ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ይገለጽ

ኣቱም መንእሰያት፡ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ይገለጽ

ኣቱም መንእሰያት፡ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ይገለጽ

“እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።”—1 ጢሞ. 4:15

1. ኣምላኽ ንመንእሰያት ብዚምልከት እንታይ እዩ ዚደሊ፧

 “ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ።” (መክ. 11:9) ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ፡ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን እዩ። እቲ ምንጪ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ መንእሰያት ብግዜ ንእስነትኩም ጥራይ ሕጉሳት ክትኰኑ ዘይኰነስ፡ ምስ ዓበኹም እውን እንተ ዀነ ሓጐስኩም ኪቕጽል ይደሊ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚረኽቦ ሓጐስ ዚጸሉ ዜሕዝን ጌጋታት ኪገብር ይኽእል እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ እውን ከይተረፈ፡ ብሰሪ ‘ኣበሳ ንእስነቱ’ ሓዚኑ እዩ። (እዮ. 13:26) ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ዀነ ኣብቲ ስዒቡ ዘሎ ዓመታት ንእስነት፡ ከቢድ ውሳነታት ይገብር እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሕማቕ ውሳነታት፡ ስምዒታዊ በሰላ ኼስዕብን ንመላእ ህይወት ዚጸሉ ጸገማት ኬምጽእን ይኽእል እዩ።—መክ. 11:10

2. መንእሰያት ነየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎም እዮም ከቢድ ጌጋታት ዘይገብሩ፧

2 ይኹን እምበር፡ መንእሰያት ጽቡቕ ውሳነ እውን ኪገብሩ ኣለዎም። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝሃቦም ምኽሪ እስከ ርአ። “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ . . . ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 14:20) ልክዕ ከም ሓደ እኹል ሰብ ናይ ምሕሳብ ክእለት ኪህልወና ኸም ዘለዎ ንዚገልጽ ምኽሪ ምቕባል፡ መንእሰያት ከቢድ ጌጋታት ንኸይፍጽሙ ይሕግዞም።

3. ብሱል ንኽትከውን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

3 መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብሱል ምዃን ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ኣይትረስዕ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ። . . . ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። . . . እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” በሎ። (1 ጢሞ. 4:12-15) ክርስትያን መንእሰያት ዕቤት ኪገብሩን እናወሰኹ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ኣብ ኵሉ ኼርእዩን ኣለዎም።

እናወሰኽካ ምኻድ እንታይ የጠቓልል፧

4. መንፈሳዊ ወሰኽ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧

4 ምውሳኽ ኪበሃል ከሎ፡ “ምዕባይ፡ ዝሓሸ ለውጢ ምግባር” ማለት እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና፡ ከምኡውን በቲ ንኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ መገዲ ዕቤት ኪገብር ተማሕጸኖ። ናብራኡ ኣብነታዊ ንኪኸውን ጻዕሪ ኺገብር ነበሮ። ስለዚ፡ ጢሞቴዎስ ብዘይ ምቍራጽ መንፈሳዊ ወሰኽ ኪገብር ነበሮ።

5, 6. (ሀ) ጢሞቴዎስ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዝነበረ እተራእየ መዓስ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት፡ እናወሰኽካ ብምኻድ ዝመጸ ንጢሞቴዎስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

5 ጳውሎስ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ መንጎ 61 ከምኡውን 64 ድ.ክ. ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ጢሞቴዎስ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ሽዑ ኣይኰነን መንፈሳዊ ወሰኽ ኪገብር ጀሚሩ። ኣብ 49 ወይ 50 ድ.ክ. ጢሞቴዎስ ምናልባት ገና ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሜኡ ኸሎ፡ እቶም ነቲ መንፈሳዊ ዕቤቱ ዝረኣዩ “ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነ[በ]ሩ።” (ግብ. 16:1-5) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ወሰዶ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጢሞቴዎስ ተወሳኺ ዕቤት ከም ዝገበረ ምስ ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ኬህድኦምን ኬጽንዖምን ለኣኾ። (1 ተሰሎንቄ 3:1-3, 6 ኣንብብ።) ጢሞቴዎስ ገና መንእሰይ ከሎ እናወሰኸ ይኸይድ ምንባሩ ኣብ ኵሉ ይርአ ነበረ።

