ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኢታይ ኣብነት ተኣማንነት

ኢታይ ኣብነት ተኣማንነት

ኢታይ ኣብነት ተኣማንነት

“ኣታ ዅሉ እትኽእል [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ [“እሙን፡” NW] እሞ፡ ዎ [“የሆዋ፡” NW]፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧” እዚ መዝሙር እዚ፡ ኣብ ሰማይ በቶም “ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን . . . ዝሰዐሩ” እተዘመረ ዀይኑ፡ ንተኣማንነት ኣምላኽ የጕልሕ። (ራእ. 15:2-4) የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ንዕኡ ኺመስልዎ፡ ማለት ነቲ ተፈታዊ ባህርያቱ ኼንጸባርቑ እዩ ዚደልዮም።—ኤፌ. 4:24

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ሰይጣን ድያብሎስ ንምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ፍቕሪ እቲ ዜምልኽዎ ኣምላኽ ኪፈልዮም ዚከኣሎ ዘበለ ዅሉ ይገብር እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም እዮም። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተወፋይነት ኣኽቢሩ ዚርእዮ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ብዛዕባ የሆዋ፡ “ቅኑዕ ዘበለ ይፈቱ፥ ነቶም እሙናት ሕዝቡ ኸኣ ኣይኃድጎምን እዩ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (መዝ. 37:28 ትርጕም 1990) እሙናት ንኽንከውን ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ፡ ኣብ ቃሉ ተግባራት ሓያሎ እሙናት ሰባት መዝጊቡልና ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ጸብጻባት እዚ፡ ዛንታ ኢታይ ጋታዊ እዩ።

‘እተማረኸ ወሰንተኛ’

ኢታይ ኣብታ ጋት እትበሃል ከተማ ፍልስጥኤማውያን እተወልደ ኪኸውን ኣለዎ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዓዲ እቲ ዓርሞሸሽ ዝዀነ ጐልያድን ካልኦት ሓያላት ጸላእቲ እስራኤልን እያ ነይራ። ኢታይ ምኩር ተዋጋኢ እዩ ነይሩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ እተጠቕሰ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣቤሴሎም ካብ ንጉስ ዳዊት ዝዓለወሉ እዋን እዩ። ንሱን ንዕኡ ዝሰዓብዎ 600 ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ምሩኻት ኰይኖም ይቕመጡ ነበሩ።

ዳዊት ነቲ ኢታይን ሰዓብቱን ዝነበርዎ ዅነታት ኪዕዘብ ከሎ፡ ነቲ ምስ 600 እስራኤላውያን ተዋጋእቱ ሃዲሙ ናብ ክሊ ፍልስጥኤማውያን ዝኸደሉን ናብ ግዝኣት ኣኪሽ ንጉስ ጋት ዝኣተወሉን እዋን ኣዘኻኺርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ሳሙ. 27:2, 3) ኣቤሴሎም ካብ ዳዊት ኣብ ዝዓለወሉ እዋን፡ ኢታይን ሰቡን እንታይ እዮም ገይሮም፧ ምስ ኣቤሴሎም ድዮም ወጊኖም፡ ገለልተኛታት ድዮም ኰይኖም፡ ወይስ ንዳዊትን ሰቡን እዮም ደጊፎም፧

ዳዊት ካብ የሩሳሌም ኪሃድም ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ቤት-መርሓቅ፡ ማለት “ርሕቕቲ ቤት” ኣብ እትበሃል ቦታ ምስ በጽሐ፡ ደው በለ። እዛ ቦታ እዚኣ፡ ካብ የሩሳሌም ብደብረ ዘይቲ ኣቢሎም ምስ ሓለፉ፡ ርባ ቄድሮን ቅድሚ ምስጋሮም እትርከብ ናይ መወዳእታ ቤት ክትከውን ትኽእል እያ። (2 ሳሙ. 15:17) ኣብኡ ዳዊት ደው ኢሉ፡ ሰራዊቱ ብቕድሚኡ ኺሓልፉ ኸለዉ ተዓዘቦም። ምስኡ ድማ እሙናት እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበሩ። ኵሎም ጋታውያን፡ ማለት ኢታይን 600 ተዋጋእቱን እውን ነበሩ።—2 ሳሙ. 15:18

ዳዊት ካብ ልባዊ ድንጋጽ ተላዒሉ፡ ንኢታይ፡ “ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ አሎኻ፧ ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ። ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ፧ ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ ተመለስ ደኣ፡ ነሕዋትካውን ምለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን” በሎ።—2 ሳሙ. 15:19, 20

