ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”

መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”

መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”

“ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧”—እብ. 1:14

1. ካብ ማቴዎስ 18:10ን እብራውያን 1:14ን እንታይ ምጽንናዕ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

 የሱስ ክርስቶስ ንዝዀነ ይኹን ንሰዓብቱ ዚዕንቅፍ ሰብ፡ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ማቴ. 18:10) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ እቶም ጻድቃን መላእኽቲ፡ “ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 1:14) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣምላኽ ንሰባት ንምሕጋዝ፡ ነዞም ሰማያውያን ፍጡራት ከም ዚጥቀም ዜረጋግጻ ብምዃነን ዜጸናንዓ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ይነግረና፧ መላእኽቲ ብኸመይ ይሕግዙና፧ ካብ ኣብነቶምከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

2, 3. ገለ ኻብቲ መናፍስቲ ዝዀኑ ሰማያውያን ዚዓይዎ ዕዮ እንታይ እዩ፧

2 ኣብ ሰማይ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እሙናት መላእኽቲ ኣለዉ። ኵላቶም ‘ንቓሉ ዚፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን’ እዮም። (መዝ. 103:20፣ ራእይ 5:11 ኣንብብ።) እዞም መናፍስቲ ዝዀኑ ደቂ ኣምላኽ፡ መለኮታዊ ባህርያትን ናይ ምምራጽ ናጽነትን ኣለዎም። እዚኣቶም ብጽቡቕ እተወደቡ ዀይኖም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ድማ ልዑል ቦታ ኣለዎም። ሚካኤል (ሰማያዊ ስም የሱስ) ከኣ ሊቀ መላእኽቲ ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዳን. 10:13፣ ይሁ. 9) እዚ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዚ፡ “ቃል” ወይ ኣፈኛ ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ ንዅሉ ኻልእ ነገራት ናብ ህልውና ንምምጻእ እውን የሆዋ ተጠቒሙሉ እዩ።—ቈሎ. 1:15-17፣ ዮሃ. 1:1-3

3 ኣብ ትሕቲ እቲ ሊቀ መልእኽቲ፡ ሱራፌል ኣለዉ፣ እዚኣቶም ብዛዕባ ቕድስና የሆዋ ይእውጁ፡ ንህዝቡ ኸኣ መንፈሳዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ይሕግዝዎም። ብዘይካ እዚኣቶም፡ ኪሩቤል ዚበሃሉ ንልዑላውነቱ ዚድግፉ እውን ኣለዉ። (ዘፍ. 3:24፣ ኢሳ. 6:1-3, 6, 7) ካልኦት መላእኽቲ ወይ መልእኽተኛታት ከኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም እተፈላለየ ዕዮታት ኣለዎም።—እብ. 12:22, 23

4. ምድሪ ኽትስረት ከላ መላእኽቲ እንታይ ገበሩ፧ ሰባት ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብግቡእ እንተ ዚጥቀሙሉ ነይሮምከ እንታይ ምዀነ፧

4 ‘ምድሪ ኽትስረት ከላ’ ኵሎም መላእኽቲ ተሓጒሶም እዮም፣ መንበሪት ደቂ ሰብ ንኽትከውን ክትዳሎ ኸላ ኸኣ ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ብሓጐስ ተኻፊሎም እዮም። (እዮ. 38:4, 7) የሆዋ ንሰብ ‘ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኢሱ’ እኳ እንተ ፈጠሮ፡ ሰብ ነቲ ልዑል ባህርያት ፈጣሪኡ ኼንጸባርቕ ምእንቲ ኪኽእል ኢሉ ‘ብመልክዑ’ እዩ ፈጢርዎ። (እብ. 2:7፣ ዘፍ. 1:26) ኣዳምን ሄዋንን ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብግቡእ እንተ ዚጥቀሙሉ ነይሮም፡ ንሳቶምን ዘርኦምን ክፍሊ እታ ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት የሆዋ እተጠቓልል ስድራ ቤት ብምዃን፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ተሓጒሶም ኪነብሩ ምኸኣሉ ነይሮም።