6 ኣቱም ኣብ ጉባኤ ዘለኹም መንእሰያት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ እትገብርዎ ዕቤትን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ክእለትኩምን ብንጹር ምእንቲ ኺርአ፡ ሕጂ መንፈሳዊ ባህርያት ንምምዕባል ጽዓሩ። የሱስ ወዲ 12 ዓመት ካብ ዚኸውን ኣትሒዙ፡ “ብጥበብ . . . ዐበየ።” (ሉቃ. 2:52) እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ከተርእዩ እትኽእሉሉ ሰለስተ መዳያት ህይወት እስከ ንርአ፦ (1) ጸገም ኬጋጥመኩም ከሎ፡ (2) ንሓዳር ክትዳለዉ ኸለኹም፡ (3) “ሕያዋይ ኣገልጋሊ” ኽትኰኑ ኽትጽዕሩ ኸለኹም።—1 ጢሞ. 4:6

ንጸገማት “ብጥንቃቐ” ተዋጽኡሉ

7. ጸገማት ንመንእሰያት ኪጸልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ሓንቲ ካሮል ዝስማ ጓል 17 ዓመት ክርስትያን፡ “ሓድሓደ ግዜ ብስምዒታውን ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን ሓይለይ ስለ ዚጽንቀቕ፡ ንግሆ ኽትንስእ ኣይደልን እየ ነይረ” በለት። * ስለምንታይ እዩ ኸምዚ እተሰምዓ፧ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ብሰሪ ፍትሕ ስድራ ቤታ ተበተነት፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ምስታ ንስነ-ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተኽብር ኣዲኣ ትነብር ነበረት። ንስኻ እውን ከም ካሮል ብዙሕ ምምሕያሽ ዘይብሉ ዜጨንቕ ኵነታት የጋጥመካ ይህሉ ይኸውን።

8. ጢሞቴዎስ ምስ ከመይ ዝኣመሰለ ዜጨንቕ ጸገማት ይቃለስ ነበረ፧

8 ጢሞቴዎስ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ዜጨንቕ ኵነታት ይቃለስ ነበረ። ንኣብነት፡ ሕማም ከብዲ ‘ይመላለሶ’ ነበረ። (1 ጢሞ. 5:23) ብምኽንያት እቶም ንስልጣን ጳውሎስ ዚዳፈሩ ዝነበሩ ሰባት ጸገም ምስ ተላዕለ፡ ጳውሎስ ነዚ ንኺፈትሖ ኢሉ ንጢሞቴዎስ ናብ ቈረንቶስ ለኣኾ፣ ነታ ጉባኤ ድማ ምስኡ ንኽትተሓባበርን “ብዘይ ፍርሃት” ከም ዚኸውን ንኽትገብርን ተማሕጸና። (1 ቈረ. 4:17፣ 16:10, 11) ጢሞቴዎስ ሓፋር ወይ ሓናኽ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

9. እታ “ቕጽዓት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል እንታይ ማለት እያ፧ ካብ መንፈስ ፍርሂ እተፈልየት ዝዀነትከ ብኸመይ እያ፧

9 ጳውሎስ ጸኒሑ ንጢሞቴዎስ ንኺሕግዞ ኢሉ፡ “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” ኢሉ ኣዘኻኸሮ። (2 ጢሞ. 1:7) እታ ኣብዚ “ቕጽዓት፡” ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ጥንቃቐ” ወይ “ርእስኻ ምግታእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ኣመዛዚንካ ምሕሳብ ማለት እያ። ንነገራት ከምቲ ኪዀነልካ እትደልዮ ዘይኰነስ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ናይ ምፍታሕ ክእለት ተጠቓልል። ገሊኦም ዘይበሰሉ መንእሰያት መንፈስ ፍርሂ የርእዩ እዮም፣ ብዙሕ ብምድቃስ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ተለቪዥን ብምርኣይ፡ ሓሽሽ ብምውሳድ፡ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ፓርቲ ብምኻድ፡ ወይ ከኣ ጾታዊ ርኽሰት ብምፍጻም ካብ ዜጨንቕ ኵነታት ኪሃድሙ ይፍትኑ። ክርስትያናት ግን፡ “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ኢና ተማዒድና ዘለና።—ቲቶ. 2:12, 13

