ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ

እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ

እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ

“ስም የሆዋ ይባረኽ።”—እዮ. 1:21 NW።

1. ንመጽሓፍ እዮብ መን እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዚኽእል፧ መዓስከ፧

 ሙሴ ኻብ ቍጥዓ ፈርኦን ሃዲሙ ኣብ ሚድያን ኪቕመጥ ከሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ነበረ። (ግብ. 7:23) ኣብኡ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዚርከብ ምድሪ ኡጽ ንዚነብር ዝነበረ እዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ሙሴን ህዝቢ እስራኤልን ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ኣብ ጥቓ ኡጽ ምስ በጽሑ፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ንእዮብ ኣብ መወዳእታ ዘጋጠሞ ነገራት ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ያታ ኣይሁድ፡ ድሕሪ ሞት እዮብ ቍሩብ ጸኒሑ፡ ሙሴ ንመጽሓፍ እዮብ ከም ዝጸሓፋ እዩ ዚንገር።

2. መጽሓፍ እዮብ፡ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እተተባብዖም ብኸመይ እያ፧

2 መጽሓፍ እዮብ ንእምነት እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተደልድል እያ። ብኸመይ፧ እቲ ሒዛቶ ዘላ ዛንታ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ እተፈጸመ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመታት ንኽንርድኦ ኣዒንትና ይኸፍተልና፡ ነቲ ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚምልከት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ድማ የጕልሓልና። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ እዮብ፡ ንጽህና ምሕላው እንታይ ከም ዜጠቓልል ብዕምቈት ንኽንርዳእ ተኽእለና፣ ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንኣገልገልቱ መከራ ኼሕልፉ ዚፈቕደሉ ምኽንያት ንኽንግንዘብ ድማ ትሕግዘና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንሰይጣን ድያብሎስ፡ ቀንዲ ጸላኢ የሆዋን ደቂ ሰብን ምዃኑ ትገልጾ። ከም እዮብ ዝኣመሰሉ ዘይፍጹማት ሰባት ብርቱዕ ፈተና እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እውን ትገልጽ። እምበኣር፡ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት ንመርምር።

እዮብ ብሰይጣን ተፈተነ

3. ብዛዕባ እዮብ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ሰይጣን ዕላማ መጥቃዕቱ ዝገበሮኸ ስለምንታይ እዩ፧

3 እዮብ ንስድራ ቤቱ ብጽቡቕ ስነ-ምግባር ዚኣሊ ሃብታምን ተሰማዕነት ዝነበሮን ሰብኣይ ነበረ። ምስ ስኡናት ዚመሓዞ ኣኽቢርካ ዚርአ ኣማኻሪ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብኣይ ነበረ። “ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዝረሐቐን ሰብኣይ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዚኸውን ዝገበሮ እውን፡ ሃብቱን ተሰማዕነቱን ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተወፋይነት እዩ።—እዮ. 1:1፣ 29:7-16፣ 31:1

4. ንጽህና እንታይ እያ፧

4 ኣብ መእተዊ መጽሓፍ እዮብ፡ ኣብ ሰማይ ኣኼባ ኸም እተገብረን መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ከም ዝበሉን ተገሊጹ ኣሎ። ሰይጣን እውን ኣብኡ ነበረ፣ ንእዮብ ድማ ከሰሶ። (እዮብ 1:6-11 ኣንብብ።) ሰይጣን ንጥሪት እዮብ እኳ እንተ ጠቐሰ፡ ኣትኵሮኡ ግን ንንጽህና እዮብ ኣብ ሕቶ ምእታው ነበረ። እታ “ንጽህና” እትብል ቃል፡ ቅኑዕ፡ ጕድለት ኣልቦ፡ ጻድቕ፡ መንቅብ ኣልቦ ዚብል ሓሳብ ሒዛ ኣላ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጽህና ሰባት ኪጥቀስ ከሎ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ውፉይ ምዃን የመልክት።

