ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መወዳእታ ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን ኣበይ ክትከውን ኣሎካ፧

መወዳእታ ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን ኣበይ ክትከውን ኣሎካ፧

መወዳእታ ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን ኣበይ ክትከውን ኣሎካ፧

የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኣብ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦ ኸሎ፡ እቶም ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧ ምሳሌ 2:21, 22 ከምዚ ብምባል ትምልስ፦ “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”

እቶም ኣበር ዘይብሎም ሰባት ኣብ ምድሪ ዚተርፉ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም፧ ንዕኦም ዚኸውን መዕቈቢ ቦታ ኺህሉ ድዩ፧ መወዳእታ ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን፡ ኣበይ ኪዀኑ ኣለዎም፧ ብዛዕባ ምድሓን ዚገልጽ ኣርባዕተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ የብርሃልና እዩ።

ቦታ ኣገዳሲ ዝነበረሉ እዋን

ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:5-7 ብዛዕባ እቶም ኣበው ዝነበሩ ኖህን ሎጥን ዚደሓኑሉ መገዲ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “[ኣምላኽ] ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎመራን ሓመዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ።”

ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓነ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ንኖህ፡ “ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ” በሎ። (ዘፍ. 6:13, 14) ኖህ ድማ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገይሩ ነታ መርከብ ሰርሓ። ማይ ኣይሂ ቕድሚ ምምጻኡ ሸውዓተ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ እንስሳታት ናብታ መርከብ ኬእቱ ኸምኡውን ንሱን ስድራ ቤቱን ናብኣ ኺኣቱ የሆዋ ኣዘዞ። ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ እቲ ማዕጾ ተዓጽወ፡ “ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ኣብ ምድሪ ዘነመ።” (ዘፍ. 7:1-4, 11, 12, 16) ኖህን ስድራ ቤቱን ድማ ‘ብማይ ደሓኑ።’ (1 ጴጥ. 3:20) ምድሓን ኪረኽቡ ዝኸኣሉ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ስለ ዝነበሩ እዮም። ኪሕብኡሉ ዚኽእሉ ኻልእ ቦታ ኣይነበረን።—ዘፍ. 7:19, 20

ንሎጥ እተዋህቦ መምርሒ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ክልተ መላእኽቲ ኣበይ ኪኸውን ከም ዘይነበሮ እዮም ነጊሮምዎ። “ኣብዛ ኸተማ [ሶዶም] ዘሎ ናትካ ዘበለ ዅሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም። ነዛ ቦታ እዚኣ . . . ንሕና ኸነጥፍኣ ኢና” ድማ በልዎ። ሎጥን ስድራ ቤቱን ‘ናብ ከረን ኣቢሎም ኪድሕኑ’ ነበሮም።—ዘፍ. 19:12, 13, 17

ተመክሮ ኖህን ሎጥን ከም ዚሕብሮ፡ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።” (2 ጴጥ. 2:9) ኣብቲ ኽልቲኦም ዝረኸብዎ ምድሓን፡ ቦታ ወሳኒ እዩ ነይሩ። ኖህ ናብ መርከብ ኪኣቱ፡ ሎጥ ድማ ካብ ሶዶም ኪወጽእ ነበሮ። ኵሉ ግዜ ግን ቦታ ኣገዳሲ እዩ ማለት ድዩ፧ ቅኑዓት ሰባት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ የሆዋ ኼድሕኖም ይኽእልዶ፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ ብዛዕባ ምድሓን ዚገልጽ ካልእ ክልተ ጸብጻባት ንመርምር።

