰባት ንኣምላኽ ብስስዐ ተደሪኾም ደኣ እምበር፡ ብዘይትብተኽ ፍቕሪ ኸም ዘየገልግሉ ሰይጣን ዝኸሰሶ ኽሲ ዚኸውን መልሲ እዩ።—ምሳ. 27:11

4. (ሀ) የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ እንታይ እዩ ገይሩልና፧ የሆዋኸ እንታይ ገበረ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልካ ኸመይ ይስምዓካ፧

4 የሱስ ኣብ ሰማይ ተወሳኺ ነገራት ዓሚሙ እዩ። ዋጋ “ደም ርእሱ” ሒዙ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና” ኣተወ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ኽቡር መስዋእቲ፡ ከም “ናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ” ገይሩ ብለውሃት ተቐበሎ። ስለዚ፡ ‘ብንጹህ ሕልና፡ ንህያው ኣምላኽ ከነገልግል’ ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስታ ኣብ መእተዊ መዝሙር 112 ዘላ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል ንሰማማዕ ኢና።—እብ. 9:12-14, 24፣ 1 ዮሃ. 2:2

5. (ሀ) ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ኺርእየና እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) መዝሙር 111ን መዝሙር 112ን ብኸመይ እየን ተሰሪዐን፧

5 ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ኺርእየና እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ቀጻሊ እምነት ከነርኢ ኣሎና። ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ትኹን፡ ስለቲ የሆዋ ዘርኣየና ሓለፍ ዘበለ ፍቕሪ ኸየመስገንናዮ ኽትሓልፈና የብላን። (ዮሃ. 3:16) ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ኸነጽንዕን ምስቲ መልእኽቱ ተሰማሚዕና ንምንባር ዚከኣለና ኽንገብርን ኣሎና። ንዅሎም እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ሒዞም ኪቕጽሉ ዚደልዩ፡ መዝሙር 112 ጽቡቕ ምኽሪ ሒዛ ኣላ። እዛ መዝሙር እዚኣ ንመዝሙር 111 መመላእታኣ እያ። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ክልቲአን “ሃሌሉያ” ወይ “ንያህ ወድስዎ” ብዚብል ጻውዒት ድሕሪ ምጅማር፡ ኣስዒበን 22 መስመራት ሒዘን ኣለዋ፣ ነፍሲ ወከፍ እተን መስመራት ብሓንቲ ኻብተን 22 ፊደላት እብራይስጢ ትጅምር። *

ንሓጐስ ዚኸውን መሰረት

6. እቲ ኣብ መዝሙር 112 ተጠቒሱ ዘሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ “ሰብ” ዚባረኽ ብኸመይ እዩ፧

6 “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፡ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ። ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፡ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።” (መዝ. 112:1, 2) እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ፈለማ “ሰብ” ብምባል ንውልቀ-ሰብ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ቀጺሉ ኣብ መወዳእታ ቝጽሪ 2 ናብ ብዙሕ ብምቕያር “ቅኑዓት” ከም ዝበለ ኣስተብህል። ስለዚ ድማ፡ መዝሙር 112 ብብዙሓት ውልቀ-ሰባት ንዝቘመ ሓደ ጕጅለ ኸተመልክት ትኽእል እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንመዝሙር 112:9 ምስቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዚተሓሓዝ ከም እትውዕል ምግላጹ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዚድግፍ እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:8, 9 ኣንብብ።) እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጽቡቕ ገይራ እያ እትገልጽ።

7. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኣምላኾም ጥዑይ ፍርሃት ኪህልዎም ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ትእዛዛት ኣምላኽ ከመይ ኪስምዓካ ይግባእ፧

7 ኣብ መዝሙር 112:1 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ብፍርሃት የሆዋ’ ኺመላለሱ ኸለዉ ብዙሕ ሓጐስ እዮም ዚረኽቡ። እዚ ንኣምላኽ ንኸየጕህይዎ ዚሓድሮም ጥዑይ ፍርሃት፡ ንመንፈስ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንኺጻረርዎ ይሕግዞም። ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕን ትእዛዛቱ ምሕላውን፡ “ኣዝዩ ባህ” ይብሎም። እዚ ድማ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንሰብኽ እተዋህበ ትእዛዝ የጠቓልል። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ይጽዕሩ፡ ንእኩያት ድማ ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ የጠንቅቑ እዮም።—ህዝ. 3:17, 18፣ ማቴ. 28:19, 20

8. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ውፉያት ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዘርኣይዎ ቕንኣት ዓስቢ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ኣብ መጻኢ እንታይ በረኸት እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