5, 6. ኣብ ሰማይ እንታይ ዕልወት እዩ እተገብረ፧ ኣምላኽከ እንታይ ገበረ፧

5 እቶም ቅዱሳት መላእኽቲ፡ ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ናይ መጀመርታ ዕልወት ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ሰምቢዶም ኪዀኑ ኣለዎም። ሓደ ኻባታቶም ንባዕሉ ኺምለኽ ደኣ እምበር፡ ንየሆዋ እናወደሰ ኺነብር ኣይደለየን። ንቕንዕና ኣገዛዝኣ የሆዋ ኣብ ሕቶ ብምእታውን ብህርፋን ተላዒሉ ምስ ኣገዛዝኣ የሆዋ ዚቀናቐን ኣገዛዝኣ ብምቛምን፡ ሰይጣን (ማለት “ተጻራሪ”) ዀነ። ሰይጣን በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ሓሶት ገይሩ፡ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብቲ ፈቃር ፈጣሪኦም ንኺዓልዉ ደፋፍኦም።—ዘፍ. 3:4, 5፣ ዮሃ. 8:44

6 የሆዋ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ብምባል ንሰይጣን ቀልጢፉ ፈረዶ። (ዘፍ. 3:15) ኣብ መንጎ ሰይጣንን ናይ ኣምላኽ “ሰበይትን” ጽልኢ ኪቕጽል ነበሮ። እወ፡ የሆዋ ነታ በቶም እሙናት መናፍስቲ ዝዀኑ ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊት ውድብ ከም ሓንቲ ፍቕርቲ ሰበይቱ ገይሩ እዩ ዚርእያ። ዝርዝር እቲ ቕዱስ “ምስጢር” በብቝሩብ ኪግለጽ እኳ እንተ ነበሮ፡ እቲ ትንቢት ግን ተስፋ ንምግባር ርግጽ መሰረት ኣንበረ። ኣምላኽ ብሓደ ኻብቲ ሰማያዊ ኽፍሊ ውድቡ ኣቢሉ ነቶም ዓለወኛታት ኪጭፍልቖም፡ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን” ከኣ ኣብ ሓደ ኺጥቕልሎ ዕላማ ገበረ።—ኤፌ. 1:8-10

7. ገሊኦም መላእኽቲ ኣብ ግዜ ኖህ እንታይ ገበሩ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዓበሎም፧

7 ኣብ ግዜ ኖህ፡ ሓያሎ መላእኽቲ ደድሕሪ ተድላ ርእሶም ኪጐዩ ኢሎም “ሰፈሮም” ሓዲጎም፡ ስጋ ለቢሶም ናብ ምድሪ ወረዱ። (ይሁ. 6፣ ዘፍ. 6:1-4) የሆዋ ነዞም ዓለወኛታት ናብ ጸልማት ደርበዮም፣ ንሳቶም ድማ ምስ ሰይጣን ብምሕባር “መናፍስቲ እከይን” ሕሱማት ጸላእቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ኰኑ።—ኤፌ. 6:11-13፣ 2 ጴጥ. 2:4

መላእኽቲ ብኸመይ ይሕግዙና፧

8, 9. የሆዋ ንመላእኽቲ፡ ንሰባት ንምሕጋዝ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሎም፧

8 ገለ ኻብቶም መላእኽቲ ዘገልገልዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብርሃም፡ ያእቆብ፡ ሙሴ፡ እያሱ፡ ዳንኤል፡ የሱስ፡ ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ጳውሎስ ኪጥቀሱ ይከኣሉ። ጻድቃን መላእኽቲ ፍርዲ ኣምላኽ ፈጺሞም፡ ትንቢታትን ከም ሕጊ ሙሴ ዝኣመሰለ መምርሒታትን ከኣ ኣመሓላሊፎም እዮም። (2 ነገ. 19:35፣ ዳን. 10:5, 11, 14፣ ግብ. 7:53፣ ራእ. 1:1) ሎሚ ግን ምሉእ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘሎና፡ መላእኽቲ መለኮታዊ መልእኽትታት ምምሕልላፍ ከየድልዮም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ይኹን እምበር፡ መላእኽቲ ብዘይርአ መገዲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻምን ንኣገልገልቱ ንምድጋፍን ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም።

9 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝ. 34:7፣ 91:11) የሆዋ ንሰይጣን ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ ንጽህና ዘልዓሎ ጕዳይ፡ እተፈላለየ ፈተናታት ንኼውርደልና ኣፍቂዱሉ ኣሎ። (ሉቃ. 21:16-19) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ብዚምልከት ሓደ ፈተና ኣገዳሲ ዝዀነሉ ደረጃ ኽሳዕ ኣበይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።) መላእኽቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ጣልቃ ንኺኣትዉ ድልዋት እዮም። ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዳንኤልን ጴጥሮስን ኬድሕንዎም ከለዉ፡ ንእስጢፋኖስን ያእቆብን ግን ብኢድ ጸላእቶም ንኸይቅተሉ ኣየናገፍዎምን። (ዳን. 3:17, 18, 28፣ 6:22፣ ግብ. 7:59, 60፣ 12:1-3, 7, 11) ናይ ነፍሲ ወከፎም ኵነታትን ጕዳይን እተፈላለየ እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ መዳጐኒ ደንበ ናዚ ዝነበሩ ኣሕዋትና ኪቕተሉ ኸለዉ፡ ንመብዛሕትኦም ግን የሆዋ ኣድሒንዎም እዩ።