10, 11. ምምዝዛን፡ መንፈሳዊ ብርታዐ ንኸነማዕብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣጕባዝ ለባማት ኪዀኑ’ ይምዕድ። (ቲቶ. 2:6) ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ፡ ንጸገማት ብጸሎት ኣቢልካን ኣብቲ ኣምላኽ ዚህበካ ብርታዐ ተወኪልካን ክትዋጽኣሉ ዚሓትት እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:7 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ ‘ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሓይሊ’ ልባዊ ትውክልቲ ኸተማዕብል ኢኻ።—1 ጴጥ. 4:11

11 ንካሮል ዝሓገዛ እውን ምምዝዛንን ጸሎትን እዩ። ከምዚ በለት፦ “ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዝኸበደኒ ነገር፡ ካብቲ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ኣነባብራ ኣደይ ምርሓቕ እዩ ነይሩ። ጸሎት ግን ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ ምሳይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣይፈርህን እየ።” ጸገማት፡ ዝሓሽካ ሰብ ከም እትኸውን ኪገብረካን ኬደልድለካን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (መዝ. 105:17-19፣ ድጕ. 3:27) ዝዀነ ይኹን ነገር የጋጥመካ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ከቶ ኣይኪሓድገካን እዩ። “ክረድኣካ” እውን እዩ።—ኢሳ. 41:10

ንዕዉት ሓዳር ምድላው

12. ብዛዕባ ሓዳር ዚሓስብ ዘሎ ክርስትያን፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 20:25 ዚርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ገሊኦም መንእሰያት፡ ሓዳር ንጓሂ፡ ንጽምዋ፡ ንምስልካይ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ቤት ዜጋጥም ጸገማት ዚፈትሖ ስለ ዚመስሎም፡ ተሃዊኾም ይምርዓዉ። ይኹን እምበር፡ ቃል ኪዳን ኣዝዩ ረዚን እዩ። ገሊኦም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ እንታይ ከም ዜጠቓልል ብጥንቃቐ ኸይፈለጡ፡ ቅዱስ መብጽዓ ኣትዮም እዮም። (ምሳሌ 20:25 ኣንብብ።) ሓድሓደ ግዜ፡ መንእሰያት ነቲ ምስ ሓዳር ዚመጽእ ሓላፍነታት ብግቡእ ኣይሓስቡሉን እዮም። ደሓር ግን፡ ካብቲ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ዀይኑ ይጸንሖም።

13. እቶም ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ኪጅምሩ ዚሓስቡ ዘለዉ ነየናይ ሕቶታት ኪሓስቡሉ ኣለዎም፧ ከመይ ዝበለ ሓጋዚ ምኽሪኸ እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ፧

13 ስለዚ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ቅድሚ ምጅማርካ፡ ‘ክምርዖ ዝደሊ ስለምንታይ እየ፧ እንታይ ትጽቢታት እዩ ዘሎኒ፧ እዚ ሰብ እዚ ይዀነኒ ድዩ፧ ብሓቂ ሓላፍነታት ክስከም እኽእል ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ምስትውዓል ዝመልኦ ምርምር ንኽትገብር ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚገልጽ ጽሑፋት ኣሕቲሙ ኣሎ። * (ማቴ. 24:45-47) የሆዋ በዚ ጽሑፋት እዚ ገይሩ ይመኽረካ ኸም ዘሎ ጌርካ ሕሰቦ። ነቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ብጥንቃቐ መርሚርካ፡ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ‘ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም . . . ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹን።’ (መዝ. 32:8, 9) ነቲ ኣብ ሓዳር ከተማልኦ ዘሎካ ነገራት ብምስትውዓል ዝመጸ እኹል ሰብ ኩን። ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ክትጅምር ከም እተዳሎኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ‘ብንጽህና ኣርኣያ’ ኽትከውን ከም ዘሎካ ኸቶ ኣይትረስዕ።—1 ጢሞ. 4:12

