ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረት ይርአ

ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረት ይርአ

ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረት ይርአ

“ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ . . . ኣጸቢቑ ይርኤ።”—ሮሜ 1:20

1. ሎሚ ዓለማዊ ጥበብ ኣብ ብዙሓት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧

 ሎሚ ሰባት፡ እታ “ጥበብ” እትብል ቃል፡ ኣብ ፍቐዶኡ እዮም ዚጥቀሙላ። ገሊኦም ሰባት፡ ሓደ ሰብ ብዙሕ ፍልጠት እንተ ደሊቡ፡ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይዛረቡ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ዓለም በሊሕ ኣእምሮ ከም ዘለዎም ዚዝረበሎም ሰባት፡ ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ንምርካብ ዜኽእል ዜተኣማምን መምርሒ ኣይህቡን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዚጽለዉ ሰባት፡ ‘ብትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው ዚድፍኡን ዚኽብከቡን’ እዮም ዝዀኑ።—ኤፌ. 4:14

2, 3. (ሀ) የሆዋ “በይኑ ብዓል ጥበብ” ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጥበብ ኣምላኽ ካብ ጥበብ ዓለም ብኸመይ ይፍለ፧

2 እቶም ካብቲ ምንጪ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ጥበብ ዜጥርዩ ግን፡ ብሓቂ እተፈልየ ዅነታት እዩ ዘለዎም! መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ “በይኑ ብዓል ጥበብ” ምዃኑ ይነግረና። (ሮሜ 16:26) ብዛዕባ ዩኒቨርስ፡ እንተላይ ብዛዕባ ኣቀዋውማኡን ታሪኹን ምሉእ ዘይጕዱል ፍልጠት ኣለዎ። ንዅሉ እቲ ሰባት ምርምር ንምግባር ዚምርኰሱሉ ግኡዛዊ ሕግታት፡ የሆዋ እዩ ገይርዎ። ስለዚ፡ ምህዞ ሰባት ኣይደንቆን እዩ፣ በቲ ኽብ ኣቢልካ ዚርአ ፍልስፍና ሰባት እውን ኣይድመምን እዩ። “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ።”—1 ቈረ. 3:19

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ “ጥበብ ይህብ እዩ” ይብለና። (ምሳ. 2:6) እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ጥበብ፡ ከም ፍልስፍናታት ሰባት ዘይንጹር ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ ጽቡቕ ምምዝዛን ዘተኰረን ኣብ ቅኑዕ ፍልጠትን ምርዳእን እተመርኰሰን እዩ። (ያእቆብ 3:17 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ብጥበብ የሆዋ ተደኒቑ እዩ። ከምዚ ኢሉ እውን ጸሓፈ፦ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ።” (ሮሜ 11:33) የሆዋ ደረት ዘይብሉ ጥበብ ኣለዎ፣ ስለዚ፡ ሕግታቱ ብብሉጽ ኣነባብራ ኸም ዚመርሓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ሕጉሳት ንኽንከውን እንታይ ከም ዜድልየና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ።—ምሳ. 3:5, 6

የሱስ—“ወሓለ” “ሰራሕተኛ”

4. ሓደ ኻብቲ ንጥበብ የሆዋ ኸነስተውዕለሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

4 ጥበብ የሆዋ ዀነ ኻልእ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያቱ፡ ኣብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ኪርአ ይከኣል እዩ። (ሮሜ 1:20 ኣንብብ።) ካብቲ ዝዓበየ ኽሳዕ እቲ ዝደቐቐ ግብርታት የሆዋ፡ ንባህርያቱ ይገልጽ እዩ። ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ኰነ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና ዘሎ ሓመድ፡ ኰታስ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣንፈት ንርአ ብዘየገድስ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜርኢ ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖ ኣሎ። ነቲ ዝገበሮ ነገራት ብምምርማር፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።—መዝ. 19:1፣ ኢሳ. 40:26

5, 6. (ሀ) ምስ የሆዋ ሓቢሩ ኣብ ዕዮ ፍጥረት እተሳተፈ መን እዩ፧ (ለ) እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