10. ኣብ ርእሲ እቲ ብመላእኽቲ ዚወሃበና ሓገዝ፡ እንታይ ደገፍ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

10 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ሓላዊ መልኣኽ ከም ዘለዎ ኣይምህርን እዩ። ንኣምላኽ ‘ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለሚንናዮ፡ ከም ዚሰምዓና’ ብምትእምማን ናብኡ ንጽሊ ኢና። (1 ዮሃ. 5:14) የሆዋ ንኺሕግዘና መልኣኹ ኺልእኽ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብኻልእ መገዲ እውን ሓገዙ ኺህበና ይኽእል እዩ። ክርስትያን ብጾትና ሓገዝ ወይ ምጽንናዕ ንኺህቡና ኺድረኹ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ነቲ ኸም “መልኣኽ ሰይጣን” ኰይኑ ዜሳቕየና ‘ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ’ ንኽንጾሮ ዜኽእለና ጥበብን ሓይልን ኪህበና ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 12:7-10፣ 1 ተሰ. 5:14

ንየሱስ ምሰሎ

11. መላእኽቲ ንየሱስ ዝሓገዝዎ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ ንኣምላኽ ተኣማንነቱ ብምሕላዉኸ እንታይ እዩ ኣረጋጊጹ፧

11 የሆዋ ንየሱስ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ፡ ንመላእኽቲ ብኸመይ ከም እተጠቕመሎም እስከ ንርአ። ብዛዕባ ልደቱን ትንሳኤኡን ኣበሲሮም፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ኣገልጊሎምዎ እዮም። ንኸይእሰርን ብጭካነ ንኸይቅተልን ኪከላኸሉሉ ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ክንዳኡ ግን ዜበርትዖ መልኣኽ እዩ ተላኢኹሉ። (ማቴ. 28:5, 6፣ ሉቃ. 2:8-11፣ 22:43) የሱስ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ መስዋእታዊ ሞት ሞይቱ፡ ሓደ ፍጹም ሰብ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ንጽህናኡ ኺሕሉ ኸም ዚኽእል ከኣ ኣረጋጊጹ እዩ። የሆዋ ድማ ንየሱስ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ዘይትመውት ሰማያዊት ህይወት ሃቦ፣ ኣብ ርእሲኡ እውን መላእኽቲ ኸም ዚግዝእዎ ብምግባር “ኵሉ ስልጣን” ሃቦ። (ማቴ. 28:18፣ ግብ. 2:32፣ 1 ጴጥ. 3:22) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ቀንዲ ኽፍሊ “ዘርኢ” እታ ናይ ኣምላኽ “ሰበይቲ” ምዃኑ ኣረጋገጸ።—ዘፍ. 3:15፣ ገላ. 3:16

12. ነቲ የሱስ ብጥንቃቐ እተመላለሰሉ መገዲ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

12 የሱስ፡ መላእኽቲ ንኼድሕንዎ ትጽቢት ብምግባር ኣብ ሓደገኛ ተግባራት ምስታፍ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንየሆዋ ምፍታን ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ማቴዎስ 4:5-7 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ ንሕና እውን “ብጥንቃቐ” ብምምልላስን ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ብዘይምስታፍን ንዜጋጥመና ፈተና ተኣማሚንና ብምግጣምን ንየሱስ ንምሰሎ።—ቲቶ. 2:12

ካብቶም እሙናት መላእኽቲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

13. ካብ ኣብነት እቶም ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:9-11 ተጠቒሶም ዘለዉ ጻድቃን መላእኽቲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

13 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ንቕቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ዚጻረፉ’ ኺግስጾም ከሎ፡ ነቲ ሰናይ ኣብነት እቶም ጻድቃን መላእኽቲ ጠቒሱ ኣሎ። መላእኽቲ ብሉጽ ሓይሊ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ንየሆዋ ኻብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተላዒሎም “ኣብ ቅድሚ ጐይታ” ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። (2 ጴጥሮስ 2:9-11 ኣንብብ።) ንሕና እውን ኣብ ዘይቦታና ኣቲና ንኻልኦት ኣይንፍረድ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት እተዋህቦም ኣኽብሮት ነርእዮም፡ ንዚለዓል ጕዳያት እውን ኣብ ኢድ እቲ ልዑል ፈራዲ ዝዀነ የሆዋ ንግደፎ።—ሮሜ 12:18, 19፣ እብ. 13:17

