ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ክርስትያናዊ ንጽህናና ኽንሕሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንጽህናና፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት የሆዋ ንኽንቀውምን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንኸነመስክርን ተኽእለና። የሆዋ ብመሰረት ንጽህናና እዩ ዚፈርደና፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዛ ባህርይ እዚኣ ንተስፋና ኣድላዪት እያ።—15/12 ገጽ 4-6።

• ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ዜንጸባርቕ ገለ መዓርጋት እንታይ እዩ፧

ሓደ ወዲ። ቃል። ኣሜን። ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን። ሊቀ ኻህናት። መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ።—15/12 ገጽ 15።

• ኤልያስ ዝናም ኪዘንም ኪጽሊ ኸሎ፡ ንጊልያኡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኼማዕዱ መምርሒ ምሃቡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገ. 18:43-45)

ኤልያስ ብዛዕባ ዑደት ማይ ይፈልጥ ምንባሩ ኣርኣየ። ደበናታት ካብ ባሕሪ ኸም ዚለዓልን ናብ ምድሪ ገጹ ኸም ዚመጽእን፡ ኣብኡ ድማ ከም ዚዘንምን ይፈልጥ ነበረ።—1/1 ገጽ 15-16።

• ካብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚውስኽ ክንገብሮ ንኽእል፧

ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ማእከል ኣትኵሮና ብምግባር፡ ንልብና ኸነዳሉ ንኽእል ኢና። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዕላማ ብምግባር፡ ክንሰብኽ ንኽእል ኢና። ዘይተገዳስነት እንተ ኣጋጢሙና፡ ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ተገዳስነቶም ንምልዕዓል ኣቀራርባና ኽንቀያይር ንኽእል ኢና።—15/1 ገጽ 8-10።

• እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ለምጺ፡ ምስቲ ሎሚ በዚ ስም እዚ ዚፍለጥ ሕማም ተመሳሳሊ ድዩ፧

እቲ ሎሚ “ደዌ” ዚበሃል ብባክተርያ ዚመሓላለፍ ሕማም፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 13:4, 5) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ክዳውንትን ኣብ ቤትን ዚወጽእ ለምጺ እውን ይዛረብ እዩ። እዚ “ለምጺ” እዚ ንሓደ ዓይነት ሰበባ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘሌ. 13:47-52)—1/2 ገጽ 19።

• ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ቐብሪ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣብ ገሊኡ ልምድታት ዘለዎ ተሳትፎን ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧

ሓደ ክርስትያን ብሞት ዜፍቅሮ ሰብ ኪሓዝን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ይፈልጥ እዩ። ዘይኣመንቲ እኳ እንተ ነቐፍዎ፡ ምዉታት ንህያዋን ኪጸልውዎም ከም ዚኽእሉ ኣብ ዚእምት ዝዀነ ይኹን ልምዲ ኣይሳተፍን እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ጸገማት ምእንቲ ኼወግዱ ኢሎም፡ ብዛዕባ ቐብሪ ዜድሊ መምርሒታት ኣቐዲሞም ብጽሑፍ የስፍሩ።—15/2 ገጽ 29-31።

• ሕጉሳት ክንከውን እንተ ዄንና፡ ብመሰረት መዝሙር 1:1 ኻብ ምንታይ ሰለስተ ነገራት ክንርሕቕ ኣሎና፧

እታ ጥቕሲ “ምኽሪ ረሲኣን፡” “መገዲ ሓጥኣን፡” ከምኡውን “መንበር መላገጽቲ” ጠቒሳ ኣላ። እወ፡ ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን፡ ካብቶም ንሕጊ ኣምላኽ ዜላግጹ ወይ ዕሽሽ ዚብሉ ኽንርሕቕ ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕጊ የሆዋ ኽንፍሳህ ኣሎና።—1/3 ገጽ 17።

• “መጽሓፍ ያሻር” ከምኡውን “መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር” ኣቐዲመን ዝጠፍኣ መንፈስ ዝነፈሰን ጽሑፋት ድየን፧ (እያ. 10:13፣ ዘሁ. 21:14)

ኣይኰናን። መንፈስ ኣምላኽ ዘይነፈሰን፡ ሽዑ ዝነበራ ሰነዳት እየን ዚመስላ፣ ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ጠቒሶምወን ኣለዉ።—15/3 ገጽ 32።

• ኣብቲ ናብ ላቲን እተተርጐመ ዘመናዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓብዪ ለውጢ እዩ ተገይሩ፧

ብ1979 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነቲ ኖቫ ቩልጋታ ኣጽደቖ። እቲ ናይ ፈለማ ሕታም፡ ነቲ ያዌ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሒዙ ነበረ። (ዘጸ. 3:15፣ 6:3) ብ1986 እቲ ኻልኣይ ወግዓዊ ሕታም ኪሕተም ከሎ ግን፡ እቲ ያዌ ዚብል ዝነበረ፡ በቲ ዶሚኑስ [ጐይታ] ተተክአ።—1/4 ገጽ 22።