14. ብመንፈሳዊ መዳይ እናወሰኽካ ምኻድ፡ ድሕሪ መርዓ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧

14 መንፈሳዊ ብስለት ድሕሪ መርዓ እውን እንተ ዀነ ኣሳልጦ የምጽእ እዩ። ሓደ ዝበሰለ ክርስትያን “ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ንኺበጽሕ ይጽዕር እዩ። (ኤፌ. 4:11-14) ምስ ናይ ክርስቶስ ዚመሳሰል ባህርያት ኬማዕብል ኣበርቲዑ ይዓዪ እዩ። ኣርኣያና ኸም ምዃኑ መጠን፡ “ክርስቶስ . . . ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን።” (ሮሜ 15:3) ክልቲኦም መጻምድቲ ጥቕሚ ርእሶም ዘይኰነስ፡ ጥቕሚ ኻልእ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም፡ ናብራኦም ሰላም ዝመልኦ ይኸውን። (1 ቈረ. 10:24) ሰብኣይ ጥቕሚ ርእሱ ንኺስውእ እትድርኾ ፍቕሪ የርኢ፣ ሰበይቲ ኸኣ ልክዕ ከምቲ የሱስ ነቲ ርእሱ ዝዀነ ዚእዘዞ ንሰብኣያ ትእዘዝ።—1 ቈረ. 11:3፣ ኤፌ. 5:25

“ኣገልግሎትካ መልእ”

15, 16. እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኣገልግሎት ዚርአ ብኸመይ እዩ፧

15 ጳውሎስ ነቲ ንጢሞቴዎስ እተዋህቦ ረዚን ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘እቲ ቓል ክትሰብኽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ኤማሕጽነካ አሎኹ’ በሎ። ወሲኹ ድማ፡ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ” ኢሉ መኸሮ። (2 ጢሞ. 4:1, 2, 5) ጢሞቴዎስ ነዚ ሓላፍነቱ ምእንቲ ኺፍጽም፡ ‘ቃል እምነት ኪምገብ ነበሮ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:6 ኣንብብ።

16 ንስኻኸ ‘ቓል እምነት ክትምገብ’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ጳውሎስ፡ “ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ . . . ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞ. 4:13, 15) ንምምሕያሽ፡ ትግሃት ዝመልኦ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር የድሊ። እታ “ርእስኻ ወፊ” እትብል ሓረግ፡ ኣብ ሓደ ንጥፈት ምጥሓል ወይ ምትኳር ተመልክት። ናይ መጽናዕቲ ልማድካ ኸመይ እዩ፧ ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብዕምቈት ትምርምሮ ዲኻ፡ ወይስ ትንክፍ ትንክፍ ጥራይ ኢኻ እተብሎ፧ (1 ቈረ. 2:10) ብዛዕባ እቲ እተጽንዖ ዘለኻ ምሕሳብካ፡ ብመንፈሳዊ እናወሰኽካ ንኽትከይድ ኪድርኸካ እዩ።—ምሳሌ 2:1-5 ኣንብብ።

17, 18. (ሀ) እንታይ ዓይነት ክእለት ኢኻ ኸተማዕብል ዘሎካ፧ (ለ) ከምቲ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ዓይነት ባህርይ ምንጽብራቕ ኣብ ኣገልግሎት ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

17 ሓንቲ ሚሸል ዝስማ ፈላሚት፡ “ኣብ ኣገልግሎት ብሓቂ ውጽኢታዊት ንክኸውን፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ እገብር፡ ኣብ ኣኼባታት ድማ ኣዘውቲረ እካፈል እየ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብመንፈሳዊ እናዓበኹ እኸይድ ኣለኹ” በለት። ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል፡ ክእለት ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተመሓይሽን ብመንፈሳዊ እናወሰኽካ ንኽትከይድን ኪሕግዘካ እዩ። ንፉዕ ኣንባቢ ኽትከውንን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ሓሳብ ክትህብን ጽዓር። ብመንፈሳዊ ዝበሰለ መንእሰይ ንኽትከውን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንዚወሃበካ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ኸተቕርብ ከለኻ፡ ካብቲ እተመደበልካ ሓሳብ ከይወጻእካ መሃሪ ኽፍሊ ኸተቕርብ ኣሎካ።