14. መላእኽቲ ብትሕትና ብምግልጋል ዝመጸ ኣብነት ዚዀኑና ብኸመይ እዮም፧

14 መላእኽቲ የሆዋ ብትሕትና ብምግልጋል ዝመጸ እውን ሰናይ ኣብነት ይዀኑና እዮም። ገሊኦም መላእኽቲ ስማቶም ንሰባት ምንጋር ኣብዮም እዮም። (ዘፍ. 32:29፣ መሳ. 13:17, 18) ኣብ ሰማይ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መናፍስቲ ዝዀኑ ፍጡራት እኳ እንተ ኣለዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንሚካኤልን ገብርኤልን ጥራይ እዩ ብስሞም ዚጠቕሶም። እዚ ኸኣ ንመላእኽቲ ዘይግቡእ ኣኽብሮት ንኸይነርእዮም ዚሕግዝ እዩ። (ሉቃ. 1:26፣ ራእ. 12:7) ሃዋርያ ዮሃንስ ንሓደ መልኣኽ ኪሰግደሉ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ምስ በለ፡ እቲ መልኣኽ፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን . . . ባርያ እየ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (ራእ. 22:8, 9) ንኣምላኽ ጥራይ ኢና ኸነምልኾ ዚግባእ፣ እዚ ንጸሎት እውን ዜጠቓልል እዩ።—ማቴዎስ 4:8-10 ኣንብብ።

15. መላእኽቲ፡ ኣብነት ትዕግስቲ ዚዀኑና ብኸመይ እዮም፧

15 መላእኽቲ፡ ኣብነት ትዕግስቲ እውን ይዀኑና እዮም። ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢራት ኣምላኽ ኪፈልጡ ኣጸቢቖም ዚብህጉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዅሉ ግን ኣይፈልጥዎን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም” ይብል። (1 ጴጥ. 1:12) እንታይ ደኣ እዮም ዚገብሩ፧ ኣምላኽ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ነታ ‘ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ በታ ማሕበር ገይሩ ኽሳዕ ዜፍልጦም’ ብትዕግስቲ ይጽበዩ እዮም።—ኤፌ. 3:10, 11

16. ኣካይዳና ንመላእኽቲ ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧

16 ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘለዉ ክርስትያናት፡ ‘ንመላእኽቲ ትርኢት ኰይኖም ኣለዉ።’ (1 ቈረ. 4:9) መላእኽቲ ንተኣማንነትና ኺዕዘቡን ሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ኪርእዩን ከለዉ፡ ብዙሕ ዕግበት ይረኽቡ እዮም። (ሉቃ. 15:10) ነቲ ክርስትያን ኣንስቲ ዜርእያኦ ፍርሃት ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ኣካይዳ እውን ይዕዘብዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ” ይብል። (1 ቈረ. 11:3, 10) እወ፡ ክርስትያን ኣንስትን ኵሎም ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽን ምስ ቲኦክራስያዊ ስርዓትን ርእስነትን ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸለዉ፡ መላእኽቲ ይሕጐሱ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ነቶም ሰማያውያን ደቂ ኣምላኽ ጽቡቕ መዘኻኸሪ ይዀኖም።

መላእኽቲ ንዕዮ ስብከት ብንጥፈት ይድግፉ

17, 18. መላእኽቲ ንስብከትና ይድግፍዎ እዮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 መላእኽቲ ኣብቲ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ዚፍጸም ገሊኡ ኣገዳሲ ንጥፈታት ይካፈሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብ1914 እተፈጸመ ውልደት መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም። “ሚካኤልን መላእኽቱን” ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ዝደርበዩሉ ፍጻመ እውን ካልእ ኣብነት እዩ። (ራእ. 1:10፣ 11:15፣ 12:5-9) ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ‘ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ መልኣኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ምእንቲ ኺሰብከሎም፡ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ’ ረኣየ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ” ኢሉ ኣወጀ። (ራእ. 14:6, 7) እምበኣር፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ድያብሎስ ሕሱም ምጽራር እናኣጋጠሞም ብስራት እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸለዉ፡ መላእኽቲ ኸም ዚድግፍዎም ክተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።—ራእ. 12:13, 17