5. ሰይጣን ንእዮብ እንታይ ኢሉ እዩ ዝኸሰሶ፧

5 እዮብ ንኣምላኽ ዜምልኾ፡ ንርእሱ ኺጥዕሞ ኢሉ ደኣ እምበር፡ ብንጽህና ኸም ዘየምልኾ፡ ሰይጣን ከሰሰ። እዮብ ንየሆዋ እሙን ዚኸውን፡ ኣምላኽ ዓስቡ ኽሳዕ ዝሃቦን ክሳዕ ዘዕቈቦን ጥራይ ምዃኑ፡ ሰይጣን ተዛረበ። የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዝኸሰሶ ኽሲ መልሲ ምእንቲ ኺህበሉ ኢሉ፡ ነቲ እሙን ሰብኣይ ኬጥቅዖ ንሰይጣን ፈቐደሉ። ከም ውጽኢቱ፡ እዮብ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ፡ ማሉ ኸም እተዘምታ ወይ ከም እተቐትላ፡ ግዙኣቱ ኸም እተቐትሉ፡ ዓሰርተ ደቁ እውን ከም ዝሞቱ ሰምዐ። (እዮ. 1:13-19) እዮብ ብመጥቃዕቲ ሰይጣን ተምበርኪኹዶ፧ ነቲ ዘጋጠሞ መከራ ምስ ሰምዐ፡ “የሆዋ ሃበ፡ የሆዋ ድማ ወሰደ። ስም የሆዋ ይባረኽ” ከም ዝበለ፡ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ተመዝጊቡ ኣሎ።—እዮ. 1:21 NW።

6. (ሀ) ኣብ ሰማይ ካልእ ኣኼባ ምስ ተገብረ እንታይ ኣጋጠመ፧ (ለ) ሰይጣን ነቲ እዮብ ንየሆዋ ዘለዎ ንጽህና ኣብ ሕቶ ኼእቱ ኸሎ፡ ብዛዕባ መን እዩ ዚሓስብ ነይሩ፧

6 ጸኒሑ፡ ኣብ ሰማይ ካልእ ኣኼባ ተገብረ። ሰይጣን ድማ እንደገና ብዛዕባ እዮብ ከምዚ ዚብል ክሲ ኣቕረበ፦ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ። ግናኸ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን።” ኣብዚ ሰይጣን ንኽሱ ኸም ዘስፍሖ ኣስተብህል። “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ንንጽህና እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንጽህና ዝዀነ ይኹን ንየሆዋ ዜምልኽ “ሰብ” እዩ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንሰይጣን፡ ንእዮብ ብዜሳቒ ሕማም ኪወቕዖ ፈቐደሉ። (እዮ. 2:1-8) ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት ግን በዚ ኣየብቅዐን።

ካብ መትከል እዮብ እንታይ ንመሃር፧

7. ሰበይቲ እዮብን እቶም በጻሕቱን ንእዮብ ጸቕጢ ዝገበረሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ኣብ ፈለማ፡ ሰበይቲ እዮብ ማዕረ ሰብኣያ ተጐዲኣ እያ። ደቃ ብሙማቶምን ሃብታ ብምስኣናን፡ ብዙሕ ኣሕዚንዋ ኪኸውን ኣለዎ። ሰብኣያ ብዜሳቒ ሕማም ኪቕንዞ ኸሎ ምርኣይ፡ ጐዲእዋ ኪኸውን ኣለዎ። ንእዮብ ድማ፡ “ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር አሎኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” በለቶ። ድሕሪኡ፡ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዚበሃሉ ሰለስተ ሰብኡት ንኼጸናንዕዎ ኢሎም መጹ። ኣብ ክንዲ ዜጸናንዕዎ ግን፡ መታለሊ መረዳእታታት ኣቕረቡ፡ ‘ዘይጠቕሙ መጸናናዕቲ’ ድማ ኰንዎ። ንኣብነት፡ ቢልዳድ፡ ደቂ እዮብ ከም ዝበደሉን እቲ ዝወረዶም ነገር ከም ዚግብኦምን ሓሳብ ሃበ። ኤሊፋዝ ድማ እዮብ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝገበሮ ሓጢኣቱ ይቕጻዕ ከም ዘሎ ኣመተ። እቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሰባት፡ ንኣምላኽ ዚጠቕምዎ እንተ ዀይኖም እውን ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። (እዮ. 2:9, 11፣ 4:8፣ 8:4፣ 16:2፣ 22:2, 3) እዮብ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጸቕጢ፡ ንጽህናኡ ሓለወ። “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡” ከም እተጋገየ ዚከሓድ ኣይኰነን። (እዮ. 32:2) ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ ዅሉ ተኣማንነቱ ሓለወ።

