ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ሙሴ መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ሙሴ መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ሙሴ መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

“እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉስምዑ።”—ግብ. 3:22

1. የሱስ ኣብ ታሪኽ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

 ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ሓደ ወዲ ምስ ተወልደ፡ ብዙሓት ኣብ ሰማይ ዚርከቡ መላእኽቲ ንኣምላኽ ወደስዎ፣ ነዚ ድማ ገሊኦም ጓሶት ሰምዕዎ። (ሉቃ. 2:8-14) ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ፡ እቲ እተወልደ ሕጻን ዓብዪ ሰብ ምስ ኰነ፡ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚወስድ ኣገልግሎቱ ጀመረ፣ እዚ ድማ ንታሪኽ ደቂ ሰብ ቀየሮ። ፊሊፕ ሻፍ ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ፍሉጥ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ እቲ ኸምዚ በለ፦ “ዋላ ሓንቲ ሕንጻጽ እውን ከይጸሓፈ፡ ሓያሎ ብርዕታት ንኺጽሕፍ ደሪኹ፡ ካብ ጥንታውያን ኰኑ ዘመናውያን ዓበይቲ ሰባት ንላዕሊ ኸኣ ዝያዳ ስብከታትን መደረታትን ምይይጣትን ጽሑፋት ምሁራትን ስራሓት ኢደ-ጥበብን መዝሙራት ውዳሰን ንኺዳሎ ፍረ ነገራት ኣቕሪቡ።” እዚ እንዛረበሉ ዘለና ዜደንቕ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ።

2. ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስን ኣገልግሎቱን እንታይ በለ፧

2 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ሓደ ጸብጻብ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ኣብ መደምደምታ ኸምዚ በለ፦ “የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምአኸለቶን ይመስለኒ።” (ዮሃ. 21:25) ዮሃንስ ካብቲ የሱስ ኣብተን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ንእሽቶ ኽፋል ጥራይ ኪምዝግብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ ዝመዝገቦ ታሪኻዊ ፍጻመታት ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ።

3. ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ብዕምቈት ክንርድኦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ብዘይካ እተን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ወንጌላት፡ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ ህይወት የሱስ ንእምነትና ዜደልድል ዝርዝር ነጥብታት የቕርብ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ገሊኦም እሙናት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት፡ ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ብዕምቈት ንኽንርድኦ ዜኽእል ሓበሬታ ኣለዎ። ገለ ኻብዚ እስከ ንርአ።

ንክርስቶስ ጽላሎት ዝዀንዎ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት

4, 5. ንየሱስ ጽላሎት ዝዀንዎ መነመን እዮም፧ ብኸመይከ፧

4 ሙሴን ዳዊትን ሰሎሞንን ነቲ የሱስ ከም ቅቡእ ኣምላኽን ከም እተሸመ ንጉስን መጠን ዘለዎ ግደ ጽላሎት ከም ዝዀኑ፡ ዮሃንስን ካልኦት ሰለስተ ጸሓፍቲ ወንጌላትን ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንየሱስ ጽላሎት ዝዀንዎ ብኸመይ እዮም፧ ካብ ጸብጻባቶምከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

5 ብሓጺሩ፡ ሙሴ ነብዪን ማእከላይን መድሓንን ምንባሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። የሱስ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። ዳዊት ጓሳን ንጸላእቲ እስራኤል ዝሰዓረ ንጉስን እዩ ነይሩ። የሱስ እውን ጓሳን ዚስዕር ንጉስን እዩ። (ህዝ. 37:24, 25) ሰሎሞን እሙን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጥበበኛ ገዛኢ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ትሕቲ ንግስነቱ ድማ ኣብ እስራኤል ሰላም ሰፊኑ ነይሩ። (1 ነገ. 4:25, 29) የሱስ እውን ኣዝዩ ጥበበኛ እዩ፣ “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ድማ ተጸዊዑ ኣሎ። (ኢሳ. 9:6) እምበኣር፡ ክርስቶስ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ምስዞም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰባት ዚመሳሰል ኰይኑ፡ ግን ከኣ ብዝበለጸ ደረጃ እዩ ዚፍጽሞ። ፈለማ፡ ንየሱስ ምስ ሙሴ ነነጻጽሮ፣ ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ብዝያዳ ንኽንርዳእ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ድማ ንርአ።