18 ሎሚ መላእኽቲ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ መልኣኽ ንፊልጶስ እተዛረቦ እሞ ናብቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ንኪኸይድ ዚመርሖ፡ ናብ ቅኑዓት ሰባት ክንከይድ ኣይዛረቡናን እዮም። (ግብ. 8:26-29) ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜና ዚርከብ ሓያሎ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ፡ መላእኽቲ ብዘይርአ መገዲ ነቲ እንፍጽሞ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይድግፍዎን ናብቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ይመርሑናን ኣለዉ። * (ግብ. 13:48 NW) እምበኣር፡ ነቶም ንኣቦ “ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ” ዚደልዩ ሰባት ምእንቲ ኽንረኽቦም፡ ኣብ ኣገልግሎት ብስሩዕ ክንጽመድ ኣሎና።—ዮሃ. 4:23, 24

19, 20. መላእኽቲ ኣብቲ ንመደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ዜመልክት ፍጻመታት እንታይ ግደ ኣለዎም፧

19 የሱስ ብዛዕባ ግዜና ኺዛረብ ከሎ፡ መላእኽቲ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ “ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም” ምዃኖም ገለጸ። (ማቴ. 13:37-43, 49) መላእኽቲ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምእካብን ምሕታምን እቶም ቅቡኣት እውን ግደ ኣለዎም። (ማቴዎስ 24:31 ኣንብብ፣ ራእ. 7:1-3) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሱስ ‘ነባጊዕ ካብ ኣጣል ኪፈላልየን ከሎ፡’ መላእኽቲ የሰንይዎ እዮም።—ማቴ. 25:31-33, 46

20 “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ፡” ኵሎም እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ኪጠፍኡ እዮም። (2 ተሰ. 1:6-10) ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ ንየሱስን ንሰማያዊ ሰራዊት መላእኽትን ኣብ ጽድቃዊ ውግእ ንምስታፍ ኣብ ኣምበላያት ኣፍራስ ኰይኖም ከም ዚጋልቡ ገይሩ ገለጾም።—ራእ. 19:11-14

21. እቲ “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ፡” ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፧

21 ዮሃንስ፡ “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ . . . ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ” እውን ርእዩ እዩ። እዚ መልኣኽ እዚ፡ ካብ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ንሱ ድማ ንድያብሎስ ኣሲሩ ናብቲ መዓሙቝ ኪድርብዮ እዩ። ንኣጋንንቲ እውን ምስ ድያብሎስ ብሓባር ከም ዚድርብዮም ርዱእ እዩ። ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኣብቲ ፍጹማት ደቂ ሰብ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚፍተኑሉ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚዛዘመሉ እዋን ንሓጺር ግዜ ኪፍትሑ እዮም። ድሕሪኡ፡ ሰይጣንን ኵሎም ዓለወኛታትን ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 20:1-3, 7-10፣ 1 ዮሃ. 3:8) ኵሉ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተገብረ ዕልወት ኪውገድ እዩ።

22. ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ዚፍጸም ነገራት፡ መላእኽቲ እንታይ ግደ ኺህልዎም እዩ፧ ብዛዕባ እዚኸ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

22 ካብዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን እዚ ዓብዪ ምድሓን ዚርከበሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። መላእኽቲ ኣብዚ ንልዑላውነት የሆዋ ዜረጋግጽ፡ ነቲ የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዚፍጽም ኣገዳሲ ፍጻመታት፡ ወሳኒ ግደ ኺህልዎም እዩ። እወ፡ እቶም ጻድቃን መላእኽቲ “ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት” እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ኣምላኽ ንመላእኽቱ፡ መለኮታዊ ፍቓዱ ንኽንፍጽምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረክብን ኢሉ ብእተፈላለየ መገዲ ስለ ዚጥቀመሎም ነመስግኖ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 18 ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም፡ ኣብ ገጽ 549-551 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መናፍስቲ ዝዀኑ ሰማያውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ተወዲቦም፧

• ገሊኦም መላእኽቲ፡ ኣብ ግዜ ኖህ እንታይ ገበሩ፧

• ኣምላኽ ንመላእኽቲ ንኺሕግዙና ኢሉ ብኸመይ ተጠቒሙሎም፧

• ኣብዚ ግዜና ጻድቃን መላእኽቲ እንታይ ግደ ኣለዎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

መላእኽቲ ተሓጒሶም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዳንኤል ከም እተራእየ፡ መላእኽቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ጣልቃ ንኺኣትዉ ድልዋት እዮም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

መላእኽቲ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዚድግፍዎ፡ ተባዓት ንኹን!

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: NASA photo