5 የሆዋ፡ ‘ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ’ በይኑ ኣይኰነን ነይሩ። (ዘፍ. 1:1) ግኡዝ ነገራት ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ብእኡ ኣቢሉ “ዅሉ” ኻልእ ነገራት ዝፈጠረሉ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዝፈጠረ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። እቲ መንፈሳዊ ፍጡር እቲ፡ እቲ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ዘሎ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ ጸኒሑ ኣብ ምድሪ ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ የሱስ ተባህለ። (ቈሎ. 1:15-17) የሱስ እውን ከም የሆዋ ጥበብ ኣለዎ። ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 8 እሞ ኸኣ፡ ብጥበብ እዩ ተመሲሉ ዘሎ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምዕራፍ እቲኣ ንየሱስ ከም “ወሓለ” (ትርጕም 1990) “ሰራሕተኛ” ገይራ እያ እትጠቕሶ።—ምሳ. 8:12, 22-31

6 እምበኣር፡ ግኡዝ ፍጥረት ንጥበብ የሆዋን ንጥበብ እቲ ወሓለ ሰራሕተኛኡ ዝዀነ የሱስን ይገልጽ እዩ። ንዓና እውን ጠቓሚ ትምህርትታት ሒዙልና ኣሎ። ኣብ ምሳሌ 30:24-28 ብባህረት “ጥበበኛታት” እተባህሉ ኣርባዕተ ኣብነት ዚዀኑና ፍጥረታት እስከ ንርአ። *

ብዛዕባ ትግሃት እንረኽቦ ትምህርቲ

7, 8. ብዛዕባ ጻጸ እንታይ ዚምስጠካ ነገር ረኺብካ፧

7 ንንድፍን ንጥፈታትን እቶም “ኣብ ምድሪ . . . ደቀቕቲ” ዚበሃሉ እውን ከይተረፈ ኽንምርምር ከለና፡ ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ ጻጸ ዘለዎ ባህረታዊ ጥበብ እስከ ንመርምር።—ምሳሌ 30:24, 25 ኣንብብ።

8 ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ብዝሒ ጻጸ ምስ ደቂ ሰብ ኪነጻጸር ከሎ፡ እንተ ወሓደ 200,000 ሳዕ ከም ዚተዓጻጸፍ ይኣምኑ፣ ኵሎም እዞም ጻጸ ድማ ኣብ ልዕልን ትሕትን ምድሪ ብትግሃት ይዓዩ ኣለዉ። ጻጸ ብዕስለ እተወደበ ዀይኑ፡ መብዛሕትኡ ዕስለ ጻጸ ኸኣ ንግስቲ፡ ተባዕትዮ፡ ሰራሕተኛ ዚበሃሉ ሰለስተ ዓይነት ጻጸ ኣለውዎ። ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ነቲ ዕስለ ዜድልዮ ንምምላእ አእጃሙ የበርክት እዩ። ሓደ ኻብ ዓሌታት ጻጸ ዝዀነ፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚርከብ ኣቝጽልቲ ዚቐርጽ ጻጸ፡ ክኢላ ኣታኽልተኛ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይከኣል እዩ። እዚ ደቂቕ ሓሸራ እዚ፡ ብዙሕ ፍረ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ነቲ ኣታኽልቲ ዚከናኸኖ ዕሲ ይድኵዖን የፍልሶን ይጽልጽሎን እዩ። እዚ ኽኢላ “ኣታኽልተኛ” እዚ፡ ብመሰረት እቲ ንዕስለኡ ዜድልዮ መጠን ምግቢ ጻዕርታቱ ኸም ዜተዓራሪ፡ ተመራመርቲ ተረዲኦም ኣለዉ። *

9, 10. ትግሃት ጻጸ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ካብ ጻጸ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ፍረ ኸነፍሪ እንተ ደሊና፡ ብትግሃት ክንዓዪ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ” ይብለና። (ምሳ. 6:6-8) የሆዋን እቲ ወሓለ ሰራሕተኛኡ የሱስን ትጉሃት እዮም። የሱስ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር አሎኹ” በለ።—ዮሃ. 5:17

10 ንኣምላኽን ንክርስቶስን ክንመስሎም ስለ ዘሎና፡ ንሕና እውን ትጉሃት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ውድብ የሆዋ ዚወሃበና ዕዮ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኵላትና “ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት” ክንከውን ኣሎና። (1 ቈረ. 15:58) ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ” ኢሉ ዝሃቦም ማዕዳ ኽንስዕቦ ይግባእ። (ሮሜ 12:11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ስለ ዚብል፡ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እንገብሮ ጻዕርታት ከንቱ ኣይኰነን።—እብ. 6:10

ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ዕቝባ ምርካብ

11. ገለ ኻብ ባህርያት ጊሔ ግለጽ።

11 ጊሔ ኻልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽትምህረና እትኽእል፡ ብተዛማዲ ንእሽቶ ፍጥረት እያ። (ምሳሌ 30:26 ኣንብብ።) ምስ ዓባይ ማንቲለ እትመሳሰል ኰይና፡ ግን ከኣ ንኣሽቱን ከበብትን ኣእዛንን ሓጸርቲ ኣእጋርን ኣለዋ። እዛ ንእሽቶ እንስሳ እዚኣ ኣብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ቦታታት እያ እትነብር። በቲ ትኩር ናይ ምርኣይ ክእለታ ተጠቒማ ንርእሳ ተዕቍብ፣ ነቲ ኣኻውሕ ኣብ ዝመልኦ ቦታታት ዘሎ ጐዳጕድን ነቓዓትን ድማ ካብ ሃደንታ ኸም መህደሚ ትጥቀመሉ። ጊሔታት ብሕብረት እየን ዚነብራ፣ እዚ ድማ ዕቝባ ይዀነን፡ ኣብ ግዜ ቘራሪ ወቕቲ ድማ ሙቐት ይረኽባ። *

12, 13. ካብ ጊሔ እንታይ ትምህርትታት ክንመሃር ንኽእል፧

12 ካብ ጊሔ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ቀዳማይ፡ እዛ እንስሳ እዚኣ ንመጥቃዕቲ ኸም ዘይትቃላዕ ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ትኩር ናይ ምርኣይ ክእለታ ተጠቒማ ሃደንታ ኻብ ርሑቕ ኪመጹ ኸለዉ ተለልዮም፡ ካብቲ ንህይወታ ዜድሕን መዕቈቢ ዝዀና ጐዳጕድን ነቓዓትን ድማ ኣይትርሕቅን እያ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ሓደጋታት ምእንቲ ኸነለልዮ፡ መንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለትና ትኩር ኪኸውን ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥ. 5:8) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ኵሉ እቲ ሰይጣን ንንጽህናኡ ንምብልሻው ዚገብሮ ፈተነታት ምእንቲ ኺሕሎ ነቒሑ ይመላለስ ነበረ። (ማቴ. 4:1-11) የሱስ ንሰዓብቱ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም!

13 ሓደ ኻብቲ ንቑሓት ክንኰነሉ እንኽእል መገዲ፡ በቲ የሆዋ ዘዳለወልና መንፈሳዊ ዕቝባ ምጥቃም እዩ። መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ዕሽሽ ኪበሃል የብሉን። (ሉቃ. 4:4፣ እብ. 10:24, 25) ብዘይካዚ፡ ከምቲ ጊሔታት ብሕብረት ዚነብራ፡ ንሓድሕድና ምእንቲ “ኽንጸናናዕ፡” ካብ ክርስትያናት ብጾትና ኽንርሕቕ የብልናን። (ሮሜ 1:12) ካብቲ የሆዋ ዚህበና ዕቝባ ብምጥቃም፡ ምስቲ፡ “እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፡ ዕርደይ፡ መናገፍየይ፡ ኣምላኸይ፡ ዝሀድመሉ ጸግዔይ . . . እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከም እንሰማማዕ ከነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝ. 18:2

ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ ምጽናዕ

14. ሓደ ንጽል ኣንበጣ ዜገርም እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ዕስለ ኣንበጣ ግን እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