ሙሴ ንምምጻእ የሱስ ኣቐዲሙ ሓበረ

6. ንየሱስ ምስማዕ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

6 ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ሙሴ እተነበዮ ትንቢት ጠቒሱ፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም እተፈጸመ ገለጸ። ጴጥሮስ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣምለኽቲ እዩ ደው ኢሉ ነይሩ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቲ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ልሙስ ዝነበረ ለማኒ ምስ ኣሕወይዎ፡ እቲ ህዝቢ “እናተገረመ፡” ነቲ ዝዀነ ኺርኢ ናባታቶም ጐየየ። ጴጥሮስ ድማ እዚ ዜደንቕ ተግባር እዚ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዜርኢ ምዃኑ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እናጠቐሰ ኸምዚ በለ፦ “ሙሴ ድማ፤ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ስምዑ . . . በለ።”—ግብ. 3:11, 22, 23፣ ዘዳግም 18:15, 18, 19

7. እቶም ንጴጥሮስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ እተዛረቦ ቓላት ኪርድእዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

7 እቶም ንጴጥሮስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ነዘን ሙሴ እተዛረበን ቃላት ይፈልጥወን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣይሁድ ስለ ዝነበሩ፡ ንሙሴ ዓብዪ ኣኽብሮት ነበሮም። (ዘዳ. 34:10) ነቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ዚመጸሉ ግዜ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ነይሮም እዮም። እቲ ነብዪ እቲ ኸኣ፡ ከም ሙሴ ሓደ ኻብቶም መሲሓት፡ ማለት ቅቡኣት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ቐንዲ መሲሕ፡ ማለት “ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ” ኪኸውን ነበሮ።—ሉቃ. 23:35፣ እብ. 11:26

ኣብ መንጎ የሱስን ሙሴን ዘሎ ምምስሳላት

8. ኣብ መንጎ ህይወት ሙሴን የሱስን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

8 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ምድራዊ ህይወት የሱስ ምስ ህይወት ሙሴ ይመሳሳል እዩ። ንኣብነት፡ ክልቲኦም ሕጻናት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ጨቈንቲ ገዛእቲ ንኪቐትልዎም ካብ ዝገበርዎ ፈተነ ኣምሊጦም እዮም። (ዘጸ. 1:22–2:10፣ ማቴ. 2:7-14) ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ‘ካብ ግብጺ ተጸዊዖም እዮም።’ ነብዪ ሆሴእ፡ “ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” በለ። (ሆሴ. 11:1) ቃላት ሆሴእ ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ናብቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ብኣምላኽ እተሸመ መራሒኦም ዝነበረ ሙሴ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ እዋን እዩ ዜመልክት። (ዘጸ. 4:22, 23፣ 12:29-37) ይኹን እምበር፡ ንሕሉፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመጻኢ እውን የመልክት ነይሩ እዩ። ነቲ ዮሴፍን ማርያምን ድሕሪ ሞት ንጉስ ሄሮድስ ንየሱስ ሒዞም ካብ ግብጺ እተመልሱሉ እዋን ዚሕብር ትንቢት እውን እዩ ነይሩ።—ማቴ. 2:15, 19-23

9. (ሀ) ሙሴን የሱስን እንታይ ተኣምራት እዮም ገይሮም፧ (ለ) ኣብ መንጎ የሱስን ሙሴን ዘሎ ኻልእ ምምስሳላት ግለጽ። (ኣብ  ገጽ 26 እትርከብ፡ “የሱስ ከም ሙሴ ዝነበረሉ ተወሳኺ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