8 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ትእዛዛት እዚ ስለ ዝሓለዉ፡ ሎሚ ቝጽሮም ሸውዓተ ሚልዮን ኣቢሉ በጺሑ ኣሎ። ህዝቢ ኣምላኽ፡ ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዝሰልጠኑ’ ወይ ከም ዝሓየሉ መን ኪኽሕዶ ይኽእል፧ (ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 7:9, 14) ኣምላኽ ዕላማኡ ኺፍጽም ከሎ ድማ፡ ብዙሕ ‘ኪባረኹ’ እዮም! እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ” ብደረጃ ጕጅለ ሰጊሮም፡ “ጽድቂ ዚነብረሉ . . . ሓድሽ ምድሪ” ኬቝሙ እዮም። ድሕሪኡ፡ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ብዝያዳ ‘ኺባረኹ’ እዮም። ንሚልዮናት ዚትንስኡ ሰባት ንኪቕበሉ ኺዳለዉ እዮም። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ብትእዛዛት ኣምላኽ “ኣዝዩ ባህ” ዚብሎም ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኺበጽሑን “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ንዘለኣለም ኬስተማቕሩን እዮም።—2 ጴጥ. 3:13፣ ሮሜ 8:21

ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ሃብቲ

9, 10. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመንፈሳዊ ሃብቶም ብኸመይ እዮም ተጠቒሞምሉ፧ ጽድቆም ንዘለኣለም ዚነብርከ ብኸመይ እዩ፧

9 “ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፡ ጽድቁውን ንዘለኣለም ይነብር። ንቕኑዓት፡ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፡ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።” (መዝ. 112:3, 4) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብስጋዊ ሃብቶም ይፍለጡ ነይሮም እዮም። እቶም ኣምላኽ ዚሰምሮም ሰባት ዋላ እውን ብስጋዊ መዳይ ኣይሃብትሙ፡ ብሓቂ ሃብታማት ኰይኖም ኪበሃል ይከኣል እዩ። ከምቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርእሶም ዜትሕቱ ሰባት፡ ድኻታትን ዚነዓቑን እዮም። (ሉቃ. 4:18፣ 7:22፣ ዮሃ. 7:49) ኰይኑ ግን፡ ሓደ ሰብ ዘጥረዮ ስጋዊ ጥሪት ብዙሕ ይኹን ሒደት ብዘየገድስ፡ ብመንፈሳዊ ሃብታም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 6:20፣ 1 ጢሞ. 6:18, 19፣ ያእቆብ 2:5 ኣንብብ።

10 ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ንመንፈሳዊ ሃብቶም ንርእሶም ሒዞምዎ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብዛ ጸልማት ዝሰፈና ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ‘ንቕኑዓት ብርሃን ኣውጺኦምሎም’ እዮም። ነዚ ድማ ንኻልኦት ሰባት ካብቲ መንፈሳዊ ሃብቲ ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ንኺጥቀሙ ብምሕጋዝ እዮም ዚገብርዎ። ተጻረርቲ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኬብሉ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኣይሰለጦምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍረ እዚ ጻድቕ ዕዮኦም ‘ንዘለኣለም ኪነብር’ እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ፈተና ብመገዲ ጽድቂ ብምምልላስ፡ ‘ንዘለኣለም ናይ ምንባር’ ውሕስነት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

11, 12. ገለ ኻብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንስጋዊ ጥሪቶም ዚጥቀሙሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

11 ህዝቢ ኣምላኽ፡ ማለት እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ቕቡእ ባርያን እቶም “ብዙሓት ሰብ”ን ኣብ ስጋዊ ነገራት እውን ለጋሳት ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም። መዝሙር 112:9“ዘረወ፡ ንድኻታት ሀበ” ትብል። ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንብጾቶም ክርስትያናትን ንእተሸገሩ ጐረባብቶምን ዚኸውን ስጋዊ ወፈያ ይገብሩ እዮም። ዕንወት ኬጋጥም ከሎ፡ ስጋዊ ሃብቶም ከም ረድኤት ገይሮም ይህቡ እዮም። ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ፡ እዚ ሓጐስ የምጽኣሎም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ 2 ቈረንቶስ 9:7

12 ብተወሳኺ፡ ነዛ መጽሔት እዚኣ ብ172 ቋንቋታት ንምሕታም ዜድሊ ወጻኢ እሞ ሕስብ ኣብሎ፣ ሓያሎ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ ድማ ብድኻታት ሰባት እዩ ዚዝረብ። እዛ መጽሔት እዚኣ በቲ ጽሙማን ዚጥቀሙሉ እተፈላለየ ቛንቋ ምልክትን ዓይነ-ስዉራን ዚጥቀሙሉ ብረይልን ምድላዋ እውን ኣብ ግምት ኣእትዎ።