14 ካብ ኣንበጣ እውን ክንመሃር ንኽእል ኢና። ሓደ ሓሙሽተ ሰንቲ ሜተር ጥራይ ዝንውሓቱ ንጽል ኣንበጣ፡ ብዙሕ ኣየገርመናን ይኸውን፣ ዕስለ ኣንበጣ ግን ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። (ምሳሌ 30:27 ኣንብብ።) ዕስለ ኣንበጣ ሃርጓም ስለ ዝዀነ፡ ንምህርቲ ተዳልዩ ዝነበረ ግራት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ልሕስ ኬብሎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንደሃይ እናቐረቡ ዚመጹ ዕስለ ሓሸራታት፡ ኣንበጣ እውን ዚርከብዎ፡ ምስ ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታትን ንሓሰር ኪህምኾ ኸሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓውን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ዮኤ. 2:3, 5) ሰባት ንዕስለ ኣንበጣ ንኺቈጻጸሩ ኢሎም ሓዊ እኳ እንተ ኣንደዱ፡ እዚ ግን ነቶም ኣንበጣ ኣይዓገቶምን እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ሓዊ በቶም ብእኡ እተቐትሉ ኣንበጣ ይጠፍእ እሞ፡ እቶም ዝተረፉ ዕስለ ብዘይ ዓጋቲ ይቕጽሉ። ዕስለ ኣንበጣ ብዘይ ንጉስ ወይ መራሒ፡ ልክዕ ከም ሓደ ብግቡእ እተወደበ ሰራዊት፡ ዳርጋ ንዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ኪሰግር ይኽእል እዩ። *ዮኤ. 2:25

15, 16. ዘመናውያን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዕስለ ኣንበጣ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

15 ነብዪ ዮኤል ንንጥፈታት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ተግባራት ኣንበጣ ኼመሳስሎ ኸሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ከም ጀጋኑ ይጐዩ፡ ከም ዚዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሐልፍ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣየግልሱን። ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን፡ ነፍሲ ወከፍ በብመገዱ ይሐልፍ፡ ናብ ማእከል ኣጸዋር ይአትዉ ኣይቈስሉን ከኣ።”—ዮኤ. 2:7, 8

16 እዚ ትንቢት እዚስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብጽቡቕ ዚገልጾም! ንስብከቶም ደው ኬብል ዚኽእል ከም “ቀጽሪ” ዝበለ ዋላ ሓደ ምጽራር የልቦን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብብዙሓት እኳ ንዑቕ ክነሱ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግባር ንድሕሪት ዘይተመልሰ የሱስ ይመስልዎ። (ኢሳ. 53:3) ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ምእንቲ እምነቶም ሰማእታት ብምዃኖም ‘ኣብ ማእከል ኣጽዋር ኣትዮም’ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ዕዮ ስብከት ግን ቀጺሉ፡ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናወሰኸ ኸይዱ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መብዛሕትኡ መስጐጕቲ ነቲ ብስራት ናብቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ዘይክእሉ ዝነበሩ ሰባት ከም ዚበጽሕ ይገብር እዩ። (ግብ. 8:1, 4) ኣብ ኣገልግሎትካ፡ ዘይምግዳስን ምጽራርን እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ከም ናይ ኣንበጣ ዝኣመሰለ ጽንዓት ኣርኢኻዶ፧—እብ. 10:39

“ኣብ ሰናይ ልገቡ”

17. እግሪ ጠበቕ ምስ ልሙጽ ነገራት ዚጣበቕ ስለምንታይ እዩ፧

17 ሓደ ንእሽቶ ጠበቕ፡ ስሕበት ምድሪ ዚግድሶ ኣይመስልን እዩ። (ምሳሌ 30:28 ኣንብብ።) እዚ ንእሽቶ ፍጥረት እዚ ናብ መንደቕ እናተጓየየ ኺድይብን ኣብ ልሙጽ ናሕሲ ኸይወደቐ ኪኸይድን ምኽኣሉ፡ ንተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት የስደምሞም እዩ። ጠበቕ ከምኡ ኺገብር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣእጋሩ ምጽይ ኣቢሉ ስለ ዚሕዝ ወይ ሓደ ዓይነት ኮላ ስለ ዘለዎ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ እግሪ ነፍሲ ወከፍ ጠበቕ ብኣሽሓት ዚቝጸር ከም ጸጕሪ ዝኣመሰለ ውጥም ዝበለ ነገራት ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ እዚ ውጥም ዝበለ ነገር ብግዲኡ፡ ኣብ ጫፉ ቢያቲ ዚመስል ቅርጺ ዘለዎ ኣማእታት ቀጢን ጸጕሪ ዚመስል ነገር ኣለዎ። እቲ ኻብ ኵሉ እዚ ቐጢን ጸጕሪ ዚመስል ነገር ዚፍጠር ኣብ መንጎ ሞለክዩላት ዘሎ ሓይሊ ስሕበት፡ ካብ ክብደት እቲ ጠበቕ ንላዕሊ ኺስከም ስለ ዚኽእል፡ ዋላ እውን ኣብ መስትያት ተገልቢጡ እንተ ጐየየ ኣይወድቕን እዩ። ተመራመርቲ ብኽእለት ጠበቕ ስለ እተገረሙ፡ ካብ እግሪ ጠበቕ ቀዲሕካ ኺስራሕ ዚኽእል ሰብ ዝሰርሖ ነገር፡ ከም ሓያል መጣበቒ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጹ። *