9 ሙሴን የሱስን ተኣምራት ገይሮም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ደገፍ የሆዋ ኸም ዘለዎም ኣርኣዩ። ተኣምራት ከም ዝገበረ ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ሰብ፡ ሙሴ እዩ። (ዘጸ. 4:1-9) ንኣብነት፡ ንማያት ኒልን ኣብኡ ዝነበረ ቐላያትን ናብ ደም ምስ ቀየሮ፡ ንቐይሕ ባሕሪ ምስ መቐሎ፡ ኣብ ምድረ-በዳ ድማ ካብ ከውሒ ማይ ምስ ኣውጸኣሎም፡ ምስ ማያት እተተሓሓዘ ተኣምራት ገበረ። (ዘጸ. 7:19-21፣ 14:21፣ 17:5-7) የሱስ እውን ምስ ማያት እተተሓሓዘ ተኣምራት ገይሩ እዩ። ቀዳማይ ዝገበሮ ተኣምር እኳ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ንማይ ናብ ወይኒ ምቕያር እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 2:1-11) ጸኒሑ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ንእተላዕለ ማዕበል ኣህደኦ! ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ብማየ ማይ ከደ። (ማቴ. 8:23-27፣ 14:23-25) ኣብ መንጎ ሙሴን እቲ ዝዓበየ ሙሴ ዝዀነ የሱስን ዘሎ ኻልእ ምምስሳላት፡ ኣብ  ገጽ 26 ኣብ ዚርከብ ሳጹን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ክርስቶስ ከም ነብዪ ዘለዎ ግደ ምርዳኡ

10. ናይ ሓቂ ነብዪ እንታይ እዩ፧ ሙሴ ኸምኡ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 መብዛሕትኦም ሰባት፡ ነብዪ ኺበሃል ከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዚንበ ጥራይ እዩ ዚመስሎም፣ እዚ ግን ሓደ ኻብቲ ሓላፍነታት ነብዪ ጥራይ እዩ። ናይ ሓቂ ነብዪ ብመንፈስ ተደሪኹ ኣፈኛ የሆዋ ዀይኑ ዜገልግል፡ ማለት “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ዚእውጅ ሰብ እዩ። (ግብ. 2:11, 16, 17) ገለ ኻብቲ ዚንበዮ ነገራት፡ ብዛዕባ መጻኢ ፍጻመታት ምንጋር፡ ገሊኡ መዳያት ዕላማ የሆዋ ምግላጽ፡ ወይ ፍርድታት ኣምላኽ ምእዋጅ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ሙሴ ኸምዚ ዓይነት ነብዪ እዩ ነይሩ። ንነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ዓሰርተ መዓት ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ። ነቲ ሕጊ ኺዳን ኣብ ሲና ኣመሓላሊፍዎ እዩ። ነቲ ህዝቢ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ምሂርዎ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ኺመጽእ ነበሮ።

11. የሱስ ነቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ኸም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ግደ ዝፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

11 ጸኒሑ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ዘካርያስ ብዛዕባ ዮሃንስ ወዱ፡ ኣምላኽ እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ከም ነብዪ ዀይኑ ኣገልገለ። (ሉቃ. 1:76) ወዱ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ነበረ፣ ንሱ እውን ንምምጻእ እቲ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣፍለጠ። (ዮሃ. 1:23-36) የሱስ ከም ነብዪ መጠን፡ ብዛዕባ መጻኢ ብዙሕ ነገራት ተነብዩ እዩ። ንኣብነት፡ ብኸመይን ኣበይን ብኢድ መንን ከም ዚመውት ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ሞቱ ተነበየ። (ማቴ. 20:17-19) ብዛዕባ እቲ ሰማዕቱ ዘይጽበይዎ ዝነበሩ ጥፍኣት የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን እውን ተነበየ። (ማር. 13:1, 2) ገለ ኻብ ትንቢታቱ ነዚ ግዜና እውን ዚምልከት እዩ።—ማቴ. 24:3-41