ቦታ ወትሩ ኣገዳሲ ድዩ፧

የሆዋ ብግዜ ሙሴ በታ ዓስረይቲ መዓት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ግብጺ መቕዘፍቲ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ንደም እቲ ኣብ ፋስጋ ዚሕረድ እንስሳ ኣብ ላዕላይ ልዳትን ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ቤቶም ኪቐብኡ ንእስራኤላውያን ኣዚዝዎም ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘የሆዋ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሓልፍ ከሎ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ፡ ነታ ደገ ኺሓልፋ እዩ፡ ነቲ ዜጥፍእ ድማ ናብ ቤቶም ኣትዩ ኺወቕዖም ኣይሓድጎን።’ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ “እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር፡ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ቐተለ።” በዅራት እስራኤላውያን ናብ ካልእ ቦታ ኺግዕዙ ኸየድለዮም ኪድሕኑ ኸኣሉ።—ዘጸ. 12:22, 23, 29

እታ ኣብ ከተማ ያሪኮ እትነብር ዝነበረት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ዝደሓነትሉ መገዲ እውን እስከ ንርአ። እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ኺወሩ ዚጅምሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ረሃብ፡ ከተማ ያሪኮ ኸም እትዓኑ ፈለጠት፣ እታ ኸተማ ብሰንኪ እቶም ዚግስግሱ ዝነበሩ እስራኤላውያን ከም ዝረዓደት ድማ ነቶም ክልተ ሰለይቲ ነገረቶም። ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም፡ ያሪኮ ኽትውረር ከላ ንዓኣን ንብምሉኦም ንስድራ ቤታን ኬድሕኑላ ኸኣ ኣምሓለቶም። እቶም ሰለይቲ ንዅሎም ስድራ ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ እታ ኸተማ ኣብ ዝነበረት ቤታ ኽትእክቦም ነገርዋ። ካብታ ቤት እንተ ወጺኦም ምስ ህዝቢ እታ ኸተማ ኺጠፍኡ ይኽእሉ ነበሩ። (እያ. 2:8-13, 15, 18, 19) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንእያሱ፡ “መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ” በሎ። (እያ. 6:5) እቶም ሰለይቲ ድሕንነት ዚርከቦ ኸም ዝዀነ ዝገለጽዎ ቦታ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ይመስል ነበረ። ረሃብን ስድራ ቤታን ደኣ ብኸመይ ደሓኑ፧

ያሪኮ እትውረረሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ እቶም ካህናት መለኸት ነፍሑ፡ እስራኤላውያን ከኣ ዓው ኢሎም ጨደሩ። እያሱ 6:20፡ “ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ” ትብል። ነቲ መንደቕ ካብ ምፍራስ ጠጠው ኬብሎ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ዚፈርስ ዝነበረ መንደቕ እታ ኸተማ ኣብ ቤት ረሃብ ምስ በጽሐ ግን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ደው በለ። ኢያሱ ነቶም ክልተ ሰለይቲ፡ “ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሐልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ዅሉን ካብኣ ኣውጽኡ” ኢሉ ኣዘዞም። (እያ. 6:22) በዚ ኸምዚ ኸኣ ረሃብን ስድራ ቤታን ደሓኑ።

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ እንታይ እዩ፧

ካብቲ ኖህ፡ ሎጥ፡ ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ከምኡውን ረሃብ ዝደሓኑሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን ኣበይ ክንከውን ከም ዘሎና ንምውሳን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኖህ ኣብ መርከብ ብምእታዉ ድሕነት ከም ዝረኸበ ዚከሓድ ኣይኰነን። ንምንታይ እዩ ግን ናብኣ ኣትዩ፧ እምነት ስለ ዝነበረቶን እዙዝ ብምዃኑንዶ ኣይኰነን፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ይብለና። (ዘፍ. 6:22፣ እብ. 11:7) ንሕናኸ ኣምላኽ ዝኣዘዘና ዅሉ ንገብርዶ ኣለና፧ ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” እውን እዩ ነይሩ። (2 ጴጥ. 2:5) ንሕናኸ ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ዘይህቡ ኽነሶም፡ ነቲ ብስራት ብቕንኣት ንሰብኽ ዲና፧