18. ወትሩ ‘ኣብ ሰናይ ከም እንለግብ’ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧

18 ካብ ጠበቕ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” ኢሉ ይምዕደና። (ሮሜ 12:9) ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ሕማቕ ጽልዋታት፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ከም እንለቆ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ስራሕ ወይ ብሕማቕ መዘናግዒ ኣቢልካ ምስቶም ንሕግታት ኣምላኽ ዘይስዕቡ ዕርክነት ምግባር፡ ነቲ ቕኑዕ ንምግባር ዘሎና ቘራጽነት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኪኸውን ስቕ ኢልካ ኣይትርአ! ቃል ኣምላኽ፡ “ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል” ኢሉ የጠንቅቐና። (ምሳ. 3:7) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ሙሴ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንእኡ ኣምልኽ፡ ናብኡ ኸኣ ተጸጋዕ” ኢሉ ዝሃቦም ጥበባዊ ምኽሪ ስዓብ። (ዘዳ. 10:20) ናብ የሆዋ ብምልጋብ፡ ነቲ፡ “ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ” እተባህለሉ የሱስ ክንመስሎ ኢና።—እብ. 1:9

ካብ ፍጥረት እንረኽቦ ትምህርቲ

19. (ሀ) ኣብ ፍጥረት እንታይ ባህርያት የሆዋ ኢኻ ብብሕትኻ ተዓዚብካ፧ (ለ) ጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

19 ኣብ ላዕሊ ኸም ዝረኣናዮ፡ ባህርያት የሆዋ ኣብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ብንጹር ይርአ እዩ፣ ፍጥረታቱ እውን ጠቓሚ ትምህርቲ ይህበና እዩ። ግብርታት የሆዋ ዝያዳ ብዝመርመርና መጠን፡ ዝያዳ ኢና ብጥበቡ እንድነቕ። ብቐጻሊ ናብ ጥበብ ኣምላኽ እንተ ኣድሂብና፡ ሕጂ ዝያዳ ሓጐስ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ዕቝባ ንረክብ። (መክ. 7:12) እወ፡ ንሓቅነት እቲ ኣብ ምሳሌ 3:13, 18 ዚርከብ፡ “እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ” ዚብል መረጋገጺ ባዕልና ኽንምከሮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ምናዳ መንእሰያትን ቈልዑን ነቲ ኣብ እግረ-ጽሑፍ ተሓቢሩ ዘሎ መወከሲታት ምውካስን እዛ ዓንቀጽ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽትውሰድ ከላ ሓሳብ ምሃብን ኬሐጕሶም ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ ኣቝጽልቲ ዚቘርጽ ጻጸ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ሕታማት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ናይ 22 መጋቢት 1997፡ ገጽ 31፡ ወይ ናይ 22 ግንቦት 2002፡ ገጽ 31 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ብዛዕባ ጊሔ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 8 መስከረም 1990 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 15-16 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ብዛዕባ ኣንበጣ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1976 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 11 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 ብዛዕባ ጠበቕ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2008 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 26 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

ካብዞም ዚስዕቡ ፍጥረታት እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ንረክብ፧

• ጻጸ

• ጊሔ

• ኣንበጣ

• ጠበቕ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ኣቝጽልቲ ዚቘርጽ ጻጸ ትጉህ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ጊሔታት ብሕብረት ብምንባር ዕቝባ ይረኽባ። ንስኻኸ ኸምኡ ትገብር ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ኣገልገልቲ ኸም ኣንበጣ ጽኑዓት እዮም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ጠበቕ ናብቲ ዚኸደሉ ነገራት ዚለግብ፡ ክርስትያናት እውን ናብ ሰናይ ይለግቡ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Stockbyte/Getty Images