ርሕሩሕን ገባር ፍትሕን

13. ብርሕራሐ ተደሪኽካ ብምሃብ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዝሓደጉልና መን እዮም፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኣብነቶም ክንስዕብ እንኽእል፧

13 “ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ።” (መዝ. 112:5) ብዙሕ ግዜ ንኻልኦት ዚሕግዙ ሰባት፡ ወትሩ ርሕሩሓት ዘይምዃኖም ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ገሊኦም ከም ዘለዎም ንኼርእዩ ኢሎም ወይ ከይፈተዉ እዮም ዚህቡ። ድርባይ፡ መትከኽ፡ ወይ ጾር ከም ዝዀንካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ኻብ ዚገብር ሰብ ሓገዝ ምቕባል ባህ ዜብል ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ግን፡ ካብ ሓደ ርሕሩሕ ሰብ ሓገዝ ምርካብ፡ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ። የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ ስለ ዝዀነ፡ ብርሕራሐ ዝመጸ ፍሉይ ኣብነት ይዀነና እዩ። (1 ጢሞ. 1:11 NW፣ ያእ. 1:5, 17) የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣቦኡ ዘርኣዮ ርሕራሐ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። (ማር. 1:40-42) እምበኣር፡ ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ኺርእየና እንተ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ክንህብ ከለና፡ ብታሕጓስን ብርሕራሐን ክንህብ ኣሎና።

14. ገለ ኻብቲ ‘ነገርና ብፍትሒ እንፍጽመሉ’ መገድታት እንታይ እዩ፧

14 “ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ [“ብፍትሒ፡” NW] ይፍጽሞ።” (መዝ. 112:5) ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ እቲ እሙን መጋቢ ንጥሪት ጐይታኡ ብፍትሒ የሆዋ እዩ ዚኣልዮ። (ሉቃስ 12:42-44 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ኣብቲ ንሽማግለታት ዚወሃብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ይንጸባረቕ እዩ፣ እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጉባኤ ንኸቢድ ሓጢኣት ዚምልከት ጕዳይ ይሕዙ እዮም። ኣብቲ እቲ እሙን ባርያ ንዅለን ጉባኤታትን ኣባይቲ ሚስዮናውያንን ኣባይቲ ቤትኤልን ዚህበን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ እውን፡ እቲ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ይርአ እዩ። ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ካልኦት ክርስትያናት እውን ኣብ ንሓድሕዶም ኰነ ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ዘለዎም ርክብ፡ እንተላይ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያት፡ ፍትሒ ኺገብሩ ኣለዎም።—ሚክያስ 6:8, 11 ኣንብብ።

ጻድቕ ዚረኽቦ በረኸት

15, 16. (ሀ) ክፉእ ወረ ኣብ ጻድቃን እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ (ለ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ንምግባር እዮም ቈሪጾም ዘለዉ፧

15 “ንዘለኣለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፡ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር። ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፡ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ። ልቡ ጽኑዕ እዩ፡ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።” (መዝ. 112:6-8) ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከም ሎሚ ጌርካ ኽፉእ ወረ ዚስምዓሉ እዋን ኣይተራእየን። ገለ ኻብኡ፡ ውግእ፡ ግብረ-ሽበራ፡ ሓደስቲ ሕማማትን ተመሊሱ ዚመጽእ ዘሎ ናይ ቀደም ሕማማትን፡ ገበን፡ ድኽነት፡ ጥፍኣት ዜምጽእ ዘሎ ብከላ ኺጥቀስ ይከኣል። እቶም ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ዚርእዮም ሰባት ካብዚ ኽፉእ ወረ ኼምልጡ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ብፍርሂ ግን ልሙሳት ኣይኰኑን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከም ዝቐረበት ብምፍላጦም ብዛዕባ መጻኢ ስለ ዚተኣማመኑ፡ ልቦም “ጽኑዕ” እዩ። ደገፍ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ስለ ዚውከሉ፡ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቲ ዅነታት ንኺጻወርዎ ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎም። የሆዋ ንኺጸንዑ ሓይሊ ስለ ዚህቦምን ስለ ዚረድኦምን፡ ‘ኣይኪናወጹን’ እዮም።—ፊል. 4:13