ሎጥ ካብ ሶዶም ስለ ዝሃደመ ኻብ ጥፍኣት ኣምለጠ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ስለ ዝነበረ ኸምኡውን ብኣበሳን ርኽሰትን ህዝቢ ሶዶምን ጎሞራን ይጕሂ ስለ ዝነበረ ደሓነ። እቲ ሎሚ እንርእዮ ርኽሰት ብሓቂዶ የጨንቐና እዩ፡ ወይስ ሕርኽርኽ ስለ ዘይብለና ዋላ ሓንቲ ኣይስምዓናን እዩ፧ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም” ንኽንነብር ዝከኣለና ዘበለ ዅሉ ንገብርዶ፧—2 ጴጥ. 3:14

እቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኰኑ ኣብ ያሪኮ ዝነበረት ረሃብ ኪድሕኑ ዝኸኣሉ፡ ካብ ቤቶም ስለ ዘይወጹ እዩ። ከምዚ ምግባር እምነትን ተኣዛዝነትን ይሓትት ነበረ። (እብ. 11:28, 30, 31) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ግብጻውያን “ብርቱዕ ዋይዋይታ” ኺስማዕ ከሎ፡ እስራኤላውያን ድማ ንበዅራቶም ዓይኒ ዓይኖም ኪርእይዎም ከለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (ዘጸ. 12:30) ረሃብን ስድራ ቤታን መናድቕ ያሪኮ ኺፈርስ ከሎ እናሰምዑ ብፍርሂ ኣብ ሓደ ተኣኻኺቦም ከለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ረሃብ ብተኣዛዝነት ኣብ ቤታ ንኽትጸንሕ፡ እምነት ተድልያ ነበረት።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እዛ ናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ እያ። የሆዋ ንህዝቡ ኻብታ እተፍርህ “መዓልቲ ቝጥዓ” ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ክሳዕ ሕጂ ኣይንፈልጥን ኢና። (ጸፎ. 2:3) ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ወይ ኵነታትና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ምድሓንና ኣብ የሆዋ ኣብ ዘለና እምነትን ንዕኡ ኣብ እነርእዮ ተኣዛዝነትን ከም ዚምርኰስ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ “ሕልፍኚ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታ ግቡእ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና።

“ናብ ሕልፍኝኻ እቶ”

ኢሳይያስ 26:20፡ “ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ” ትብል። እዚ ትንቢት እዚ፡ ብ539 ቅ.ክ. ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ንባቢሎን ምስ ወረርዋ ቐዳማይ ተፈጻምነቱ ረኸበ። ቂሮስ ብዓል ፋርስ ናብ ባቢሎን ኪኣቱ ኸሎ፡ ኵሉ ሰብ ካብ ቤቱ ኸይወጽእ ኣዘዘ፣ ከመይሲ፡ ወተሃደራቱ ኣብ ደገ ንዝረኸብዎ ዅሉ ኪቐትሉ መምርሒ ተዋሂብዎም ነበረ።

ሎሚ እተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ልዕሊ 100,000 ዚዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስቲ ኣብቲ ትንቢት ተገሊጹ ዘሎ “ሕልፍኚ” ኺመሳሰላ ይኽእላ እየን። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ኣብ ህይወትና ዓብዪ ተራ ኣለወን። ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እውን እንተ ዀነ፡ ዓብዪ ተራ ኺህልወን እዩ። (ራእ. 7:14) ህዝቢ ኣምላኽ “ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ” ኣብ ‘ሕልፍኝኦም’ ኪሕብኡ ተኣዚዞም ኣለዉ። ብዛዕባ ጉባኤ ጥዑይ ኣመለኻኽታ ኸነማዕብልን ምስኣ ጠቢቕና ንኽንመላለስ ቈራጽነት ክንገብርን ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዚብል ማዕዳ ኣብ ልብና ነሕድሮ።—እብ. 10:24, 25

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ቐደም ኣምላኽ ንምድሓን ዝገበሮ ነገራት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እቲ “ሕልፍኚ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ሎሚ ንምንታይ ኬመልክት ይኽእል፧