8. ኤሊሁ ሎሚ ንዘለዉ መኸርቲ እንታይ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

8 ቀጺሉ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ኪበጽሖ ኸም ዝመጸ ነንብብ። ፈለማ ነቲ ኣብ መንጎ እዮብን ሰለስተ ፈተውቱን ዝነበረ መጐተ ሰምዐ። ካብቶም ኣርባዕተ ሰብኡት ብዕድመ ዝነኣሰ እኳ እንተ ነበረ፡ ዝያዳ ጥበብ ግን ኣርኣየ። ንእዮብ ብስሙ እናጸውዐ ብኣኽብሮት ኣዘራረቦ። ስለቲ ቕኑዕ መገዱ እውን ነኣዶ። እንተዀነ ግን፡ እዮብ ጕድለት ዘይብሉ ምዃኑ ንኼመስክር ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ እምብዛ ኸም ዘተኰረ፡ ኤሊሁ ተዛረበ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ምግልጋል ወትሩ ዚኽሕስ ምዃኑ ንእዮብ ኣረጋገጸሉ። (እዮብ 36:1, 11 ኣንብብ።) እዝስ ነዞም ሎሚ ምኽሪ ኺህቡ ዘለዎም ሰባት፡ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ኤሊሁ ትዕግስቲ ገበረ፡ ተጠንቂቑ ሰምዐ፡ ዚነኣድ ነጥቢ ምስ ረኸበ ነኣደ፡ ሃናጺ ምኽሪ ድማ ሃበ።—እዮ. 32:6፣ 33:32

9. የሆዋ ንእዮብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንእዮብ ተዛረቦ። ብዛዕባ እዚ፡ እቲ ጸብጻብ፡ “እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ” ይብል። የሆዋ ብተኸታታሊ ሕቶታት ገይሩ፡ ብለውሃት ግን ከኣ ብጽንዓት ንኣተሓሳስባኡ ኺእርም ሓገዞ። እዮብ ነቲ እተዋህቦ መግናሕቲ ብፍታው ተቐበሎ፡ “ምናምን እየ፡ . . . ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ አሎኹ” ድማ በለ። የሆዋ ንእዮብ ድሕሪ ምዝራቡ፡ እቶም ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ “ቅንዕና” ስለ ዘይተዛረቡ፡ ኵራኡ ኣባታቶም ከም እተቓጸለ ገለጸ። እዮብ ኪጽልየሎም ነበሮ። ድሕሪኡ፡ “እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።”—እዮ. 38:1፣ 40:4፣ 42:6-10

ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኢና እነፍቅሮ፧

10. የሆዋ ንሰይጣን ዕሽሽ ዘይበሎ ወይ ዘየጥፍኦ ስለምንታይ እዩ፧

10 የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረትን ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረትን እዩ። ነቲ ድያብሎስ ዘቕረቦ ኽሲ ዕሽሽ ዘይበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ንሰይጣን ዕሽሽ ምባሉ ወይ ምጥፋኡ ነቲ እተላዕለ ጕዳይ ከም ዘይፈትሖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ዚነኣድ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ እዮብ፡ ሃብቱ እንተ ተሓዲጉ፡ እሙን ኰይኑ ኸም ዘይቅጽል እዩ ድያብሎስ ከሲሱ። እዮብ ግን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ እሙን ኰነ። ድሕሪኡ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣካላዊ ስቓይ እንተ በጺሕዎ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቕ፡ ሰይጣን ከሰሰ። እዮብ ተሰቀየ፡ ንጽህናኡ ግን ኣይተበላሸወን። ስለዚ፡ እዚ ዘይፍጹም ክነሱ እሙን ዝዀነ ሰብኣይ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ መረጋገጺ ኣቕረበ። ካልኦት ኣምለኽቲ የሆዋ ደኣኸ፧

11. የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ እተማልአ መልሲ ዝሃበሉ ብኸመይ እዩ፧

11 ካብ ሰይጣን ዚመጾ ፈተናታት ብዘየገድስ ንጽህናኡ ዚሕሉ ዝዀነ ይኹን ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ብወገኑ ነቲ እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ጸላኢ ዜቕርቦ ኽስታት ሓሶት ምዃኑ የመስክር እዩ። የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ እተማልአ መልሲ ሃበሉ። ንሱ ኸምቲ ቐዳማይ ኣቦና ኣዳም ፍጹም ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃኑ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ፡ ክስታቱ እውን ሓሶት ከም ዝዀነ ብዘየማትእ መገዲ ኣረጋገጸ።—ራእ. 12:10

12. ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ እንታይ ኣጋጣምን ሓላፍነትን እዩ ዘለዎ፧

12 ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ምፍታን ኣየቋረጸን። ነፍሲ ወከፍና ንጽህናና ብምሕላው፡ ምእንቲ ንጥቕሚ ርእስና ኢልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ ኸም እነገልግሎ ንምርኣይ ኣጋጣምን ሓላፍነትን ኣሎና። ነዚ ሓላፍነት እዚ ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧ ንየሆዋ እሙናት ምዃን፡ ፍሉይ ክብሪ ኸም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። የሆዋ ንኽንጸንዕ ሓይሊ ኸም ዚህበናን ከምቲ ንእዮብ ዝገበረሉ እውን ንፈተናታትና ደረት ከም ዚገብረሉን ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ።—1 ቈረ. 10:13

ሰይጣን—ነቓጽ ተጻራርን ከሓድን

13. መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ሰይጣን እንታይ ዝርዝር ነገራት እያ እትገልጽ፧

13 ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ንየሆዋ ኣብ ዘቕረቦ ብድሆን ንደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኣብ ምርሓቕን ዝነበሮ ሕማቕ ግደ ብዝርዝር ይገልጽ እዩ። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ንየሆዋ እተጻረሮ ምጽራር ዝያዳ ሓበሬታ ንረክብ ኢና፣ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ድማ ብዛዕባ ምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋን ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ሰይጣንን ተገሊጹ ኣሎ። መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ እቲ ዓለወኛ መገዲ ሰይጣን ተወሳኺ ፍልጠት ትህበና እያ። ሰይጣን ኣብቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ኣኼባ ኺእከብ ከሎ፡ ንየሆዋ ንኺውድስ ኢሉ ኣይኰነን ተኣኪቡ። የግዳስ፡ ካብ ተንኰልን እከይን ተላዒሉ እዩ ኣብኡ ተኣኪቡ። ንእዮብ ድሕሪ ምኽሳሱን ኪፍትኖ ፍቓድ ምስ ተዋህቦን፡ “ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ።”—እዮ. 1:12፣ 2:7

14. ሰይጣን ንእዮብ ብምንታይ ዓይኒ እዩ ርእይዎ፧

14 ስለዚ፡ መጽሓፍ እዮብ ንሰይጣን ከም ንሕስያ ዘይብሉ ጸላኢ ደቂ ሰብ ገይራ እያ እትገልጾ። ኣብ መንጎ እቲ ኣብ እዮብ 1:6 እተጠቕሰን ኣብ እዮብ 2:1 እተጠቕሰን ኣብ ሰማይ እተገብረ ኣኼባ፡ ክንደይ ምዃኑ ዘይተገልጸ እዋን ሓሊፉ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ እዮብ ከቢድ ፈተና ኣሕሊፉ እዩ። እዮብ እሙን ብምዃኑ፡ የሆዋ ብዛዕባኡ ኣመልኪቱ ንሰይጣን፡ “ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ አሎ” ኺብሎ ኸኣለ። ሰይጣን ግን ክስታቱ ጌጋ ምዃኑ ኸም እተረጋገጸ ኣይተኣመነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንእዮብ ካልእ ከቢድ ፈተና ኪቐርበሉ እዩ ጠሊቡ። ስለዚ፡ እዮብ ሃብታም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኰነ ምስ ደኸየ፡ ብድያብሎስ ተፈተነ። እምበኣር፡ ሰይጣን ንስኡናት ወይ ንግዳያት መዓት ርሕራሐ ዚበሃል የብሉን። ሰባት ንጽህናኦም ኪሕልዉ ኣይደልን እዩ። (እዮ. 2:3-5) ይኹን እምበር፡ እዮብ ተኣማንነት ብምሕላዉ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣርኣየ።

15. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኸሓድቲ ምስ ሰይጣን እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣለዎም፧

