ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ሰብኡት፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ቅድሕዋ!

ኣቱም ሰብኡት፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ቅድሕዋ!

ኣቱም ሰብኡት፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ቅድሕዋ!

የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ምስ እሙናት ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 13:34, 35) እወ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኣለዎም።

ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ንክርስትያናት ሰብኡት ፈልዩ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:25-27) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ፡ ብፍላይ ሰበይቱ ርእሳ ዝወፈየት ኣገልጋሊት ኣምላኽ እንተ ዀይና፡ ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እዚ ኣብ ሓዳሩ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ይኽእል፧

ክርስቶስ ንጉባኤኡ ይከናኸና

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። [“እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፥ ንገዛእ ርእሱ እዩ ዜፍቅር።” ትርጕም 1990] . . . ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።” (ኤፌ. 5:28, 29) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ይፈትዎምን የፍቅሮምን ይከናኸኖምን ነበረ። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብለውሃትን ብሕያውነትን ይሕዞም ነበረ። “ክብርቲ . . . ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡” ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ደቀ መዛሙርቱ ኣተኰረ።—ኤፌ. 5:27

ከምቲ ክርስቶስ ንጉባኤኡ ፍቕሩ ዝገለጸላ፡ ሓደ ሰብኣይ እውን ንሰበይቱ ብቓልን ብግብርን ፍቕሩ ኼርእያ ኣለዎ። ኣዘውቲሩ ፍቕሩ ዚገልጽ ሰብኣይ ዘለዋ ሰበይቲ፡ ክንክን ከም እተገብረላ ይስምዓ፡ ሕጉስቲ ድማ ትኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ቤታ ምሉእ ዝዀነት ሰበይቲ እውን እንተ ዀነት፡ ብሰብኣያ ዕሽሽ እንተ ተባሂላ፡ ዘይሕጉስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ።

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ዚከናኸና ብኸመይ ኬርኢ ይኽእል፧ ምስ ሰባት ኬፋልጣ ኸሎ፡ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ እዩ ዜፋልጣ፣ ንእትህቦ ደገፍ ድማ ብግህዶ ይንእዳ። ሰበይቱ ኣብቲ እታ ስድራ ቤት ዝዓመመቶ ነገር ሓደ ኣገዳሲ እጃም እንተ ኣበርኪታ፡ ነዚ ንኻልኦት ካብ ምሕባር ድሕር ኣይብልን እዩ። በይኖም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን፡ ከም ዚፈትዋ የርእያ እዩ። ብኢድ ምሓዝ፡ ፍሽኽ ምባል፡ ምሕቋፍ፡ ከምኡውን ምንኣድ ንኣሽቱ ነገራት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ልቢ ሰበይቲ ግን ነባሪ ጦብላሕታ እዩ ዚሓድግ።

“ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን”

ክርስቶስ የሱስ ንቕቡኣት ሰዓብቱ፡ “ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ።” (እብ. 2:11, 12, 17) ክርስትያን ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ ሰበይትኻ ክርስትያን ሓብትኻ እውን ምዃና ኣይትረስዕ። እተጠምቀትሉ እዋን ቅድሚ መርዓኹም ይኹን ወይ ድሕሪኡ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ዝገበረቶ ወፈያ፡ ካብ ቃል ኪዳና ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ዚመርሕ ሓው ንሰበይትኻ ሓሳብ ክትህብ ኪጽውዓ ኸሎ፡ “ሓብትና” ኢሉ እዩ ዚጽውዓ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤት እውን ሓብትኻ እያ። እምበኣር፡ ኣብ ቤትካ ማዕረ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተርእያ ለውሃትን ትሕትናን ከተርእያ ኣሎካ።

ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ጉባኤን ናይ ስድራ ቤትን ሓላፍነታትካ ሚዛን ምሕላው የጸግመካ ይኸውን። ኣብ መንጎ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ጽቡቕ ምትሕብባር እንተ ኣልዩን ንኣገልገልቲ ጉባኤ ብዚግባእ ሓላፍነታት ዚወሃቦም እንተ ዀይኑን፡ ነታ ኻብ ካልኦት ንላዕሊ እትደልየካ ሰበይትኻ ግዜ ንኽትረክብ ኬኽእለካ እዩ። ንዓኻ እተዋህበካ ዕዮ ኺፍጽሙ ዚኽእሉ ብዙሓት ኣሕዋት እኳ እንተ ኣለዉ፡ ምስ ሰበይትኻ ቓል ኪዳን ዝኣሰርካ ግን ንስኻ ጥራይ ምዃንካ ኣይትረስዕ።

ብተወሳኺ፡ ርእሲ ሰበይትኻ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ” ምዃኑ ይሕብር። (1 ቈረ. 11:3) ነዚ ርእስነት እዚ ብኸመይ ክትዓየሉ ኣሎካ፧ ነዛ እተጠቕሰት ጥቕሲ ደጋጊምካ ብምጥቃስን ኣኽብሮት ኪወሃበካ ብምሕታትን ዘይኰነስ፡ ብፍቕራዊ መገዲ ኢኻ ኽትዓየሉ ዘሎካ። ርእስነትካ ብግቡእ ክትዓየሉ እትኽእል ቀንዲ መገዲ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰበይትኻ ንየሱስ ክርስቶስ ብምምሳል እዩ።—1 ጴጥ. 2:21

“ንስኻትኩም . . . ኣዕሩኸይ ኢኹም”

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣዕሩኸይ” ኢሉ ጸውዖም። “እቲ ኻብ አቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ” በሎም። (ዮሃ. 15:14, 15) የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ጽቡቕ ገይሮም ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ ነበሩ። ብሓባር እውን ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ይሳተፉ ነበሩ። “የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ” ናብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ተዓዲሞም ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 2:2) ከም ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ዝኣመሰለ ብሓባር ግዜ ዜሕልፉሉ ቦታታት እውን ነይርዎም እዩ። “የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ [ከም] ዝነበረ፡” መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ።—ዮሃ. 18:2

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣያ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ኸም እትቐርቦ ኺስምዓ ኣለዎ። ኣቱም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ብሓባር ባህ ዜብል ግዜ ኸተሕልፉ ኣሎኩም። ንኣምላኽ ብሓባር ኣገልግልዎ። ብሓባር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ዚርከብ ሓጐስ ኣስተማቕሩ። ብሓባር ብእግሪ ብምዝዋር፡ ብምዝርራብ፡ ከምኡውን ብሓባር ብምምጋብ ግዜ ኣሕልፉ። ሰብ ሓዳር ጥራይ ዘይኰነስ፡ እትፋተዉ መሓዙት ኩኑ።

“ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም”

የሱስ ‘ንደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።’ (ዮሃ. 13:1) ገሊኦም ሰብኡት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ንክርስቶስ ኣይመስልዎን እዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ‘ንሰበይቲ ንእስነቶም ይጠልሙ፡’ ምናልባት እውን ብዕድመ ናብ ዝነኣሰት ይኸዱ።—ሚል. 2:14, 15

ከም ቪሊ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰብኡት ግን፡ ንክርስቶስ ይመስልዎ እዮም። ሰበይቲ ቪሊ ጥዕና ስለ ዘይብላ፡ ንሓያሎ ዓመታት ክንክን ኣድልይዋ እዩ። ቪሊ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ተሰምዖ፧ ባዕሉ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ፦ “ንሰበይተይ ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህበትኒ ውህበት ገይረ ስለ ዝርእያ፡ ኣኽቢረ እየ ዝርእያ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ቅድሚ 60 ዓመት፡ ኣብ ጽቡቕ ኰነ ኣብ ሕማቕ ግዜ ኽከናኸና ቓል ኣትየ እየ። ነቲ ዝኣተኽዎ ቓል ፈጺመ ኣይርስዖን እየ።”

ኣቱም ክርስትያን ሰብኡት፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ቅድሕዋ። ነተን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስትኹም፡ ከም ኣሓትኩምን መሓዙትኩምን ጌርኩም ተኸናኸንወን።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሰበይትኻ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ እትቐርበካ ብጸይትኻ ድያ፧

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

‘ሰበይትኻ ኣፍቅር’