ኢታይ ግና፡ “ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታ፡ ንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወት፡ ጊልያኻ ድማ ኣብኣ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ብምምላስ ጽኑዕ ተኣማንነቱ ኣርኣየ። (2 ሳሙ. 15:21) እዚ ንዳዊት፡ እታ ኣደ ኣባሓጎኡ ዝዀነት ሩት እተዛረበቶ ተመሳሳሊ ቓላት ኣዘኻኺርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሩት 1:16, 17) በቲ ኢታይ እተዛረቦ ልቡ ስለ እተተንከፈ፡ ንርባ ቄድሮን ምእንቲ ኺሳገር፡ “ኪድ ተሳገር” በሎ። “ኢታይ ጋታውን ኵሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዚነብሩ ዅሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ።”—2 ሳሙ. 15:22

“ንምህሮና”

ሮሜ 15:4፡ “እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ትብል። ስለዚ፡ ‘ካብ ኣብነት ኢታይ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት ኪሕሉ ዝደረኾ እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ንርአ። ካብ ፍልስጥኤም ተሰዲዱ ዝመጸ ጓና እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ህያው ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ዳዊት ድማ ብየሆዋ እተቐብአ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነበረ። በቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዝነበረ ጽልኢ ኺጽሎ ኣይፈቐደን። ኢታይ ንዳዊት፡ ነቲ ጐብለል ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ጐልያድን ንብዙሓት ደቂ ዓዱን ከም ዝቐተለ ጥራይ ገይሩ ኣይረኣዮን። (1 ሳሙ. 18:6, 7) የግዳስ፡ ከም ሓደ ንየሆዋ ዜፍቅር ሰብ ገይሩ ረኣዮ፣ ብዘይ ጥርጥር ድማ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ዳዊት ኣስተብሂልሉ ኪኸውን ኣለዎ። ዳዊት ከኣ ብግዲኡ፡ ንኢታይ ኣኽበሮ። ኣብቲ ምስ ሰራዊት ኣቤሴሎም ዝገበሮ ወሳኒ ዂናት፡ ሲሶ ሰራዊቱ “ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ” ገይሩ ሰደዶ።—2 ሳሙ. 18:2

ንሕና እውን ስግር ባህላዊ ወይ ዓሌታዊ ፍልልያት ንምርኣይ፡ ማለት ዝዀነ ይኹን ኣቐዲምካ ምፍራድን ጽልእን ንምውጋድ፡ ከምኡውን ንጽቡቕ ባህርያት ካልኦት ንምልላይ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ንየሆዋ እንተ ፈሊጥናዮን እንተ ኣፍቂርናዮን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ክንሰግር ከም እንኽእል፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ኢታይን ዝነበረ ስጡም ርክብ ክንርኢ ንኽእል ኢና።

ነቲ ኢታይ ዝሓደጎ ኣብነት ከነስተንትነሉ ኸለና፡ ከምዚ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ነቲ ዝዓበየ ዳዊት ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ብተመሳሳሊ እሙን ድየ፧ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብቕንኣት ብምስታፍ ተኣማንነተይ አርኢ ድየ፧’ (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ‘ተኣማንነተይ ንኸመስክር ክሳዕ ክንደይ እየ ዝጸንዕ፧’

ርእስታት ስድራ ቤት እውን ብዛዕባ እቲ ኢታይ ዝሓደጎ ተኣማንነት እንተ ኣስተንቲኖምሉ፡ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ኢታይ ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነትን ምስቲ ኣምላኽ ዝቐብኦ ንጉስ ንኪኸይድ ዝገበሮ ውሳነን፡ ንሰቡ ጸልይዎም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ንናይ ሓቂ ኣምላኾ ንምድጋፍ ዚገብርዎ ውሳነ፡ ንኣባላት ስድራ ቤቶም ይጸልዎም እዩ፣ ምናልባት እውን ንግዜኡ ጸገማት የምጽኣሎም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።—2 ሳሙ. 22:26 ትርጕም 1990።

ቅዱሳት ጽሑፋት ደድሕሪ እቲ ዳዊት ምስ ኣቤሴሎም ዝገበሮ ዂናት፡ ንኢታይ ኣይጠቕሶን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ ሓጺር ዛንታ፡ ኣብቲ ኣብ ህይወት ዳዊት ጽንኩር ዝነበረ እዋን ዘርኣዮ ዜደንቕ ባህርይ እዩ ዚሕብረና። ኢታይ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፋት ተጠቒሱ ምህላዉ፡ የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ከም ዜስተብህለሉን ዓስቢ ኸም ዚህብን መርትዖ ይዀነና።—እብ. 6:10