12. (ሀ) የሱስ ንዓለምለኻዊ ወፈራ ስብከት መሰረት ዘንበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ኣብነት የሱስ እንስዕብ ስለምንታይ ኢና፧

12 የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸም ነብዪ መጠን ዝነበሮ ግደ፡ ሰባኽን መምህርን እውን ነይሩ እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ እዩ፣ ካብኡ ንላዕሊ ብትብዓት ዝሰበኸ ኸኣ የልቦን። (ሉቃ. 4:16-21, 43) ከም መምህር መጠን መወዳድርቲ ኣይነበሮን። ገሊኦም ዝሰምዕዎ ሰባት፡ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” በሉ። (ዮሃ. 7:46) ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ብቕንኣት ይዓዪ ነበረ፣ ንሰዓብቱ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ናቱ ዓይነት ቅንኣት ንኺህልዎም ኣለዓዓሎም። ስለዚ፡ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዚቕጽል ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን መሰረት ኣንበረ። (ማቴ. 28:18-20፣ ግብ. 5:42) ዓሚ፡ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ንተገደስቲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃርን፡ 1,500,000,000 ዚኸውን ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም። ኣብቲ ዕዮ እቲ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ኣሎካዶ፧

13. ‘ንኽንነቅሕ’ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

13 የሆዋ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዪ ንኼተንስእ እተነበዮ ትንቢት ከም ዝፈጸሞ ኣየተሓታትትን እዩ። ነዚ ምፍላጥካ፡ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኪፍጸም ትጽቢት ዚግበረሉ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታት ከም ዚፍጸም ዝያዳ ምትእምማን ከም ዚሓድረካ ይገብርዶ፧ እወ፡ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ሙሴ ዝሓደጎ ኣብነታት ምስትንታንና፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚገብሮ ነገራት ‘ንኽንነቅሕን ንኽንጥንቀቕን’ ይድርኸና።—1 ተሰ. 5:2, 6

ንክርስቶስ ከም ማእከላይ መጠን ኣኽብሮ

14. ሙሴ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኣምላኽን ማእከላይ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

14 ከምቲ ሙሴ ማእከላይ ዝነበረ፡ የሱስ እውን ማእከላይ እዩ። ማእከላይ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣካላት ከም ድልድል ኰይኑ እዩ ዜገልግል። ሕጊ ኺዳን ኪቐውም ከሎ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን እስራኤላውያንን ማእከላይ ኰይኑ ዘገልገለ፡ ሙሴ እዩ። ደቂ ያእቆብ ንሕግታት ኣምላኽ እንተ ዚእዘዙ ነይሮም፡ ገንዘቡ ወይ ጉባኤኡ ዀይኖም ምቐጸሉ ነይሮም። (ዘጸ. 19:3-8) ካብ 1513 ቅ.ክ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ኺዳን እቲ ጸኒዑ ነበረ።

15. የሱስ ብሉጽ ማእከላይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

15 ብ33 ድ.ክ.፡ የሆዋ ምስ ሓድሽ እስራኤል ወይ ምስ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝሓሸ ኺዳን ኣቘመ፣ በዚ ኸምዚ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ቈመት። (ገላ. 6:16) እቲ ሙሴ ማእከላይ ዝዀነሉ ኺዳን ኣብ እምኒ ንእተጻሕፈ ሕግታት ኣምላኽ ኬጠቓልል ከሎ፡ እቲ የሱስ ማእከላይ ዝዀነሉ ኺዳን ግን ካብኡ ዝበለጸ እዩ። ኣምላኽ ንሕግታት እቲ ኺዳን ኣብ ልቢ ሰባት እዩ ጽሒፍዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5፣ እብራውያን 8:10 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሕጂ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ንኣምላኽ ገንዘቡ ዀይኑ፡ ከምኡውን ‘ፍረ’ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ‘ዚፈሪ ህዝቢ’ ዀይኑ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ማቴ. 21:43) ኣባላት እቲ መንፈሳዊ ህዝቢ፡ ተሳተፍቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን እዮም። ኰይኑ ግን፡ ካብኡ ዚጥቀሙ ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን። ቍጽሮም ዘይተጠቕሰ ብዙሓት ሰባት፡ ዋላ እውን ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ብዙሓት ካልኦት፡ ሳላ እዚ ብሉጽ ኪዳን እዚ ዘለኣለማዊ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።