15 ሰይጣን ከሓዲ ዝዀነ ናይ መጀመርታ ፍጡር እዩ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኸሓድቲ፡ ምስ ናይ ድያብሎስ ዚመሳሰል ባህርያት እዮም ዜንጸባርቑ። ኣእምሮኦም በቲ ንኣባላት ጉባኤ፡ ንክርስትያን ሽማግለታት፡ ወይ ንኣመሓዳሪ ኣካል ዘለዎም ነቐፌታታት ተመሪዙ እዩ። ገሊኦም ከሓድቲ ነቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ምጥቃም ይጻረርዎ። ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ወይ ኬገልግልዎ ኣይደልዩን እዮም። ከምቲ ኣቦኦም ሰይጣን ዝገበሮ፡ ንጽህናኦም ንዚሕልዉ ሰባት እዮም ዜጥቅዑ። (ዮሃ. 8:44) ኣገልገልቲ የሆዋ ምሳታቶም ዋላ ሓንቲ ርክብ ኪህልዎም እንተ ዘይደለዩ እምበኣር፡ ዜገርም ኣይኰነን!—2 ዮሃ. 10, 11

እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ

16. እዮብ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧

16 እዮብ ንስም የሆዋ ተጠቒሙሉን ወዲስዎን እዩ። ደቁ ኸም ዝሞቱ መርድእ ምስ መጾ እውን እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ ኣይነቐፎን። ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ኸም ዘምጸኣሉ እኳ እንተ መሰሎ፡ ንስም የሆዋ ግን ልዕል ኣበለ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ምስላታቱ፡ “እንሆ፡ ፍርሃት [“የሆዋ፡” NW] ጥበብ እዩ፡ ካብ ክፉእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ” በለ።—እዮ. 28:28

17. ንእዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

17 ንእዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኵሉ እቲ መዓት ኣብ ልዕሊኡ ቕድሚ ምውራዱ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከም ዘማዕበለ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዮብ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘቕረቦ ብድሆ ይፈልጥ ምንባሩ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ እኳ እንተ ዘየልቦ፡ ተኣማንነቱ ንኺሕሉ ግን ቈሪጹ ነበረ። “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ። (እዮ. 27:5) እዮብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥብቂ ርክብ ኬማዕብል ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እቶም ናይ ርሑቕ ኣዝማዱ ዝዀኑ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ከም ዝሰምዐን ነዚ ኣኽቢሩ ይርእዮ ምንባሩን ኣየጠራጥርን እዩ። ንፍጥረት ብምዕዛብ እውን፡ ሓያሎ ባህርያት የሆዋ ኼስተውዕል ክኢሉ እዩ።እዮብ 12:7-9, 13, 16 ኣንብብ።

18. (ሀ) እዮብ ንየሆዋ ዘለዎ ተወፋይነት ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ለ) ነቲ ሰናይ ኣብነት እዮብ ብኸመይ ኢና እንቐድሖ፧

18 እቲ እዮብ ዝፈለጦ ነገር፡ ንየሆዋ ንኼሐጕስ ባህጊ ኣሕደረሉ። ኣባላት ስድራ ቤቱ ንኣምላኽ ዜጕሂ ገለ ነገር ገይሮም ወይ “ንኣምላኽ . . . ብልቦም ክሒዶም” ከይኰኑ ኢሉ፡ ኣዘውቲሩ መስዋእትታት የቕርብ ነበረ። (እዮ. 1:5) ከቢድ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣወንታዊ ነገር እዩ ተዛሪቡ። (እዮ. 10:12) እዝስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ንሕና እውን ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ኣዘውቲርና ቕኑዕ ፍልጠት ከነዋህልል ኣሎና። ኣብ ከም መጽናዕትን ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ጸሎትን ስብከት እቲ ብስራትን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታት ጽቡቕ ልማድ ኪህልወና ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ንስም የሆዋ ንኸነፍልጥ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና። ከምቲ ንጽህና እዮብ ንየሆዋ ዘሐጐሶ፡ ንጽህና እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ እዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ሰይጣን ድያብሎስ ንእዮብ ዘተኰረሉ ስለምንታይ እዩ፧

• እዮብ እንታይ ፈተናታት እዩ ኣሕሊፉ፧ እንታይ ምላሽከ ሃበ፧

• ከም እዮብ ንጽህናና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ካብ መጽሓፍ እዮብ፡ ብዛዕባ ሰይጣን እንታይ ንመሃር፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዛንታ እዮብ ናብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ልዑላውነት ኣምላኽ ከም እነተኵር ይገብረና

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ንጽህናኻ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ኪፍተን ይኽእል፧