18 ‘ግብሪ ወንጌላዊ ምግባር፡’ ንኣገልግሎትካ ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብምፍጻም፡ ሰባት ድሕነት ኪረኽቡ ምሕጋዝ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ “ጥበብ ኣመሃህራ” ምምዕባል ይሓትት። (2 ጢሞ. 4:2 NW) ምስቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ ተመክሮ ዘለዎም ኣብ ኣገልግሎት ብምስታፍ፡ ልክዕ ከምቲ ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ብምዕያይ እተማህረ፡ ካብ ሜላ ኣመሃህራኦም ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። (1 ቈረ. 4:17) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ዝሓገዞም ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅሮም፡ ብስራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ነፍሱ’ እውን ከም ዝሃቦም፡ ማለት ህይወቱ ንዕኦም ኣብ ምሕጋዝ ከም እተጠቕመላ ገለጸ። (1 ተሰ. 2:8) ንስኻ እውን ኣብ ኣገልግሎት ንኣርኣያ ጳውሎስ ንኽትስዕብ፡ ከምቲ ንኻልኦት ሰባት ብሓቂ ዚሓልየሎም ዝነበረን ‘ንወንጌል ዘገልገለን’ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ዓይነት ባህርይ ኪህልወካ ኣለዎ። (ፊልጲ 2:19-23 ኣንብብ።) ኣብ ኣገልግሎት ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ተርኢ ዲኻ፧

እናወሰኽካ ምኻድ ናይ ሓቂ ዕግበት የምጽእ

19, 20. ብመንፈሳዊ እናወሰኽካ ምኻድ ሓጐስ ዜምጽእ ስለምንታይ እዩ፧

19 ብመንፈሳዊ እናወሰኽካ ምኻድ፡ ጻዕሪ ይሓትት። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ናይ ምምሃር ክእለትካ ብዓቕሊ እንተ ኣማዕቢልካዮ፡ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ‘ኸተጸግዎም’ ዜኽእለካ ፍሉይ መሰል ክትረክብ ኢኻ፣ ንሳቶም ከኣ ‘ሓጐስካ ወይ ኣኽሊል ትምክሕትኻ’ ኪዀኑ እዮም። (2 ቈረ. 6:10፣ 1 ተሰ. 2:19) ሓደ ፍሬድ ዝስሙ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ፡ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ንግዜይ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እየ ዘውዕሎ። ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ኣዝዩ ኸም ዜሐጕስ ዜጠራጥር ኣይኰነን” በለ።

20 ሓንቲ ዳፊን ዝስማ መንእሰይ ፈላሚት፡ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባራ ብዛዕባ ዝረኸበቶ ሓጐስን ዕግበትን ክትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን፡ ምስኡ ስጡም ርክብ ኣማዕበልኩ። ብዚከኣለካ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኸለኻ፡ ጽቡቕ ይስምዓካ፡ ዕግበት ድማ ትረክብ” በለት። ብመንፈሳዊ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ሰባት ኣየስተውዕልዎን ይዀኑ፣ የሆዋ ግን ወትሩ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። (እብ. 4:13) ኣቱም መንእሰያት ክርስትያናት፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ክብርን ውዳሰን ከተምጽኡሉ ኸም እትኽእሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብሓቂ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም እናኣርኣኹም፡ ንልቢ የሆዋ ኣሐጕስዎ።—ምሳ. 27:11

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 7 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዝወጸት፡ “እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧” እትብል ምዕራፍ፣ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ናይ ሓዳር ብጻይ ንምምራጽ ዚጠቅም መለኮታዊ መምርሒ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፣ ኣብ ናይ 22 መስከረም 1983 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ብንእስነት ዚግበር መርዓ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ እዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ተወከስ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ብመንፈሳዊ እናወሰኽካ ምኻድ እንታይ የጠቓልል፧

• ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ብኸመይ ተርኢ፧

ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ

ንሓዳር ክትዳሎ ኸለኻ

ኣብ ኣገልግሎት

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎት ንጸገማት ክትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰያት ኣስፋሕቲ፡ ውጽኢታዊ ሜላ ኣመሃህራ ኼማዕብሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