ንክርስቶስ ከም መድሓኒ መጠን ኣኽብሮ

16. (ሀ) የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤል ንምድሓን እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት ዘጸኣት 14:13፡ ምንጪ እቲ ምድሓን መን እዩ፧

16 ድሮ እታ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ለይቲ፡ ገሊኦም ካብ ደቂ እስራኤል ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዮም ነይሮም። ኣብታ ለይቲ እቲኣ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ንበዅሪ ዘበለ ዅሉ እናቐተለ ብምድሪ ግብጺ ሓለፈ። እስራኤላውያን፡ ደም ገንሸል ወሲዶም ኣብ ላዕላይን ቀዋምን ልዳት እንተ ለኽዮምዎ፡ በዅሪ እስራኤል ከም ዚድሕኑ፡ የሆዋ ንሙሴ ነገሮ። (ዘጸ. 12:1-13, 21-23) ከምኡ ድማ ኰነ። ጸኒሑ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ነበረ። ኣብ መንጎ ቐይሕ ባሕርን ዚስዕቦም ዝነበረ ሰረገላታት ውግእ ግብጽን ተቐርቂሮም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ነቲ ባሕሪ ብምምቃል ኣድሓኖም።—ዘጸ. 14:13, 21

17, 18. የሱስ ካብ ሙሴ ዚዓቢ መድሓኒ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

17 እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምድሓን ኣዝዩ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ብየሱስ ኣቢሉ እተፈጸመ ምድሓን ግን ዝዓበየ እዩ። እዙዛት ደቂ ሰብ ብየሱስ ኣቢሎም እዮም ካብ ባርነት ሓጢኣት ዚድሕኑ። (ሮሜ 5:12, 18) እቲ ምድሓን እቲ ኸኣ “ናይ ዘለኣለም ምድሓን” እዩ። (እብ. 9:11, 12) የሱስ ዚብል ስም እኳ፡ “የሆዋ ምድሓን እዩ” ማለት እዩ። የሱስ ከም መድሓኒና መጠን፡ ካብ ዝሓለፈ ሓጢኣትና የድሕነና ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝሓሸ መጻኢ ንኺህልወና እውን መገዲ ይኸፍተልና እዩ። ንሰዓብቱ ኻብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ብምውጻእ፡ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ የድሕኖም፡ ምስ የሆዋ ፍቕራዊ ርክብ ንኺምስርቱ ድማ የኽእሎም።—ማቴ. 1:21

18 እቲ የሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ብምድሓን ዝፈጸሞ ተግባር፡ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ኻብ ሳዕቤናት ሓጢኣት፡ ማለት ካብ ሕማምን ሞትን ዚርከብ ሓርነት እውን የጠቓልል እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ኣእምሮኻ ንምስኣል፡ የሱስ ናብ ቤት ሓደ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሉ ዝሞተቶ ያኢሮስ ዚበሃል ምስ ከደ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ኣብ ግምት ኣእቱ። የሱስ ንያኢሮስ፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። (ሉቃ. 8:41, 42, 49, 50) ከም ቃሉ ድማ፡ እታ ጓል ካብ ሞት ተንስአት! ወለዳ እተሰምዖም ሓጐስ ክትግምት ትኽእልዶ፧ ነዚ ኽትግምቶ እንተ ኽኢልካ፡ ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ የሱስ ዚሰምዑላ ሰዓት ምስ መጸት፡’ ብትንሳኤ ድማ ‘ምስ ወጹ’ ዚህሉ ብሉጽ ሓጐስ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃ. 5:28, 29) ብሓቂ የሱስ መድሓኒና እዩ!—ግብሪ ሃዋርያት 5:31 ኣንብብ፣ ቲቶ. 1:4፣ ራእ. 7:10