16 ጻድቃን ነቲ ተጻረርቲ ዜርእይዎም ጽልእን ዚነዝሕዎ ሓሶትን እውን ክኢሎም ኪመላለሱ ኣለዎም፣ እዚ ግን ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ስቕ ኣየበሎምን፡ ኣብ መጻኢ እውን ስቕ ኣይኬብሎምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ፡ ማለት ኣብቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ነቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሉ ዘበሉ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን፡ ጽኑዓትን ዘይነቓነቑን ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ ንጻድቃን ተወሳኺ ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ኣየጠራጥርን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ኣብቲ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ጎግ ብዓል ማጎግ መጠን ዚፍንዎ ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኺበጽሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ተጻረርትና’ ብዜዋርድ ስዕረት ኪሰዓሩ ኸለዉ ‘ኽንርኢ’ ኢና። ስም የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪቕደስ ምርኣይሲ፡ ከመይ ዝበለ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!—ህዝ. 38:18, 22, 23

‘ብኽብሪ ልዕል ዝበለ’

17. ጻድቕ ‘ብኽብሪ ልዕል ዚብል’ ብኸመይ እዩ፧

17 ካብ ድያብሎስ ኰነ ኻብ ዓለሙ ምጽራር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ንየሆዋ ብሕብረት ምውዳሱስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሕጕስ ኰን ኪኸውን እዩ! ኵሎም እቶም ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ዚርእዮም፡ ንዘለኣለም በዚ ኸምዚ ኺሕጐሱ እዮም። “ቀርኒ” ጻድቃን “ብኽብሪ ልዕል ኪብል” ምዃኑ የሆዋ ስለ እተመባጽዐ፡ ብውርደትን ብስዕረትን ርእሶም ኣይኬድንኑን እዮም። (መዝ. 112:9) ጻድቃን ንዅሎም ጸላእቲ ልዑላውነት የሆዋ ዜጋጥሞም ውድቀት ምስ ርኣዩ፡ ብዓወት እልል ኪብሉ እዮም።

18. ኣብ መደምደምታ መዝሙር 112 ዚርከባ ቓላት ብኸመይ ኪፍጸማ እየን፧

18 “ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፡ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፡ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።” (መዝ. 112:10) ኵሎም እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ብቐጻሊ ዚጻረሩ ዘበሉ፡ ብቕንእን ብጽልእን ‘ኪማስኑ’ እዮም። እቲ ንዕዮና መወዳእታ ኺግበረሉ ንምርኣይ ዘለዎም ትምኒት፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ዓብዪ “መከራ” ምሳታቶም ብሓባር ኪጠፍእ እዩ።—ማቴ. 24:21

19. ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧

19 ንስኻኸ ሓደ ኻብቶም ብህይወት ተሪፎም ነቲ ዓብዪ ዓወት ኪርእዩ ዚበቕዑ ሰባት ክትከውን ዲኻ፧ ወይ ከኣ ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ቅድሚ መወዳእታ ናይ ሰይጣን ዓለም እንተ ሞይትካ፡ ሓደ ኻብቶም ዚትንስኡ “ጻድቃን” ክትከውን ዲኻ፧ (ግብ. 24:15) ከምቶም በቲ ኣብ መዝሙር 112 ተጠቒሱ ዘሎ ጻድቕ “ሰብ” እተወከሉ ጌርካ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘላትካ እምነት ብቐጻሊ ተርእን ንየሆዋ ትመስሎን እንተ ዄንካ፡ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን፡ ‘እወ’ ኢልካ ኽትምልስ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌሶን 5:1, 2 ኣንብብ።) የሆዋ ድማ ‘መዘከርታኦም’ ከም ዘይርሳዕን ጽድቆም ዕሽሽ ከም ዘይበሃልን ኪገብር እዩ። ንዘለኣለም ኣለም ኪዝክሮምን ኬፍቅሮምን እዩ።—መዝ. 112:3, 6, 9

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 እዘን ክልተ መዝሙራት፡ ሓንቲአን ነታ ኻልአይታ ኸም መመላእታ ምዃነን፡ ኣብ ኣሰራርዓአንን ኣብ ትሕዝቶአንን ኪርአ ይከኣል እዩ። መዝሙር 111:3, 4 ምስ መዝሙር 112:3, 4 ብምንጽጻር ከም እንርእዮ፡ ኣብ መዝሙር 111 ተወዲሱ ዘሎ ባህርያት ኣምላኽ፡ ኣብ መዝሙር 112 ብፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ “ሰብ” ተቐዲሑ ኣሎ።

ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት

• “ሃሌሉያ” ኢልና እንጭድረሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

• እንታይ ዘመናዊ ምዕባለታት እዩ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣዝዩ ዜሐጕሶም፧

• የሆዋ እንታይ ዓይነት ወሃቢ እዩ ዚፈቱ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ከም ጻድቃን ገይሩ ንኺርእየና፡ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት ከነርኢ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብፍታው ዚግበር ውጽኢታት፡ ንዕዮ ረድኤትን ንምዝርጋሕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኪሕግዝ ይኽእል