19, 20. (ሀ) ብዛዕባ እቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ሙሴ መጠን ዘለዎ ግደ ምስትንታንና ብኸመይ ይጸልወና፧ (ለ) ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ክትገልጽ እያ፧

19 ሰባት ካብቲ የሱስ ዜምጽኦ ምድሓን ንኺጥቀሙ ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘሎና ምፍላጥና፡ ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ንኽንካፈል ይድርኸና። (ኢሳ. 61:1-3) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ሙሴ መጠን ዘለዎ ግደ ምስትንታንና፡ ንሱ ንእኩያት ኬጥፍኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ንሰዓብቱ ኸም ዜድሕኖም ዝያዳ ምትእምማን የሕድረልና።—ማቴ. 25:31-34, 41, 46፣ ራእ. 7:9, 14

20 እወ፡ የሱስ እቲ ዝዓበየ ሙሴ እዩ። ሙሴ ኺገብሮ ዘይክእል ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ገይሩ እዩ። ከም ነብዪ መጠን እተዛረቦ ቓላትን ከም ማእከላይ መጠን ዝገበሮ ነገራትን ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጸልዎም እዩ። ከም መድሓኒ መጠን፡ ኪድሕኑ ንዚኽእሉ ደቂ ሰብ፡ ግዜያዊ ዘይኰነስ፡ ዘለኣለማዊ ምድሓን እዩ ኣምጺኡሎም። ገና ግን፡ ጥንቲ ኻብ ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ ብዛዕባ የሱስ ዝያዳ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ የሱስ ከመይ ኢሉ ዝዓበየ ዳዊትን ሰሎሞንን ከም ዝነበረ ኽትገልጽ እያ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ የሱስ ዝዓበየ ሙሴ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• ነብዪ

• ማእከላይ

• መድሓኒ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

  የሱስ ከም ሙሴ ዝነበረሉ ተወሳኺ መገድታት

◻ ክልቲኦም ንየሆዋን ንህዝቡን ኬገልግሉ ኢሎም፡ ልዑል ስልጣን ሓዲጎም።—2 ቈረ. 8:9፣ ፊል. 2:5-8፣ እብ. 11:24-26

◻ ክልቲኦም ቅቡኣት ወይ ‘ክርስቶሳት’ ኰይኖም ኣገልጊሎም።—ማር. 14:61, 62፣ ዮሃ. 4:25, 26፣ እብ. 11:26

◻ ክልቲኦም ብስም የሆዋ መጺኦም።—ዘጸ. 3:13-16፣ ዮሃ. 5:43፣ 17:4, 6, 26

◻ ክልቲኦም ዓቃላት ወይ ትሑታት ነይሮም።—ዘሁ. 12:3፣ ማቴ. 11:28-30

◻ ክልቲኦም ንብዙሓት ኣብ ምምጋብ ተሳቲፎም።—ዘጸ. 16:12፣ ዮሃ. 6:48-51

◻ ክልቲኦም ፈረድትን ወሃብቲ ሕግን ኰይኖም ኣገልጊሎም።—ዘጸ. 18:13፣ ሚል. 4:4፣ ዮሃ. 5:22, 23፣ 15:10

◻ ክልቲኦም ኣብ ቤት ኣምላኽ ርእስነት ተዋሂብዎም።—ዘሁ. 12:7፣ እብ. 3:2-6

◻ ክልቲኦም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ተባሂሎም።—እብ. 11:24-29፣ 12:1፣ ራእ. 1:5

◻ ድሕሪ ሞት ሙሴን የሱስን፡ የሆዋ ንስጋኦም ኣጥፈኦ።—ዘዳ. 34:5, 6፣ ሉቃ. 24:1-3፣ ግብ. 2:31፣ 1 ቈረ. 15:50፣ ይሁ. 9